ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ባርዚላይ ዓቕሙ ዚፈልጥ ሰብኣይ

ባርዚላይ ዓቕሙ ዚፈልጥ ሰብኣይ

ባርዚላይ ዓቕሙ ዚፈልጥ ሰብኣይ

‘ስለምንታይ ጾር ዝዀነካ፧’ እቲ ነዘን ቃላት እዚኣተን ንንጉስ ዳዊት እተዛረበን ሰብኣይ: እቲ ወዲ 80 ዓመት ዝነበረ ባርዚላይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ “ኣዝዩ ሃብታም” ከም ዝነበረ ይገልጽ። (2 ሳሙኤል 19:32, 35) ኣብቲ ኻብ ፈለግ ዮርዳኖስ ንምብራቕ ዘሎ ኣኽራን ዝበዝሖ ቦታ ዚርከብ ምድሪ ጊልዓድ ከኣ ይነብር ነበረ።—2 ሳሙኤል 17:27፣ 19:31

ባርዚላይ እዚ ንዳዊት እተዛረቦ ቓላት ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ተዛሪብዎ፧ እዚ ሸምጊሉ ዝነበረ ሰብኣይከ ኸምዚ ኢሉ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧

ኣንጻር እቲ ንጉስ እተገብረ ዕልዋ

ዳዊት ኣብ ሓደጋ ነበረ። ኣቤሴሎም ወዱ “ልቢ ሰብ እስራኤል [ምስ] ሰረቐ:” ነቲ ዝፋን መንዝዖ። ኣቤሴሎም ንዝዀነ ይኹን ንኣቦኡ እሙን ዚኸውን ከም ዘየናሕሲ ንጹር ነበረ። ስለዚ: ዳዊትን ኣገልገልቱን ካብ የሩሳሌም ወጹ። (2 ሳሙኤል 15:6, 13, 14) ዳዊት ኣብቲ ኻብ ዮርዳኖስ ብምብራቕ ዚርከብ መሓናይም ዚበሃል ቦታ ምስ በጽሐ: ባርዚላይ ሓገዞ።

ባርዚላይን ክልተ ኻልኦት ሰብኡትን ንዳዊት ብዙሕ ዜድልዮ ነገራት ሒዞምሉ መጹ። እዞም ሰለስተ እሙናት ተገዛእቱ ብዛዕባ ዳዊትን ሰቡን: “እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዩን ደኺሙን ጸሚኡን እዩ ዘሎ” ምባሎም: ነቲ ጽንኩር ኵነታት ከም እተረድእዎ ዚሕብር እዩ። ባርዚላይን ሾቢን ማኪርን ዓራውቲ: ስርናይ: ስገም: ሓርጭ: ጥቡስ ሰዊት: ባልደንጓ: ብርስን: መዓር: ርግኦ: ኣባጊዕ: ከምኡውን ካልእ ነገራት ሒዞም ብምምጻእ: ንዳዊትን ሰቡን ዜድልዮም ኬማልኡ ዝከኣሎም ገበሩ።—2 ሳሙኤል 17:27-29

ንዳዊት ምሕጋዝ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ኣቤሴሎም ነቲ ሕጋዊ ንጉስ ዚድግፍ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከይቐጽዐ ኣይሓድጎን እዩ ነይሩ። ስለዚ: ባርዚላይ ንዳዊት ዝነበሮ ተኣማንነት ብግብሪ ምርኣይ: ትብዓት ዚሓትት እዩ ነይሩ።

እቲ ዅነታት ተቐየረ

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: እቶም ዓለወኛታት ሓይልታት ኣቤሴሎም: ምስቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ተጋጠሙ። እቲ ውግእ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኰነ: እዚ ኸኣ ምናልባት ኣብ ጥቓ መሓናይም እዩ ዚኸውን። ሰራዊት ኣቤሴሎም ተሳዕሩ: “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ . . . ብርቱዕ ጥፍኣት ኰነ።” ኣቤሴሎም ኬምልጥ እኳ እንተ ፈተነ: ንሱ እውን ተቐትለ።—2 ሳሙኤል 18:7-15 

ከም ብሓድሽ: ዳዊት መቀናቕንቲ ዘይብሉ ንጉስ እስራኤል ኰነ። ሰዓብቱ እናተሃድኑ ዚነብሩሉ እዋን ኣብቅዐ። ብዘይካዚ: ስለቲ ንዳዊት ዘርኣይዎ ተኣማንነት: ካብኡ ኣኽብሮትን ምስጋናን ረኸቡ።

ዳዊት ናብ የሩሳሌም ኪምለስ ምስ ተበገሰ: “ባርዚላይ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም ወሪዱ: ክሳዕ ስግር ዮርዳኖስ ኬሰንዮ ኢሉ: ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ።” ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: ዳዊት ነቲ ብዕድመ ሸምጊሉ ዝነበረ ባርዚላይ: “ንስኻ ምሳይ ተሳገር እሞ: ኣብ የሩሳሌም ምሳይ ክምግበካ እየ” ዚብል ዕድመ ኣቕረበሉ።—2 ሳሙኤል 19:15, 31, 33

ዳዊት ነቲ ባርዚላይ ዝገበረሉ ሓገዝ ኣዝዩ ኸም ዘማሰወሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ንጉስ ዜድሊ ስጋዊ ነገራት ብምምላእ ጥራይ ኣይኰነን ውሬታ ኺመልስ ደልዩ። እቲ ሃብታም ዝነበረ ባርዚላይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ዳዊት ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ዝነበሮ ዚነኣድ ባህርያት ስለ ዘድነቖ: ኣብ ቤተ-መንግስቱ ኪቕመጥ ደልይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ባርዚላይ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኪቕመጥ እንተ ዚጅምር: ዓርኪ ንጉስ ብምዃን ፍሉይ ክብሪ ምረኸበ።

