ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት ብምሕላይ ዝመጸ ንየሆዋ ትመስሎዶ ኣለኻ፧

ንኻልኦት ብምሕላይ ዝመጸ ንየሆዋ ትመስሎዶ ኣለኻ፧

ንኻልኦት ብምሕላይ ዝመጸ ንየሆዋ ትመስሎዶ ኣለኻ፧

“ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ [ኣብ ኣምላኽ] ኣውድቕዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:7) እዝስ ከመይ ዝበለ ባህ ዜብል ጻውዒት ኰን እዩ! የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይሓልየሎም እዩ። ኣብ ሕቝፉ ድማ ቅሳነት ኪስምዓና ይኽእል እዩ።

ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ንኻልኦት ሰባት ከምዚ ዓይነት ሓልዮት ከነማዕብልን ከነርእን ኣሎና። ፍጹማት ስለ ዘይኰንና ግን: ንኻልኦት ሰባት ሓልዮት ከነርኢ ኸለና ኽንጥንቀቐሉ ዚግባእ ሓደጋታት ኣሎ። ቅድሚ ነዚ ምርኣይና: ገለ ኻብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዚሓልየሉ መገድታት እስከ ንርአ።

ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ንኣምላኽ ምስ ሓደ ጓሳ ብምምስሳል ነቲ ዜርእዮ ሓልዮት ከምዚ ብምባል ገለጾ:- “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ: ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ: ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ: . . . ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ: ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ: ክፉእ ኣይፈርህን እየ።”—መዝሙር 23:1-4

ዳዊት ጓሳ ስለ ዝነበረ: ነተን መጓሰ ምሕላይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል ይፈልጥ ነበረ። ጓሳ ንኣባጊዑ ኣደዳ ኣናብስን ተዃሉን ድብን ከይኰና የዕቍበን። ከይበታተና ይሕልወን: ንዝጠፍአት በጊዕ ይደልያ: ንዝደኸመት ዕየት ኣብ ሕቝፉ ይስከማ: ከምኡውን ንዝሓመማን ንእተጐድኣን ይከናኸነን። መዓልታዊ ድማ ማይ የስትየን። እዚ ግን ንነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ እተን ኣባጊዕ ይቈጻጸሮ እዩ ማለት ኣይኰነን። ናጻ ግን ከኣ ኣብ ትሕቲ ዕቝባኡ እየን።

የሆዋ እውን ከምዚ ገይሩ እዩ ንህዝቡ ዚሓልየሎም። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ . . . ተሐሊኹም” በለ። (1 ጴጥሮስ 1:5) የሆዋ ኻብ ሓልዮት ተላዒሉ: ኵሉ ሳዕ ይሕልወና ኸምኡውን ክንሓቶ ኸለና ሓገዝ ንኺህበና ወትሩ ድሉው እዩ። ይኹን እምበር: ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዚህልወና ገይሩ ስለ ዝፈጠረና: ኣብ ኵሉ ስጕምትናን ውሳነታትናን ኢዱ ኣየእቱን እዩ። በዚ መዳይ እዚ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንውሉዳትካ ብምሕላይ ንኣምላኽ ምሰሎ

“ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም።” ስለዚ: ወለዲ ንውሉዳቶም ኬዕቍብዎምን ኪሓልዩሎምን ኣለዎም። (መዝሙር 127:3) እዚ ድማ ኣብቲ ምስኦም ዘሎካ ርክብ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ: ውሉዳት ኣብ ውሽጦም ዘሎ ኸም ዚገልጹ ምግባር: ድሕሪኡ ኸኣ ኣብቲ ምሳታቶም ዚህልወካ ርክብ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ኣብ ግምት ምእታው ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወለዲ ንድሌት ደቆም ዕሽሽ ብምባል ንነፍሲ ወከፍ ስጕምቶም ኪቈጻጸርዎ እንተ ፈቲኖም: ከም ሓደ ንበጊዕ ገመድ ኣብ ክሳዳ ኣሲሩ ኺቈጻጸራ ዚፍትን ጓሳ እዮም ዚዀኑ። ዝዀነ ይኹን ጓሳ ነተን መጓሰኡ ኸምዚ ገይሩ ኣይጓስየንን እዩ፣ የሆዋ እውን ከምዚ ገይሩ ኣይጓስየናን እዩ።

