ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ”

“ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ”

“ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ”

“ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር: ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።”—ሮሜ 12:17

1. እንታይ ዓይነት ኣካይዳ እዩ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ፧

 ንሓደ ቘልዓ ሓዉ እንተ ጐኒጽዎ: መብዛሕትኡ ግዜ ንሱ እውን ይጕንጽ እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን: ከምዚ ዝበለ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ቈልዑ ጥራይ እተደረተ ዘይምዃኑ እዩ። ብዙሓት በጽሕታት ተመሳሳሊ ነገር ይገብሩ እዮም። ሓደ ሰብ ኬጕህዮም ከሎ: ሕነ ኺፈድዩ ይደልዩ። ሓቂ እዩ: መብዛሕትኦም በጽሕታት ቃል ብቓሉ ነቲ ሰብ ኣይጕንጽዎን ይዀኑ፣ ብዙሓት ግን ብዝረቐቐ መገዲ ገይሮም ይጕንጹ እዮም። ምናልባት ነቲ ዜጕሃዮም ሰብ ይሓምይዎ ይዀኑ: ወይ ድማ ኣሳልጦ ንኸይረክብ ዚዕንቅፍ መገድታት የናድዩ ይዀኑ። ዝዀነ ይኹን ሜላ ተጠቒሞም ግን ድሌቶም ሕነ ምፍዳይ እዩ።

2. (ሀ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ሕነ ንምፍዳይ ዚወርድ ድፍኢት ዚቃወምዎ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታትን ነየነይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ምዕራፍን ኢና ኽንምርምር፧

2 እቲ ሕነ ንኽትፈዲ ዘሎ ድፍኢት ሱር ዝሰደደ እኳ እንተ ዀነ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ንኸየሰንፎም ይቃለሱ እዮም። ነቲ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ” ዚብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምዕዶ ድማ ይስዕቡ። (ሮሜ 12:17) ምስዚ ልዑል መለክዒ እዚ ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ ብፍላይ ንመን ኢና ሕነ ኽንፈዲ ዘይብልና፧ ሕነ ብዘይ ምፍዳይናኸ እንታይ ጥቕምታት ክንረክብ ንኽእል፧ ናይዚ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ: ኣብ ከባቢ እቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ዘሎ ሓሳባት ከነጽንዖ ኣሎና፣ ካብ ምፍዳይ ሕነ ምርሓቕ: ቅኑዕን ፍቕራውን ትሕትና ዚንጸባረቐሉን ዝዀነ ብኸመይ ምዃኑ እውን ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 12 ኽንርኢ ኢና። ነዚ ሰለስተ መዳይ እዚ በብሓደ እስከ ንርኣዮ።

“እምብኣርሲ . . . እምዕደኩም አሎኹ”

3, 4. (ሀ) ጳውሎስ ካብ ሮሜ ምዕራፍ 12 ጀሚሩ ብዛዕባ እንታይ እዩ ገሊጹ፧ ትርጕም እታ “እምብኣርሲ” እትብል ቃልከ እንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ምሕረት ኣብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ነበሮ፧

3 ጳውሎስ ካብ ሮሜ ምዕራፍ 12 ጀሚሩ: ንህይወት ሓደ ክርስትያን ዚጸሉ ኣርባዕተ ነገራት ጠቐሰ። ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ: ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና: ምስ ዘይኣምኑ: ከምኡውን ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዚህልወና ርክብ ገለጸ። ጳውሎስ “እምብኣርሲ ኣሕዋተየ: . . . ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ” ብምባል ካብ ሕማቕ ዝንባለታት: እንተላይ ካብቲ ሕነ ንኽንፈዲ ዚወርደና ድፍኢት እንርሕቀሉ መሰረታዊ ምኽንያት ገለጸ። (ሮሜ 12:1) እታ ኣብዚ “እምብኣርሲ” ተባሂላ ዘላ ቓል: “ብመሰረት እዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ” ማለት እያ። ስለዚ: ጳውሎስ ‘ነቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩልኩም ነገር ኣብ ግምት ብምእታው: ነዚ ኣስዕብ ኣቢለ ዝብሎ እውን ክትገብሩ እምዕደኩም ኣለኹ’ እዩ ዚብል ነይሩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ እዩ ገሊጹሎም፧

