ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ፖርቱጋልኛ ታሪኽ ሓቦ

ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ፖርቱጋልኛ ታሪኽ ሓቦ

ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ፖርቱጋልኛ ታሪኽ ሓቦ

“ሓቦ ዚገብር ይዕወት።” እዚ ጭርሖ እዚ ኣብታ ኣብ መበል 17 ዘመን ብዥዋ ፌሬራ ዴ ኣልሜዳ እተጻሕፈት ሃይማኖታዊ ፓምፍለት ይርከብ። ነዚ ምሉእ ህይወቱ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ፖርቱጋልኛ ንምትርጓምን ንምሕታምን ዝወፈየ ሰብኣይ: ካብዚ ዚበልጽ መግለጺ ኣይርከበሉን እዩ።

ኣልሜዳ ብ1628 ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ፖርቱጋል እትርከብ ቶሬ ዴ ታቫረስ እትበሃል ቍሸት እዩ ተወሊዱ። ብቝልዕነቱ ስለ ዝዘኽተመ: ምስ ሓደ ፈላሲ ዝዀነ ሓወቦኡ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ፖርቱጋል ዝዀነት ሊዝበን ዓበየ። ብያታ ኸም ዚእመነሉ ንኽህነት ኪዳሎ ኸሎ: ብሉጽ ትምህርቲ ተዋሂብዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብንእስነቱ ንቛንቋታት ፍሉይ ክእለት ንኼጥሪ ሓገዞ።

ይኹን እምበር: ኣልሜዳ ናብራኡ ኣብ ፖርቱጋል እንተ ዚቕጽል: ነቲ ተውህቦኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትርጓም ኣይምተጠቕመሉን ነይሩ። እቲ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ንሰሜናውን ማእከላውን ኣውሮጳ በቲ ሓፋሽ ዚዛረበሉ ቛንቋታት እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚፈሪ ኺገብር ከሎ: ፖርቱጋል ግን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ፍርዲ መናፍቓን ካቶሊክ ነበረት። በቲ ልሙድ ቋንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ምውናን ጥራይ እኳ: ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ፍርዲ መናፍቓን ዜቕርብ እዩ ነይሩ። a

ኣልሜዳ ኻብዚ ጨቋኒ ሃዋህው ንኼምልጥ ኢሉ እዩ ዚኸውን: ገና ዀተቴ ኸሎ ናብ ነዘርላንድስ ዝገዓዘ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ገና ወዲ 14 ዓመት ከሎ ናብ እስያ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ: በታ ኣብቲ ግዜ እቲ ማእከል ምምሕዳር እቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዚርከብ ኩባንያ ምብራቓዊ ህንዲ ዳች ዝነበረት ባታቪያ (ሕጂ ጃካርታ): ኢንዶኔዥያ ኣቢሉ ሓለፈ።

ኰተቴ ተርጓሚ

ኣልሜዳ ኣብቲ ናብ እስያ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኽፋል ጕዕዞኡ: ንህይወቱ ዝቐየሮ ነገር ኣጋጠሞ። ካብ ባታቪያ ናብ ማላካ (ሕጂ መላካ): ምዕራባዊ ማለዥያ ኺጐዓዝ ከሎ: ብስጳንኛ እተጻሕፈት ዲፈረንሲያስ ደ ላ ክሪስትያንዳድ (ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘሎ ፍልልያት) ዘርእስታ ፕሮተስታንት ዘዳለዉዋ ፓምፍለት ኣንበበ። እታ ፓምፍለት ንሰረተ-እምነታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ምንቃፋ: ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ኣልሜዳ ዝመሰጦ: “ንኽብሪ ኣምላኽ ተባሂሉ እውን እንተ ዀነ: ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘይፍለጥ ቋንቋታት ምጥቃም: ንዘይርድኦም ሰማዕቲ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን” ዚብል ሓሳብ ሒዛ ነበረት።—1 ቈረንቶስ 14:9

