ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

እዋኑ ብ613 ቅ.ክ. ነበረ። ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ይሁዳ ዀይኑ: ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት የሩሳሌምን ዕንወት ምድሪ ይሁዳን ብትብዓት ይእውጅ ነበረ። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ድሮ ብዙሓት ኣይሁድ ናብ ምርኮ ወሲዱ ነበረ። ካብዚኣቶም ድማ እቶም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ከለዳውያን ዜገልግሉ ዝነበሩ ዳንኤልን ሰለስተ ብጾቱን ይርከብዎም። መብዛሕትኦም ተማሪኾም ዝኸዱ ኣይሁዳውያን: “ኣብ ሃገር ከለዳውያን” ኣብ ርባ ኬባር ነበሩ። (ህዝቅኤል 1:1-3) የሆዋ ነዞም ምሩኻት እዚኣቶም ብዘይ መልእኽተኛ ኣይሓደጎምን። ነቲ ወዲ 30 ዓመት ዝነበረ ህዝቅኤል ነብዪ ገይሩ ሸመሎም።

መጽሓፍ ህዝቅኤል ናይ 22 ዓመት ታሪኽ እትሽፍን እያ: ብ591 ቅ.ክ. ድማ እያ ተዛዚማ። ህዝቅኤል ኣብ ኣጻሓሕፋኡ ጥንቁቕ እዩ ነይሩ። ነቲ ዚንበየሉ ዝነበረ ዕለትን ወርሕን ምስናይ ዓመቱ ብንጹር ይገልጽ ነበረ። ቀዳማይ ክፋል መልእኽቲ ህዝቅኤል ኣብ ምውዳቕን ዕንወትን የሩሳሌም ዘተኰረ እዩ። እቲ ኻልኣይ ክፋል ድማ ኣንጻር እቶም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበሩ ኣህዛብ እተነግረ ጾር ወይ ኣዋጅ ዝሓዘ እዩ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል ከኣ ምስ ምምላስ ኣምልኾ የሆዋ ዚተሓሓዝ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 1:1–24:27 ዘሎ ጕሉሕ ነጥብታት ክትምርምሮ እያ፣ እዚ ኸኣ ራእያት: ትንቢታት: ከምኡውን ነቲ ንየሩሳሌም ዜጋጥማ ነገራት ዜርኢ ተዋስኦ ዚሽፍን እዩ።

“ሓላዊ ገይረካ አሎኹ”

(ህዝቅኤል 1:1–19:14)

ህዝቅኤል ነቲ ንዝፋን የሆዋ ዜርኢ ኣዝዩ ዚምስጥ ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ: መዝነት ተዋህቦ። የሆዋ: “ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ አሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ: ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም” በሎ። (ህዝቅኤል 3:17) ህዝቅኤል ብዛዕባ ኸበባ የሩሳሌምን ዜምጽኦ ሳዕቤንን ትንቢት ንምንጋር: ክልተ ተዋስኦ ኼርኢ ተኣዘዘ። የሆዋ ብህዝቅኤል ኣቢሉ ንምድሪ ይሁዳ ብዚምልከት: “እኔኹ ኣነ: እወ ኣነ ሰይፊ ኸምጽኣልኩም: ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ” በለ። (ህዝቅኤል 6:3) ነቶም ነበርቲ ድማ “[መዓት ዚወርደሉ] ተራኻ መጸካ” በሎም።—ህዝቅኤል 7:7