4 ኣብተን ናይ መጀመርታ 11 ምዕራፍ እዛ መልእኽቱ: ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ብስጋ እስራኤላውያን ዝዀኑ ዘይረኸብዎ: ንኣይሁድን ንኣህዛብን ግን እተኸፍተሎም: ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ የሱስ ገዛእቲ ናይ ምዃን ዜደንቕ ኣጋጣሚ ገለጸ። (ሮሜ 11:13-36) እዚ ኽቡር ኣጋጣሚ እዚ ኺርከብ እተኻእለ ሳላ “ምሕረት ኣምላኽ” እዩ። ክርስትያናት ነዚ ብጸጋ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ነገር ብኸመይ እዮም ምላሽ ኪህቡሉ ዘለዎም፧ ልቦም ብዓሚቝ ሞሳ ኺምላእ ከምኡውን ከምቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝበሎ ኺገብሩ ኺድረኹ ነበሮም፣ ንሱ: “ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ: . . . እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ” በለ። (ሮሜ 12:1) እዞም ክርስትያናት ንርእሶም “መስዋእቲ” ገይሮም ናብ ኣምላኽ ዜቕርብዋ ብኸመይ እዮም፧

5. (ሀ) ሓደ ሰብ ንርእሱ “መስዋእቲ” ገይሩ ናብ ኣምላኽ ኬቕርባ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ናይ ሓደ ክርስትያን ኣካይዳ በየናይ ስርዓት እዩ ኺጽሎ ዘለዎ፧

5 ጳውሎስ ቀጺሉ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” (ሮሜ 12:2) ዓለም ንኣተሓሳስባኦም ንኽትቀርጾ ኣብ ክንዲ ዚፈቕዱላ: ንኣተሓሳስባኦም ምስ ሓሳብ ክርስቶስ ኬሰማምዕዎ ነበሮም። (1 ቈረንቶስ 2:16፣ ፊልጲ 2:5) እዚ ስርዓት እዚ: ነቲ ዅሎም ክርስትያናት መዓልታዊ ዜርእይዎ ጠባይ ኪጸልዎ ኣለዎ።

6. ብመሰረት እቲ ኣብ ሮሜ 12:1, 2 ዚርከብ ጳውሎስ ዘቕረቦ ሓሳብ ካብ ምፍዳይ ሕነ ንኽንርሕቕ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

6 እቲ ኣብ ሮሜ 12:1, 2 ዘሎ ጳውሎስ ዘቕረቦ ሓሳብ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ልክዕ ከምቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት: ነቲ ኣምላኽ ብቐጻልን ብብዝሕን ዘርኣየና ኸምኡውን ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዚገብረልና ዘሎ መግለጺ ምሕረቱ ኣዚና ነማስወሉ ኢና። እምበኣርሲ: እቲ ብሞሳ ዝመልአ ልብና ንኣምላኽ ብምሉእ ሓይልናን ጥሪትናን ክእለትናን ንኸነገልግሎ ይድርኸና። እዚ ልባዊ ድሌት እዚ ድማ ከምዛ ዓለም ዘይኰነስ: ከም ክርስቶስ ንኽንሓስብ ዝከኣለና ኽንገብር ይድርኸና። ሓሳብ ክርስቶስ ምህላው ነቲ ንኻልኦት ሰባት: ማለት ነቲ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ንዘይኣመንቲ ሰባትን እንሕዘሉ መገዲ ይጸልዎ እዩ። (ገላትያ 5:25) ንኣብነት: ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንተ ኣልዩና: ነቲ ሕነ ኽንፈዲ ዚወርደና ድፍኢት ንኽንቃወሞ ንድረኽ ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:21-23

“ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን”

7. እታ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 12 ተጠቒሳ ዘላ ፍቕሪ እንታይ ዓይነት እያ፧

