ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣፈጣጥራና ድንቂ’ እዩ

‘ኣፈጣጥራና ድንቂ’ እዩ

‘ኣፈጣጥራና ድንቂ’ እዩ

“መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ።”—መዝሙር 139:14

1. ብዙሓት መስተውዓልቲ ሰባት ንዜደንቕ ፍጥረታት ምድሪ ብዚምልከት ንኣምላኽ ክብሪ ዚህቡ ስለምንታይ እዮም፧

 ዓለምና ብዜደንቕ ፍጥረታት ዝመልአት እያ። ብኸመይ እዮም ናብ ህላወ መጺኦም፧ ገሊኦም ሰባት መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ: መስተውዓሊ ፈጣሪ ኪኸውን ከም ዘይክእል ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ ስቕ ኢልካ ንፈጣሪ ምንጻግ: ነቲ ንተፈጥሮ ንምርዳእ ዘሎና ኽእለት ይድርቶ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ፍጥረታት ምድሪ ንኽትርድኦ ኣዝዩ እተሓላለኸ: ብዙሕ ዝዓይነቱ: ከምኡውን ኣዝዩ ዜደንቕ ብምዃኑ: ብኣጋጣሚ ኺመጽእ ኣይክእልን እዩ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ። ብዙሓት ሰባት: እንተላይ ገለ ተመራመርቲ: እዚ ዩኒቨርስ ብሓደ ጥበበኛን ሓያልን ለጋስን ዝዀነ ገባሪ ኸም እተፈጥረ መርትዖ ምህላዉ ይኣምኑ እዮም። a

2. ዳዊት ንየሆዋ ኺውድሶ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

2 ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት: ፈጣሪ ብምኽንያት እቲ ዜደንቕ ፍጥረታቱ ውዳሰ ኸም ዚግብኦ ኻብ ዝኣመኑ ሰባት ሓደ ነበረ። ዳዊት ካብዚ ዘለናሉ ስነ-ፍልጠታዊ ዘመን ነዊሕ ዓመታት ይገብር ይነብር እኳ እንተ ነበረ: በቲ መስተንክር ዝዀነ ፍጥረት ኣምላኽ ከም እተኸበበ ግን ይፈልጥ ነበረ። በቲ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ምፍጣር ክእለት ኣጸቢቑ ንኺድነቕ: ኣካላቱ ምርኣይ ጥራይ እኹል እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ: ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” ብምባል ዝጸሓፈ።—መዝሙር 139:14

3, 4. ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ግብርታት የሆዋ ብርዝነት ክንሓስብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ዳዊት ከምዚኣ ዝበለት ድልድልቲ እምነት ክትህልዎ ዝኸኣለት: ብርዝነት ይሓስብ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ: ስርዓተ-ትምህርትን መራኸቢ ብዙሓንን በቲ ንእምነት ዜጥፍእ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ሰብ ዚገልጽ ክልሰ-ሓሳባት ዚመልአ እዩ። ከምታ ዳዊት ዝነበረቶ ዓይነት እምነት ክትህልወና እንተ ደሊና: ንሕና እውን ብርዝነት ክንሓስብ ኣሎና። ብፍላይ ብዛዕባ ህላወን ተራን ኣምላኽ ዚገልጽ መሰረታዊ ጕዳያት ኪኸውን ከሎ: ካልኦት ሰባት ኪሓስቡልና ኽንፈቕደሎም የብልናን።

4 ኣብ ርእሲ እዚ: ብዛዕባ ግብርታት የሆዋ ምስትንታንና: ነቲ ንዕኡ ዘሎና ሞሳ የደልድሎን እቲ ንመጻኢ ዚምልከት መብጽዓኡ ኸም ዚፍጸም ምትእምማን ከም ዚህልወና ይገብርን እዩ። እዚ ድማ ንየሆዋ ብዝያዳ ንኽንፈልጦን ንኸነገልግሎን ኪድርኸና እዩ። እስከ ቐጺልና ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ምስቲ ዳዊት ‘ኣፈጣጥራና ድንቂ’ ኸም ዝዀነ ዝበጽሖ መደምደምታ ብኸመይ ከም ዚሰማማዕ ንርአ።

መስተንክር ኣካላዊ ዕቤት

5, 6. (ሀ) ህይወት ዝጀመርና ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኰላሊትና እንታይ ተራ እዩ ዘለወን፧

