ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዓሌታዊ ጽልኢ ፍታሕ ዚኸውን እንታይ እዩ፧

ንዓሌታዊ ጽልኢ ፍታሕ ዚኸውን እንታይ እዩ፧

ንዓሌታዊ ጽልኢ ፍታሕ ዚኸውን እንታይ እዩ፧

ኣብ ስጳኛ ሓደ ዳኛ ነቲ ዚግበር ዝነበረ ጸወታ ዅዕሶ እግሪ ኣቋረጾ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣዝዮም ብዙሓት ተመልከትቲ ንሓደ ካመሩናዊ ተጻዋታይ ስለ ዝጸረፍዎ: እቲ ተጻዋታይ ካብ ሜዳ ኺወጽእ ፈተነ። ኣብ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ላቲን ኣመሪካውያንን ኣፍሪቃውያንን እስያውያንን ዚወርድ መጥቃዕትታት ልሙድ ይኸውን ኣሎ፣ ኣብ 2004 ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ብ55 ሚእታዊት ወሰኽ ብምግባር ኣብ 2005 ናብ 394 በጺሑ ነበረ። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ ምላሽ ካብ ዝሃቡ ሓደ ሲሶ እስያውያንን ጸለምትን: ካብ ስራሖም ዝወጹ ብሰንኪ ዓሌታዊ ምፍልላይ ምዃኑ ገለጹ። እዚ ኣብነታት እዚ ዓለምለኻዊ ኣንፈት እዩ ዚሕብር።

ዓሌታዊ ጽልኢ ብኽብደቱ ይፈላለ እዩ፣ ካብ ጽዩፍ ወይ ሃሳዪ ዘረባ ኣትሒዙ: ንሓደ ዓሌት ንምጽናት ሃገራዊ ፖሊሲ ኽሳዕ ምውጻእ ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። a ቀንዲ ጠንቂ ዓሌታዊ ጽልኢ ግን እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኸነወግዶ ንኽእል፧ ሓደ መዓልቲ ዅለን ስድራቤታት ደቅሰብ ብሰላም ኪነብራ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ዲና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ ይህብ እዩ።

ግፍዕን ጽልእን

መጽሓፍ ቅዱስ: “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ይብል። (ዘፍጥረት 8:21) ስለዚ: ገሊኦም ሰባት ንኻልኦት ምግፋዕ ባህ ይብሎም እዩ። ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ: “እንሆ ኸኣ: ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ: ኣጆኹም: ዚብሎምውን ኣይነበሮምን: ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ” ይብል።—መክብብ 4:1

ዓሌታዊ ጽልኢ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኸም ዝነበረ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት: ኣብ መበል 18 ዘመን ቅድሚ ክርስቶስ: ሓደ ፈርኦን ግብጺ ነቲ እብራዊ ያእቆብን ንብዙሓት ኣባላት ስድራቤቱን ኣብ ግብጺ ኺሰፍሩ ዓደሞም። ጸኒሑ ግን ካልእ ፈርኦን በዞም ብዙሓት ስደተኛታት ስግኣት ሓደሮ። ብዛዕባ እዚ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ንሱ ድማ ንህዝቡ: እንሆ: ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን: እምበኣርከ ኸይበዝሑ . . . ንዑ ንጣበበሎም: በሎም። ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብቡሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸሙሎም።” (ዘጸኣት 1:9-11) እቶም ግብጻውያን ሕሉፍ ሓሊፎም ንዅሎም ካብ ዘርኢ ያእቆብ እተወልዱ ዕሸላት ኣወዳት ኪቕተሉ ኣዚዞም እዮም።—ዘጸኣት 1:15, 16

