ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ”

“ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ”

“ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ”

“ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር: በቲ እከይ ኣይትሰዐር።”—ሮሜ 12:21

1. ንእከይ ክንስዕሮ ኸም እንኽእል ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

 ኣብ ቅድሚ እቶም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣበርቲዖም ዚጻረሩ ሰባት ጸኒዕካ ደው ክትብል ይከኣልዶ፧ ነቲ ናብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ንኽንምለስ ኪስሕበና ዚፍትን ጽልዋ ኽንጻረሮ ንኽእልዶ፧ መልሲ እዘን ክልተ ሕቶታት: ‘እወ’ ዚብል እዩ! ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝለኣኸሎም መልእኽቲ ነቲ ምኽንያት ገሊጽዎ ኣሎ። “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር: በቲ እከይ ኣይትሰዐር” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:21) ኣብ የሆዋ ንውከል እንተ ዄንና ኸምኡውን በዛ ዓለም ንኸይንስነፍ ቈራጽነት እንተ ወሲድና: እከይ ኣይስዕረናን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እታ “ነቲ እከይ . . . ስዐሮ” እትብል ሓረግ: ንእከይ ክንስዕሮ እንኽእል: ነቲ ኣንጻሩ እንገብሮ መንፈሳዊ ቓልሲ እንተ ቐጺልናሉ ምዃኑ እተርኢ እያ። እቶም ዚድህለሉን ቃልሶም ዜቋርጹን ሰባት ጥራይ እዮም በዛ እክይቲ ዓለምን በቲ እኩይ ገዛኢኣ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስን ዚሰዓሩ።—1 ዮሃንስ 5:19

2. ነቲ ኣብ ህይወት ነህምያ ዘጋጠመ ሓድሓደ ፍጻመታት እንምርምሮ ስለምንታይ ኢና፧

2 ቅድሚ እቲ ጳውሎስ ዝነበረሉ ግዜ 500 ዓመት ኣቢሉ ይገብር: ሓደ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር ኣገልጋሊ ኣምላኽ: እቲ ንእከይ ብዛዕባ ምቅላስ ዚገልጽ ቃላት ጳውሎስ ሓቂ ምዃኑ ኣርእዩ ነበረ። እዚ ነህምያ ዚበሃል ናይ ኣምላኽ ሰብ: ነቲ ኻብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባይ ዝመጾ ምጽራር ተጻዊሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ንእከይ እውን ብሰናይ ስዒሩ እዩ። እንታይ ብድሆ ኣጋጠሞ፧ ንኺዕወት ዘኽኣሎኸ እንታይ እዩ፧ ነቲ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ: ነቲ ኣብ ህይወት ነህምያ ዘጋጠመ ሓድሓደ ፍጻመታት እስከ ንርአ። a

3. ነህምያ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ዚነብር ነይሩ፧ እንታይ ዜደንቕ ዕዮኸ እዩ ፈጺሙ፧

3 ነህምያ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ የገልግል ነበረ። ኣብ መንጎ ዘይኣመንቲ እኳ ይነብር እንተ ነበረ: ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረት ‘ዓለም ኣይመስላን’ እዩ ነይሩ። (ሮሜ 12:2) ኣብ ይሁዳ ኣድላዪ ስራሕ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ: ነቲ ምሹእ ናብራኡ መስዋእቲ ገይሩ ናብ የሩሳሌም ኣዝዩ ኣድካሚ ጕዕዞ ገበረ: ነታ ኸተማ ናይ ምህናጽ ዓብዪ ዕማም ድማ ተሰከመ። (ሮሜ 12:1) ኣመሓዳሪ የሩሳሌም እኳ እንተ ነበረ: መዓልታዊ ግን ‘ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኽሳዕ ከዋኽብቲ ዚወጹ’ ኣብ ጐድኒ እቶም እስራኤላውያን ብጾቱ ይዓዪ ነበረ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ወርሒ ተዛዘመ! (ነህምያ 4:21፣ 6:15) እዚ ኣዝዩ ዜደንቕ ዕዮ ነበረ፣ ከመይሲ: እስራኤላውያን ነቲ ዕዮ እናሰርሑ ኸለዉ እተፈላለየ ዓይነት ምጽራር ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። እቶም ንነህምያ ዚጻረርዎ ዝነበሩ ሰባት መን እዮም ነይሮም፧ ዕላማኦምከ እንታይ ነበረ፧

