ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኤርንስት ግሉየክ ዝፈጸሞ ኸቢድ ዕማም

ኤርንስት ግሉየክ ዝፈጸሞ ኸቢድ ዕማም

ኤርንስት ግሉየክ ዝፈጸሞ ኸቢድ ዕማም

ኣስታት 300 ዓመት ይገብር: ኤርንስት ግሉየክ ሒደት ሰባት ጥራይ ዚደፍርዎ ዕማም ጀመረ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዘይፈልጦ ቛንቋ ኺትርጕሞ ወሰነ።

ግሉየክ ብ1654 ኣቢሉ ኣብ ቨቲን እትበሃል ኣብ ጀርመን ጥቓ ኸተማ ሃለ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እዩ ተወሊዱ። ኣቦኡ ሉተራዊ ቐሺ ነበረ: እቲ ኣብ ቤቱ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ሃዋህው ከኣ ንኤርንስት መንፈሳዊ ዝንባለ ኸም ዚህልዎ ገበሮ። ወዲ 21 ዓመት ምስ ኰነ: ኣብ ጀርመን ዚገብሮ ዝነበረ ስነ-ሃይማኖታዊ መጽናዕቱ ወዲኡ: ናብዛ ሕጂ ላትቭያ እትበሃል ዘላ ሃገር ገዓዘ። ኣብቲ ግዜ እቲ: መብዛሕትኦም እቶም ኣብታ ዓዲ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ወግዓዊ ትምህርቲ ኣይነበሮምን: ብቛንቋኦም ከኣ ብዙሕ መጻሕፍቲ ኣይነበረን። ግሉየክ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መንእሰይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ናብዛ ሃገር እዚኣ መጻእኩ: ኣብ ቤተ-ክርስትያን ላትቭያ ዝነበረ ቐዳማይ ጕድለት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይብላ ምዃኑ ኣስተብሃልኩ። . . . እዚ ኸኣ ነዚ ቛንቋ እዚ ኣጽኒዐ ምሉእ ብምሉእ ንኽመልኮ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቈራጽነት ንኽገብር ደረኸኒ።” ንህዝቢ ላትቭያ ብቛንቋኦም መጽሓፍ ቅዱስ ንኬቕርበሎም ቈሪጹ ተላዕለ።

ንትርጕም ዝገበሮ ምድላዋት

እታ ሽዑ ግሉየክ ዚነብረላ ዝነበረ ዓዲ ሊቮንያ ተባሂላ እትፍለጥ ኰይና ብሽወደን ትግዛእ ነበረት። እቲ ኣብታ ዓዲ ተወካሊ ንጉስ ሽወደን ዝነበረ ሰብ ዮሃነስ ፊሸር ይበሃል ነበረ። ኣብታ ሃገር ዝነበረ ደረጃ ትምህርቲ ኼመሓይሽን መኽሰብ ኪረክብን ይደሊ ነበረ። ግሉየክ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ላትቭያኛ ብዛዕባ ምትርጓም ንፊሸር ተዛረቦ። ፊሸር ኣብታ ሪጋ እትበሃል ርእሲ ኸተማ ቤት ሕትመት ነበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ላትቭያኛ ምስ ዜሕትም: በቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ ትምህርቲ ንምድንፋዕ ዝነበሮ ሸቶ ኺወቅዕ ከሎ: በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ጽቡቕ መኽሰብ ኪረኽበሉ ተስፋ ገበረ። ስለዚ: ፊሸር ንቻርለስ መበል ዓሰርተው ሓደ ንጉስ ሽወደን ነቲ ትርጕም ንኺካየድ ፍቓድ ሓተቶ። እቲ ንጉስ ፍቓድ ሃበ: ነቲ ዕዮ ድማ መወሎ። እቲ ብ31 ነሓሰ 1681 ንጉስ ዘውጸኦ ውሳነ: ነቲ ዕዮ ትርጕም ንኺጅመር ኣኽኣለ።

እዚ ኽሳዕ ዚኸውን: ግሉየክ ንርእሱ የዳሉ ነበረ። ጀርመናዊ ብምንባሩ: እቲ ማርቲን ሉተር ዘዳለዎ ትርጕም: ነቲ ናብ ላትቭያኛ ዚትርጐም መጽሓፍ ቅዱስ ከም መሰረት ኰይኑ ኸም ዜገልግል ኪገብር ይኽእል ነይሩ። ኰይኑ ግን: ብሉጽ ትርጕም ኬዳሉ ወሰነ: ስለዚ ድማ ካብ በዅሪ እብራይስጥን ግሪኽን ኪትርጕም ከም ዘለዎ ደምደመ። ግሉየክ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ ዘገልገለ ቛንቋታት ብዙሕ ፍልጠት ስለ ዘይነበሮ: እብራይስጥን ግሪኽን ንኼጽንዕ ኢሉ ናብ ሃምቡርግ: ጀርመን ከደ። ኣብኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ያኒስ ራይተርስ ዚበሃል ሊቮንያዊ ኻህን ንቛንቋ ላትቭያኛ ዀነ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ግሪኽ ንኺፈልጦ ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ።