7 ካብ ምፍዳይ ሕነ እንርሕቀሉ ምኽንያት: ቅኑዕ ስለ ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ: ፍቕራዊ እውን ስለ ዝዀነ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ቀጺሉ ፍቕሪ ንኸነርኢ ዚድርኸና ነገር እንታይ ምዃኑ ዝገለጸሉ መገዲ እሞ ርአ። ኣብ መጽሓፍ ሮሜ: ጳውሎስ ንፍቕሪ ኣምላኽን ክርስቶስን ንምግላጽ ነታ “ፍቕሪ” (ብግሪኽ ኣጋፐ) እትብል ቃል ብተደጋጋሚ ተጠቕመ። (ሮሜ 5:5, 8፣ 8:35, 39) ኣብ ምዕራፍ 12 ግን: ነታ ኣጋፐ እትብል ቃል ፍልይ ብዝበለ መገዲ: ማለት ንሰባት ብዛዕባ እነርእዮ ፍቕሪ ንምግላጽ ተጠቕመላ። መንፈሳዊ ውህበት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኪፈላለ ኸም ዚኽእልን ኣብ ገሊኦም ኣመንቲ ኸም ዚርአን ድሕሪ ምሕባር: ኵሎም ክርስትያናት ኬማዕብልዋ ዘለዎም ባህርይ ጠቐሰ። “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን” ድማ በለ። (ሮሜ 12:4-9) ንኻልኦት ሰባት ፍቕሪ ምርኣይ: ቀንዲ ምልክት ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዩ። (ማርቆስ 12:28-31) ጳውሎስ: እታ ኸም ክርስትያናት መጠን እነርእያ ፍቕሪ: ካብ ልቢ ዝመነጨት ንኽትከውን ዚከኣለና ኽንገብር ከም ዘሎና ተላበወ።

8. ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ጳውሎስ ቀጺሉ: ብኸመይ ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ ኸም እነርኢ ኺገልጽ ከሎ: “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ” በለ። (ሮሜ 12:9) እተን “ፈንፍንዎ” ኸምኡውን “ልገቡ” ዚብላ ቓላት ትርር ዝበላ እየን። እታ “ፈንፍንዎ” እትብል ቃል: “ኣመና ተጸየንዎ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ስለዚ: ነቲ እከይ ዜምጽኦ ሳዕቤን ጥራይ ዘይኰነስ: ንእከይ ንባዕሉ እውን ክንጸልኦ ኣሎና። (መዝሙር 97:10) እታ “ልገቡ” እትብል ቃል ናይ ግሪኽ ግሲ ዀይና: ቃል ብቓሉ “ተጣበቑ” ማለት እያ። ሓደ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘላቶ ክርስትያን: ምስ ሕያውነት ይጣበቕ ወይ ከኣ ይለግብ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዘይትፍለ ኽፋል እቲ ውልቃዊ ባህርያቱ ትኸውን።

9. ጳውሎስ ዝሃቦ ተደጋጋሚ ማዕዳ እንታይ እዩ፧

9 ሓንቲ ጳውሎስ ብተደጋጋሚ ዝጠቐሳ: ፍቕሪ ዚረኣየላ መዳይ ኣላ። ከምዚ በለ:- “ንዚሰጉኹም መርቑ: መርቑ እምበር: ኣይትርገሙ።” “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።” “ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።” “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር: በቲ እከይ ኣይትሰዐር።” (ሮሜ 12:14, 17-19, 21) ቃላት ጳውሎስ: ንዘይኣመንቲ: እንተላይ ንዚጻረሩና ሰባት ክንሕዘሉ ዘሎና መገዲ ብንጹር እዩ ዚጠቅስ።

“ንዚሰጉኹም መርቑ”

10. ብኸመይ ኢና ንዚሰጉና ሰባት ክንምርቖም እንኽእል፧

10 ነቲ “ንዚሰጉኹም መርቑ” ዚብል ጳውሎስ ዝሃቦ ለበዋ ብኸመይ ኢና እንፍጽሞ፧ (ሮሜ 12:14) የሱስ ንሰዓብቱ: “ጸላእትኹም ፍተዉ: . . . ምእንቲ እቶም ዚጸርፍኹም ጸልዩ” ኢሉ ነገሮም። (ማቴዎስ 5:44፣ ሉቃስ 6:27, 28) ነቶም ዚሰጉና ሰባት እንምርቐሉ ሓደ መዳይ: ኣብ ክንዳኦም ብምጽላይ እዩ፣ ሰኣን ምፍላጥ ዚቃወሙና ሰባት እንተ ኣልዮም: የሆዋ ንሓቂ ምእንቲ ኺርእዩ ኣዒንቶም ኪኸፍተሎም ክንጽልየሎም ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:4) ሓቂ እዩ: ኣምላኽ ንሰጐጕትና ኺምርቖም ምሕታት ዘይልሙድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣእምሮና ብዝያዳ ንኣተሓሳስባ ክርስቶስ እናመሰለ ብዝኸደ መጠን: ንጸላእትና ዘሎና ፍቕሪ ኸነስፍሕ ክንክእል ኢና። (ሉቃስ 23:34) ከምዚ ዝበለ ፍቕሪ ብምርኣይ እንታይ ውጽኢት እዩ ዚርከብ፧