4. ተጻረርቲ ነህምያ እንታይ ሸቶ እዩ ነይርዎም፧

4 እቶም ቀንዲ ተጻረርቲ: ሳንባላጥ: ጦብያ: ከምኡውን ጌሸም ኰይኖም: ኣብ ጥቓ ይሁዳ ዚነብሩ ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮም ሰብ እዮም ነይሮም። ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዝነበሩ: “ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ዚሐስበሎም ሰብ [ነህምያ] ከም ዝመጸ ምስ ሰምዑ: ዓብዪ ጓሂ ጐሀዩ።” (ነህምያ 2:10, 19) ጸላእቲ ነህምያ ነቲ ዕዮ ህንጸት ደው ኬብልዎ ሒዅ በሉ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን እኩይ ውዲት ኪሓፍሱ ጀመሩ። እሞኸ ነህምያ ‘በቲ እከይ ይሰዓር’ ደዀን ይኸውን፧

“ተቘጥዔን ኣዝዩ ዀረየን”

5, 6. (ሀ) ጸላእቲ ነህምያ ብዛዕባ እቲ ዕዮ ህንጸት እንታይ ተሰምዖም፧ (ለ) ነህምያ በቶም ተጻረርቲ ዘይፈርሀ ስለምንታይ እዩ፧

5 ነህምያ ነቶም ህዝቢ: “መካበብያ የሩሳሌም ንስራሕ” ብምባል ብትብዓት ተማሕጸኖም። ንሳቶም ድማ “ንስራሕ” ብምባል መለሱ። ነህምያ: “ኣእዳዎም ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣጽንዕወን” ድሕሪ ምባሉ: እቶም ተጻረርቲ ግን “ኣላገጹልናን ነዐቑናን እሞ፤ እዚ ንስኻትኩም እትገብርዎ ነገር እንታይ እዩ፧ ንስኻትኩምሲ ኻብ ንጉስዶ ኽትዐልዉ ትደልዩ አሎኹም፧ ድማ በሉ” ኢሉ ነቲ ዘጋጠመ ገሊጽዎ ኣሎ። ነህምያ ግን በቲ ላግጾምን በቲ ናይ ሓሶት ክስታቶምን ኣይፈርሀን። ነቶም ተጻረርቲ “ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ: ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዐዪ ኢና” በሎም። (ነህምያ 2:17-20) ነቲ “ሰናይ” ዝዀነ ነገር ኪገብር ቈራጽነት ገይሩ ነበረ።

6 ሓደ ኻብቶም ተጻረርቲ ዝነበረ ሳንባላጥ “ተቘጥዔን ኣዝዩ ዀረየን:” በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ናይ ላግጺ ቓላት ኪድርጕሓሎም ጀመረ። “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ አለዉ፧ ነቲ . . . ትሕቲ ዅምራታት ሓመድ ዘሎ ኣእማን የሕውይዎዶ፧” ብምባል ኣስተናዓቖም። ጦብያ እውን “እቲ በእማን ዝነደቕዎ መካበብያ ሓንቲ ወኻርያ እንተ ደየበቶ: ኪፈርስ እዩ” ብምባል ኣብቲ ባጫ ተጸምበረ። (ነህምያ 4:1-3) ነህምያ ነዚ ብኸመይ ምላሽ ሃበሉ፧