እቲ ኺብጻሕ እተደልየ መደምደምታ ንኣልሜዳ ንጹር ኰይኑሉ ነበረ። ሃይማኖታዊ ስሕተት ንምቅላዕ ዚሕግዝ ዋና ነገር: መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ኸም ዚርድኦ ምግባር እዩ። ኣብ ማላካ ምስ በጽሐ: ሃይማኖቱ ናብ እተሓደሰ ዳች ተባሂሉ ዚፍለጥ ቀየረ: ክፋል ወንጌላት ከኣ ካብ ስጳንኛ ናብ ፖርቱጋልኛ ኽትርጕምን ኣብ መንጎ “እቶም ሓቂ ንኺፈልጡ ናይ ሓቂ ባህጊ ዘርኣዩ” ኺዝርግሖን ጀመረ። b

ኣልሜዳ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ምሉእ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ካብ ናይ ላቲን ቩልጌት ናይ ምትርጓም ዓብዪ ዕማም ንኺጅምር ተዳልዩ ነበረ። ነዚ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ፈጸሞ: ወዲ 16 ዓመት ምንባሩ ኣብ ግምት ብምእታው ዜደንቕ ዕማም እዩ ነይሩ። ቅዳሕ እቲ ትርጕሙ ነቲ ኣብ ባታቪያ ዝነበረ ነዘርላንዳዊ ኣመሓዳሪ ብትብዓት ለኣኸሉ። እታ ኣብ ባታቪያ ዝነበረት እተሓደሰት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ንሕትመት ዘዳለዎ ጽሑፍ ናብ ኣምስተርዳም ኣመሓላለፈቶ: እቲ ነዚ ስራሕ እዚ ብሓላፍነት እተዋህቦ ኣረጋዊ ኣገልጋሊ ኸኣ ጸኒሑ ስለ ዝሞተ: እቲ ኣልሜዳ ዝዓየዮ ዕዮ ጠፍአ።

ብ1651 ቅዳሕ ትርጕሙ ነታ ኣብ ሲሎን (ሕጂ ስሪ ላንካ) እትርከብ እተሓደሰት ጉባኤ ኺልእኽ ምስ ተሓተተ: እቲ በዅሪ ጽሑፉ ኻብ መዛግብቲ እታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝጠፍአ ፈለጠ። በዚ ተስፋ ኸይቈረጸ: ዝገበረ ገይሩ ምናልባት ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ረቂቕ ኪኸውን ዚኽእል ቅዳሕ ረኸበ: ኣብታ እትቕጽል ዓመት ከኣ እተኣረመ ሕታም ወንጌላትን መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን ኣዳለወ። እቲ ኣብ ባታቪያ ዝነበረ ሽማግለ ኻህናት c 30 ጊልደር ሸለሞ። ሓደ ኻብቶም መሳርሕቲ ኣልሜዳ: ብዛዕባ እዚ ገንዘብ እዚ: “ምስቲ ዝዓመሞ ዓብዪ ዕማም ኪነጻጸር ከሎ: ዚረብሕ ኣይነበረን” ኢሉ ጸሓፈ።

ንኣልሜዳ ግቡእ ሞሳ እኳ እንተ ዘይተዋህቦ: ዕዮኡ ብምቕጻል ብ1654 እተኣረመ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ኣቕረበ። ኣብዚ እውን ነዚ ንምሕታሙ እተወሰነ ሓሳባት እኳ እንተ ተበገሰ: ኣብ ገሊኡ ኣብያተ-ክርስትያን ዜገልግል ሒደት ብኢድ እተጻሕፈ ቕዳሓት ካብ ምግባር ሓሊፉ ጭቡጥ ነገር ኣይተገብረን።

