ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ይሃንጽ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ይሃንጽ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ይሃንጽ

ተወካሊ እቶም መበል 122 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ኣብ መዓልቲ ምረቓ: “ዝሓለፈ ሓሙሽተ ወርሒ ንሓሳባት ፈጣሪና ኸነተኵረሉን ኣረኣእያኡ ኽንመሃርን ምኽኣልናስ ከመይ ዝበለ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!” በለ። እቶም ኣብተን እተመደቡለን 26 ሃገራት ሚስዮናዊ ኣገልግሎቶም ኪጅምሩ እተዳለዉ 56 ኣባላት እታ ኽፍሊ: 10 መጋቢት 2007 ከቶ ዘይርስዕዋ ዕለት እያ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ቴዶር ጃራዝ ነቶም 6,205 ተኣከብቲ መርሓባ ኺብሎም ከሎ: “ኣብዚ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብምእካብኩም ብመንፈስ ከም እትበራትዑን እምነትኩም ከም እትሃንጹን ንተኣማመን ኢና” በሎም። ነቶም ተመሃሮ ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮኦም ዕዉታት ንኪዀኑ ዚሕግዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዋናዊ መተባብዕን ምኽርን ዚህብዎም ኣርባዕተ ተዛረብቲ በብተራ ኣፋለጦም።

ኣብ ካልኦት እምነት ንኺሃንጹ እተዋህቦም መተባብዒ

ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዀነ ሊዮን ዊቨር: “ሰናይ ግብሪ ምግባር ቀጽሉ” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ መደረ ኣቕረበ። ነቶም ተመሃሮ ብገምጋም 13 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ዘሕለፉ: ከምኡውን እምነት ዚሃንጽ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሩ ምንባሮም ኣዘኻኸሮም። ነቲ ዕዮኦም ኣመልኪቱ “ህይወት ሰባት ምድሓን ስለ ዜጠቓልል: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ስለ ዜኽብሮ ሰናይ ግብሪ እዩ” በሎም። ድሕሪኡ ሓው ዊቨር ነቶም ተመሃሮ ብሕጂ እውን ‘ንመንፈስ ኢሎም ኪዘርኡ: ንሰናይ ግብሪ ድማ ከይስልክዩ’ ኣተባብዖም።—ገላትያ 6:8, 9

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዴቪድ ስፕለይን: “ጽቡቕ ጅመራ ኺህልወኩም ጽዓሩ” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ ግብራዊ መዘኻኸሪታት ኣቕረበ። ሓው ስፕለይን ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ጽቡቕ ጅመራ ኺህልዎም ኣተባብዖም:- “ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዙ። ተቐላጢፍኩም ናብ መደምደምታ ኣይትብጽሑ። ፍሽኽ በሉ። ነቐፍቲ ኣይትኹኑ። ትሑታት ኩኑ: ነቶም ኣብቲ ዓዲ እትረኽብዎም ኣሕዋት ከኣ ኣኽብርዎም።” ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ: “ካብ ነፋሪት ምስ ወረድኩም ኣትሒዝኩም: ጽቡቕ ጅመራ ኺህልወኩም ጽዓሩ፣ እተን ጽቡቓት ኣእጋርኩም ንሰባት ‘ሰናይ ኬበስራ’ ኸለዋ የሆዋ ይባርከን” በሎም።—ኢሳይያስ 52:7

ሎረንስ ቦወን ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር: “ዜተኣማምን ውርሻ” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ መደረ ኣቕረበ። ሓው ቦወን ነቶም ተመሃሮ: ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ክትምስረት ዝኸኣለት: እቲ ትንቢታዊ ቓል የሆዋ ኸም ዚፍጸም ምሉእ እምንቶ ብምንባሩ ምዃኑ ኣዘኻኸሮም። (እብራውያን 11:1፣ ራእይ 17:8) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ጊልዓድ ንተመሃሮ እምነቶም ንኼደልድሉ ኣጋጣሚ ሂባቶም እያ። ተመረቕቲ በታ ዘላቶም ድልድልቲ እምነት ተደሪኾም: ብቕንኣት ነታ ሓቂ ይእውጁ እዮም።