7. ነህምያ ነቲ በቶም ተጻረርቲ ዝቐረበ ኽሲ ምላሽ ዝሃበ ብኸመይ እዩ፧

7 ነህምያ ነቲ ላግጺ ግዲ ኣይገበረሉን። ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምሕላው ድማ ሕነ ኺፈዲ ኣይፈተነን። (ዘሌዋውያን 19:18) ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ብምሕዳግ: “ዎ ኣምላኽና: ስማዕ: ተናዒቕና ኢና እሞ: ልግጫኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም” ብምባል ጸለየ። (ነህምያ 4:4) ኣብቲ “ምፍዳይ ሕነን ምኽሓስን ናተይ እዩ” ዚብል የሆዋ ዝሃቦ መረጋገጺ ኸኣ ምትእምማን ነበሮ። (ዘዳግም 32:35) ንሱን እቲ ህዝብን ‘ነቲ መካበብያ ነደቕዎ።’ ካብዚ ኼስግሉ ኣይፈቐዱን። በዚ ኸምዚ: “ክሳዕ ፈረቓ ምብራኹ ኸኣ ብዘሎ እቲ መካበብያ ተላገበ። ልቢ እቲ ህዝቢውን ንዕዮ ጽዒቱ አሎ።” (ነህምያ 4:6) ጸላእቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ነቲ ዕዮ ህንጸት ደው ንምባል ዝገበርዎ ጻዕሪ ፈሸለ! ንነህምያ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8. (ሀ) ተጻረርቲ ብሓሶት ኪኸሱና ኸለዉ ንነህምያ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ሕነ ዘይምፍዳይ ጥበባዊ ምዃኑ ዜርኢ ንዓኻ ዘጋጠመካ ወይ ዝሰማዕካዮ ተመክሮ ኣዘንቱ።

8 ሎሚ እውን ተጻረርቲ ሰባት ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ወይ ኣብ ቤትና የላግጹልናን የካፍኡናን ይዀኑ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዜቕርብዎ ናይ ሓሶት ክስታት: በቲ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ጌርካ እንተ ተራእየ ዝሓሸ እዩ። (መክብብ 3:7) ስለዚ: ከም ነህምያ: ብዜቝስል ቃላት ጌርና ሕነ ኻብ ምፍዳይ ንቝጠብ ኢና። (ሮሜ 12:17) ኣብቲ “ኣነ ኽፈድዮ እየ” ዚብል መረጋገጺ ዝሃበና ኣምላኽ ብምውካል: ናብኡ ብጸሎት ንቐርብ። (ሮሜ 12:19፣ 1 ጴጥሮስ 2:19, 20) በዚ ኸምዚ: እቶም ዚጻረሩና ሰባት ካብቲ ሎሚ ኺዕየ ዘለዎ መንፈሳዊ ዕዮ ኼስግሉና ኣይንፈቕደሎምን፣ እዚ ዕዮ እዚ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ኣብ ዕዮ ስብከት ኣብ እንካፈለሉ ኸምኡውን ምጽራር ኪዓግተና ኣብ ዘይንፈቕደሉ እዋን: ከምቲ ነህምያ ዘርኣዮ ዓይነት ተኣማንነት ኢና እነርኢ።

‘ክንቀትለኩም ኢና’

9. ጸላእቲ ነህምያ እንታይ ዓይነት ምጽራር እዮም ፈንዮም፧ ነህምያኸ ብኸመይ ምላሽ ሃበ፧

9 እቶም ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚጻረሩ ሰባት: “ምዕራይ መካበብያ የሩሳሌም ከም ዝሰለጠ” ምስ ሰምዑ: “ንየሩሳሌም ኪወግኡ” ኣስያፎም ኣልዓሉ። እዚ ዅነታት እዚ ንኣይሁዳውያን ዜስግእ ነበረ። ብሸነኽ ሰሜን ሳምራውያን: ብሸነኽ ምብራቕ ዓሞናውያን: ብሸነኽ ደቡብ ኣዕራብ: ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ኣሽዶዳውያን ነበሩ። የሩሳሌም ተኸቢባ ስለ ዝነበረት: እቶም ሃነጽቲ ኣብ መጻወድያ ዝኣተዉ እዮም ዚመስሉ ነይሮም! እንታይ ኰን ይገብሩ ይዀኑ፧ ነህምያ “ኣብ ኣምላኽና ጸሌና” በለ። እቶም ጸላእቲ: “ኽንቀትሎም: ነቲ ዕዮውን ከነትርፎ ኢና” ኢሎም ኣጕባዕብዑ። ነህምያ ግን: እቶም ሃነጽቲ “ኣስያፎምን ኲናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም” ነታ ኸተማ ኺከላኸሉላ መደብ ኣውጽአ። ሓቂ እዩ: ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ: እቶም ብቝጽሪ ሒደት ዝነበሩ ኣይሁድ ነቶም ብዙሓት ዝዀኑ ሓይሊ ጸላኢ ንኺስዕሩ ዓቕሚ ኣይነበሮምን፣ ነህምያ ግን “ኣይትፍርሁ: . . . ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ ዘክሩ” ኢሉ ኣተባብዖም።—ነህምያ 4:7-9, 11, 13, 14

