ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንተኣዛዝነትካ ኣኽቢሩ ይርእዮ

የሆዋ ንተኣዛዝነትካ ኣኽቢሩ ይርእዮ

የሆዋ ንተኣዛዝነትካ ኣኽቢሩ ይርእዮ

“ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ።”—ምሳሌ 27:11

1. ኣብዚ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ሰፊኑ ዘሎ መንፈስ እንታይ እዩ፧

 ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም: ብርእስኻ ናይ ምምራሕን ናይ ዘይምእዛዝን መንፈስ ሰፊኑ ይርከብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ: “ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ: ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም” ብምባል ገለጸ። (ኤፌሶን 2:1, 2) እወ: እቲ “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ: ንዅላ ዓለም ብመንፈስ ዘይምእዛዝ መሊእዋ ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከምዚ ይገብር ነበረ፣ ብግዜ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ሰማይ ካብ ዚድርበ ኣትሒዙ ድማ ኣዝዩ ብዝኸፍአ ደረጃ እዩ ኸምዚ ዚገብር ዘሎ።—ራእይ 12:9

2, 3. ንየሆዋ ኸም እንእዘዞ ዚገብረና ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

2 ንሕና ግን ከም ክርስትያናት መጠን: የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪና: ሓብሓቢ ህይወትና: ፈቃር ገዛኢና: ከምኡውን መድሓኒና ስለ ዝዀነ: ልባዊ ተኣዛዝነትና ኸም ዚግብኦ ንፈልጥ ኢና። (መዝሙር 148:5, 6፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:24፣ ቈሎሴ 1:13፣ ራእይ 4:11) እቶም ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን: የሆዋ ወሃብ ህይወቶምን መድሓኒኦምን ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። ስለዚ ድማ እዩ ሙሴ: “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ክትገብሩ ድማ ተጠንቀቑ” ዝበሎም። (ዘዳግም 5:32) እወ: የሆዋ ተኣዛዝነቶም ይግብኦ ነበረ። ይኹን እምበር: ብኡንብኡ ነቲ ልዑላዊ ገዛኢኦም ዘይእዙዛት ኰኑ።

3 ነቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ዘሎና ተኣዛዝነት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ኣምላኽ ንንጉስ ሳኦል ብነብዪ ሳሙኤል ኣቢሉ: “ምስማዕ [“ምእዛዝ” ትርጕም 1990] ካብ መስዋእቲ . . . ይበልጽ” በሎ። (1 ሳሙኤል 15:22) ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

ተኣዛዝነት ‘ካብ መስዋእቲ ዚበልጸሉ’ መገዲ

4. ንየሆዋ ኽንህቦ እንኽእል ነገር እንታይ እዩ፧

4 የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ: ነቲ ብስጋዊ መዳይ ዘሎና ነገራት ይውንኖ እዩ። እሞኸ ንዕኡ ኽንህቦ እንኽእል ነገር ኣሎዶ፧ እወ: ሓደ ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ነገር ክንህቦ ንኽእል ኢና። እዚ እንታይ እዩ፧ ነቲ መልሲ ኣብዚ ዚስዕብ ምዕዶ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና:- “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ።” (ምሳሌ 27:11) ንኣምላኽ ተኣዛዝነትና ኽንህቦ ንኽእል ኢና። እተፈላለየ ዅነታትን ድሕረ-ባይታን እኳ እንተ ሃለወና: እዙዛት ብምዃን ግን ነፍሲ ወከፍና ነቲ ሰባት ፈተና ምስ ዜጋጥሞም ንኣምላኽ እሙናት ኣይኰኑን እዮም ዚብል ሰይጣን ዘቕረቦ እኩይ ክሲ መልሲ ኽንህበሉ ንኽእል ኢና። እዝስ ከመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ!