ማሪኮ a ኸምዚ ብምባል ተኣመነት:- “ንብዙሕ ዓመታት ንደቀይ: ‘ከምዚ ኽትገብሩ ኣሎኩም:’ ‘ከምዚ ኽትገብሩ የብልኩምን’ እየ ዝብሎም ነይረ። ወላዲ ስለ ዝዀንኩ: ከምዚ ናይ ምግባር ሓላፍነት ከም ዘሎኒ እየ ዝኣምን ነይረ። ናእዳ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ ኣይፈልጥ እዩ: እሂን ምሂን እውን ተባሃሂልና ኣይንፈልጥን ኢና።” ጓል ማሪኮ ምስ ፈተውታ ንሰዓታት ብተሌፎን ተዕልል እኳ እንተ ዀነት: ምስ ኣዲኣ እትገብሮ ዕላል ግን ሓጺር እዩ። ማሪኮ ቐጺላ ኸምዚ በለት:- “ብድሕርዚ ኣበይ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተረዳእኩ። ጓለይ ንፈተውታ ኽትዛረብ ከላ: ነቲ ኸም እተረድኣትሎም ዜርኢ ‘ሓቅኺ እወ:’ ወይ ‘ኣነ እውን ከምኡ ይመስለኒ’ ዚብል መግለጺታት ትጥቀም ነበረት። ኣነ ድማ ነቲ ጓለይ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ነገራት ከም እትገልጽ ንምግባር ተመሳሳሊ መግለጺ ኽጥቀም ጀመርኩ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ እቲ እንገብሮ ዝነበርና ዕላል ነዊሕን ብዝያዳ ባህ ዜብልን ኰነ።” እዚ ተመክሮ እዚ: ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ እዩ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ: ሓባራዊ እምበር በይናዊ ኣይኰነን።

ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ውሽጦም ዘሎ ኸም ዚገልጹ ኺገብርዎም ኣለዎም፣ ውሉዳት እውን እቲ ወለዲ ዜርእይዎ ሓልዮት ብኸመይ ከም ዜዕቍቦም ኪርድኡ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ: ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ይምዕድ እዩ፣ ከምዚ ዚዀነሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ ኸኣ “ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ” ይብል። (ኤፌሶን 6:1, 3) እቶም ተኣዛዝነት ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ዚኣምኑ ውሉዳት: እዙዛት ምዃን ቀሊል እዩ ዚዀነሎም።

ንመጓሰ የሆዋ ብምሕላይ

እቲ የሆዋ ዘለዎ ሓልዮት: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተራእዩ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ርእሲ እታ ጉባኤ ስለ ዝዀነ: ነቲ መጓሰ ንኺሓልዩ ንሽማግለታት ይመርሖም። (ዮሃንስ 21:15-17) እታ ሓላዊ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ምስታ “ብጥንቃቐ ተኸታተለ” ዚብል ትርጕም ዘለዋ ግሲ ትዛመድ እያ። እዚ ብኸመይ ኪግበር ከም ዘለዎ ንምጕላሕ: ጴጥሮስ ንሽማግለታት ከምዚ ብምባል መምርሒ ሃቦም:- “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ: ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ብግዲ ኣይኹን: ብታሕጓስ እምበር: ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን: ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር: ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።”—1 ጴጥሮስ 5:2, 3

እወ: እቲ ሽማግለታት ዚዓይዎ ዕዮ ምስቲ ሓደ ጓሳ ዚፍጽሞ ዕዮ ይመሳሰል እዩ። ክርስትያን ሽማግለታት: ህይወት እቶም ብመንፈሳዊ ዝሓመሙ ሰባት ተዓርዩ ጽድቃዊ ስርዓታት ዜንጸባርቕ ምእንቲ ኪኸውን: ኪሓልዩሎምን ኬቕንዕዎምን ይግባእ። ሽማግለታት ንንጥፈት እታ ጉባኤ ናይ ምውዳብ: ኣኼባታት ናይ ምስንዳው: ከምኡውን ኣብታ ጉባኤ ስርዓት ከም ዚህሉ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም።—1 ቈረንቶስ 14:33

እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ቓላት ጴጥሮስ: ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ “ኸም ጐይተት” ኪዀኑ ኸለዉ ብዛዕባ ዚህሉ ሓደጋ እውን የጠንቅቕ እዩ። ሓደ ሽማግለ ዘየድሊ መምርሒታት ኬውጽእ ከሎ: እዚ ሓደጋ እዚ ዚረኣየሉ ሓደ ኣንፈት እዩ። ነቲ መጓሰ ንምዕቋብ ካብ ዚብል ኣረኣእያ ዚብገስ እኳ እንተ ዀነ: ካብ መጠን ዝሓለፈ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ሃገራት ምብራቕ ዚርከባ ጉባኤታት ዘለዉ ሽማግለታት: እቶም ኣሕዋት ብኸመይ ሰላም ኪበሃሃሉ ኸም ዘለዎም: ንኣብነት ፈለማ መን ኪዛረብ ከም ዘለዎ መምርሒ ኣውጽኡ፣ ነዚ መምርሒ እዚ ምስዓብ ኣብታ ጉባኤ ሰላም ከም ዚህሉ ዚገብር ገይሮም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። እቲ ኸምዚ ንኺገብሩ ዝደረኾም ነገር ሰናይ እኳ እንተ ዀነ: እዞም ሽማግለታት ግን ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዚሓልየሉ መገዲ ቐዲሖምዎ ኺበሃል ይከኣልዶ፧ እቲ ዜገርም: ነዚ ብዚምልከት ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣረኣእያ: “ብእምነት ቌምኩም አሎኹም እሞ: ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር: ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን” ብምባል ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 1:24) የሆዋ ንህዝቡ ይኣምኖም እዩ።