10. (ሀ) ኵነታት ጸላእቲ ነህምያ ብሃንደበት እተለወጠ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነህምያ እንታይ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ፧

10 እቲ ዅነታት ግን ብሃንደበት ተቐያየረ። እቶም ጸላእቲ ነቲ መጥቃዕቲ ሓደግዎ። ስለምንታይ፧ ነህምያ: ‘ኣምላኽ ንምኽሮም ከንቱ ገበሮ’ ብምባል ጸብጸበ። ይኹን እምበር: እቶም ጸላእቲ ገና ዜስግኡ ምዃኖም ይፈልጥ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ: ንኣሰራርሓ እቶም ሃነጽቲ ብምስትውዓል ኣተዓራረዮ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ “ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዐዩ: ብሓደ ኢዶም ከኣ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ።” ነህምያ: ጸላኢ መጥቃዕቲ እንተ ጀመረ: ነቶም ሃነጽቲ ዜጠንቅቕ “መለኸት ዚነፍሕ” ሓደ ሰብ እውን መደበ። ልዕሊ ዅሉ ግን ነቶም ህዝቢ “ኣምላኽና ምእንታና ኺዋግኣልና እዩ” ኢሉ ኣረጋገጸሎም። (ነህምያ 4:15-20) እቶም ሃነጽቲ ነቲ መጥቃዕቲ ንምምካት ተባዓትን ድሉዋትን ብምዃን: ዕዮኦም ቀጸሉ። ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧

11. ኣብተን ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እተኣገደለን ሃገራት ዚነብሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ነቲ ዚወርዶም እከይ ንኺጻወርዎ ዜኽእሎም እንታይ እዩ፧ ነቲ እከይ ብሰናይ ገይሮም ዚስዕርዎኸ ብኸመይ እዮም፧

11 ሓድሓደ ግዜ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብርቱዕ ምጽራር የጋጥሞም እዩ። ከመይሲ: ኣብ ገሊአን ሃገራት ዘለዉ ሕሱማት ተጻረርቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ: ዓብዪ ሰራዊት እዮም። ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ: እቶም ኣብዘን ሃገራት ዚነብሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኺዕወቱ ዚኽእሉ ኣይመስልን እዩ። ይኹን እምበር: እዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚኣቶም ‘ኣምላኽ ምእንታኦም ከም ዚዋጋእ’ ርግጸኛታት እዮም። እቶም ብምኽንያት እምነቶም መስጐጕቲ ዚወርዶም ሰባት: የሆዋ ንጸሎቶም መልሲ ኸም ዚህቦምን ‘ንምኽሪ’ እቶም ሓያላት ጸላእቶም ‘ከንቱ ኸም ዚገብሮን’ ብተደጋጋሚ ርእዮም እዮም። ኣብተን ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እተኣገደለን ሃገራት እውን እንተ ዀነ: ክርስትያናት ነቲ ብስራት ንምስባኽ መገድታት የናድዩ እዮም። ልክዕ ከምቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃነጽቲ ንኣሰራርሓኦም ዘመዓራረዩ: ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝዀኑሉ እዋን: ነቲ ንምስባኽ ዚጥቀሙሉ ሜላታት ብምስትውዓል የመዓራርዩ እዮም። ሓቂ እዩ: ኣጽዋር ካብ ምጥቃም ይቝጠቡ እዮም። (2 ቈረንቶስ 10:4) እቲ ዚወርዶም ኣካላዊ ማህሰይቲ ግን: ካብ ናይ ስብከት ንጥፈታቶም ኣይዓግቶምን እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:16) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: እዞም ተባዓት ኣሕዋትን ኣሓትን ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ገይሮም እዮም ዚስዕርዎ።’

