ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግዜ ዘይግደብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት

ብግዜ ዘይግደብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት

ብግዜ ዘይግደብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት

ኵሎም ሰብኣውያን ሕብረተሰባት ንገሊኡ ስነ-ምግባራዊ ሕግታት ይድግፉ እዮም። ከም ቅንዕና: ሕያውነት: ድንጋጽ: ልግሲ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣብ ብዘላ ዓለም ብዚርከቡ ሰባት ኣኽቢርካ ኸም ዚርአን ንመብዛሕትና እውን ከም ዚስሕበናን ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

ናይ መን ስርዓታት፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ሓደ ሳውል ዚበሃል ምሁር ሰብኣይ ሰለስተ እተፈላለየ ሓያል ጽልዋ ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ይነብር ነበረ። እዚ ኸኣ እቲ ናይ ኣይሁድ: ናይ ግሪኻውያን: ከምኡውን ናይ ሮማውያን ስርዓታት እዩ። ሳውል ኣብ ልዕሊ እቲ እዚ ባህልታት እዚ ዚጠልቦ እተሓላለኸ ልምድታትን ሕግታትን: ሰባት ብሓፈሻ ኣብ ውሽጦም ብዝሓደረ ስነ-ምግባራዊ ሕግታት ከም ዚምርሑ ኣስተውዓለ። እዚ ኸኣ ሕልናና እዩ። ሳውል ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ኰነ: “እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ: ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ: እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ: ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ: ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ: ንርእሶም ሕጊ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 2:14, 15

ኰይኑ ግን: ቅኑዕን ጌጋን ክንውስን ከለና: ‘ብባህሪና’ ተደሪኽና ምውሳን እኹል ድዩ፧ ከም እትፈልጦ: ታሪኽ ወድሰብ በቲ ኣብ ውልቀ-ሰባት ኰነ ጕጅለታት ዘጋጠመ ፍሽለት ዝመልአ እዩ። እዚ ኸኣ ንብዙሓት ሰባት ህይወቶም ዚመርሑሉ ብሉጽ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምምስራት ካብ ዝለዓለ ምንጪ መምርሒ ኸም ዜድልየና ኣእሚንዎም እዩ። ሓያሎ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ብግዜ ዘይግደብ ስርዓታት ኪህብ ዚኽእል: እቲ ገባር ደቅሰብ ምዃኑ ኣፍልጦ ይህቡሉ እዮም። ዶ/ር ካርል ጁንግ ኣብታ ዘ ኣንዲስካቨርድ ሰልፍ ዘርእስታ መጽሓፉ: “እቲ መልህቁ ኣብ ኣምላኽ ዘይተኸለ ውልቀ-ሰብ ነቲ ኣካላውን ስነ-ምግባራውን መስድዒታት እዛ ዓለም እዚኣ ብርእሱ ኺጻረሮ ኣይክእልን እዩ” በለ።

እዚ መደምደምታ እዚ ምስቲ ሓደ ጥንቲ ዝነበረ ነብዪ: “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ብምባል ዝጸሓፎ ዚሰማማዕ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) ፈጣሪና: “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ኢሉና ኣሎ።—ኢሳይያስ 48:17

ፍቱን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዚርከቦ ዜተኣማምን ምንጪ

እዘን ኣቐዲመን እተጠቕሳ ጥቕስታት ኣብቲ ብብዝሒ ዝርጋሐኡ ቐዳምነት ሒዙ ዘሎ ምንጪ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዝዀነ ቕዱሳት ጽሑፋት እየን ዚርከባ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ክርስትያናትን ሃይማኖታውያንን ዘይኰኑ ውልቀ-ሰባት እውን ከይተረፉ: ምስትውዓልን ጥበብን ንምርካብ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣናድዮም እዮም። ዮሃን ቮልፍጋንግ ቮን ጎቴ ዚበሃል ጀርመናዊ ገጣሚ: “ኣነ ብወገነይ: [መጽሓፍ ቅዱስ] ንዅሉ ስነ-ምግባረይ ስለ ዝጸለዎ: አፍቅሮን አኽብሮን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። ሞሃንዳስ ጋንዲ ዚበሃል መራሕ ሂንዱ እውን: “ካብቲ በቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት [ክፍሊ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ እዩ] ኣቢሉ ዝቐረበልኩም ፈልፋሊ ማይ ኣጸቢቕኩም ስተዩ። . . . ከመይሲ: እቲ ስብከት ንነፍሲ ወከፍና ዚምልከት እዩ” ኢሉ ኸም እተዛረበ ይጥቀስ እዩ።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሃዋርያ ጳውሎስ: ቅዱሳት ጽሑፋት ዜተኣማምን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ምሃብ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ኼጕልሕ ከሎ: “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ . . . ይጠቅም እዩ” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ብሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧

ስለምንታይ ባዕልኻ ዘይትምርምር፧ ነቲ ኣብ እትቕጽል ገጽ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት መርምሮ። እቲ ዜመሓላልፎ ኣወንታዊ ስርዓታት ተመልከቶ። እቲ ኣብቲ ትምህርትታት ዚርከብ ሓሳባት: ንህይወትካን ምስ ሰባት ንዘሎካ ርክብን ኬመሓይሾ ኸም ዚኽእል ኣስተንትነሉ።

ክትጥቀም ዲኻ፧

እዚ እተዘርዘረ ስርዓታት: ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ግብራዊ ምኽርታት ገለ ኣብነታት ጥራይ እዩ። ቃል ኣምላኽ ካብቲ ንህይወትና ኺሃሲ ዚኽእል ጐዳኢ ሓሳባትን ዘረባን ተግባራትን ምእንቲ ኽንርሕቕ ሓያሎ መጠንቀቕታታት እውን ሒዙ ኣሎ።—ምሳሌ 6:16-19