ሓለይቲ ሽማግለታት: ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ መምርሒታት ካብ ምውጻእ ብምቝጣብ ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ካልኦት ምስጢር ብምዕቃብ እውን ሓልዮት የርእዩ እዮም። ነቲ “ምስጢር ካልእ ግና ኣይትቕላዕ” ዚብል ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መጠንቀቕታ ይፈልጥዎ እዮም።—ምሳሌ 25:9

ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ምስ ሰብኣዊ ኣካል ኣመሳሲልዋ ኣሎ፣ ከምዚ ድማ በለ:- “እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር: ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ: ኣምላኽ . . . ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ።” (1 ቈረንቶስ 12:12, 24-26) እታ ኣብዚ “ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ” እትብል ናይ ግሪኽ ሓረግ: ቃል ብቓሉ ‘ሓደ በቲ ሓደ ኺሻቐል ኣለዎ’ ማለት እያ። ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ንሓድሕዶም ዓሚቝ ሓልዮት ኪህልዎም ኣለዎ።—ፊልጲ 2:4

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ሓደ በቲ ሓደ ኸም ዚሻቐሉ’ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧ ነቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ኸም ዚሓልዩሎም: ብዛዕባኦም ብምጽላይ ከምኡውን ነቶም ስኡናት ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ብምሕጋዝ ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ናይ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ጐድኒ ንኽንርኢ ዚሕግዝ እዩ። ታዳታካ ኸምዚ ዝበለ ሓልዮት ብኸመይ ከም ዝረኸበ እስከ ርአ። ወዲ 17 ዓመት ከሎ ተጠመቐ: ካብ ስድራቤቱ ድማ ንሱ ጥራይ ንየሆዋ የገልግል ነበረ። ከምዚ በለ:- “ኣብታ ጉባኤና እትርከብ ሓንቲ ስድራቤት: ብዙሕ ሳዕ ንመኣዲ ይኹን ንምትእኽኻብ ትዕድመኒ ነበረት። ንግሆ ንግሆ ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻደይ ንገዛኦም ከይደ ናይታ ዕለት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመያየጥ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዜጋጥመኒ ጸገማት ብኸመይ ክፈትሖ ኸም ዝኽእል ይመኽሩኒ ነበሩ: ብሓደ ዄንና ድማ ብዛዕባ እቲ ጸገም ንጽሊ ነበርና። እዛ ስድራቤት እዚኣ ልግሲ ምሂራትኒ እያ።” ታዳታካ ነቲ እተማህሮ ነገር ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግል ኣሎ።

ሃዋርያ ጳውሎስ: ንኻልኦት ሰባት ሓልዮት ከነርኢ ኸለና ብዛዕባ ዜጋጥመና ሓደጋ ገሊጹ ነበረ። ገሊአን ኣንስቲ “ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን” ምዃነን ጠቒሱ ነበረ። (1 ጢሞቴዎስ 5:13) ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ንግደስ እኳ እንተ ዀንና: እዚ ግን ኣብ ውልቃዊ ጕዳዮም ኢድና ነእቱ ኢና ማለት ኣይኰነን። ኣብ ካልኦት ሰባት ጠገለ ዘይብሉ ተገዳስነት ነሕድር እንተ ዄንና: “ወልፋሳት” ወይ ነቐፍቲ ኺገብረና ይኽእል እዩ።

ክርስትያናት ንውልቃዊ ጕዳዮም ዚሕዙሉ መገዲ: ዚበልዕዎ ነገራት: ከምኡውን ጥዑይ መዘናግዒ ኢሎም ዚመርጽዎ ነገራት ኪፈላለ ኸም ዚኽእል ክንርስዕ የብልናን። ዝዀነ ይኹን ሰብ ደረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ክሳዕ ዘይጠሓሰ: ዝደለዮ ኺገብር ናጻ እዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት: “ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ . . . ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ” ብምባል ተላበዎም። (ሮሜ 14:13, 19) እቲ ንሓድሕድና ኣብ ጉባኤ እነርእዮ ሓልዮት: ኣብ ጕዳይ ካልኦት ሰባት ኢድና ብምእታው ዘይኰነስ: ንኽንሕግዝ ድሉዋት ብምዃን ኢና ኸነርእዮ ዘሎና። ንሓድሕድና በዚ መገዲ እዚ ሓልዮት ከነርኢ ኸለና: ኣብ መንጎ ስድራቤት ይኹን ጉባኤ ዘሎ ፍቕርን ሓድነትን ኪብልጽግ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብናእዳን ብሓልዮትን ጌርካ ደቅኻ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ኸም ዚገልጹልካ ግበር