ብ612 ቅ.ክ. ህዝቅኤል ብራእይ ናብ የሩሳሌም ከደ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኪግበር ዝረኣዮ ነገራት ክሳዕ ክንደይ ዜፈንፍን ኰን እዩ ነይሩ! የሆዋ ብሰሪ እቶም ከሓድቲ እተሰምዖ ቝጥዓ ንምግላጽ: ነቶም ሰማያውያን ፈጸምቲ ፍርዲ ዝዀኑ ሓይልታት (ብ“ሹድሽተ ሰብኣይ” ተመሲሎም ዘለዉ) ኪልእኽ ከሎ: እቶም “ኣብ ግምባሮም ማሕተም” ዘለዎም ጥራይ እዮም ብህይወት ዚተርፉ። (ህዝቅኤል 9:2-6) ፈለማ ግን: እቲ ኸም “ነዳዲ ፈሓም” ተመሲሉ ዘሎ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ርሱን መልእኽቲ ጥፍኣት: ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኺብተን ነበሮ። (ህዝቅኤል 10:2) የሆዋ ‘መገዲ እቶም እኩያት ናብ ርእሶም ኪመልሰሎም’ እኳ እንተ ዀነ: ነቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ እስራኤላውያን ከም ዚእክቦም ግን መብጽዓ ኣተወ።—ህዝቅኤል 11:17-21

መንፈስ ኣምላኽ ንህዝቅኤል ናብ ምድሪ ከለዳውያን መለሶ። ነቲ ንጉስ ጼዴቅያስን ህዝቡን ዚገብርዎ ህድማ ብዚምልከት ከኣ ተዋስኦ ኣርኣዮ። ነብያት ሓሶት ተዀነኑ። ኣምለኽቲ ጣኦት ተነጽጉ። ይሁዳ ምስ ጥቕሚ ዘይብላ ወይኒ ተመሳሰለት። እቲ ብዛዕባ ንስሪ ዚገልጽ ሕንቅሕንቅሊቶይ: የሩሳሌም ሓገዝ ደልያ ኣብ ግብጺ ትውክልቲ ምግባራ: ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዜምጽኣላ ዜርኢ ነበረ። እዚ ሕንቅሕንቅሊቶይ እዚ: በቲ “ሓንቲ ለውለው እትብል ሰሊዔ: ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ ከረን ክተኽላ እየ” ዚብል የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ይዛዘም። (ህዝቅኤል 17:22) ኣብ ይሁዳ ግን “ዘንጊ ገዛኢ ዚኸውን” ኣይኪህሉን እዩ።—ህዝቅኤል 19:14

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:4-28—እቲ ሰማያዊ ሰረገላ እንታይ የመልክት፧ እቲ ሰረገላ ነቲ ብእሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ የመልክት። ምንጪ ሓይሉ ድማ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ነዚ ሰረገላ ኸም ዚውጥሖ ተገይሩ ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ: እዚ ዘይብሃል ክብሪ ኣለዎ። ህድኣቱ ኸኣ በቲ ምልኩዕ ቀስተ-ደበና ተመሲሉ ኣሎ።

1:5-11—እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት መን እዮም፧ ኣብቲ ህዝቅኤል ነቲ ሰረገላ ዝረኣየሉ ኻልኣይ ራእይ: ነቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት: ኪሩቤል ከም ዝዀኑ ጠቒሱ ነበረ። (ህዝቅኤል 10:1-11፣ 11:22) ኣብቲ ኻልኣይ ራእይ: ንገጽ እቲ ብዕራይ: “ናይ ኪሩብ ገጽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ህዝቅኤል 10:14) ብዕራይ ምልክት ሓይልን ብርታዐን ኪኸውን ከሎ: ኪሩቤል ከኣ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ስለ ዝዀኑ: እዚ ግቡእ መግለጺ እዩ።

2:6—ህዝቅኤል ብተደጋጋሚ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ንህዝቅኤል ከምዚ ኢሉ ምጽዋዑ: እቲ ነብዪ ኻብ ስጋን ደምን እተሃንጸ ምዃኑ ንምዝኽኻር እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ልኡኽን መለኮታዊ ምንጪ እቲ መልእኽትን ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ ዜጕልሕ እዩ። እዛ መግለጺት እዚኣ ዳርጋ ን80 ሳዕ ዚኸውን ኣብቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ወንጌላት ተጠቒሳ ኣላ፣ እዚ ኸኣ ወዲ ኣምላኽ ስጋ ዝለበሰ መንፈስ ዘይኰነስ: ሰብ ኰይኑ ኸም ዝመጸ ብንጹር ዜርኢ እዩ።