ንመናፍቓን ብዚምርምር ቤት ፍርዲ ተዀነነ

ኣልሜዳ ኣብቲ ዚቕጽል ዓሰርተ ዓመት: ነታ እተሓደሰት ቤተ-ክርስትያን ቀሽን ሚስዮናውን ኰይኑ ብምዕያይ ትሑዝ ኰይኑ ነበረ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምስካም ብ1656 ተቐብአ: ፈለማ ኸኣ ኣብታ ብሓርማዝ ካብ ምጭፍላቕ ንስክላ ዘምለጠላ ሲሎን ኣገልገለ: ቀጺሉ ድማ ሓደ ኻብቶም ናብ ህንዲ ዝኸዱ ናይ መጀመርታ ሚስዮናውያን ፕሮተስታንት ኰይኑ ኸደ።

ኣልሜዳ እምነቱ ናብ ፕሮተስታንት ዝቐየረ ንኻልእ ሃገር ዜገልግል ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ሓያሎ ኻብቶም ንሱ ዝበጽሖም ፖርቱጋልኛ ዚዛረቡ ማሕበረሰባት: ከም ከሓድን ከዳዕን ገይሮም ረኣይዎ። ነቲ ኣብቶም ካህናት ዝነበረ ስነ-ምግባራዊ ብልሽውና ብግህዶ ምዅናኑን ሰረተ-እምነት እታ ቤተ-ክርስትያን ምቅላዑን: ምስ ሚስዮናውያን ካቶሊክ ብተደጋጋሚ ኸም ዚጋጮ ገበሮ። ብ1661 ኣብ ጎዋ: ህንዲ ዚርከብ ንመናፍቓን ዚምርምር ቤት ፍርዲ ንኣልሜዳ ብመናፍቕነት ንሞት ምስ ፈረዶ: እዚ ግጭት እዚ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጽሐ። ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን: ምስሊ ሰብ ኣቃጸሉ። እቲ ነዘርላንዳዊ ኣመሓዳሪ ኣልሜዳ ተማጓቲ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ እዩ ዚኸውን: ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ባታቪያ ኺምለስ ጸውዖ።

ኣልሜዳ ቕንኣት ዝመልኦ ሚስዮናዊ እዩ ነይሩ: ኰይኑ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ፖርቱጋልኛ ኸም ዜድሊ ፈጺሙ ኣይረስዐን። ካህናት ኰኑ ምእመናን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠት ፈጺሙ ዘይነበሮም ምዃኖም ከኣ: ነቲ ቘራጽነቱ ዝያዳ ኣበርቲዕዎ እዩ። ኣብ መቕድም እቲ ብ1668 እተጻሕፈ ሃይማኖታዊ ትራክት ንኣንበብቱ: “ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ኻብ እተዋህበኩም ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበትን ልዕሊ ዅሉ ዝኸበረ መዝገብን ዝዀነ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኹም ኣዳልየ ንከኽብረኩም ተስፋ እገብር” በለ።

ኣብ መንጎ ኣልሜዳን ኮሚተ ኣረምትን ዝነበረ ምስሕሓብ

ብ1676 ኣልሜዳ ነቲ ዘዳለዎ ናይ መወዳእታ ረቂቕ ሓድሽ ኪዳን ምእንቲ ኺእረም ተባሂሉ ናብቲ ኣብ ባታቪያ ዚርከብ ሽማግለ ኻህናት ኣቕረበ። ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ኣብ መንጎ እቲ ተርጓምን እቶም ኣረምትን ዝነበረ ርክብ ሓርፈፈ። ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት ዝዀነ ጃን ሎድዊክ ስወለንኽሬበል: እቶም ቋንቋ ዳች ዚዛረቡ መሳርሕቲ ኣልሜዳ ነቲ ኣብቲ ትርጕምን ኣጸሓሕፋን ዝረኸብዎ ደቂቕ ፍልልይ ምርዳእ ኣብይዎም ኪኸውን ከም ዘለዎ ገለጸ። ብዛዕባ ምርጫ ቛንቋ እውን ክርክር ተፈጢሩ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብቲ ዓዲ ዚዝረብ ፖርቱጋልኛ ኺጥቀምዶ ይግብኦ ወይስ ብዙሓት ንምርድኡ ዚኸብዶም ዝያዳ እተጻረየ ፖርቱጋልኛ፧ ብዘይካዚ: እቲ ኣልሜዳ ነቲ ዕዮ ተዛዚሙ ኺርእዮ ዝነበሮ ቕንኣት: ቀጻሊ ምንጪ ግጭት ኰኖም።