5 “ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን: ኣብ ከርሲ ወላዲተይ አሊምካኒ።” (መዝሙር 139:13) ኵልና ኣብ ውሽጢ ኣዴና ኻብ ሓንቲ ነጥቢ እትንእስ ንጽል ዋህዮ ዄንና ኢና ህይወት ዝጀመርና። እዛ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ክትርአ እትኽእል ዋህዮ: ኣዝያ እተሓላለኸት ንእሽቶ ከሚካዊት ቤተ-ምርምር እያ። ብቕልጡፍ ድማ ትዓቢ። ኣብ ማሕጸን ክሳዕ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን: እቲ ቐንዲ ኣካላትካ መልክዕ ይሕዝ። ኰላሊትካ ገለ ኻብቲ ኣካላት እየን። ክትውለድ ከለኻ: ኰለሊትካ ንደምካ ኼጻርያ: ማለት ንመርዛም ነገራትን ነቲ ዘየድሊ ማይን ኣወጊደን: ነቲ ጠቓሚ ንጥረ-ነገራት ኪዕቅባ ድልዋት ይዀና። እተን ክልተ ኰለሊትካ ጥዑያት እንተ ዀይነን: ነቲ በጽሒ ምስ ኰንካ 5 ሊትሮ ዚበጽሕ ኣብ ደምካ ዘሎ ማይ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ 45 ደቒቕ የጻርያኦ!

6 ኰላሊትካ ንመጠን ማዕድን ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣሲድነትን ጸቕጥን ደምካ ይቈጻጸራ እየን። ሓያሎ ኻልእ ዕማም እውን ይፍጽማ እየን፣ ንኣብነት: ንቪታሚን ዲ ናብቲ ንዕቤት ዓጽሚ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ይቕይራኦ: ነቲ ኢሪትሮፖየቲን ዝስሙ ቐያሕቲ ዋህዮ ደም ኣብ ኣንጉዕ ንኺዳለዉ ዜነቓቕሕ ሆርሞን ድማ የዳልዋ። እምበኣር: ኰላሊት “ብሉጻት ቀመምቲ ሰብነትና” እንተ ተባህላ ዜገርም ኣይኰነን። b

7, 8. (ሀ) ሓደ ዘይተወልደ ዕሸል ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ ዚገብሮ ዕቤት ግለጽ። (ለ) እቲ ዚዓቢ ሕጻን ‘ኣብ ከርሲ ምድሪ ዚእለም’ በየናይ መገድታት እዩ፧

7 “ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ: ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ: ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን።” (መዝሙር 139:15) እታ ናይ መጀመርታ ዋህዮ ተኸፊላ ኻልእ ዋህዮታት ተፈጥሩ: እዚኣቶም እውን ምክፍፋል ቀጸሉ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ዋህዮ መትኒ: ዋህዮ ጭዋዳ: ዋህዮ ቘርበት: ከምኡውን ካልእ ነገራት እናዀነ ኺፈላለ ይጅምር። ሓደ ዝዓይነቶም ዋህዮ ብሓባር ኰይኖም ኣካሊት ይዀኑ: እዚ ኣካሊት ድማ ብሓባር ኰይኑ ኣካላት ይኸውን። ንኣብነት: ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ጥንሲ ስርዓተ-ኣስከሬን ከተማዕብል ትጅምር። ገና ወዲ ሸውዓት ሰሙን ኣብ ዝነበርካላን ንውሓትካ 2.5 ሰንቲ ሜተር ጥራይ ኣብ ዝነበረሉን እዋን: እቲ በጽሒ ምስ ኰንካ ዚህልወካ 206 ዓጻጽምቲ ኣይትረር ደኣ እምበር: መልክዕ ኪሕዝ ይጅምር።

8 እዚ ዜደንቕ መስርሕ ዕቤት እዚ ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ኣዴኻ: ማለት ካብ ዓይኒ ሰባት ተኸዊሉ ኣብ ከርሲ ምድሪ ይካየድ። እወ: መብዛሕትኡ ዕቤትና ሰብ ኣይፈልጦን እዩ። ንኣብነት: ነቶም ኣብ ዋህዮታትካ ዘለዉ ጂን: መስርሕ ምፍልላይ ከም ዚጅምሩ ንምግባር ዜንቀሳቕሶም እንታይ እዩ፧ ስነ-ፍልጠት ኣማስያኡ ነቲ መልሲ ይረኽቦ ይኸውን፣ ከምቲ ዳዊት ቀጺሉ ዝበሎ ግን እቲ ገባሪና ዝዀነ የሆዋ ነዚ ነገራት እዚ ምሉእ ብምሉእ ይፈልጦ እዩ።