5. ዘይምእዛዝና ንፈጣሪ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ ብኣብነት ኣረድእ።

5 ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ እንገብሮ ውሳነታት ይግደስ እዩ። ዘይእዙዛት እንተ ዄንና: ይጸልዎ እዩ። ብኸመይ፧ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከምዚ ዝበለ ዘይጥበባዊ መገዲ ኺስዕብ ከሎ ብምርኣይ ይጕሂ እዩ። (መዝሙር 78:40, 41) ሓደ ሽኮርያ ዘለዎ ሰብ: ነቲ ንጥቕሙ ተባሂሉ ጥዑይ ኣመጋግባ ንኺስዕብ እተነግሮ ምኽሪ ሸለል ብምባል ዚጐድኦ ነገራት ኪበልዕ ጀሚሩ ንበል። እቲ ሓላዪ ዝዀነ ሓኪሙ እንታይ ምተሰምዖ፧ የሆዋ ነቲ ኣብ ህይወትና ኽንስዕቦ ዝሃበና ትእዛዝ ሸለል ምባል ዜምጽኦ ሳዕቤን ስለ ዚፈልጦ: ደቅሰብ ንዕኡ ዘይእዙዛት ኪዀኑ ኸለዉ ኸም ዚጕሂ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

6. ንኣምላኽ እዙዛት ክንከውን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

6 ብውልቅና እዙዛት ንኽንከውን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ልክዕ ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝገበሮ: ነፍሲ ወከፍና “እዙዝ ልቢ” (NW) ኺህበና ንኣምላኽ ምሕታትና ግቡእ እዩ። ሰሎሞን ከምዚ ዝበለ ልቢ ዝሓተተ: “ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ” ነቶም ብጾቱ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንኺፈርዶም እዩ። (1 ነገስት 3:9) ንሕና እውን ኣብዛ ብመንፈስ ዘይምእዛዝ መሊኣ ዘላ ዓለም: ጽቡቕን ክፉእን ንኽንፈሊ “እዙዝ ልቢ” የድልየና እዩ። ኣምላኽ: “እዙዝ ልቢ” ንኸነማዕብል ኢሉ ቓሉ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዚሕግዝ ጽሑፋት: ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ከምኡውን ሓለይቲ ሽማግለታት ጉባኤ ሂቡና ኣሎ። ነዚ ኸምዚ ዝበለ ፍቕራዊ መሰናድዎ ብግቡእ ንጥቀመሉዶ ኣለና፧

7. የሆዋ ንተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ንላዕሊ ኣብሊጹ ዚርእዮ ስለምንታይ እዩ፧

7 ምስዚ ብዚተሓሓዝ: የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት: ነቶም ጥንታዎት ህዝቡ ኻብ መስዋእትታት እንስሳ ንላዕሊ ምእዛዝ ከም ዚበልጽ ነጊርዎም ከም ዝነበረ ኣይትረስዕ። (ምሳሌ 21:3, 27፣ ሆሴእ 6:6፣ ማቴዎስ 12:7) የሆዋ ባዕሉ ኸምዚ ዝበለ መስዋእትታት ኬቕርቡ ኣዚዝዎም ኬብቅዕ: ከምዚ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ ቅድሚ ነዚ ምምላስና: ነቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ዘሎ ሰብ ዚድረኾ እንታይ እዩ፧ ንኣምላኽ ባህ ኬብል ድዩ ዚገብሮ ዘሎ፧ ወይስ ንገለ ልምዲ እዩ ዚስዕብ ዘሎ፧ ሓደ ኣምላኺ ብሓቂ ንኣምላኽ ኬሐጕሶ እንተ ደልዩ: ንዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቑ ይሕልዎ እዩ። ኣምላኽ መስዋእቲ እንስሳታት ኣየድልዮን እዩ: ተኣዛዝነትና ግን ንዕኡ ኽንህቦ እንኽእል ክቡር ነገር እዩ።