እቲ ዕዮ ኣመና ቐስ እናበለ ተጓዕዘ: እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ቘየቛታት ወይ እቶም ኣረምቲ ዘርኣይዎ ጕድለት ተገዳስነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት እውን: እቶም ኣረምቲ ገና ኣብ መእተዊ ምዕራፋት ወንጌል ሉቃስ ይበኣሱ ነበሩ። ኣልሜዳ በቲ ምድንጓይ ስለ እተበሳጨወ: እቶም ኣረምቲ ኸይፈለጡ ንኺሕተመሉ ቕዳሕ እቲ ዘዳለዎ ጽሑፍ ናብ ነዘርላንድስ ለኣኸ።

ኣባላት እቲ ሽማግለ ኻህናት ነቲ ሕትመት ደው ንኼብሉ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ: እቲ ሓድሽ ኪዳን ግን ብ1681 ኣብ ኣምስተርዳም ተሓትመ: ቀዳሞት ቅዳሓት ከኣ ንዓመታኡ ኣብ ባታቪያ በጽሐ። ኣልሜዳ እቲ ዘዳለዎ ትርጕም በቶም ኣብ ነዘርላንድስ ዚርከቡ ኣረምቲ ለውጥታት ከም እተገብረሉ ምስ ረኣየ እተሰምዖ ጓሂ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቶም ኣረምቲ ነቲ ፖርቱጋልኛ ስለ ዘይፈለጥዎ: ኣልሜዳ ኸም ዝገለጾ “ንትርጕም እቲ መንፈስ ቅዱስ ዚሓብኦ ዘይባህርያውን ዚጋጮን ትርጕማት” ኣተኣታተዉ።

መንግስቲ ነዘርላንድስ እውን በዚ ኣይተሓጐሰን: ንዅሉ እቲ ሕታም ኪቃጸል ድማ ወሰነ። ይኹን እምበር: ኣልሜዳ እቲ ኣዝዩ ኸቢድ ጌጋታት ብኢድ ከም ዚእርሞ ቓል ብምእታው: ነቶም ሰበ-ስልጣን ስለ ዘእመኖም ሒደት ቅዳሓት ኣድሓነ። ተኣሪሙ ኽሳዕ ዚወጽእ: እቲ ቕዳሓት ኬገልግል ተፈቕደ።

እቶም ኣብ ባታቪያ ዝነበሩ ኣረምቲ ነቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዚዓይዎ ዕዮ ንምቕጻል ከም ብሓድሽ ተኣከቡ: ኣልሜዳ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይዛዝሞ ብምንባሩ ድማ ንዕኡ ኺዳለዉ ጀመሩ። እቲ ተርጓሚ ትዕግስቱ ተወዲኡ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ኸይከውን ስለ ዝፈርሁ: ኣባላት እቲ ሽማግለ ኻህናት ነቲ ኽታም እተነብረሉ ናይ መወዳእታ ቕዳሕ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዚርከብ ዜተኣማምን ቦታ ኪቕመጥ ወሰኑ። ኣልሜዳ ግን ነዚ ውሳነ እዚ ተቓወሞ።

ኣብቲ ግዜ እቲ: ሓያሎ ዓመታት ዝወሰደ ኸቢድ ዕዮን ኣብቲ ትሮፒካዊ ኽሊማ ዘሕለፎ ጽንኩር ህይወትን ንጥዕናኡ ኺጐድኦ ጀሚሩ ነበረ። ብ1689 ነቲ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዝነበረ ጥዕናኡ ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ንጥፈታት ቤተ-ክርስትያን ዝነበሮ ተሳትፎ ኣቋሪጹ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ምትርጓም ኣተኰረ። እቲ ዜሕዝን ግን: ብ1691 ናይ መወዳእታ ምዕራፋት ህዝቅኤል እናዓየየ ኸሎ ሞተ።