እወ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርትታት: ሰባት ብሓፈሻ ኺህቡና ዘይክእሉ ነገር እዩ ዚህበና፣ እዚ ኸኣ ንሰባት ብሉጽ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንኼማዕብሉ ዜኽእል ምኽሪ እዩ። እቶም ነዚ ትምህርትታት ዚቕበልዎን ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎን ዓብዪ ለውጢ እዮም ዚገብሩ። ኣተሓሳስባኦም ናብ ዝሓሸ ይቕየር። (ኤፌሶን 4:23, 24) ድራኸታቶም ይመሓየሽ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ስርዓታት ኣምላኽ ኪመሃሩ ብምኽኣሎም: ካብ ልቦም ዓሌትነትን ጽልእን ንኺምሕዉ ኣኽኢልዎም እዩ። (እብራውያን 4:12) ቅዱሳት ጽሑፋትን እቲ ንሱ ዚድግፎ ስርዓታትን: ንሰባት ኵሉ ዓይነት ዓመጻን እከይን ነጺጎም: ዝሓሹ ሰባት ኪዀኑ ሓጊዝዎም እዩ።

እወ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ንህይወት ሰባት ዘበላሸወ ሱር ዝሰደደ ልማዳትን ልምድታትን ንኼወግዱ ሓጊዝዎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ቀይርዎም እዩ፣ ምቕያር ኪበሃል ከሎ ድማ ልማዳቶም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣልባቦምን ተስፋኦምን ቤቶምን ለዊጥዎ ማለት እዩ። ዓለም እናኣንቈልቈለት ትኺድ ብዘየገድስ: ኣብ ኵሉ ኽፋላት ምድሪ ዚርከቡ ገሊኦም ሰባት ዝሓሹ ይዀኑ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ዜቋርጽ ኣይኰነን። “ሳዕሪ ይነቅጽ: ዕምባባ ይቕምስል: ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—ኢሳይያስ 40:8

ይኹን እምበር: ንስኻ ብብሕትኻ ኻብ “ቃል ኣምላኽና” ኽትጥቀም ዲኻ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ንጥቕምኻ ኪኸውን ኢልካ ብኸመይ ክትቅበሎ ኸም እትኽእል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምስዚ ስርዓታት እዚ ተሰማሚዕካ ምንባር: ሕጂ ስምረት ኣምላኽ ንኽትረክብ የኽእለካ: ኣብ መጻኢ ድማ ነቲ ብግዜ ዘይግደብ ስርዓታት ኣምላኽ ሓሊኻ ናብ እትመላለሰሉ ነባሪ ህይወት ይመርሓካ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብግዜ ዘይግደብ ስርዓታት

እታ ወርቃዊት ሕጊ። “እምብኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ: ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12

ንብጻይካ ኣፍቅሮ። “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:39) “ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን: እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።”—ሮሜ 13:10

ንኻልኦት ኣኽብሮም። “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም: ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።”—ሮሜ 12:10

ንሰላም ስዓባ። “ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።” (ማርቆስ 9:50) “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።” (ሮሜ 12:18) “ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገር . . . ንስዐብ።”—ሮሜ 14:19

ይቕረ በሃሊ ኹን። “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም: በደልና ሕደገልና።” (ማቴዎስ 6:12) “ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ።”—ኤፌሶን 4:32

እሙን ኩን። “ሰበይቲ ኺዳንካ ኸይጠለምካ ርክብካ ምስኣ ጥራይ ይኹን። . . . ብሰበይትኻ ተሓጐስ፥ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። . . . መልክዓ ይማርኽካ፥ ፍቕራውን ይምሰጥካ። . . . ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፧ ሰበይቲ እማትካስ እትሓቍፍ፧” (ምሳሌ 5:15-20 ትርጕም 1990) “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ: እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።” (ሉቃስ 16:10) “ካብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 4:2

ብቕንዕና ተመላለስ። “ኣነዶ ብሚዛን ረሲእነትን በቲ ኸረጺት ጠባሪ መምዘንን ንጹህ ክኸውን እየ፧” (ሚክያስ 6:11) “ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና: ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና: ተረዲእናዮ አሎና።”—እብራውያን 13:18

ሓቀኛን ፍትሓውን ኩን። “እከይ ጽልኡ: ሰናይ ከኣ አፍቅሩ: ኣብ ደገውን ፍርዲ ኣጽንዑ።” (ኣሞጽ 5:15) “ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ: ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።” (ዘካርያስ 8:16) “ንሓሶት ንየው በልዎ: ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ: ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።”—ኤፌሶን 4:25

ህርኩትን ትጉህን ኩን። “ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም።” (ምሳሌ 22:29) “ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ።” (ሮሜ 12:11) “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ።”—ቈሎሴ 3:23

ለዋህን ደንጋጽን ሕያዋይን ኩን። “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ።”—ቈሎሴ 3:12

ንእከይ ብሰናይ ስዓሮ። “ጸላእትኹም ፍተዉ: ንዚረግሙኹም መርቑ።” (ማቴዎስ 5:44) “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር: በቲ እከይ ኣይትሰዐር።”—ሮሜ 12:21

ንኣምላኽ ብዚከኣለካ ዘበለ ኣገልግሎ። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።”—ማቴዎስ 22:37, 38

[ስእሊ]

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምቕባልና: ዕዉት ሓዳር: ሓጐስ ዝመልኦ ርክባት ስድራቤት: ከምኡውን ዜዕግብ ዕርክነት ንኺህልወና ይሕግዝ