11. (ሀ) ካብ ኣብነት እስጢፋኖስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ለ) ከምቲ ኣብ ህይወት ጳውሎስ እተራእየ: ገሊኦም ሰጐጕቲ እንታይ ዓይነት ለውጢ እዮም ኪገብሩ ዚኽእሉ፧

11 እስጢፋኖስ ሓደ ኻብቶም ንሰጐጕቱ ዝጸለየ ሰብ እዩ ነይሩ: ጸሎቱ ድማ ብኸንቱ ኣይተረፈን። ድሕሪ ጴንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ነዊሕ ከይጸንሐ: እስጢፋኖስ በቶም ንክርስትያናዊት ጉባኤ ዚጻረሩ ሰባት ተታሕዘ፣ ናብ ወጻኢ የሩሳሌም ጐቲቶም ብምውሳድ ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ቅድሚ ሙማቱ: “ጐይታይ: እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም” ብምባል ጨደረ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:58-8:1) ሓደ ኻብቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝጸለየሎም ሰባት: እቲ እስጢፋኖስ ኪቕተል ከሎ ብዓይኑ ዝረኣየን ኣብኡ ዝሰመረን ሳውል ነበረ። ብድሕርዚ: እቲ ዝተንስአ የሱስ ንሳውል ተራእዮ። እቲ ቐደም ሰጓጒ ዝነበረ ሰዓቢ ክርስቶስ ብምዃን ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ጀመረ: ንሰብ ሮሜ ድማ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 26:12-18) የሆዋ ምስ ጸሎት እስጢፋኖስ ብምስምማዕ: ንጳውሎስ ነቲ ሰጓጒ ኸሎ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ሓዲጉሉ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:12-16) እምበኣር: ጳውሎስ “ንዚሰጉኹም መርቑ” ብምባል ንክርስትያናት ለበዋ ምቕራቡ ዜገርም ኣይኰነን! ገሊኦም ሰጐጕቲ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኻብ ተመክሮ ርእይዎ እዩ። ኣብዚ ግዜና እውን: ገሊኦም ሰጐጕቲ ብምኽንያት እቲ ሰላማዊ ኣካይዳ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣመንቲ ዀይኖም እዮም።

“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”

12. እቲ ኣብ ሮሜ 12:9, 17 ዚርከብ ምዕዶ ዝሓዘ ቓላት ንሓድሕዱ ዚዛመድ ብኸመይ እዩ፧

12 ጳውሎስ ቀጺሉ: “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ” ብምባል ንኣመንትን ንዘይኣመንትን ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዚግባእ ዚገልጽ ምዕዶ ሃበ። እዚ ምዕዶ እዚ ናይቲ ኣቐዲሙ ጠቒስዎ ዝነበረ “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ” ዚብል ውጽኢት እዩ። ከመይሲ: ሓደ ሰብ ንኻልኦት ሰባት ሕነ ንምፍዳይ ክፍኣት ዚገብር እንተ ዀይኑ: ናይ ብሓቂ ንእከይ ፈንፊንዎ ኺበሃል ኣይከኣልን እዩ። ከምዚ ምግባር ምስቲ “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን” ዚብል ዚጻረር እዩ። ጳውሎስ: “ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ” በለ። (ሮሜ 12:9, 17) ነዚ ቓላት እዚ ኣብ ግብሪ እነውዕሎ ብኸመይ ኢና፧

13. “ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ” ክንመላለሰሉ ዚግባእ መገዲ እንታይ እዩ፧