ንመጠንቀቕታ ዚኸውን ኣብነት

8. ኣምላኽ: ሳኦል ንጉስ ከይከውን ዝነጸጎ ስለምንታይ እዩ፧

8 እቲ ብዛዕባ ሳኦል ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣገዳስነት ተኣዛዝነት ዜጕልሕ እዩ። ሳኦል ‘ኣብ ዓይኑ ንእሽቶ’ ዝዀነ ትሑትን ምቕሉልን ገዛኢ ዀይኑ እዩ ጀሚሩ። ድሕሪ ግዜ ግን ውሳነታቱ ብትዕቢትን ብናይ ሓሶት ምኽንያታትን ኪጽሎ ጀመረ። (1 ሳሙኤል 10:21, 22፣ 15:17) ሓደ እዋን: ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ኪዋግኦም ተዳልዩ ነበረ። ሳሙኤል ንየሆዋ መስዋእቲ ኸም ዜቕርቡን ተወሳኺ መምርሒ ኸም ዚህቦን ብምግላጽ ኪጽበዮ ነገሮ። ይኹን እምበር: ሳሙኤል ደንጐየ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ኪበታተን ጀመረ። ሳኦል ነዚ ምስ ረኣየ: “ዚሐርር መስዋእቲ . . . ሰውኤ።” እዚ ንየሆዋ ኣጕሃዮ። ኣብ መወዳእታኡ ሳሙኤል ምስ መጸ: እቲ ንጉስ ሳሙኤል ስለ ዝደንጐዮ: ሞገስ የሆዋ ንምርካብ ‘ደፊሩ’ ዚሓርር መስዋእቲ ኸም ዘቕረበ ብምግላጽ ነቲ ዘይተኣዛዝነቱ ኼመኻኒ ፈተነ። ንንጉስ ሳኦል ካብቲ ነዚ መስዋእቲ እዚ ንምቕራብ ንሳሙኤል ኪጽበዮ እተዋህቦ መምርሒ ንላዕሊ: መስዋእቲ ምቕራብ ብዝያዳ ኣገዳሲ ነበረ። ሳሙኤል: “ዐሺኻ: እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ትእዛዝ ኣይሐሎኻን” በሎ። ሳኦል ንየሆዋ ብዘይምእዛዙ ንግስነቱ ኸም ዚስእን ገበሮ።—1 ሳሙኤል 10:8፣ 13:5-13

9. ሳኦል ንኣምላኽ እዙዝ ከም ዘይነበረ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

9 እቲ ንጉስ ካብዚ ተማሂሩዶ፧ ኣይተማህረን! ጸኒሑ: የሆዋ ንሳኦል: ነቶም ኣቐድም ኣቢሎም ንእስራኤላውያን ብዘይ ምኽንያት ዘጥቅዕዎም ኣማሌቃውያን ኬጥፍኦም ኣዘዞ። ሳኦል ነቶም እንስሳ ዘቤት እውን እንተ ዀነ ኺንሕፎም ኣይነበሮን። “ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ . . . ሹር” ብምስዓር ድማ ተኣዘዘ። ሳሙኤል ኪቕበሎ ምስ መጸ ድማ ብሓጐስ “ንስኻ ብእግዚኣብሄር ብሩኽ ኩን: ኣነ ቓል እግዚኣብሄር ፈጺመ እየ” በሎ። ይኹን እምበር: ሳኦልን ሰቡን ከምቲ እተነግሮም ንጹር ትእዛዝ ዘይኰነስ: ንንጉስ ኣጋግ ከምኡውን “ነተን ዝበለጻ ኣባጊዕን ኣሓን ክልተ ወለድ ዘበላ እንስሳን ገነሽልን ጽቡቕ ዘበለ ዅሉን” ነሓፍዎ። ንጉስ ሳኦል: “እቶም ህዝቢ . . . ካብተን ኣባጊዕን ኣሓን ዝጸበቓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺስውእወን ኢሎም ዝነሐፍወን እየን” ብምባል ንዘይምእዛዙ ኼመኻኒ ፈተነ።—1 ሳሙኤል 15:1-15

10. ሳኦል እንታይ ትምህርቲ እዩ ዘይተማህረ፧

10 ኣብቲ ግዜ እቲ ሳሙኤል ንሳኦል: “ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ: ምስማዕ [“ምእዛዝ:” ትርጕም 1990] ካብ መስዋእቲ: ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ” በሎ። (1 ሳሙኤል 15:22) የሆዋ እዞም እንስሳታት እዚኣቶም ንኺጠፍኡ ወሲኑ ስለ ዝነበረ: መስዋእቲ ዀይኖም ኪቐርቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።