ማርክ ኑማር ዚበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር: “ብዛዕባ ሓደ ሰብ ኣዘኻኺርኩምኒ” ዚብል መሳጢ መደረ ኣቕረበ። ናብቲ ኣብ ዕዮኡ እምነትን ትብዓትን ዘርኣየ ነብዪ ኤልሳእ ከም ዜተኵሩ ገበረ። ሓሳባቱ ኣብ 1 ነገስት 19:21 ብምምርኳስ: “ኤልሳእ ኣብ ህይወቱ ምትዕርራይ ኪገብር: ንብሕታዊ ጥቕሙ ኻልኣይ ደረጃ ኺሰርዕ: ከምኡውን ንዕላማ የሆዋ ኺጣበቕ ፍቓደኛ ነበረ” በለ። ኣስዒቡ ነቶም ተመረቕቲ ተመሳሳሊ መንፈስ ስለ ዘርኣዩ ነኣዶም: ኣብቲ ሓድሽ ምድቦም ብተመሳሳሊ ኪቕጽሉ ድማ ኣተባብዖም።

እምነት: ትብዓት ተፍሪ

እቶም ናይ መጻኢ ሚስዮናውያን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን እምነቶም ይሃንጹ እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ግን ነቲ ብስራት ንኻልኦት ኣብ ምስባኽ ይዋፈሩ ነበሩ። ኣብቲ ሓው ዋለስ ሊቨራንስ ዚበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር ዝመርሖ ኽፍሊ: ሽዑ እተረኽበ ጽቡቕ ተመክሮታት ተዘንትዩን ብመርኣያ ቐሪቡን እዩ። ኣርእስቲ እዚ ኽፍሊ እዚ ኻብቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 4:13 ዚርከብ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ “ንሕና ድማ ንአምን: ስለዚውን ንዛረብ አሎና” ዚብል ቃላት እተወስደ እዩ።

ደድሕሪ እዚ ኽፍሊ እዚ: ኣባላት ስድራ ቤትኤል ዝዀኑ ዳንኤል ባርንስን ቻርለስ ዉዲን ሕጂ ሚስዮናውያን ኰይኖም ንዜገልግሉ ዘለዉን ኣቐዲሞም ሚስዮናውያን ንዝነበሩን ቃለ-መጠይቓት ገበሩሎም። እዚ ኸኣ የሆዋ ነቶም ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ኸም ዚሓልየሎምን ከም ዚባርኾምን ዜጕልሕ ነበረ። (ምሳሌ 10:22፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ሓደ ሚስዮናዊ: “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን በቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብናዮ ትምህርቲ ኣቢልና ሓልዮት የሆዋ ርኢና ኢና። ንእምነትና ብሓቂ ሃኒጽዋ እዩ። ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ: እንተላይ ሚስዮናውያን: ፈተናታትን ጸገማትን ጭንቀታትን ስለ ዜጋጥሞም: እምነት ኣገዳሲት እያ” በለ።

እምነት ዚሃንጽ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምዝርጋሕ ቀጽሉ

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ሳሙኤል ሀርድ: “ንኣሕዋትኩም ምህናጽ ቀጽሉ” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ ነቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብቑዕ መደምደምታ ዚኸውን መደረ ኣቕረበ። እቲ ነቶም ተመሃሮ እተዋህበ ትምህርቲ ዕላማኡ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሓው ሀርድ: “ዕላማ እቲ እተዋህበኩም ትምህርቲ: ልሳንኩም ንውዳሰ የሆዋ ኽትጥቀሙሉ: ኣብቲ ሓድሽ እተመደብኩምሉ ኽሊ ንኻልኦት ሓቅታቱ ኽትምህሩ: ከምኡውን ብእምነትን ክትተሃናነጹ እዩ” በሎም። ይኹን እምበር: ልሳን ዘይሃንጽ ነገር ክትዛረብ ከም እትኽእል እውን ነቶም ተመሃሮ ኣዘኻኸሮም። (ምሳሌ 18:21፣ ያእቆብ 3:8-10) ነቶም ተመሃሮ ኣብ ኣጠቓቕማ ልሳኖም ኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ኣተባብዖም። ሓደ እዋን የሱስ ኪዛረብ ከሎ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ሰምዕዎ: “እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልና . . . ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧” ተበሃሃሉ። (ሉቃስ 24:32) ሓው ሀርድ: “ቃላትኩም ኣወንታዊ እንተ ዀይኑ: ኣልባብ እቶም ኣብቲ ምድብኩም ዚርከቡ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ኪትንክፍ እዩ” በሎም።