13 ጳውሎስ ኣቐድም ኣቢሉ: ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ መልእኽቱ ብዛዕባ እቲ ሃዋርያት ዘጋጠሞም መስጐጕቲ ጽሒፉ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና አሎና። . . . እናጸረፉና ንምርቕ: እናሰጐጉና ንዕገስ: እናተሐሜና ንምዕድ አሎና።” (1 ቈረንቶስ 4:9-13) ብተመሳሳሊ: እቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ሰባት ነቶም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይዕዘብዎም እዮም። እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ነቲ እናተገፋዕና እንገብሮ ሰናይ ነገር ኪርእዩ ኸለዉ: ነቲ ክርስትያናዊ መልእኽትና ብጽቡቕ ይቕበልዎ ይዀኑ።—1 ጴጥሮስ 2:12

14. እቲ ብሰላም ንምንባር እንገብሮ ጻዕሪ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧

14 እቲ ብሰላም ንምንባር እንገብሮ ጻዕሪ ግን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧ ክሳዕ ዝኸኣልናዮ። ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት ኣሕዋቱ: “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” በሎም። (ሮሜ 12:18) እተን “ዚከአል እንተ ዀይኑስ” ከምኡውን “ብኣኻትኩም ዝመጸ” ዚብላ ሓረጋት: ምስ ካልኦት ሰባት ብሰላም ምንባር ኵሉ ሳዕ ዚከኣል ኪኸውን ከም ዘይክእል ዚሕብራ እየን። ንኣብነት: ምስ ሰባት ብሰላም ንምንባር ኢልና ንትእዛዝ ኣምላኽ ኣይንጥሕስን ኢና። (ማቴዎስ 10:34-36፣ እብራውያን 12:14) ይኹን እምበር: ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኸየእተና “ምስ ኵሉ ሰብ” ብሰላም ንምንባር ዚከኣለና ንገብር ኢና።

“ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ”

15. ኣብ ሮሜ 12:19 ተጠቒሱ ዘሎ ሕነ ኽንፈዲ ኸም ዘይብልና ዚገልጽ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

15 ጳውሎስ: ሕነ ዘይምፍዳይ ሓደ ኻብቲ ኽንስዕቦ ዚግባእ ትሕትና ዜንጸባርቕ መገዲ ምዃኑ ብምግላጽ ዜእምን ምኽንያት ሃበ። ከምዚ በለ:- “ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጽሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።” (ሮሜ 12:19) ሓደ ክርስትያን ሕነ ኺፈዲ እንተ ፈቲኑ: ዕቡይ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ኪገብሮ ዘለዎ ዕማም: ‘ኣነ ኽገብሮ እየ’ እዩ ዚብል ዘሎ። (ማቴዎስ 7:1) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ብኢደ ወነኑ ሕነ ኺፈዲ ምፍታኑ: ኣብቲ “ኣነ ኽፈድዮ እየ” ዚብል የሆዋ ዝሃቦ መረጋገጺ ምትእምማን ከም ዘይብሉ ዜርኢ እዩ። ብኣንጻሩ ግን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት: የሆዋ ‘ነቶም ሕሩያቱ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም’ እምነት ኣለዎም። (ሉቃስ 18:7, 8፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-8) ብትሕትና ድማ ነቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ይሓድግዎ።—ኤርምያስ 30:23, 24፣ ሮሜ 1:18

16, 17. (ሀ) ኣብ ርእሲ ሓደ ሰብ ‘ጕሁር ሓዊ ምእካብ’ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ሕያውነት ንልቢ ሓደ ዘይኣማኒ ኼለስልሶ ኸሎ ብውልቅኻ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እንተ ርኢኻ: ኣብነት ሃብ።

16 ንጸላኢ ሕነ ምፍዳይ ብዝያዳ ኸም ዚዕንቅጽ እዩ ዚገብሮ: ለውሃት ምርኣይ ግን ኬለስልሶ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ነቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፎ ቓላት እስከ ርአ። “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ: እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጕሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።” (ሮሜ 12:20፣ ምሳሌ 25:21, 22) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