እቲ ድሕሪ ሞቱ ነዊሕ ከይጸንሐ እተዛዘመ ኻልኣይ ሕታም ሓድሽ ኪዳን: ብ1693 ተሓትመ። ኰይኑ ግን: ብቕዓት ዘይብሎም ኣረምቲ እንደገና ነቲ ዕዮኡ ዘበላሸውዎ እዩ ዚመስል። ጊልየርመ ሉዊስ ሳንቶስ ፌሬራ ኣብታ ኣ ቢብሊያ ኤን ፖርቱጋል (መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፖርቱጋል) ዘርእስታ መጽሓፉ: “እቶም ኣረምቲ . . . ነቲ ኻብቲ በዅሪ እተዳለወ ትርጕም ኣብ ቀዳማይ ሕታም ንዝነበሩ ኣረምቲ ዘምለጦም ጸቡቕ መግለጺታት ብምጽያቕን ብምብልሻውን ነቲ ብሉጽ ዕዮ ኣልሜዳ ብዙሕ ለውጢ ገበሩሉ” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ ፖርቱጋልኛ ተዛዘመ

ኣልሜዳ ምስ ሞተ: እቲ ኣብ ባታቪያ መጽሓፍ ቅዱስ ፖርቱጋልኛ ንምእራምን ንምሕታምን ዝነበረ ደራኺ ሓይሊ ጠፍአ። እቲ ማሕበር ምስፋሕ ክርስትያናዊ ፍልጠት ዚበሃል ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ነቲ ሳልሳይ ሕታም እቲ ኣልሜዳ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን ዝመወሎ እኳ: እቶም ኣብ ትራንኲባር: ደቡባዊ ህንዲ ዝነበሩ ደንማርካውያን ሚስዮናውያን ካብ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቢጊሱ ብ1711 እዩ ነይሩ።

እቲ ማሕበር ኣብ ተራንኲባር ሕትመት ንምክያድ ወሰነ። ኰይኑ ግን: እታ ናውቲ ሕትመትን መጽሓፍ ቅዱሳት ፖርቱጋልኛን ሒዛ ዝነበረት መርከብ ናብ ህንዲ ኣብ ዝገበረቶ ጕዕዞ ብፈረንሳውያን ሸፋቱ ባሕሪ ተጨውየት: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ወደብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ: ብራዚል ራሕርሕዋ። ብዛዕባ እዚ ሳንቶስ ፌሬራ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ናውቲ ሕትመት ሒዙ ዝነበረ ሳጹናት ንምርድኡ ብዜሸግር ምኽንያትን ተኣምራዊ ኺበሃል ብዚከኣል ኵነታትን ኣብ ታሕተዋይ መኽዘን ከይተተንከፈ ጸንሐ: በታ መርከብ እቲኣ ኸኣ ናብ ተራንኲባር ጕዕዞኡ ቐጸለ።” እቶም ደንማርካውያን ሚስዮናውያን ነቲ ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ትርጕም ኣልሜዳ ተጠንቂቖም ኣረምዎን ሓተምዎን። እቲ ናይ መወዳእታ ጥራዝ መጽሓፍ ቅዱስ ፖርቱጋልኛ ብ1751: ካብቲ ኣልሜዳ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ዕዮ ዝጀመረሉ ድሕሪ 110 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ግዜ ወጸ።

ጽንዓት

ኣልሜዳ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ: ተራ ሰባት ነቲ ሓቂ ብቛንቋኦም ምእንቲ ኺርድእዎ ብፖርቱጋልኛ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜድሊ ተረዲኡ ነበረ። ካብ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ምጽራር: ካብ መዛንኡ ዘይምግዳስ: መወዳእታ ዘይብሉ ዚመስል ዕዮ ምእራም: ከምኡውን እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ጥዕና ዕንቅፋት እኳ እንተ ዀኖ: ኣብ ብምሉኡ ህይወቱ ነዚ ሸቶ እዚ ብሓቦ ሰዓበ። ሓቦኡ ኸኣ ፍረ ኣፍረየ።

