ሳውል ምስ ናይ ቀደም ፈተውቱን ጸላእቱን ተራኸበ
ሳውል ምስ ናይ ቀደም ፈተውቱን ጸላእቱን ተራኸበ
እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል: እምነቱ ናብ ክርስትና ኻብ ዚቕይር ንመጀመርታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ ተሻቒሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። a ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ከሎ: ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዲሩ ነበረ። ኣብ ደማስቆ ንዝረኸቦ ዘበለ ክርስትያን ኪኣስር ድማ ስልጣን ነበሮ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:1, 2፣ ገላትያ 1:18
ሳውል ክርስትያን ምስ ኰነ: ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዝተንስአ መሲህ ዝንበሮ እምነት ብትብዓት ኪሰብኽ ጀመረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ደለዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:19-25) እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ናይ ቀደም ፈተውቱ ዝነበሩ ኣይሁድከ መርሓባ ኢሎም ይቕበልዎ ደዀን ይዀኑ፧ ንሳውል ብዝያዳ ዜገድሶ ዝነበረ ነገር ግን: ምስቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ ምርኻብ እዩ ነይሩ። እዚ ግን ቀሊል ኣይነበረን።
“ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ: ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ: ንሳቶም ግና: ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይአመንዎ: ኵላቶም ፈርሁ።” (ግብሪ ሃዋርያት 9:26) መቸም ከምዚ ዓይነት ስምዒት ምሕዳሮም ርዱእ እዩ። ከመይሲ: ቅድሚ ሒደት ግዜያት ምሕረት ዘይብሉ ሰጓጒ እዩ ነይሩ። ክርስትያን ከም ዝዀነ ምዝራቡ: ናብታ ጉባኤ ሰሊዅ ንምእታው ዚገብሮ ዝነበረ ምትላል መሲልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ካብኦም ኬርሕቕዎ ደለዩ።
ሓደ ኻባታቶም ግን ንሳውል ሓገዞ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ: በርናባስ ነዚ ቐደም ሰጓጒ ዝነበረ ሰብ: ክርስትያን ከም ዝዀነን ኣብ ደማስቆ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ስብከትን ብምንጋር “ናብ ሃዋርያት:” ማለት ናብ ጴጥሮስን (ኬፋ) ናብቲ ንጐይታ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብን “ኣምጽኦ።” (ግብሪ ሃዋርያት 9:27፣ ገላትያ 1:18, 19) በርናባስ ንሳውል ብኸመይ ከም ዝኣመኖ እተገልጸ ነገር የልቦን። ኣቐዲሞም ይፋለጡ ስለ ዝነበሩ: በርናባስ ንቕንዕና ሳውል ንኼረጋግጽ ተደሪኹዶ ይኸውን፧ ወይስ ሳውል እምነቱ ናብ ክርስትና ምልዋጡ ኻብቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ዚፈልጦም ክርስትያናት እዩ ሰሚዑ፧ ዝዀነ ዀይኑ: በርናባስ ነቲ ብዛዕባ ሳውል ዝነበረ ምጥርጣር ኣወገዶ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሳውል ን15 መዓልቲ ምስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ጸንሐ።
ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ምስ ጴጥሮስ
ሳውል ከምቲ ንሰብ ገላትያ ዝገለጸሎም: ሰብኣዊ ፍቓድ ከየድለዮ: ካብ የሱስ ብቐጥታ መዝነቱ ተቐበለ። (ገላትያ 1:11, 12) ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ብዚግባእ ኪንገሮ ኣድላዪ ምዃኑ ተረዲኡ ምንባሩ ግን ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ምስ ጴጥሮስ ዘሕለፎ ግዜ ድማ ነዚ ንኺገብር ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። (ሉቃስ 24:12፣ 1 ቈረንቶስ 15:3-8) ሳውል ንጴጥሮስን ንያእቆብን ዝሓቶም ብዙሕ ነገር ነበሮ: ንሳቶም እውን ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ራእይን ብዛዕባ መዝነቱን ኪፈልጡ ደልዮም ነበሩ።
ካብ ናይ ቀደም ፈተውቱ ዘምለጠሉ መገዲ
እስጢፋኖስ ናይ መጀመርታ ክርስትያን ሰማእት ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ምስቶም “ሊቤርጢኖን ካብ እትብሀል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን” ዝዀኑ ሰባት ተኸራኺሩ ነበረ። ሕጂ ኸኣ ጳውሎስ “ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ” ወይ ሄለናውያን እናተኸራኸረ ብትብዓት መስከረሎም። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ ኪቐትልዎ ደለዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 6:9፣ 9:28, 29
ሳውል ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወቱ ዝገበሮ ዓብዪ ለውጢ ኺገልጸሎም ከምኡውን ነቶም ናይ ቀደም ፈተውቱ ብዛዕባ እቲ መሲህ ኬብርሃሎም እንተ ደለየ ኣየገርምን እዩ። እቶም ሄለናውያን ኣይሁድ ግን ነዚ ኸም ከሓዲ ገይሮም ዝረኣይዎ ሰብኣይ ኣዝዮም ጸልእዎ።