“ንዓ . . . ንራኸብ”

12, 13. (ሀ) ጸላእቲ ነህምያ እንታይ ዓይነት ውዲት እዮም ኣሊሞም፧ (ለ) ነህምያ ነቲ ኻብቶም ተጻረርቲ ዝመጾ ዕድመ ዝነጸጎ ስለምንታይ እዩ፧

12 ጸላእቲ ነህምያ: እቲ ዘውረድዎ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ ኸም ዝፈሸለ ምስ ተረድኡ: ርቕቕ ዝበለ ዓይነት ምጽራር ጀመሩ። አረ ሰለስተ ውዲት እውን ፍሒሶም ነበሩ። እዚ እንታይ እዩ ነይሩ፧

13 ብቐዳምነት: ንነህምያ ኼታልልዎ ፈተኑ። “ንዓ: ኣብ ጐልጐል ኦኖ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ንራኸብ” ድማ በልዎ። ኦኖ ኣብ መንጎ የሩሳሌምን ሰማርያን ይርከብ። ስለዚ: እቶም ጸላእቲ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘለዎ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ነህምያ ፍርቂ መገዲ መጺኡ ምሳታቶም ንኺራኸብ ሓሳብ ኣቕረቡ። ነህምያ ‘እዚሞ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ። ካብ ምውጋእ ከኣ ምዝታይ ይሓይሽ’ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል ነበረ። ንሱ ግን ከምዚ ምግባር ኣበየ። ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ “ክፉእ ኪገብሩኒ ሐሲቦም ነበሩ” ብምባል ገለጸ። ነቲ ውዲቶም ስለ እተረድኦ: በዚ ኣይተታለለን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቶም ተጻረርቱ ኣርባዕተ ሳዕ: “ክወርድ ኣይከአለንን: ስለምንታይ: ነቲ ዕዮ ሐዲገ ናባኻትኩም እንተ ወረድኩ: ንሱ ኺበኵር እዩ” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ጸላእቲ: ነህምያ ንኺለማለም ኢሎም ዝገበርዎ ውዲት ፈሸለ። ኣትኵሮኡ ኣብቲ ዕዮ ህንጸት እዩ ነይሩ።—ነህምያ 6:1-4

14. ነህምያ ነቶም ብሓሶት ዝኸሰስዎ እንታይ ምላሽ ሃቦም፧

14 ካልኣይ: ነህምያ ኻብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ‘ኺሽፍት ከም ዝሓሰበ’ ገይሮም ብምኽሳስ ናይ ሓሶት ወረ ዘርግሑ። ንነህምያ ድማ እንደገና “ብሓንሳእ ኴንና ንማኻኸር” በልዎ። ነህምያ ግን ሓሳብ እቶም ጸላእቱ ስለ ዝፈለጠ: ኣበየ። “እቲ ዕዮ ከይዕየ ኣእዳዎም ኪደኽማ እየን እሞ: ነቲ ዕዮ ኺሐድግዎ እዮም: እናበሉ ዅላቶም ኬሰምብዱና ደልዮም እዮም” በለ። ነቲ ዘቕረቡሉ ኽሲ ድማ: “ካብ ልብኻ ዘንቃሕካዮ እዩ እምበር: እዚ ነገር እዚ ኸምዚ ንስኻ እትዛረቦ ኣይኰነን” ኢሉ መለሰ። ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ ንኺሕግዞ “ኣእዳወይ ኣጽንዕ” ኢሉ ጸለየ። በቲ የሆዋ ዚህቦ ሓገዝ ነዚ እኩይ ውዲት ኬፍሽሎን ነቲ ዕዮ ህንጸት ኪቕጽሎን ከም ዚኽእል ርግጸኛ ነበረ።—ነህምያ 6:5-9

15. ሓደ ነብዪ ሓሶት እንታይ ርእይቶ እዩ ዘቕረበ፧ ነህምያኸ ነዚ ርእይቶ ዘይተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧

15 ሳልሳይ: ነህምያ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዚጥሕስ ንምግባር ነቲ ኸሓዲ ዝዀነ እስራኤላዊ ዝነበረ ሸማዕያ ተጠቕሙ። ሸማዕያ ንነህምያ “ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ውሽጢ መቕደስ ብሓደ ንራኸብ: ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም . . . እሞ: ደገ ቤተ መቕደስ ንዕጸዎ” በሎ። ሸማዕያ ንነህምያ ኪቐትልዎ ስለ ዚኽእሉ: ኣብቲ ቤተ መቕደስ ተሓቢኡ ህይወቱ ኼድሕን ከም ዚኽእል እዩ ዚነግሮ ነይሩ። ነህምያ ግን ካህን ኣይነበረን። ኣብቲ ቤት ኣምላኽ እንተ ተሓቢኡ ድማ ሓጢኣት እዩ ዚፍጽም። እሞኸ ህይወቱ ንምድሓን ኢሉ ሕጊ ኣምላኽ ይጥሕስ ደዀን ይኸውን፧ ነህምያ: “ከማይ ዝበለስ ምእንቲ ኺድሕን ኢሉ: ናብ መቕደስ ዚአቱ መን እዩ፧ ኣነስ ኣይአቱን” ኢሉ መለሰ። ነህምያ ኣብቲ እተዘርግሓሉ መጻወድያ ዘይኣተወ ስለምንታይ እዩ፧ ሸማዕያ ኸምኡ እስራኤላዊ እኳ እንተ ዀነ: “ኣምላኽ ከም ዘይለአኾ” ግን ይፈልጥ ነበረ። ናይ ሓቂ ነብዪ እንተ ዚኸውን: ንሕጊ ኣምላኽ ኪጥሕስ ኣይምመኸሮን። ነህምያ እንደገና በቶም እኩያት ተጻረርቲ ኺሰዓር ኣይፈቐደን። ስለዚ ድማ ድሕሪ ሓጺር እዋን: “እቲ መካበብያ ኻብ ወርሒ ኤሉል ብመበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ: ብሓምሳን ክልተን መዓልቲ: ተፈጺሙ” ኢሉ ጸብጻብ ኪህብ ከኣለ።—ነህምያ 6:10-15፣ ዘሁልቍ 1:51፣ 18:7

16. (ሀ) ነቶም ናይ ሓሶት ፈተውቲ: ናይ ሓሶት ከሰስቲ: ከምኡውን ነቶም ናይ ሓሶት ኣሕዋት እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህቦም ዚግባእ፧ (ለ) ብእምነትካ ዝመጸ ኣብ ገዛኻ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ ኣብ እትሰርሓሉ ቦታ ፈጺምካ ኸም ዘይትለማለም ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

16 ልክዕ ከም ነህምያ: ንሕና እውን ካብ ናይ ሓሶት ፈተውትን ናይ ሓሶት ከሰስትን ናይ ሓሶት ኣሕዋትን ኣቢሉ ምጽራር ኪወርደና ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ፍርቂ መገዲ ንኽንመጽእ ወይ ንኽንለማለም ርእይቶ የቕርቡልና ይዀኑ። ንየሆዋ እነገልግለሉ ቕንኣት ቍሩብ ነኪና: ዓለማዊ ሸቶታት ክንስዕብ ከም እንኽእል ኬእምኑና ይጽዕሩ ይዀኑ። ይኹን እምበር: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ስለ ዘለዋ: ፈጺምና ኣይንለማለምን ኢና። (ማቴዎስ 6:33፣ ሉቃስ 9:57-62) ተጻረርቲ ናይ ሓሶት ክስታት እውን ይዝርግሑ እዮም። ልክዕ ከምቲ ነህምያ ኻብ ንጉስ ከም ዝሸፈተ እተኸሰሰ: ኣብ ገሊአን ሃገራት እውን ንመንግስቲ ኸም እነስግእ ተኸሲስና ኢና። ገሊኡ ኽስታት ብመርትዖ ኣብ ቤት ፍርዲ ፈሺሉ እዩ። ንሓድሓደ ዅነታት ብዚምልከት ዚህሉ ውጽኢት ብዘየገድስ: የሆዋ ንነገራት ምስ ፍቓዱ ብዚሰማማዕ መገዲ ንኺመርሖ ግን ብምትእምማን ንጽሊ ኢና። (ፊልጲ 1:7) ምጽራር ካብቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ዘለዉ ዚመስሉ ሰባት ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ እስራኤላዊ ዝዀነ ብጻዩ ንነህምያ ህይወቱ ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ ንሕጊ ኣምላኽ ኪጥሕስ ኬእምኖ ዝጸዓረ: ቀደም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሩ ኸሓድቲ እውን እንተ በዚ እንተ በቲ ንኽንለማለም ኪጸልዉና ይፍትኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ነዚኣቶም ንነጽጎም ኢና፣ ከመይሲ: ህይወትና ኺድሕን ዚኽእል ንሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ ዘይኰነስ: ብምሕላው ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና! (1 ዮሃንስ 4:1) እወ: በቲ የሆዋ ዚህበና ሓገዝ ንዅሉ ዓይነት እከይ ክንስዕሮ ንኽእል ኢና።