2:9–3:3—እታ ድጕዓን ዋይዋይታን ዝሓዘት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ንህዝቅኤል ጥዕምቲ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ጥዕምቲ ዝገበራ: ህዝቅኤል ነቲ እተዋህቦ መዝነት ዝነበሮ ኣረኣእያ እዩ። ከም ነብዪ ዀይኑ ንየሆዋ ኼገልግል ብምኽኣሉ የማስወሉ እዩ ነይሩ።

4:1-17—ህዝቅኤል ነቲ ቐሪቡ ዝነበረ ምኽባብ የሩሳሌም ዜመልክት ተዋስኦ ብሓቂዶ ፈጺምዎ እዩ፧ ህዝቅኤል እቲ ንምብሳል ዚጥቀመሉ ነዳዲ ኪቕየረሉ ድሕሪ ምሕታቱ የሆዋ ነቲ ዝሓተቶ ነገር ምሃቡ: እቲ ነብዪ ብርግጽ ነቲ ተዋስኦ ኸም ዝፈጸሞ ዜርኢ እዩ። እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ን390 ዓመት: ማለት ካብ 997 ቅ.ክ. ክሳዕ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. እትጠፍእ ኣብ ዘሎ ግዜ ብሰንኪ ዝፈጸመቶ ሓጢኣት ብጸጋማይ ጐድኑ ደቀሰ። ይሁዳ ን40 ዓመት: ማለት ካብቲ ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ብ647 ቅ.ክ. እተሸመሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ 607 ቅ.ክ. ኣብ ዘሎ ግዜ ብዝፈጸመቶ ሓጢኣት ድማ ብየማናይ ጐድኑ ደቀሰ። ኣብዚ 430 መዓልቲ ዝወሰደ እዋን: ህዝቅኤል ሒደት ምግብን ማይን እናተዋህቦ ይነብር ነበረ፣ እዚ ኸኣ የሩሳሌም ኣብ እትኽበበሉ እዋን ጥሜት ከም ዚህሉ ዚሕብር ምልክት ነበረ።

5:1-3—ህዝቅኤል ካብቲ ኣብ ንፋስ ኪዘርዎ ዝነበሮ ጸጕሪ እተወሰነ ኣትሪፉ ኣብ ዘፈር ክዳኑ ምቝጻሩ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ ድሕሪ እቲ ን70 ዓመት ዚጸንሕ ምብዳም: እተወሰኑ ተረፍ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንደገና ንኺጅምሩ: ናብ ይሁዳ ኸም ዚምለሱ ንምሕባር እዩ።—ህዝቅኤል 11:17-20

17:1-24—እቶም ክልተ ዓበይቲ ንስሪ መን እዮም፧ ጨንፈር ጽሕዲ እተሰልዐኸ ብኸመይ እዩ፧ እቲ ብየሆዋ እተተኽለ “ለውለው እትብል” እተባህለኸ መን እዩ፧ እቶም ክልተ ንስሪ ንገዛእቲ ባቢሎንን ግብጽን እዮም ዜመልክቱ። እቲ ናይ መጀመርታ ንስሪ ናብ ርእሲ እቲ ጽሕዲ: ማለት ናብቲ ኣብ መስመር ወለዶ ንግስና ዳዊት ዝነበረ ገዛኢ መጸ። እዚ ንስሪ እዚ ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ብጼዴቅያስ ብምትካእ: ነቲ ርእሲ ጨናፍር ሰልዖ። ጼዴቅያስ እሙን ከም ዚኸውን እኳ እንተ መሓለ: ካብቲ ኻልኣይ ንስሪ: ማለት ካብ ገዛኢ ግብጺ ሓገዝ ደለየ፣ እዚ ግን ዋጋ ኣይነበሮን። ከመይሲ: ጼዴቅያስ ናብ ምርኮ ኺውሰድን ኣብ ባቢሎን ኪመውትን እዩ። የሆዋ ነቲ “ለውለው እትብል” እተባህለ መሲሓዊ ንጉስ እውን ሰሊዕዎ እዩ። ኣብ “ክብ ዝበለ በሪኽ ከረን:” ማለት ኣብ ሰማያዊ ኸረን ጽዮን ድማ ተኸሎ፣ ኣብኡ ኸኣ ንምድሪ ምንጪ ናይ ሓቂ በረኸት ብምዃን “ግሩም ዝዀነት ጽሕዲ” ዀነ።—ራእይ 14:1