እቲ ቐንዲ ጠንቂ እንታይ እዩ፧

ሃይማኖታት ዓለም ንዓሌታዊ ጽልኢ ብምጽራር ዝመጸ: ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ: ኣበርክቶ ገይረን ኣይፈልጣን እየን። ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ንግፍዒ ብጅግንነት ከም እተቓወሙ ዚከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ: ሃይማኖት ብሓፈሻ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ብወገን ጨቈንቲ እዩ ወጊኑ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንጸለምቲ ሰባት ጨቊንካ ንምግዛእ ዝወጸ ሕግታትን ቅትለታትን ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ: ከምኡውን ክሳዕ 1967 ካብ እተፈላለየ ዓሌት ምምርዓው ኣብ እተኸልከለሉ እዋን እዚ ተራእዩ እዩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣፓርታይድ: ውሑዳን ክፋል እቲ ሕብረተሰብ ምስ ካልእ ዓሌት ምምርዓው ዚኽልክልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ሕግታት ገይሮም ነቲ ዓብላሊ ቦታኦም ሒዞም ኪቕጽሉ ኺጽዕሩ ኸለዉ እውን ሃይማኖታት ዝነበረን ግደ ተራእዩ እዩ። ኣብ ክልቲኡ መዳያት: ገለ ኻብቶም ጽልኢ ዜስፋሕፍሑ ዝነበሩ ዓሌት: ኣዝዮም ሃይማኖታውያን እዮም ነይሮም።

ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንዓሌታዊ ጽልኢ ጠንቂ ዝዀነ ዝዓመቘ ምኽንያት ይገልጽ እዩ። ገሊኦም ዓሌታት ንኻልኦት ስለምንታይ ከም ዚገፍዕዎም ይገልጽ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ: እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ: ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ እሞ: ንሓዉ እናጸልኦስ: ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ: ዚብል እንተሎ: ንሱ ሓሳዊ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8, 20) እዚ ሓሳባት እዚ ቐንዲ ጠንቂ ዓሌታዊ ጽልኢ ይገልጽ እዩ። ሃይማኖታውያን ኢና ዚብሉ ዀነ ዘይብሉ ሰባት ዓሌታዊ ጽልኢ ዘለዎም: ንኣምላኽ ስለ ዘይፈልጥዎ ወይ ስለ ዘየፍቅርዎ እዩ።

ፍልጠት ኣምላኽ—መሰረት ዓሌታዊ ስኒት

ንኣምላኽ ምፍላጡን ምፍቃሩን ዓሌታዊ ስኒት ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧ ሰባት ነቶም ካባታቶም እተፈልዩ ዚመስሉ ጕድኣት ንኸየውርዱሎም ዚዓግቶም እንታይ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ፍልጠት እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ኣቦ ዅሎም ሰባት ምዃኑ ይገልጽ። “ንኣናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ: ኣቦ: አሎና” ይብል። (1 ቈረንቶስ 8:6) ብተወሳኺ: “ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ . . . ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) ብኻልእ ኣዘራርባ: ኵሎም ሰባት ኣሕዋት እዮም ማለት እዩ።

ኵሎም ዓሌታት ካብ ኣምላኽ ህይወት ብምርካቦም ኪሕበኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ: ኵሎም ግን ንትውልዶም ብዚምልከት ሓደ ዜሕዝን ነገር ኣለዎም። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጳውሎስ: “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም [አተወ]” በለ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።” (ሮሜ 3:23፣ 5:12) የሆዋ በብዓይነቱ ነገራት ዚፈቱ ኣምላኽ እዩ: ምሉእ ብምሉእ ሕደ ዝዀኑ ኽልተ ፍጡራት የለዉን። ኰይኑ ግን: ንዋላ ሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ከም ዚበልጽ ኰይኑ ንኺስምዖ መሰረት ኣይሃቦን። ዓሌትካ ኻብ ካልኦት ከም ዚበልጽ ጌርካ ምርኣይ: ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ሓቅታት ይጋጮ እዩ። እምበኣር: እቲ ኻብ ኣምላኽ እንቕበሎ ፍልጠት ዓሌታዊ ስኒት ከም ዜስፍን ንጹር እዩ።

ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ዘለዎ ተገዳስነት

ገሊኦም ሰባት: ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ሞገሱ ብምሃቡን ካብ ካልኦት ኣህዛብ እተፈልዩ ኪዀኑ ብምምሃሩን ዓሌታዊ ጽልኢ ኣስፋሕፊሑ እንተ ዀይኑ ይሓቱ እዮም። (ዘጸኣት 34:12) ኣብ ሓደ እዋን: ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ኣቦሓጎኦም ኣብርሃም ዘርኣያ ሓለፍ ዝበለት እምነት ከም ፍሉይ ገንዘቡ ገይሩ መሪጽዎም ነበረ። ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዚገዝእዎም ብምምራጽን ሕግታት ብምሃብን ባዕሉ የመሓድሮም ነበረ። እስራኤላውያን ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ እተቐበሉሉ እዋን: ካልኦት ህዝብታት ኣብ መንጎ ምምሕዳር ኣምላኽን ምምሕዳር ሰባትን ዘሎ ፍልልይ ኪርእዩ ይኽእሉ ነበሩ። የሆዋ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን: ደቅሰብ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ እንደገና ንኺምስርቱ መስዋእቲ ኸም ዜድሊ ምሂርዎም ነበረ። ስለዚ: የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ ንዅሎም ኣህዛብ ዚጠቅም ነበረ። እዚ ኸኣ ምስቲ ንኣብርሃም: “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ እተዛረቦ ዚሰማማዕ እዩ።—ዘፍጥረት 22:18