ብዅሉ ነገራት እዙዝ ኩን

11, 12. (ሀ) የሆዋ ነቲ ኣብ ኣምልኾና ንዕኡ ንምሕጓስ እንገብሮ ጻዕሪ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ዘይእዙዝ ክነሱ: ፍቓድ ኣምላኽ ይገብር ከም ዘሎ ገይሩ ብምሕሳብ ንርእሱ ኼታልል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ: እቶም እሙናት ኣገልገልቱ መስጐጕቲ እናሃለወ ኽነሱ ጽኑዓት ኪዀኑ ኸለው: ሰባት ዘይግዱሳት እኳ እንተ ዀኑ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኸለዉ: ከምኡውን ድራር ዕለት ንምምእራር ጸቕጢ እናሃለወ ኽነሱ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪካፈሉ ኸለዉ ብምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባህ ዚብሎ! ኣብዚ ምስ መንፈሳዊ ህይወትና ዚተሓሓዝ ኣገዳሲ መዳያት ተኣዛዝነት ምርኣይና ንልቢ የሆዋ ባህ እዩ ዜብሎ! ንዕኡ ንምምላኽ እንገብሮ ጻዕሪ ኻብ ፍቕሪ ዝመነጨ ኪኸውን ከሎ: ኣብ ቅድሚኡ ኽቡር እዩ። ሰባት ነቲ ብትግሃት እንገብሮ ዕዮ ዕሽሽ ይብልዎ እኳ እንተ ዀኑ: ኣምላኽ ግን ነቲ ኻብ ልቢ ዝነቐለ መስዋእትና የስተብህለሉን ይዝክሮን እዩ።—ማቴዎስ 6:4

12 ንኣምላኽና ምሉእ ብምሉእ ንኸነሐጕሶ ግን: ብዅሉ መዳያት ህይወትና እዙዛት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ካልእ መዳያት ህይወትና ንዕኡ ኣምልኾ ነቕርብ ስለ ዘለና: ብእተወሰነ ደረጃ ኻብቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓት ከነላግስ ከም እንኽእል ጌርና ብምሕሳብ ንርእስና ኸነታልል የብልናን። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ንማለቱ ኢልካ ዚቐርብ ኣምልኾ ስለ ዚፍጽም: ርኽሰት ወይ ከቢድ ኣበሳ እውን እንተ ፈጸመ: ካብ መቕጻዕቲ ኼምልጥ ከም ዚኽእል ብምሕሳብ ንርእሱ የታልል ይኸውን። እዝስ ከመይ ዝበለ ጌጋ ዀን እዩ!—ገላትያ 6:7, 8