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

2:6-8፣ 3:8, 9, 18-21 በቶም እኩያት ሰባት ክንፈርህ ከምኡውን ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኻብ ምእዋጅ ድሕር ምሕር ክንብል የብልናን። ዘይምግዳስ ወይ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከም ኣልማዝ ተረርቲ ኽንከውን ኣሎና። ይኹን እምበር: ነቓጻት: ስምዒት ኣልቦ: ወይ ጨካናት ክንከውን የብልናን። የሱስ ነቶም ዚሰብከሎም ዝነበረ ሰባት ይድንግጸሎም ነበረ: ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ብድንጋጽ ተደሪኽና ንኻልኦት ክንሰብኽ ኣሎና።—ማቴዎስ 9:36

3:15 ህዝቅኤል መዝነት ድሕሪ ምቕባሉ: ኣብ ቴል-ኣቢብ ይነብር ነበረ፣ ‘ኣብኡ ኸኣ ንሸውዓተ መዓልቲ እናኣስቈርቈረ’ ነቲ ዚእውጆ መልእኽቲ የስተንትን ነበረ። ንሕናኸ ነቲ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት ንኽንርድኦ ብትግሃት ንኸነጽንዕን ንኸነስተንትንን ግዜ ኽንምድብ ኣይግባእንዶ፧

4:1–5:4 ህዝቅኤል ነተን ክልተ ትንቢታውያን ተዋስኦ ኺዋሳእ ከሎ ትሕትናን ትብዓትን ኣርኣየ። ንሕና እውን ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ዚህበና መዝነት ክንፍጽም ከለና: ትሑታትን ተባዓትን ክንከውን ኣሎና።

7:4, 9፣ 8:18፣ 9:5, 10 ነቶም ፍርዲ ኣምላኽ ዚወርዶም ሰባት ክንድንግጸሎም ወይ ክንርሕርሓሎም ኣየድልየናን እዩ።

7:19 የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ ስርዓት እዚ ፍርዱ ኺፍጸም ከሎ: ገንዘብ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ኣይኪህልዎን እዩ።

8:5-18 ክሕደት ብመንፈሳዊ ይቐትል እዩ። “እቲ ግቡዝ [“ከሓዲ:” NW] ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ።” (ምሳሌ 11:9) ንኸሓድቲ ሰማዒት እዝኒ ኽንህቦም ኢልና ኽንሓስብ እውን የብልናን።

9:3-6 ካብቲ ዓብዪ “መከራ” ኽንድሕን እንተ ደሊና: ነቲ ርእስና ወፊና እተጠመቕና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃንና ኸምኡውን ክርስትያናዊ ባህርያት ከም ዘሎና ዜረጋግጽ ማሕተም ምጥራይ ኣገዳሲ እዩ። (ማቴዎስ 24:21) እቶም በቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዝሓዘ ሰብኣይ እተመሰሉ ቕቡኣት ክርስትያናት: ኣብቲ ማሕተም ናይ ምግባር ዕዮ ግንባር ቀደም ብምዃን ይካፈሉ ኣለዉ፣ እዚ ዕዮ እዚ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እዩ። ነዚ ማሕተም እዚ ሒዝና ኽንቅጽል እንተ ደሊና: ኣብዚ ዕዮ እዚ ብቕንኣት ክንሕግዞም ኣሎና።