9, 10. ዕቤት ክፋላት ድቂ ኣብ “መጽሓፍ” ኣምላኽ ‘እተጻሕፈ’ ብኸመይ እዩ፧

9 “ኣዒንትኻ: ድቂ ኸሎኹ: ረአያኒ: እተን ምዱባት መዓልትታተይ: ሓንቲ እኳ ኸይነበረት: ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።” (መዝሙር 139:16) እታ ብመጀመርታ እተፈጥረት ዋህዮ ናይ ምሉእ ሰብነትካ ምሉእ ንድፊ ዝሓዘት እያ ነይራ። እዚ ንድፊ እዚ: ነቲ ቕድሚ ምውላድካ ኣብ ማሕጸን ከለኻ ንትሽዓተ ወርሒ ዝገበርካዮ ዕቤት ከምኡውን ነቲ ስዒቡ ዝመጸ ን20 ዓመት ዝገበርካዮ ዕቤት ይመርሖ። ኣብዚ ግዜ እዚ: ሰብነትካ በቲ ኣብታ ናይ መጀመርታ ዋህዮ ዝነበረ ሓበሬታ ተመሪሑ ብእተፈላለየ ደረጃታት ይሓልፍ።

10 ዳዊት ማይክሮስኮፕ ስለ ዘይነበሮ: ብዛዕባ ዋህዮን ጂንን ኣይፈልጥን ነበረ። ዕቤት ኣካላቱ ኣቐዲምካ ኣብ እተገብረ ንድፊ እተመርኰሰ ምዃኑ ግን ብትኽክል ይፈልጥ ነበረ። ዳዊት: ሓደ ድቂ ብኸመይ ከም ዚዓቢ እተወሰነ ፍልጠት ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ: ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ኣቐዲሙ ብእተገብረ ንድፍን ናይ ግዜ ሰሌዳን ከም ዚፍጸም ይፈልጥ ነበረ። ነዚ ንድፊ እዚ ድማ ብመልክዕ ግጥሚ ገይሩ ኣብ “መጽሓፍ” ኣምላኽ ከም ‘እተጻሕፈ’ ገለጸ።

11. እዚ ሕጂ ዘሎና ባህርያት ኪህልወና ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብዚ እዋን እዚ: ካብ ወለድኻን ኣቦሓጎታትካን እትወርሶ ባህርይ: ማለት ቍመትካ: መልክዕካ: ሕብሪ ዓይንኻን ጸጕርኻን: ከምኡውን ካልእ ብኣሽሓት ዚቝጸር ጠባይ: ጂንካ ኸም ዚቈጻጸሮ እተፈልጠ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዋህዮኻ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ጂን ዝሓዘ እዩ: ነፍሲ ወከፍ ጂን ድማ ክፋል እቲ ዲ.ኤን.ኤ. (ዲኦክሲራይቦንክሊክ ኣሲድ) ዚበሃል ነዊሕ ሰንሰለት እዩ። ሰብነትካ ብኸመይ ኪህነጽ ከም ዘለዎ ዚገልጽ መምርሒ: ኣብ ከሚካዊ መዋቕር እዚ ዲ.ኤን.ኤ. እዚ እዩ ‘ተጻሒፉ’ ዘሎ። ሓንቲ ዋህዮ: ሓድሽ ዋህዮ ንምፍጣር ወይ ዝኣረገ ንምቕያር ክትምቀል ከላ: ዲ.ኤን.ኤ. ነቲ መምርሒ ናብቲ ሓድሽ ዋህዮ የመሓላለፎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብህይወት ክትቅጽልን ነቲ መሰረታዊ መልክዕካ ኽትዕቅብን ትኽእል። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መርኣያ ሓይልን ጥበብን እቲ ሰማያዊ ገባሪና ዀን እዩ!