13. ንየሆዋ ዘለና ተኣዛዝነት በይንና ኽንከውን ከለና ኺፍተን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 ስለዚ: ‘ኣብቲ መዓልታዊ ዝገብሮ ንጥፈታት: ኣብ ውልቃዊ ጕዳያት እውን እንተ ዀነ ንየሆዋ እእዘዞዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። የሱስ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ: እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ” በለ። (ሉቃስ 16:10) ኣብቲ ሰባት ኪርእዩና ዘይክእሉሉ ቦታ: ዋላ እውን ‘ውሽጢ ቤትና: ብፍጹም ልብና ዲና እንመላለስ’ ዘለና፧ (መዝሙር 101:2) እወ: ኣብ ቤትና ኸለና ንጽህናና ኺፍተን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ኮምፕዩተር ተራ ንብረት ኰይኑለን ዘሎ ሃገራት: ጽዩፍ ስእልታት ብቐሊሉ ይርከብ እዩ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት: ሓደ ሰብ ኣብቲ ዘይስነ-ምግባራዊ መዘናግዒ ዚቐርበሉ ቦታታት እንተ ዘይከይዱ: ከምዚ ዝበለ ስእሊ ኺርኢ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። እሞኸ ነቲ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ዚብል ቃላት የሱስ ኣብ ልብና ነሕድሮ ዲና፧ ዘይስነ-ምግባራዊ ስእሊ ምርኣይከ ንነጽጎ ዲና፧ (ማቴዎስ 5:28፣ እዮብ 31:1, 9, 10፣ መዝሙር 119:37፣ ምሳሌ 6:24, 25፣ ኤፌሶን 5:3-5) ብዛዕባ እቲ ዓመጻ ዝመልኦ መደብ ተለቪዥንከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ምስቲ ‘ንፈታው ግፍዒ ነፍሱ እትጸልኦም’ ኣምላኽና ንሰማማዕ ዲና፧ (መዝሙር 11:5) ብዛዕባ እቲ ተሓቢእካ ዚግበር መጠኑ ዝሓለፈ ኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንስኽራን ይዅንኖ እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ክርስትያናት “ብዙሕ ወይኒ” ንምስታይ ባሮት ከይኰኑ የጠንቅቕ እዩ።—ቲቶስ 2:3፣ ሉቃስ 21:34, 35፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:3

14. ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኬጋጥመና ኸሎ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣዛዝነት ከነርኢ እንኽእለሉ መዳያት ኣየናይ እዩ፧

14 ካልእ ጥንቁቓት ክንኰነሉ ዚግባእ መዳይ: ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ጕዳያት እንሕዘሉ መገዲ እዩ። ንኣብነት: ኣብቲ ዳርጋ ምትላል ዝዀነ ቐልጢፍካ ንምህብታም ዚዝውተር ሜላታት ንካፈል ዲና፧ ግብሪ ምእንቲ ኸይንኸፍል ኢልና ዘይሕጋዊ ዝዀነ ነገር ክንገብር ንፍተን ዲና፧ ወይስ ነቲ “ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ . . . ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ” ዚብል ትእዛዝ ኢና ብጥንቃቕ እንእዘዝ፧—ሮሜ 13:7

ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ ተኣዛዝነት

15. ንትእዛዛት የሆዋ እትእዘዝ ስለምንታይ ኢኻ፧

15 ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ መምርሒ ምእዛዝ በረኸት የምጽእ። ንኣብነት: ትምባኾ ዘይምትካኽና: ስነ-ምግባራዊ ህይወት ምንባርና: ከምኡውን ንቕድስና ደም ምኽባርና: ገሊኡ ሕማም ንኸየጥቅዓና ይከላኸለልና እዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወትና ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ዄንና: ቍጠባውን ማሕበራውን ስድራቤታውን ጥቕሚ ኼምጽኣልና እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ከምዚ ዝበለ ርኡይ ጥቕሚ: ንግብራውነት ትእዛዛት ኣምላኽ ዜርኢ በረኸት ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር: ንየሆዋ እንእዘዘሉ ቐንዲ ምኽንያት ስለ እነፍቅሮ እዩ። ብስስዐ ተደሪኽና ኣይኰንናን ንኣምላኽ እነገልግሎ። (እዮብ 1:9-11፣ 2:4, 5) ኣምላኽ ንዝደለናዮ እዙዛት ንኽንከውን ምርጫ ናይ ምግባር ናጽነት ሂቡና እዩ። ንየሆዋ ኸነሐጕሶን ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብርን ስለ እንደሊ: ንዕኡ ኽንእዘዝ ኢና እንደሊ።—ሮሜ 6:16, 17፣ 1 ዮሃንስ 5:3