ብተወሳኺ: ኣይሁድ ነቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ኪቕበሉ ብምኽኣሎምን መሲህ እተወልደሎም ህዝቢ ብምዃኖምን ፍሉይ ክብሪ ረኺቦም እዮም። እዚ እተገብረ ግን ኵሎም ኣህዛብ ምእንቲ ኺጥቀሙ ተባሂሉ እዩ። እቲ ንኣይሁድ እተዋህበ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ እቲ ዅሎም ዓሌታት ዓብዪ በረኸት ዚረኽቡሉ እዋን ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ልቢ ዚትንክፍ መግለጺ ኣለዎ:- “ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄርን ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ: ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ: . . . ኪብሉ እዮም። . . . ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም። . . . ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”—ሚክያስ 4:2-4

የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንኣይሁድ እኳ እንተ ሰበኸሎም: “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” እውን ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ነቲ ወንጌል ከይሰምዖ ዚተርፍ ዋላ ሓደ ህዝቢ የልቦን። ስለዚ: የሆዋ ንዅሎም ዓሌታት ብዘይ ኣድልዎ ብምሓዝ ዝመጸ ፍጹም ኣብነት እዩ። “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

እቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕግታት እውን: ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዚሓልየሎም ዜርኢ ነበረ። እቲ ሕጊ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ክኢሎምዎም ኪነብሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብኡ ንላዕሊ ዚሓትት ነበረ። ከምዚ ድማ ይብል ነበረ:- “ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ: እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን: ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ።” (ዘሌዋውያን 19:34) እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ብዙሕ ሕግታት: ንመጻእተኛታት ሕያዎት ኪዀኑ ዚምህር ነበረ። ስለዚ: እቲ ሓደ ኻብቶም ኣቦሓጎታት የሱስ ዝዀነ ቦኣዝ ንሓንቲ ድኻ ጓና ሰበይቲ ኽትቅርም ምስ ረኣያ: እቶም ዓጻዶኡ ኻብቲ እኽሊ ዚኣኽላ ኺሓድጉላ ኺእዝዞም ከሎ: ነቲ ኻብ ሕጊ ኣምላኽ እተማህሮ ነገር እዩ ኣብ ግብሪ ዜውዕሎ ነይሩ።—ሩት 2:1, 10, 16

የሱስ ሕያውነት መሃረ

የሱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ፍልጠት ኣምላኽ ገሊጹ እዩ። ንእተፈልዩ ሰባት ብኸመይ ሕያዋይ ምዃን ከም ዚከኣል ንሰዓብቱ ኣርኣዮም። ሓደ ግዜ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝርርብ ጀመረ። ሳምራውያን ብኣይሁድ ዚነዓቑ ዓሌት ስለ ዝነበሩ: እታ ሰበይቲ በዚ ተገረመት። ኣብዚ ምይይጥ እዚ: የሱስ ነታ ሰበይቲ ኸመይ ገይራ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ከም እትኽእል ብሕያውነት ኣርኣያ።—ዮሃንስ 4:7-14

የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ምሳሌ ኺነግር ከሎ እውን: ካብ ካልእ ዓሌት ንዝዀኑ ሰባት ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘሎና መሃረ። እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ንሓደ ብዘረፍቲ መጥቃዕቲ ዝወረዶ እሞ ኣመና ዝቘሰለ ኣይሁዳዊ ኣብ መገዲ ረኸቦ። እቲ ሳምራዊ: ‘ስለምንታይ ንኣይሁዳዊ ዚሕግዝ፧ ኣይሁድ ንህዝበይ ይንዕቅዎም እዮም’ ዚብል መመኽነይታ ኬቕርብ ምኸኣለ። ኰይኑ ግን: ከምቲ የሱስ ዝገለጾ: እቲ ሳምራዊ ብዛዕባ ጓኖት እተፈልየ ኣረኣእያ ነበሮ። ካልኦት ተጓዓዝቲ ነቲ ዝቘሰለ ሰብኣይ ዋላ ሓንቲ ኸይገበሩሉ እኳ እንተ ሓለፉ: እቲ ሳምራዊ ግን “ደንገጸሉ:” ብዙሕ ሓገዝ ድማ ገበረሉ። የሱስ: ዝዀነ ይኹን ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ዚደሊ ተመሳሳሊ ኺገብር ከም ዘለዎ ብምንጋር ነዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ዛዘሞ።—ሉቃስ 10:30-37

ሃዋርያ ጳውሎስ: እቶም ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ባህርያቶም ኪቕይሩን ነቲ ኣምላኽ ንሰባት ዚሕዘሉ መገዲ ኪቐድሑን ከም ዘለዎም መሃረ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ:- “ንስኻትኩም: ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም: ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም: ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም: ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር: ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን: ግዝረትን ዘይግዝረትን: ባርባርን ስኪትን: ባርያን ጭዋን የልቦን። . . . ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ።”—ቈሎሴ 3:9-14

ፍልጠት ኣምላኽ ንሰባት ይቕይር ድዩ፧

ንየሆዋ ኣምላኽ ምፍላጥ ብሓቂዶ ነቲ ሰባት ምስ ካልኦት ዓሌት ዘለዎም ርክብ ይቕይሮ እዩ፧ ሓንቲ ናብ ካናዳ እተሰደት እስያዊት ዘሕለፈቶ ተመክሮ እስከ ንርአ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣድልዎ ምስ ኣጋጠማ ጐሃየት። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተራኸበት ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ኪሕግዝዋ ጀመሩ። ጸኒሓ ሞሳኣ ንምግላጽ ደብዳበ ጸሓፈት: ኣብታ ደብዳበኣ ኸኣ: ‘ንስኻትኩም ኣዚኹም ለዋሃትን ጥዑያትን ጸዓዱ ሰባት ኢኹም። ካብ ካልኦት ጸዓዱ ብሓቂ እተፈለኹም ከም ዝዀንኩም ምስ ኣስተብሃልኩ: ስለምንታይ ምዃኑ ሓሰብኩ። ንነዊሕ ድሕሪ ምሕሳበይ: መሰኻኽር ኣምላኽ ምዃንኩም ደምደምኩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ነገር ኪህሉ ኣለዎ። ኣብ ኣኼባታትኩም ጸዓዱ: ጸለምቲ: ከደሮት: ከምኡውን ብጫ ዝቐለሞም ሰባት እኳ እንተ ረኣኹ: ኣሕዋትን ኣሓትን ብምዃኖም ግን ኣልባቦም ጽሩይ እዩ። ከምዚ ኸም ዚዀኑ ዝገበሮም መን ምዃኑ ሕጂ ፈሊጠ እየ። ኣምላኽኩም እዩ’ በለት።

ቃል ኣምላኽ “ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ይብል እዩ። (ኢሳይያስ 11:9) ሕጂ እውን እንተ ዀነ: ከም መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ” ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ብዙሓት ሰብ: ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ይሓብሩ ኣለዉ። (ራእይ 7:9) ጽልኢ ብሓደ ፍቕሪ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ኪትካእ ከሎ ኺርእዩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ: ነቲ የሆዋ ንኣብርሃም: “ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ . . . ኺባረኹ እዮም” ኢሉ ዝገለጸሉ ዕላማኡ ኸኣ ኣብዚ ሕብረተሰብ እዚ ኺፍጸም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:25

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ “ዓሌት” እትብል ቃል ብቤተሰብ: ጃንዳ: ህዝቢ: ብሄር: ፈንጊ ዚራኸቡ ጕጅለ ተመልክት።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤላውያን ንጓኖት ንኼፍቅሩ ኻብ ሕጊ ኣምላኽ ተማህሩ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ምሳሌ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንዋላ ሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ከም ዚበልጽ ኰይኑ ንኺስምዖ ምኽንያት ኣይሃቦን