ዓመታት ዕዮን ዓመታት ትጽቢትን

ግሉየክ ነቲ ብዛዕባ ቛንቋ ዝረኸቦ ስልጠና ብ1680 ድሕሪ ምዝዛሙ: ናብ ላትቭያ ተመልሰ: ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ኸኣ ኬገልግል ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ዕዮ ትርጕሙ ጀመረ። ብ1683 ኣብቲ ዓብዪ ሰበኻ ኣሉየክስነ ቐሺ ዀይኑ ንኼገልግል ሓድሽ ሽመት ተዋህቦ: ኣብቲ ቦታ እቲ ኸኣ እዩ ነቲ ዕዮ ትርጕሙ ዝዓየዮ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ቛንቋ ላትቭያኛ ንሓያሎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስያመታትን ሓሳባትን ዚኸውን ቃላት ይሓጽሮ ነበረ። ስለዚ: ግሉየክ ኣብ ትርጕሙ ገለ ቓላት ጀርመንኛ ተጠቕመ። ኰይኑ ግን: ቃል ኣምላኽ ናብ ላትቭያኛ ንምትርጓም ዚከኣሎ ዘበለ ገበረ: ክኢላታት ከኣ ትርጕሙ ብሉጽ ምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም። ግሉየክ ሓደስቲ ቓላት እውን ምሂዙ እዩ: ገለ ኻብቲ ንሱ ዝመሃዞ ቓላት ከኣ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ላትቭያኛ ብሰፊሕ የገልግል ኣሎ። ገለ ኻብኡ “ኣብነት:” “ድግስ:” “ዓርሞሸሽ:” “ምስላይ:” ከምኡውን “ምምስካር” ዚብል ቃላት ላትቭያኛ ይርከቦ።

ዮሃነስ ፊሸር እቲ ዕዮ ትርጕም ብኸመይ ይግስግስ ከም ዝነበረ ነቲ ንጉስ ሽወደን ብቐጻሊ ይሕብሮ ነበረ: እቲ ዚጸሓሓፍዎ ዝነበሩ ደብዳበታት ከኣ ግሉየክ ንናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ክሳዕ 1683 ኣብ ዘሎ ግዜ ተርጒሙ ኸም ዝዛዘሞ ይሕብር። ብ1689 ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጒሙ ወድኦ: እዚ ማለት ከኣ ነቲ ኸቢድ ዕማሙ ብሸሞንተ ዓመት ጥራይ እዩ ዛዚምዎ። a ንሕትመት ነዊሕ እኳ እንተ ደንጐየ: ብ1694 ግን ሸቶኡ ወቕዐ፣ እቲ መንግስቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ላትቭያኛ ንህዝቢ ኺዝርጋሕ ፍቓድ ሃበ።

ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ ግሉየክ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ እንተ ተርጒምዎ የጠራጥሮም እዩ። ትርጕም ሉተር ከም እተወከሰ ዜጠራጥር ኣይኰነን: ካብቲ ብቛንቋ ላትቭያኛ ተዳልዩ ዝነበረ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣብቲ ትርጕሙ ኣእትዩ እዩ። እዚ ግን ንሒደት ክፋል እቲ ትርጕሙ ጥራይ እዩ ዚትንክፍ። ይኹን እምበር: ካልኦት ምስኡ ዝዓየዩ ተርጐምቲ ነይሮም ድዮም፧ ግሉየክ ኪትርጕም ከሎ ሓጋዚ ነይርዎ እዩ: ፊደላትን ብቕዓት እቲ ትርጕምን ዚእርሙሉ ኻልኦት እውን ነይሮም እዮም። እዚ ሓገዞም ግን ናይ ሓቂ ምትርጓም ዜጠቓልል ዝነበረ ኣይመስልን። ስለዚ: ግሉየክ በይኑ ጥራይ እዩ ተርጓሚ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።