17 እቲ ‘ጕሁር ሓዊ ኣብ ርእሲ ምእካብ’ ዚብል ሓረግ: ስእላዊ መግለጺ እዩ፣ ካብቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝነበረ ሓጺን ናይ ምምካኽ ሜላ እተወስደ እዩ። እቲ ዘይተጻረየ ሓጺን ኣብ ዓብዪ እቶን ይኣቱ፣ ብትሕቲኡ ጥራይ ዘይኰነስ: ብልዕሊኡ እውን ከይተረፈ ኸሰል ይግበረሉ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተጸፍጸፈ ጕሁር ከሰል ነቲ ዋዒ እናወሰኾ ይኸይድ: በዚ ኸምዚ እቲ ተሪር ሓጺን ይመክኽ: ካብቲ ሓተላ ድማ ይፈላለ። ብተመሳሳሊ: ንተጻራሪና ሰናይ ነገር ክንገብረሉ ኸለና: ነቲ ተሪር ጠባዩ “ኸነምክኾ” ኸምኡውን እቲ ብሉጽ ባህርያቱ ኸም ዚወጽእ ክንገብር ንኽእል ንኸውን። (2 ነገስት 6:14-23) ከመይሲ: ሓያሎ ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: በቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘርኣይዎም ሰናይ ተግባራት ተሳሒቦም ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ መጺኦም እዮም።

ሕነ ዘይንፈድየሉ ምኽንያት

18. ሕነ ዘይምፍዳይ ቅኑዕ: ፍቕራዊ: ከምኡውን ትሕትና ዜንጸባርቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ንሮሜ ምዕራፍ 12 ኣሕጽር ኣቢልና ብምምርማርና: “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ” ዚብል ማዕዳ እንስዕበሉ ምኽንያት ዚሕብር ሓያሎ ኣገዳሲ ምኽንያታት ርኢና ኢና። ቀዳማይ: ሕነ ዘይምፍዳይ ክንስዕቦ ዚግባእ ቅኑዕ መገዲ እዩ። ነቲ የሆዋ ዘርኣየና ምሕረት ኣብ ግምት ብምእታው: ንርእስና ናብ የሆዋ ኸነቕርብ: ከምኡውን ብፍታው ንትእዛዛቱ: እንተላይ ነቲ ንጸላኢና ኸነፍቅር ዚእዝዝ ክንሕልዎ ቕኑዕን ርትዓውን እዩ። ካልኣይ: ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ዘይምፍዳይ ክንስዕቦ ዚግባእ ፍቕራዊ መገዲ እዩ። ሕነ ብዘይምፍዳይን ሰላም ከም ዚህሉ ብምግባርን: ንገሊኦም ጨካናት ተጻረርቲ እውን ከይተረፈ ኣምለኽቲ የሆዋ ንኪዀኑ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ሳልሳይ: ካብ ምፍዳይ ሕነ ምርሓቕና ትሕትና ዜንጸባርቕ መገዲ እዩ። የሆዋ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ” ስለ ዝበለ: ሕነ ምፍዳይና ምስ ትዕቢት ዚተሓሓዝ እዩ። ቃል ኣምላኽ ድማ “ትዕቢት እንተ መጸ: ውርደት ከኣ ይመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” ብምባል የጠንቅቕ እዩ። (ምሳሌ 11:2) ንምፍዳይ ሕነ ብጥበባዊ መገዲ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምሕዳግና: ትሑታት ምዃንና ዜርኢ እዩ።

19. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

19 ጳውሎስ ነቲ ንሰባት ክንሕዘሉ ዚግባእ መገዲ ኼጠቓልሎ ኸሎ: “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር: በቲ እከይ ኣይትሰዐር” ብዚብል ለበዋ ዛዘሞ። (ሮሜ 12:21) ሎሚ ምሳና ዚጋጠሙ ዘለዉ እኩያት ሓይልታት ኣየኖት እዮም፧ ብኸመይከ ኢና ኽንስዕሮም እንኽእል፧ መልሲ እዝን ምስዚ ዚዛመድን ሕቶታት ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• እቲ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 12 ብተደጋጋሚ ተገሊጹ ዘሎ ምዕዶ እንታይ እዩ፧

• ሕነ ንኸይንፈዲ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

• ‘ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ብዘይምፍዳይና’ ንሕናን ካልኦትን እንታይ በረኸት ኢና እንዓጽድ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ሮሜ ምዕራፍ 12 ሓደ ክርስትያን ምስዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ ብዛዕባ ዘለዎ ርክብ ትገልጽ:-

የሆዋ

ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት

ዘይኣመንቲ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እታ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ: ንክርስትያናት ዚኸውን ግብራዊ ምኽሪ ዝሓዘት እያ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ወደ መዝሙር ዝነበረ እስጢፋኖስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