እከይ እናኣጋጠመ ብስራት ምክፋል

17, 18. (ሀ) ሰይጣንን ተወከልቱን እንታይ ኪፍጽሙ እዮም ዚጽዕሩ፧ (ለ) እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘራጽነት ጌርካ፧ ስለምንታይከ፧

17 ቃል ኣምላኽ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ብዚምልከት: “ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ [ንሰይጣን] ሰዐርዎ” ትብል። (ራእይ 12:11) ስለዚ: ነቲ ምንጪ እከይ ዝዀነ ሰይጣን ምስዓርን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ብቐጥታ ይራኸብ እዩ። ሰይጣን ኣብቶም ተረፍ ቅቡኣትን “ብዙሓት ሰብ”ን መጥቃዕቲ ንምውራድ ብዘይ ምቍራጽ ምጽራር ምልዕዓሉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!—ራእይ 7:9፣ 12:17

18 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ምጽራር ብናይ ቃላት መጥቃዕቲ: ኣካላዊ ማህሰይቲ ንምውራድ ብምጕብዕባዕ: ወይ ብኻልእ ዝረቐቐ መዳይ ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ግን ኵሉ ሳዕ ዕላማ ሰይጣን: ዕዮ ስብከት ደው ከም ዚብል ንምግባር እዩ። ይኹን እምበር: ከቶ ኣይኪሰልጦን እዩ፣ ከመይሲ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ጥንቲ ዝነበረ ነህምያ ብምቕዳሕ: ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ገይሮም ኪስዕርዎ’ ቘራጽነት ገይሮም እዮም። ነዚ ድማ የሆዋ እቲ ዕዮ ተዛዚሙ ኽሳዕ ዚብል ነቲ ብስራት ምስባኽ ብምቕጻል እዮም ዜርእይዎ!—ማርቆስ 13:10፣ ሮሜ 8:31፣ ፊልጲ 1:27, 28

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ እዚ ፍጻመታት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ነህምያ 1:1-4፣ 2:1-6, 9-20፣ 4:1-23፣ 6:1-15 ኣንብብ።

ትዝክሮዶ፧

• እቶም ቀደምን ሕጅን ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞም ምጽራር እንታይ እዩ፧

• ቀንዲ ዕላማ ጸላእቲ ነህምያ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ዕላማ እቶም ሕጂ ዘለዉ ጸላእቲ ኣምላኽከ እንታይ እዩ፧

• ኣብዚ እዋን እዚ ንእከይ ብሰናይ ክንስዕሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ መጽሓፍ ነህምያ ዚርከብ ትምህርቲ

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜጋጥሞም ነገራት:-

ላግጺ

ምጕብዕባዕ

ምትላል

ምትላል ዚጥቀሙ:-

ናይ ሓሶት ፈተውቲ

ናይ ሓሶት ከሰስቲ

ናይ ሓሶት ኣሕዋት

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንእከይ ዚስዕሩሉ መገዲ:-

ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ብምጥባቕ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ነህምያን እቶም ምስኡ ዚዓዩ ዝነበሩ ብጾቱን ሓያል ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ: ንመካበብያ የሩሳሌም ሃነጽዎ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ብስራት ብዘይ ፍርሂ ይሰብኩ