ትሕትናን ክውንነትን

ባርዚላይ ነቲ ንጉስ ዳዊት ዘቕረበሉ ዕድመ ኺምልስ ከሎ: “ምስ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዝድይብሲ: ዓመታት ህይወተይ ክንደይ እየን፧ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ: ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊዶ ይኽእል እየ፧ ጊልያኻስ ዝበልዖ ዀነ ዝሰትዮ ጣዕሙዶ እፈልጦ እየ፧ ገናዶ ድምጺ ዚደርፉን ዚደርፋን እሰምዕ አልየ፧” በለ። (2 ሳሙኤል 19:34, 35) ስለዚ: ባርዚላይ ብኣኽብሮት ነቲ ዝቐረበሉ ዕድመን ፍሉይ ክብርን ኣይተቐበሎን። ስለምንታይ ግን እዩ ኸምኡ ገይሩ፧

ሓደ ኻብቲ ባርዚላይ ከምኡ ኢሉ ንኺውስን ዘኽኣሎ ምኽንያት: ሸምጊሉ ብምንባሩ ብሰንኪ እዚ ዓቕሙ ድሩት ስለ ዝዀነ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዊሕ ዚነብር ኰይኑ ኣይስምዖን ነይሩ ይኸውን። (መዝሙር 90:10) ንዳዊት ንምድጋፍ ዚከኣሎ እኳ እንተ ገበረ: እርጋን ዜምጽኦ ድሩትነት ግን ይፈልጥ ነበረ። ዝናን ተፈላጥነትን ነቲ ኽእለታቱ ብኽውንነታዊ መገዲ ንኸይግምግሞ ዕንቅፋት ኪኸውን ኣይፈቐደን። ባርዚላይ ከምቲ ህርፋን ስልጣን ዝነበሮ ኣቤሴሎም ዘይኰነስ: ብጥበብ ትሕትና ኣርኣየ።—ምሳሌ 11:2

ባርዚላይ ኣብቲ ውሳነ እቲ ኸም ዚበጽሕ ዝገበሮ ኻልእ ምኽንያት ከኣ: እቲ ድሩት ዓቕሙ ነቲ ብኣምላኽ እተሸመ ንጉስ ዚገብሮ ንጥፈታት ብዝዀነ ይኹን ዚዓግት ኪኸውን ብዘይምድላዩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: “ስለምንታይ ደኣ ደጊምከ ጊልያኻ ንጐይታይ ንጉስ ጾር ዝዀኖ፧” ኢሉ ሓተተ። (2 ሳሙኤል 19:35) ንዳዊት ይድግፎ እኳ እንተ ነበረ: ካብኡ ብዕድመ ዝነኣሱ ሰባት ኣብቲ ዚወሃቦም ዕዮ ብዝያዳ ውጽኢታውያን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣመነ። ቀጺሉ ምናልባት ንወዱ ብምምልካት: “ጊልያኻ ኪምሃም ግና: እንሆ: ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር: ንእኡ ባህ ዝበለካ ግበሮ” በለ። ዳዊት በዚ ኣብ ክንዲ ዚጕሂ: ነቲ ሓሳባቱ ተቐበሎ። ዮርዳኖስ ቅድሚ ምስጋሩ ኸኣ “ንባርዚላይ ስዒሙ መረቖ።”—2 ሳሙኤል 19:37-39

ኣገዳስነት ሚዛን ምሕላው

እቲ ብዛዕባ ባርዚላይ ዚገልጽ ጸብጻብ: ኣገዳስነት ሚዛንና ምሕላው ዜጕልሕ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ: ህዱእ ህይወት ስለ ዝደለና ወይ ሓላፍነት ክንስከም ዘይንኽእል ኰይኑ ስለ እተሰምዓና: ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚ ምቕባል ክንኣቢ ወይ ንሓላፍነት ምምጥጣር ክንሓድጎ የብልናን። ብርታዐን ጥበብን ንምርካብ ኣብ ኣምላኽ ንውከል እንተ ዄንና: ነቲ ጕድለትና ኺምልኣልና ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 4:13፣ ያእቆብ 4:17፣ 1 ጴጥሮስ 4:11

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣዝዩ ትሑዝ ይኸውን። ተወሳኺ ሓላፍነታት ብምቕባሉ ኸኣ: ከም ንስድራቤት ምሕላይ ዝኣመሰለ ኻልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት ካብ ምፍጻም ኪተሓናዀል ከም ዚኽእል የስተውዕል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ኣብቲ እዋን እቲ ተወሳኺ ሓላፍነታት ምቕባል ምእባዩስ ትሕትናን ‘ርትዓውነትን’ ደይኰነን፧—ፊልጲ 4:5 NW1 ጢሞቴዎስ 5:8

ባርዚላይ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉ እዩ: ንሕና ድማ ነዚ ኸነስተንትነሉ ኣሎና። እሙንን ተባዕን ለጋስን ትሑትን ነበረ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ንፍቓድ ኣምላኽ ቅድሚ ረብሓታቱ ዚሰርዕ ሰብ ነበረ።—ማቴዎስ 6:33

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

እቲ ወዲ 80 ዓመት ዝነበረ ባርዚላይ ንዳዊት ንምሕጋዝ ኣድካሚ ጕዕዞ ገበረ

ጊልዓድ

ሮግሊም

ሱኮት

መሓናይም

ፈለግ ዮርዳኖስ

ጊልጋል

ያሪኮ

የሩሳሌም

ኤፍሬም

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ባርዚላይ ነቲ ዳዊት ዘቕረበሉ ዕድመ ዘይተቐበለ ስለምንታይ እዩ፧