እቲ ብርቂ ዝዀነ ሓንጐልና

12. ሰባት ካብ እንስሳታት ዚፈልዮም ነገር እንታይ እዩ፧

12 “ዎ ኣምላኽ: ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ: ቍጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ: ካብ ሑጻ ይበዝሕ።” (መዝሙር 139:17, 18ሀ) እንስሳታት ብዜደንቕ መገዲ እዮም ተፈጢሮም: ካብ ሰባት ሓለፍ ዝበሉ ህዋሳትን ክእለትን ድማ ኣለዎም። ኣምላኽ ግን ንሰባት ካብ እንስሳታት ንላዕሊ ዝዀነ ናይ ምምዝዛን ክእለት ሃቦም። ሓደ ናይ ስነ-ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ ከምዚ በለ:- “ሰባት ዘበልና ብእተፈላለየ መገድታት ምስ ካልኦት ጅር ወይ ወገን እንስሳታት ንመሳሰል እኳ እንተ ዀንና: ቋንቋ ናይ ምጥቃምን ናይ ምሕሳብን ክእለትና ግን ካብ ካልኦት ፍጥረታት ምድሪ ብርቂ እዩ ዚገብረና። . . . ‘ኣካላትና ብኸመይ እዩ ተነዲፉ፧ ብኸመይከ እዩ ተሰሪዑ፧’ ዚብል ሕቶታት ብምሕታት ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ንምፍላጥ ዘሎና ድሌት እውን ፍሉያት ይገብረና እዩ።” ዳዊት እውን ነዚ ሕቶታት እዚ ኣስተንቲኑሉ ነይሩ እዩ።

13. (ሀ) ዳዊት ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ኬስተንትን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ዳዊት ዝገደፎ ኣብነት ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ልዕሊ ዅሉ ኻብ እንስሳታት እተፈለና ዚገብረና ግን: ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ናይ ምስትንታን ፍሉይ ክእለት ስለ ዘሎና እዩ። c እዚ ፍሉይ ውህበት እዚ: “ብመልክዕ ኣምላኽ” ከም እተፈጠርና ዚሕብር መርትዖ እዩ። (ዘፍጥረት 1:27) ዳዊት ነዚ ውህበት እዚ ብግቡእ ተጠቕመሉ። ህላወ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚገልጽ መርትዖን ኣብ ከባቢኡ ብዛዕባ እተንጸባረቐ ሰናይ ባህርያትን የስተንትን ነበረ። ብተወሳኺ እውን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕዮኡን ዝሓበረሉ ቐዳሞት ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ነበሮ። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት: ንኣተሓሳስባን ባህርይን ዕላማን ኣምላኽ ንኺርዳእ ሓገዞ። ዳዊት ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት: ብዛዕባ ፍጥረት: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝነበሮ ርክብ ምስትንታኑ ንገባሪኡ ኺውድሶ ደረኾ።

እምነት ዜጠቓልሎ ነገራት

14. ኣብ ኣምላኽ እምነት ንኺህልወና ናይ ግድን ብዛዕባኡ ዅሉ ነገር ክንፈልጥ ዘየድልየና ስለምንታይ እዩ፧

14 ዳዊት ብዛዕባ ፍጥረትን ቅዱሳት ጽሑፋትን ዝያዳ ብዘስተንተነ መጠን: ንዅሉ ፍልጠትን ክእለትን ኣምላኽ ምርዳእ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ምዃኑ ተረድአ። (መዝሙር 139:6) እዚ ኣባና እውን ኪውዕል ይኽእል እዩ። ንዅሉ ፍጥረታት ኣምላኽ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። (መክብብ 3:11፣ 8:17) ኣምላኽ ግን ነቶም ሓቂ ኺረኽቡ ዚደልዩ ሰባት: ኣብ መርትዖ እተመርኰሰት እምነት ምእንቲ ኽትህልዎም ብቕዱሳት ጽሑፋትን ብተፈጥሮን ኣቢሉ እኹል ፍልጠት ‘ገለጸሎም።’—ሮሜ 1:19, 20፣ እብራውያን 11:1, 3

