ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቘልዑ ዚኸውን ኣገዳሲ ትምህርቲ

ንቘልዑ ዚኸውን ኣገዳሲ ትምህርቲ

ንቘልዑ ዚኸውን ኣገዳሲ ትምህርቲ

እታ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ቤት ትምህርቲ መንዶዛ እትሰርሕ ግላዲስ: ሓደ መዓልቲ ብጥቓ መምሃሪ ኽፍሊ ኽትሓልፍ ከላ: ሓንቲ መምህር ንናይ ራብዓይ ክፍሊ ተመሃሮኣ ኻብ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ከተንብበሎም ከላ ረኣየት። a ግላዲስ ነታ መምህር ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነትን ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ዝያዳ ጥቕሚ ኽትረክብ ከም እትኽእልን ገለጸትላ። እታ መምህር በቲ ዝበለታ ተመሲጣ: ነታ መጽሓፍ ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ብስሩዕ ክትምህረላ ደለየት። ይኹን እምበር: ንምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርቲ ፍቓድ ክትሓትት ነበራ። ደስ ዜብል ነገር ድማ: ተፈቕደላ።

ጸኒሓ ኣብ መደብ መዓልቲ ንባብ መጽሓፍ ንተመሃሮኣ ንሓደ ምዕራፍ እታ መጽሓፍ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኽፍሎም ኰይኖም ኬንብቡ መደበት። እዚ መደብ እዚ ጽቡቕ ምላሽ ስለ ዘፍረየ: እታ መምህር ኣብቲ ናይቲ ዓዲ መደብ ተለቪዥን ጋሻ ዀይና ተዓዲማ ቐሪባ ነበረት። ጠባይ እቶም ተመሃሮ ስለ ዝማዕበለ: ኣአንጋዲ እቲ መደብ “ኣብ ክፍሊ ንቘልዑ ብኸመይ ኢኺ እትቈጻጸርዮም፧” ኢሉ ሓተታ። ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ከም እትጥቀም ገለጸትሉ። ዋላኳ ኣብ ክፍሊ በዛ መጽሓፍ ገይራ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣይትምሃር እምበር: ከም ኣኽብሮት: ተጻዋርነት: ሓድነት: ምትሕብባር: ተኣዛዝነት: ከምኡውን ፍቕሪ ዝኣመሰለ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከም እትምህሮም ገለጸት። ኵሎም እዚ ትምህርቲ እዚ ንቘልዑ ንምምሃር ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ተሰማምዑ።

ውሉዳትካ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኪመሃሩ ትደሊዶ፧ ቅዳሕ እዛ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መሳጢት መጽሓፍ ምእንቲ ኽትረክብ: ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።