ግሉየክ ዝተርጐሞ ትርጕም: ኣብ ምምዕባል ጽሑፍ ላትቭያኛ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ ነይሩ: ብዘይካዚ ግን ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍረ እውን ነይርዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ: ህዝቢ ላትቭያ ንቓል ኣምላኽ ብቛንቋኦም ኬንብብዎን ነቲ ህይወት ዚህብ ትምህርትታቱ ኺመሃሩን ከኣሉ። ኤርንስት ግሉየክ ዝገበረሎም ነገር ኣይረስዕዎን። ንልዕሊ 300 ዓመት ህዝቢ ኣሉየክስነ ነተን ጊሊካ ኦዞሊ ዚበሃላ ግሉየክ ዝተኸለን ክልተ ዓበይቲ ኣግራብ ተኸናኺኖምወን እዮም። ግሉየክ ነዘን ኣግራብ እዚኣተን ዝተኸለን ንመጽሓፍ ቅዱስ ላትቭያኛ ንምዝካር እዩ። ኣብ ኣሉየክስነ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ንእሽቶ ቤተ-መዘክር ኣሎ: ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ቀዳማይ ሕትመት ትርጕም ግሉየክ ዝወጻ መጻሕፍቲ ትርከብ። ኣብ ኣርማ ኣሉየክስነ: መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን እታ ግሉየክ ዕዮኡ ዝዛዘመላ ዓመት 1689 ይርከባ።

ዳሕረዋይ ዕዮታቱ

ግሉየክ ናብ ላትቭያ ኻብ ዚመጽእ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሩስያኛ ኺመሃር ጀመረ። ብ1699 ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ቛንቋ እቲ ንኺትርጕም ዝነበሮ ባህጊ ይፍጽሞ ኸም ዘሎ ጸሓፈ። ኣብ ሓንቲ ብ1702 እተጻሕፈት ደብዳበ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ላትቭያኛ እንደገና ኺእርሞ ኸም ዝጀመረ ጸሓፈ። ኰይኑ ግን: እቲ ንትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ምሹእ ዝነበረ ዅነታት የብቅዕ ነበረ። ላትቭያ ንነዊሕ ዓመታት ሰላም ድሕሪ ምርካባ: ዓውዲ ውግእ ኰይና ነበረት። ብ1702 ሰራዊት ሩስያ ንሽወድናውያን ሰዓርዎም: ንኣሉየክስነ ድማ ተቘጻጸርዋ። ግሉየክን ስድራቤቱን ናብ ሩስያ ተወስዱ። b ኣብቲ ህውከት ዝመልኦ እዋን: ግሉየክ እቲ ሓድሽ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ላትቭያኛ ኸምኡውን እቲ ናብ ሩስያኛ ዝተርጐሞ ትርጕም ጠፍኦ። ብ1705 ከኣ ኣብ ሞስኮ ሞተ።

እቲ ብላቲቭያኛን ብሩስያኛን ተዳልዩ ዝነበረ ዳሕረዋይ ትርጕማት ምጥፋኡ ዓብዪ ኽሳራ እዩ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ግን ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ ቅዱስ ላትቭያ ዜንብብ ሰብ ካብቲ ግሉየክ ዝተርጐሞ በዅሪ ትርጕም ይጥቀም እዩ።

ኤርንስት ግሉየክ ሓደ ኻብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ተራ ሰባት ዚርድእዎ ቛንቋታት ንምትርጓም ዓብዪ ዕማም እተሰከሙ ብዙሓት ሰባት እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢት ዕዮ እዞም ተርጐምቲ ኸኣ: ዳርጋ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዚርከብ እተፈላለየ ቛንቋ ዚዛረብ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ኬንብቦ: ካብቲ ብዋጋ ዘይሽነን ማያት ሓቂ ኸኣ ኪካፈል ይኽእል እዩ። እወ: የሆዋ በቲ ብልዕሊ 2,000 ቋንቋታት ዚርከብ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ: ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ሰባት ብዛዕባ ርእሱ የፍልጦም ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ብ1611 ናብ እንግሊዝኛ እተተርጐመ ኣውተራይዝድ ቨርሽን ወይ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ን47 ምሁራት ሸውዓተ ዓመት እዩ ወሲዱሎም።

b ግሉየክ ከም ውላዱ ገይሩ ዘዕበያ ጓል ድሕሪ ሞቱ ንሃጸይ ሩስያ ዝነበረ ጴጥሮስ ዓብዪ ተመርዓወት። በታ ጴጥሮስ ዝሞተላ 1725: ካተሪን ቀዳመይቲ ተባሂላ ንግስተ ነገስታት ሩስያ ዀነት።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ትርጕም ግሉየክ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብታ ግሉየክ ዝተርጐመላ ኸተማ: መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሩ ኣለዉ