12:26-28 ህዝቅኤል ነቶም ንመልእኽቱ ዜላግጹሉ ዝነበሩ ሰባት እውን ከይተረፈ: “ድሕርዚ ኻብተን ቃላተይሲ [ቃላት የሆዋ] ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጕን እያ” ይብሎም ነበረ። ንሕና እውን የሆዋ ነዚ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምጥፍኡ: ሰባት እምንቶኦም ኣብኡ ንኺገብሩ ንምሕጋዝ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና።

14:12-23 ድሕነት ምርካብ ብሕታዊ ሓላፍነትና እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪገብረልና ኣይክእልን እዩ።—ሮሜ 14:12

18:1-29 ነቲ ብሰሪ ግብርታትና ዚመጽእ ሳዕቤን: ባዕልና ኢና እንሕተተሉ።

“ጥፍኣት: ጥፍኣት: ጥፍኣት ካባይ ኪመጻ እዩ”

(ህዝቅኤል 20:1–24:27)

ዓበይቲ እስራኤል ናብ ምርኮ ኻብ ዚውሰዱ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት: ማለት ብ611 ቅ.ክ. “ንእግዚኣብሄር ኪጥይቑ” ናብ ህዝቅኤል መጹ። ንሱ ድማ ነቲ ብዛዕባ ዕልወት እስራኤል ዚገልጽ ነዊሕ ታሪኽ ከምኡውን ነቲ የሆዋ ኣንጻሮም ‘ሰይፉ ኺመልሖ’ ምዃኑ ዚነግር መጠንቀቕታ ነገሮም። (ህዝቅኤል 20:1፣ 21:3) የሆዋ ነቲ መስፍን እስራኤል ዝነበረ (ጼዴቅያስ) ብዚምልከት ከምዚ በለ:- “ዘውዲ ቐንጥጥ: ኣኽሊል ኣውጽእ። እዝስ ከምዚ ዘለዎ ዀይኑ ኣይኪነብርን እዩ። እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል: እቲ ልዕል ዝበለ ኸኣ ይዋረድ። ጥፍኣት: ጥፍኣት: ጥፍኣት ካባይ ኪመጻ እዩ። እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ ብዓል ፍርዲ [የሱስ ክርስቶስ] ኽሳዕ ዚመጽእ: እዚ ኸኣ ኣይኪነብርን እዩ።”—ህዝቅኤል 21:26, 27

የሩሳሌም ተኸሲሳ ነበረት። እቲ ኦሆላ (እስራኤል) ኰነት ኦሆሊባ (ይሁዳ) ዝፈጸማኦ ሓጢኣት ድማ ተቓልዐ። ኦሆላ ድሮ “ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ: . . . ኣብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር” ተዋሂባ ነበረት። (ህዝቅኤል 23:9) ጥፍኣት ኦሆሊባ ኸኣ ቀሪቡ ነበረ። ብ609 ቅ.ክ. እቲ 18 ወርሒ ዝወሰደ ምኽባብ የሩሳሌም ጀመረ። እታ ኸተማ ኣብ መወዳእታ ምስ ተሳዕረት: እቶም ኣይሁድ ሓዘኖም እኳ ምግላጽ ክሳዕ ዚስእኑ ተዓኒዶም ኪተርፉ እዮም። ህዝቅኤል: እታ ኸተማ ኸም ዝጠፍአት ካብ ሓደ “ዘምለጠ” ሰብ ክሳዕ ዚሰምዕ: ነቶም ብምርኮ እተወስዱ ሰባት ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ መልእኽቲ ኺነግሮም ኣይተፈቕደሉን።—ህዝቅኤል 24:26, 27

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

21:3—እቲ የሆዋ ኻብ ሰገባኡ ዚመልሖ “ሰይፊ” እንታይ እዩ፧ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ይሁዳን ፍርዲ ንምውራድ እተጠቕመሉ “ሰይፊ:” ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ሰራዊቱን ነበረ። ነቲ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝሓዘ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ዘጠቓለለ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