ሳውል ኣብ ሓደጋ ኸም ዝነበረ ተረዲእዎዶ ነይሩ፧ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪጽሊ ኸሎ ተመሲጡ ንየሱስ ከም ዝረኣዮ ነንብብ፣ የሱስ: “ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቅበሉኻን እዮም: ስለዚ ኻብ የሩሳሌም ቀልጢፍካ ውጻእ” በሎ። ሳውል ድማ ከምዚ ብምባል መለሰ:- “ጐይታይ: ኣነ ነቶም ብኣኻ ዚአምኑ እአስሮምን ኣብ ቤት ጸሎት እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ: ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም። ደም እስጢፋኖስ ምስክርካ ኬፍስሱ ኸለዉ ድማ: ባዕለይ ምሳታቶም ሰሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ: ክዳውንቲ እቶም ዝቐተልዎውን ሐሎኹ።”—ግብሪ ሃዋርያት 22:17-20
ገሊኦም ሰባት: እቲ ሳውል ዝሃቦ መልሲ ነቲ ሓደጋ ኸም ዘስተብሃለሉ ዜርኢ እዩ ይብሉ። ገሊኦም ከኣ ‘ከምኦም ሰጓጒ ምንባረይ ይፈልጡ እዮም። ነቲ ዝቐየርክዎ እምነት ኣርዚኖም ከም ዚርእይዎ ርግጸኛ እየ። ምናልባት ክሕግዞም እኽእል እኸውን’ እዩ ዚብል ነይሩ ይብሉ። ኰይኑ ግን: የሱስ እዞም ኣይሁድ ንምስክርነት “ከሓዲ” ኸም ዘይቅበሉ ይፈልጥ ነበረ። ንሳውል ድማ “ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣህዛብ እልእከካ አሎኹ እሞ: ኪድ” በሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:21, 22
እቶም ክርስትያናት ብጾቱ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ ምስ ፈለጡ: ንሳውል ብቕልጡፍ ናብ ወደብ ቂሳርያ ወሲዶም ናብታ 500 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ጠርሴስ እትበሃል ዝዓበየላ ኸተማ ሰደድዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:30) ናብ የሩሳሌም ክሳዕ ዚምለስ ድማ እተወሰነ ዓመታት ሓለፈ።
ከምዚ ገይሮም ንሳውል ብታህዋኽ ምስዳዶም: ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዕቍባ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ: እቲ ቐደም ሰጓጒ ዝነበረ ኣብ የሩሳሌም ምጽናሑ ኣዝዩ ሓደገኛ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሳውል ምስ ከደ ግን: “ነታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ: እናተሀንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዐበየትን ከደት።”—ግብሪ ሃዋርያት 9:31
ንመጠንቀቕታ ዚኸውን ትምህርቲ
ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተራእየ: ኣብዚ እዋን እዚ እውን ጥንቃቐ ዜድልዮ ዅነታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ: ንዘይንፈልጦ ሰብ ብዓይኒ ጥርጠራ እንርእየሉ ምኽንያት የብልናን። ሓድሓደ ግዜ ግን ጐሓሉ ሰባት ንጥቕሚ ርእሶም ይኹን ነታ ጉባኤ ንምጕዳእ ኢሎም ንህዝቢ የሆዋ ኼጠፋፍእዎም ፈቲኖም እዮም። ስለዚ: ግዳይ እዞም መደናገርቲ ሰባት ንኸይንኸውን መስተውዓልቲ ኽንከውን ኣሎና።—ምሳሌ 3:27፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:13
ሳውል ኣብ የሩሳሌም ምስ ሰበኸ ዝረኸቦ ምላሽ: ካልእ ክርስትያናት ኪጥንቀቑሉ ዚግባእ መገዲ ዜርኢ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ምስባኽ ወይ ከኣ ንገሊኦም ሰባት: እንተላይ ንናይ ቀደም ፈተውቲ ምስባኽ: ብኣካላውን መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን መዳይ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ግዜን ቦታን ብምምራጽ: ኣቐዲምካ ጥንቃቐ ምግባር ግቡእ እዩ።—ምሳሌ 22:3፣ ማቴዎስ 10:16
መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምምጻኡ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚስበኽ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሳውል ነቶም ናይ ቀደም ፈተውቱን ጸላእቱን ‘ተቢዑ ብስም ጐይታ ብምዝራብ’ ዝመጸ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉ!—ግብሪ ሃዋርያት 9:28
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዚ እዋን እዚ: ካብቲ ሳውል ዚብል ስም ብዝያዳ ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ። ኣብቲ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን በቲ ሳውል ዚብል ኣይሁዳዊ ስሙ እዩ ተረቚሑ ዘሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:9
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ሳውል ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ: ነቶም ግሪኽኛ ዚዛረቡ ኣይሁድ ብትብዓት መስከረሎም