15. እምነትን ምስ ኣምላኽ ዘለና ርክብን ብኸመይ ከም ዚዛመድ ብኣብነት ኣረድእ።

15 እምነት ምሕዳር ኪበሃል ከሎ: ህይወትን ዩኒቨርስን ዝገበረ ሓደ መስተውዓሊ ምንጪ ኸም ዘሎ ኣሚንካ ኻብ ምቕባል ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ሓደ ኽንፈልጦን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወናን ዚደልየና ኣካል ጌርና ብምርኣይ: ኣብኡ እምነት ምሕዳር ዜጠቓልል እዩ። (ያእቆብ 4:8) ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብቲ ፈቃር ኣቦኡ ዘለዎ እምነትን ትውክልትን ጌርና ኽንወስዶ ንኽእል ኢና። ሓደ ተጠራጣሪ ሰብ መጺኡ: ኣቦኻ ብሓቂ ኣብ ሓደገኛ እዋን ይሕግዘካ እንተ ዀይኑ ምስ ዚሓተካ: ኣቦኻ እሙን ሰብ ምዃኑ ኸተእምኖ ኣይትኽእልን ትኸውን። ሰናይ ባህርያት ኣቦኻ ብተመክሮ እንተ ርኢኻዮ ግን: ከም ዘየሕፍረካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ብተመሳሳሊ እውን: ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዕ: ብዛዕባ ፍጥረታት ብምስትንታን: ከምኡውን የሆዋ ንጸሎትና መልሲ ብምሃብ ኪሕግዘና ኸሎ ብምርኣይ: ንዕኡ ኽንፈልጦ ኸለና: ኣብኡ እምነት ንኸነሕድር ይድርኸና። ብዛዕባኡ ብዝያዳ ንኽንፈልጥ: ካብታ ስስዐ ዘይብላ ፍቕርን ካብ ተወፋይነትን ተላዒልና ድማ ንዘለኣለም ንኽንውድሶ ይደፋፍኣና። እዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ኪስዕቦ ኻብ ዚግባእ ዕላማ እቲ ዝለዓለ እዩ።—ኤፌሶን 5:1, 2

መምርሒ እቲ ገባሪና ድለ!

16. ካብቲ ዳዊት ምስ የሆዋ ዝነበሮ ጥብቂ ርክብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

16 “ዎ ኣምላኽ: መርምረኒ: ልበይ ከኣ ፍለጥ: ፈትነኒ: ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ: ርኤ: ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ።” (መዝሙር 139:23, 24) ዳዊት: የሆዋ ድሮ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ይርዳእ ነበረ፣ እወ: የሆዋ ነቲ ዳዊት ዚሓስቦ: ዚብሎ: ወይ ዚገብሮ ነገራት ይፈልጦ ነበረ። (መዝሙር 139:1-12፣ እብራውያን 4:13) ኣምላኽ ብዛዕባ ዳዊት ብዕምቈት ምፍላጡ: ንዳዊት ልክዕ ከምቲ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ኣብ ሕቝፊ እቶም ፈቃራት ወለዱ ዚስምዖ ዓይነት ቅሳነት ከም ዚህልዎ ገበሮ። ዳዊት ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ጥብቂ ርክብ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ: ብዛዕባ ግብሪ የሆዋ ብምስትንታንን ናብኡ ብምጽላይን ድማ ነዚ ርክብ እዚ ንምዕቃብ ይጽዕር ነበረ። አረ መብዛሕትኡ መዝሙራት: እንተላይ መበል 139 መዝሙር ብሙዚቃ እተቐናበረ ጸሎት እዩ። ንዓና እውን ምስትንታንን ጸሎትን ናብ የሆዋ ንኽንቀርብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

17. (ሀ) ዳዊት: የሆዋ ንልቡ ኺምርምረሉ ዝደለየ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትና እንጥቀመሉ መገዲ ንህይወትና ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

17 ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና: ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣሎና። ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ናይ ምግባር ምርጫ ድማ ኣሎና። እዚ ናጽነት እዚ ግን ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት እውን የሰክመና እዩ። ዳዊት ምስቶም እኩያት ሰባት ኪምደብ ኣይደለየን። (መዝሙር 139:19-22) ዜሕዝን ጌጋታት ካብ ምግባር ኪርሕቕ እዩ ዚደሊ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ብዛዕባ እቲ ንዅሉ ዚሓቍፍ ፍልጠት የሆዋ ኼስተንትን ከሎ: ኣምላኽ ነቲ ውሽጣዊ እንታይነቱ ኺምርምሮን ኣብቲ ንህይወት ዚወስድ መገዲ ኺመርሖን ብትሕትና ዝሓተተ። እቲ ጽድቂ ዝመልኦ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ዚኸውን ብምዃኑ: ንሕና እውን ቅኑዕ ምርጫ ኽንገብር ኣሎና። የሆዋ ኽንእዘዞ ንዅልና ይላበወና ኣሎ። ከምዚ ምግባርና ሞገሱን ብዙሕ ጥቕምታትን እዩ ዜምጽኣልና። (ዮሃንስ 12:50፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:8) መዓልታዊ ምስ የሆዋ ምምልላስ: ከቢድ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ: ውሽጣዊ ቕሳነት ንኸነማዕብል ይሕግዘና።—ፊልጲ 4:6, 7

ነቲ ዜደንቕ ገባሪና ስዓቦ!