24:6-14—ምራተ እቲ ድስቲ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ እታ ተኸቢባ ዝነበረት የሩሳሌም በቲ ገፊሕ ዝኣፉ ድስቲ ተመሲላ ነበረት። እቲ ምራተ ኸኣ ነቲ ስነ-ምግባራዊ ርስሓት እታ ኸተማ: ማለት ነቲ ተሓታቲት ዝዀነትሉ ርኽሰትን ቀይዲ-በተኽነትን ምፍሳስ ደምን ዜመልክት እዩ። እቲ ርኽሰታ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ: እቲ ድስቲ ጥርሑ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣመና ዝጐሃረ ሓዊ እኳ እንተ ተሰኽተተ: እቲ ምራተ ኣየልግስን እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

20:1, 49 እቶም ዓበይቲ እስራኤል ዝሃብዎ ምላሽ: ብዛዕባ እቲ ህዝቅኤል ዝነገሮም ነገራት ከም እተጠራጠሩ ዜርኢ ነበረ። ንመለኮታዊ መጠንቀቕታ ናይ ምጥርጣር ዝንባለ ኸነማዕብል የብልናን።

21:18-22 ነቡካድነጻር ጥንቈላ እኳ እንተ ተጠቕመ: የሆዋ እዩ ግን ነቲ ኣረማዊ ገዛኢ ኣንጻር የሩሳሌም ከም ዚለዓል ዝገበሮ። እዚ ድማ ኣጋንንቲ እውን እንተ ዀኑ: ነቶም የሆዋ ፍርዲ ንኺፍጽሙ ዝመደቦም ተወከልቱ ዕላማኦም ንኸይፍጽሙ ኺዓግትዎም ከም ዘይክእሉ ዜርኢ እዩ።

22:6-16 የሆዋ: ንኻልእ ሰብ ምክፋእ: ቀይዲ-በተኽነት: ሓይሊ ብዘይ ግቡእ ምጥቃም: ከምኡውን ጉቦ ምውሳድ ይጸልእ እዩ። ንሕና እውን ካብ ከምዚ ዝበለ ጌጋታት ንምርሓቕ ኣብ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ጽኑዓት ንኹን።

23:5-49 እስራኤልን ይሁዳን ምስ ካልኦት ሃገራት ፖለቲካዊ ኺዳናት ስለ እተኣታተዋ: ነቲ ደገፍተን ዚስዕባኦ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ተቐበላ። ንእምነትና ኼጥፍኣ ኻብ ዚኽእል ዓለማዊ ምትእስሳር ምምስራት ንጠንቀቕ።—ያእቆብ 4:4

ህያውን መስለጥን ዝዀነ መልእኽቲ

ካብዘን ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ኣብ መጀመርታ ዚርከባ 24 ምዕራፋት ከመይ ዝበለ ብሉጽ ትምህርቲ ዀን ኢና ረኺብና! እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት: ኣምላኽ ዘይፈትዎ ነገራት እንታይ ምዃኑ: ብኸመይ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ክንረክብ ከም እንኽእል: ከምኡውን ስለምንታይ ንእኩያት ከነጠንቅቖም ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ። እቲ ንጥፍኣት የሩሳሌም ብዚምልከት እተነግረ ትንቢት: የሆዋ ንህዝቡ “ደጊም ሓድሽ [ነገር] . . . ከይተቐልቀለ” ኸሎ ዜፍልጦም ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብር እዩ።—ኢሳይያስ 42:9

ከምቲ ኣብ ህዝቅኤል 17:22-24፣ 21:26, 27 ተጠቒሱ ዘሎ ዝኣመሰለ ትንቢታት: መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ ሰማይ ከም እትቐውም ዚሕብር እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: እዚ ግዝኣት እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸም ዚፍጸም ኪገብር እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት: ብምሉእ ምትእምማን ክንጽበዮ ንኽእል ኢና። እወ: “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።”—እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሰማያዊ ሰረገላ እንታይ የመልክት፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ምክፋልና: ነቲ እተገብረልና “ማሕተም” ሒዝና ኽንቅጽል ይሕግዘና