16, 17. (ሀ) የሱስ ንየሆዋ ኻብ ልቢ ብዝነቐለት ፍቕሪ እተኣዘዞ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 የሱስ ንየሆዋ ኻብ ልቢ ብዝነቐለ ፍቕሪ እዙዝ ብምዃን ፍጹም ኣብነት ሓዲጉ እዩ። (ዮሃንስ 8:28, 29) ኣብ ምድሪ ኸሎ: “በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ።” (እብራውያን 5:8, 9) ብኸመይ፧ “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ።” (ፊልጲ 2:7, 8) ኣብ ሰማይ ድሮ ተኣዛዝነቱ ኣርእዩ እኳ እንተ ነበረ: እዛ ተኣዛዝነት እዚኣ ግን ኣብ ምድሪ ምስ መጸ ብዝያዳ ተፈተነት። ስለዚ: ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቱን ነቶም ካልኦት ኣመንቲ ደቅሰብን ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብራውያን 4:15፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2

17 ንሕናኸ፧ ንሕና እውን ንፍቓድ ኣምላኽ እዙዛት ምዃን ቀዳምነት ብምሃብ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:21) ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ ወይ ንኸይንእዘዝ ክንፍተን ከለና እውን እንተ ዀነ: እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንትእዛዛት የሆዋ ንኽንገብር ስለ እትድርኸና: ብብሕትና ዕግበት ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 7:18-20) እዚ ድማ ነቲ ኻብቶም ዘይፍጹማት ዝዀኑ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ቦታ መሪሕነት ዘለዉ ሰባት ዚመጽእ መምርሒ ብፍታው እዙዝ ምዃን ዜጠቓልል እዩ። (እብራውያን 13:17) እቲ ብውልቅና እነርእዮ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ትእዛዛት ዘሎና ተኣዛዝነት: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር እዩ።

18, 19. እቲ ኻብ ልብና ንኣምላኽ እነርእዮ ተኣዛዝነት እንታይ ውጽኢት እዩ ዘለዎ፧

18 ኣብዚ እዋን እዚ: ንየሆዋ ንእዘዞ ኺበሃል ከሎ: ንጽህናና ምእንቲ ኽንሕሉ መስጐጕቲ ምጽማም ዘጠቓለለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ናይ ምስባኽን ምምሃርን ትእዛዝ ክንሕልዎ እንተ ዄንና: ክሳዕ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኽንዕገስ ኣሎና። (ማቴዎስ 24:13, 14፣ 28:19, 20) ካብዛ ዓለም ዚመጽእ ጸቕጢ እናሃለወ ኽነሱ: ምስ ኣሕዋትና ብሓደ ንኽንእከብ እውን ትዕግስቲ የድልየና እዩ። እቲ ፈቃር ኣምላኽና: ነቲ በዚ መዳይ እዚ እዙዛት ንኽንከውን እንገብሮ ጻዕሪ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ምሉእ ብምሉእ እዙዛት ንኽንከውን ግን: ሰናይ ዘበለ እናገበርና ምስቲ ሓጥእ ስጋና ኽንቃለስን ካብ ክፍኣት ክንርሕቕን ኣሎና።—ሮሜ 12:9

19 ንየሆዋ ብፍቕርን ብሞሳን ብዝመልአ ልቢ ኸነገልግሎ ኸለና: ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ዚህቦም ኣምላኽ’ እዩ ዚዀነና። (እብራውያን 11:6) ግቡእ መስዋእቲ ኣድላዪን ተበሃግን እኳ እንተ ዀነ: እቲ ንየሆዋ ኻብ ዘሎና ፍቕሪ ዝነቐለ ምሉእ ተኣዛዝነት ግን ልዕሊ ዅሉ የሐጕሶ።—ምሳሌ 3:1, 2

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንየሆዋ እንህቦ ነገር ኣሎ ኢልና ኽንዛረብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

• ሳኦል እንታይ ጌጋታት እዩ ገይሩ፧

• ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ንላዕሊ ምዃኑ ኸም እትኣምን ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

• ንየሆዋ ኽትእዘዞ ዚድርኸካ እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሓላዪ ሓኪም: ብዛዕባ እቲ ንምኽሩ ዕሽሽ ዚብሎ ሕሙም እንታይ ይስምዖ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንጉስ ሳኦል ንየሆዋ ዘጕሃዮ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

በይንኻ ኽትከውን ከለኻ እውን ትእዛዛት ኣምላኽ ትሕሉዶ፧