ድሕርዚ እቶም ተመረቕቲ ዲፕሎማ ተቐበሉ። ቀጺሉ ኻብቶም ተመሃሮ ናይ ምስጋና ደብዳበ ተነበት። ከምዚ ትብል ነበረት:- “ነቲ ሚስዮናውያን ኴንና ብተኣማንነት ንኸነገልግል እተዋህበና ትምህርቲ ንኽንጥቀመሉ ዓብዪ ሓላፍነት ይስምዓና። ናብ ወሰን ምድሪ ኽንከይድ ተዳሊና ኣብ ዘለናሉ እዋን: ጻዕርታትና ነቲ ዓብዪ መምህርና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብርቱዕ ደሃይ ውዳሰ ኼምጽኣሉ ንጽሊ።” እቶም ተኣከብቲ ኻብ ልቦም ተለዓዒሎም ኣጨብጨቡሎም። እወ: እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ንእምነት ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ሃኒጹ እዩ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ቃላትኩም ኣወንታዊ እንተ ዀይኑ: ኣልባብ እቶም ኣብቲ ምድብኩም ዚርከቡ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ኪትንክፍ እዩ”

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 9

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 26

ቍጽሪ ተመሃሮ:- 56

ገምጋም ዕድመ:- 33.4

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 16.8

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 122 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ: ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ራጂኒ ሃዊት፣ ፖውላ ስሚዝ፣ ኣሊሰን ማርቲነዝ፣ ሲልቪያ ፖትሶቦን፣ ዩኮ ኪታሙራ፣ ሴሲል ላውድ። (2) ኣይሊንካ ፊድለር፣ ኬት ቢስሊ፣ ሼርሊን ማትኮቪች፣ ዶን በል፣ ወንዲ ሊፒንኮት። (3) ወንዲ ሳይትስ፣ ኣን ኣንደርሰን፣ ሊሳ ቶቭስ፣ ጂና ፉሳኖ፣ ካርመን ሮድሪገዝ፣ ጂህዩን ዩ። (4) ሞኒክ ሶቦሚሂን፣ ሊሳ ቶማስ፣ ሳባ ጋሰን፣ ቬሮኒክ ዳውባ፣ ኣንዤሊክ በርቶውድ፣ ሲንዲ ዊን፣ ማጊ ዶብረቮልስኪ። (5) ጂሶንግ ዩ፣ ዤሮሚ ዳውባ፣ ሃይዲ ሚክሰር፣ መሊሳ ኒውተን፣ ፍራንሲስኮ ሮድሪገዝ፣ ናታን ሚክሰር። (6) ማርቲን ላውድ፣ ከይል ሊፒንኮት፣ ሪኪ ማርቲነዝ፣ ኣባይጃ ሃውብ፣ ሪና ስካምፕ፣ ሉችዮ ፖትሶቦን፣ ሼን ቶቭስ። (7) ሰባስትየን ሃዊት፣ ኡዪቺሮ ኪታሙራ፣ ደስቲን ኒውተን፣ ጆሽ ሃውብ፣ ጆ ሳይትስ፣ ዳር ቶማስ። (8) ላዴ ሶቦሚሂን፣ ጀሲ ማትኮቪች፣ ብራንደን ፉሳኖ፣ ጆን ዊን፣ ጄስን ስካምፕ፣ ደኒስ ኣንደርሰን፣ ያረክ ዶብረቮልስኪ። (9) ፒተር ፊድለር፣ ዩጂን በል፣ ብረት ቢስሊ፣ ብረንደን ስሚዝ፣ ፊሊፕ በርቶውድ፣ ማርክ ጋሰን።