ኣብቲ ኣልሜዳ ዝሰበኸሉ ቦታ ዝነበሩ ብዙሓት ፖርቱጋልኛ ዚዛረቡ ማሕበረሰባት እናነከዩ ብምኻድ ሕጂ እኳ እንተ ጠፍሑ: እቲ ንሱ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣሎ። ኣብ መበል 19 ዘመን: ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብሪጣንያን ወጻእን ከምኡውን ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣመሪካ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቅዳሓት ትርጕም ኣልሜዳ ኣብ ፖርቱጋልን ኣብተን ኣብ ገማግም ዚርከባ ኸተማታት ብራዚልን ዓደለ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ: ካብቲ በዅሪ ትርጕሙ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብቲ ፖርቱጋልኛ ዚዛረብ ክፋል ዓለም ኣዝዩ ህቡብን ብብዝሒ ዝርጋሐ ዝረኸበን ኰይኑ ኣሎ።

ብዙሓት ሰባት ብዘይ ጥርጥር ንኸም ኣልሜዳ ዝኣመሰሉ ጥንቲ ዝነበሩ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬማስዉዎም ኣለዎም። ኰይኑ ግን: ነቲ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ” ሓሳባቱ ዝገለጸልና የሆዋ ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ኸነመስግኖ ኣሎና። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ዘይሩ ዘይሩ ንቓሉ ዝዓቀቦን ንጥቕምና ኪኸውን ኢሉ ዝሃበናን ንሱ እዩ። ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝሃበና “ልዕሊ ዅሉ ዝኸበረ መዝገብ” ወትሩ ኣኽቢርና ንርኣዮ: ብትግሃት ከኣ ነጽንዓዮ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 16 ዘመን: ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝርዝር እተኸልከለ መጻሕፍቲ ብምውጻእ: ኣብ ልዕሊ እቲ በቲ ህዝቢ ዚዛረበሉ ቛንቋታት ዝወጸ መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድ እገዳ ገበረት። ብመሰረት ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ: እዚ ተግባር እዚ “ንዚቕጽል 200 ዓመት ነቲ ካቶሊክ ክትገብሮ እትኽእል ዕዮ ትርጕም ደው ኣበሎ።”

b ጥንታዊ ሕታማት እቲ ኣልሜዳ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ: ፓድረ (ኣቦ) ኢሉ ስለ ዚጽውዖ: ገሊኦም ሰባት ካህን ካቶሊክ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢሎም ይኣምኑ እዮም። ይኹን እምበር: እቶም ነዘርላንዳውያን ዝዀኑ ኣሰናደውቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣልሜዳ: እዛ ቓል እዚኣ ንቐሺ ወይ ኣገልጋሊ እትውዕል መዓርግ ስለ ዝመሰለቶም ብጌጋ እተጠቕሙላ እያ።

c ኣብ እተሓደሰት ቤተ-ክርስትያን ስልጣን ዘለዎ ኣካል እዩ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን]

መለኮታዊ ስም

ኣልሜዳ ኸም ተርጓሚ መጠን ንጹህ ምንባሩ ዜርኢ ጕሉሕ ኣብነት: ነተን ናይ እብራይስጢ ቴትራግራማተን ንምትርጓም እተጠቕመሉ መለኮታዊ ስም እዩ።

[ምንጪ ስእሊ]

Cortesia da Biblioteca da Igreja de Santa Catarina (Igreja dos Paulistas)

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ውቅያኖስ ኣትላንቲክ

ፖርቱጋል

ሊዝበን

ቶሬ ዴ ታቫረስ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ባታቪያ ኣብ መበል 17 ዘመን

[ምንጪ ስእሊ]

From Oud en Nieuw Oost-Indiën, Franciscus Valentijn, 1724

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብ1681 እተሓትመ ኣርእስቲ እቲ ቐዳማይ ሓድሽ ኪዳን ፖርቱጋልኛ ዝሓዘ ገጽ

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy Biblioteca Nacional, Portugal