18. ዳዊት ብዛዕባ ፍጥረት ምስ ኣስተንተነ: ኣብ ምንታይ መደምደምታ በጽሐ፧

18 ዳዊት መንእሰይ ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ እናጓሰየ ኣብ ግዳም ይሓድር ነበረ። እተን ኣባጊዕ ሳዕሪ ኺበልዓ ኸለዋ: ንሱ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ይርኢ ነበረ። ብለይቲ ድማ ብዛዕባ ዕቤትን ትርጕምን እዚ ዩኒቨርስ የስተንትን ነበረ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ። ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ: ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ።” (መዝሙር 19:1, 2) ዳዊት ነቲ ንዅሉ ነገራት ብዜደንቕ መገዲ ዝገበረ ኺደልዮን ኪስዕቦን ከም ዜድልዮ ተረድአ። ንሕና እውን ከምዚ ኽንገብር ኣሎና።

19. መንእሰያት ይኹኑ ዓበይቲ: ካብቲ ‘ኣፈጣጥራና ድንቂ’ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ እንታይ ትምህርቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ፧

19 ዳዊት ነቲ ደሓር ወዱ ሰሎሞን: “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ . . . እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ብምባል ንመንእሰያት ዝሃቦ ምኽሪ ብምፍጻም ኣብነት ኰነ። (መክብብ 12:1, 13) ዳዊት ገና መንእሰይ ከሎ: ‘ኣፈጣጥራኡ ድንቂ’ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ምስዚ ምስትውዓል እዚ ተሰማሚዑ ብምንባሩ ድማ ኣብ መላእ ህይወቱ ብዙሕ ጥቕምታት ኣምጸኣሉ። ንሕና እውን ዓበይቲ ንኹን ንኣሽቱ ነቲ ዓብዪ ፈጣሪና እንተ ወዲስናዮን እንተ ኣገልጊልናዮን: እዚ ሕጂ ዘሎን ኣብ መጻኢ ዚህሉን ህይወትና ባህ ዜብል ኪኸውን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ምስ የሆዋ ዚጠብቁን በቲ ጽድቃዊ መገድታቱ ዚኸዱን ሰባት ብዚምልከት: “እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ: ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ: ይረውዩን ይልምዑን” ዚብል መብጽዓ ኣትዩ ኣሎ። (መዝሙር 92:14, 15) እምበኣር: በቲ ዜደንቕ ዕዮ ገባሪና ንምሕጓስ ተስፋ ኺህልወና እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 22 ሰነ 2004 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ተወከስ።

b እታ ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 1997 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ኰላሊትካ—ንህይወት ኣገዳሲ ዝዀና መጻረዪ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።

c እቲ ኣብ መዝሙር 139:18ለ ዚርከብ ቃላት: ዳዊት መስዩ ኽሳዕ ዚድቅስ ምሉእ መዓልቲ ንሓሳብ ኣምላኽ ኪቘጽር እንተ ዚውዕል: ንግሆ ዀይኑ ኺበራበር ከሎ እውን ገና ዘይቈጸሮ ነገራት ይህልዎ ዚብል ትርጕም ዝሓዘ ይመስል።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ሓደ ድቂ ዚዓብየሉ መገዲ: ‘ኣፈጣጥራና ድንቂ’ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

• ብዛዕባ ሓሳብ የሆዋ ኸነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• እምነትን ምስ የሆዋ ዘለና ርክብን ዚዛመድ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሕጻን ኣብ ማሕጸን ዚገብሮ ዕቤት: ንሓደ ኣቐዲሙ እተገብረ ንድፊ ይስዕብ

ዲ.ኤን.ኤ.

[ምንጪ ስእሊ]

Unborn fetus: Lennart Nilsson

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከምቲ ቘልዑ ኣብቲ ፈቃር ኣቦኦም ትውክልቲ ዚገብሩ: ንሕና እውን ኣብ የሆዋ ንተኣማመን ኢና

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ብዛዕባ ግብርታት የሆዋ ምስትንታኑ ንኺውድሶ ደረኾ