ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብመንፈስ ትመላለስ’ ዲኻ፧

‘ብመንፈስ ትመላለስ’ ዲኻ፧

‘ብመንፈስ ትመላለስ’ ዲኻ፧

“ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም።” —ገላትያ 5:16

1. ኣብቲ መንፈስ ከይሓጥእ ካብ ዚብል ፍርሂ ኽንናገፍ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

 ኣብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ከይሓጥእ ካብ ዚብል ፍርሂ እትናገፈሉ ሓደ መገዲ: እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም” ብምባል እተዛረቦ ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። (ገላትያ 5:16) መንፈስ ኣምላኽ ኪመርሓና እንተ ፈቒድና: ብዘይግቡእ ትምኒት ስጋ ኣይክንወሓጥን ኢና።—ሮሜ 8:2-10

2, 3. ብመንፈስ እንተ ተመላሊስና: ብኸመይ ኢና እንጽሎ፧

2 ‘ብመንፈስ ክንመላለስ’ ከለና: እቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ንየሆዋ ንኽንእዘዞ ኺድርኸና እዩ። ኣብ ኣገልግሎትናን ኣብ ጉባኤናን ኣብ ቤትናን ኣብ ካልእ ቦታታትን ኣምላኻዊ ባህርያት ከነርኢ ኢና። ፍረ እቲ መንፈስ ኣብቲ ምስ ብዓል ሓዳርናን ደቅናን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ካልኦትን ዘሎና ርክብ ይርአ እዩ።

3 ‘ከምቲ ናይ ኣምላኽ ብመንፈስ’ ምንባር: ካብ ሓጢኣት ንኽንርሕቕ የኽእለና። (1 ጴጥሮስ 4:1-6) ኣብ ትሕቲ ጽልዋ እቲ መንፈስ እንተ ዄንና: ይቕረ ዘይበሃለሉ ሓጢኣት ኣይንገብርን ኢና። እንተዀነ ግን: ብመንፈስ ምምልላስና በየናይ ካልእ መገድታት እዩ ዚጸልወና፧

ምስ ኣምላኽን ክርስቶስን ለጊብካ ተመላለስ

4, 5. ብመንፈስ ምምልላስ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዘሎና ኣረኣእያ ዚትንክፎ ብኸመይ እዩ፧

4 ብመንፈስ ቅዱስ ስለ እንመላለስ: ምስ ኣምላኽን ወዱን ናይ ቀረባ ርክብ ሒዝና ኽንቅጽል ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ነቶም ኣቐዲሞም መምለኽቲ ጣኦት ዝነበሩ ኣብ ቈረንቶስ ዚርከቡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህበት ኪጽሕፈሎም ከሎ: “ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ: የሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብል: ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ: የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ: ኤፍልጠኩም አሎኹ” በለ። (1 ቈረንቶስ 12:1-3) ዝዀነ ይኹን ንየሱስ ኪረግም ዚድርኽ መንፈስ ካብ ሰይጣን ድያብሎስ ዝመነጨ ኪኸውን ኣለዎ። ንሕና ግን ብመንፈስ ቅዱስ እንመላለስ ክርስትያናት ስለ ዝዀንና: የሆዋ ንየሱስ ካብ ምዉታት ከም ዘተንሰኦን ካብ ኵሉ ኻልእ ፍጡር ዝለዓለ ኸም ዝገበሮን ንኣምን ኢና። (ፊልጲ 2:5-11) ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ እምነት ኣሎና: ንየሱስ ከኣ ጐይታና ኪኸውን ብኣምላኽ እተሸመ ጌርና ንቕበሎ ኢና።

5 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት: የሱስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ኸሓዱ። (2 ዮሃንስ 7-11) ገሊኦም ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ብምቕባሎም: ብዛዕባ የሱስ እቲ መሲህ ናይ ሓቂ ትምህርትታት ከም ዚነጽጉ ገበሮም። (ማርቆስ 1:9-11፣ ዮሃንስ 1:1, 14) ብመንፈስ ምምልላስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኽሕደት ከይንስሕት የዕቍበና። ጸጋ የሆዋ ኽንረክብን ‘በታ ሓቂ ኽንመላለስን’ እንኽእል ግን: ብመንፈስ ንቑሓት ምስ እንኸውን ጥራይ ኢና። (3 ዮሃንስ 3, 4) እምበኣር: ምስ ሰማያዊ ኣቦና ድልዱል ርክብ ምእንቲ ኺህልወና: ኵሉ ዓይነት ክሕደት ንኽንነጽግ ቈራጽነት ንግበር።

6. መንፈስ ኣምላኽ ኣብቶም ብመንፈስ ዚመላለሱ እንታይ ባህርያት እዩ ዜፍሪ፧

6 ጳውሎስ ኣብ መንጎ እቲ ኸም ምንዝርን ዕብዳንን ዝኣመሰለ “ግብሪ ስጋ:” ብኽሕደት ዝመጸ ኣምልኾ ጣኦትን ምፍልላይን እውን ጠቒሱ ኣሎ። ቀጺሉ ግን: “እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ: ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ” በለ። (ገላትያ 5:19-21, 24, 25) እቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብቶም ብመንፈስ ህይወት ዘለዎምን ብእኡ ዚመላለሱን እንታይ ባህርያት እዩ ዜፍሪ፧ ጳውሎስ: “እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ [“ሰላም:” ትርጕም 1990]: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል [“ርእስኻ ምግታእ:” ትርጕም 1990] እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 5:22, 23) ነዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ፍረ መንፈስ እዚ እስከ ንመርምሮ።

‘ንሓድሕድና ንፋቐር’

7. ፍቕሪ እንታይ እያ፧ ገለ ኻብቲ ፍቕሪ እተንጸባርቖ ባህርያት እንታይ እዩ፧

7 እታ ሓንቲ ኻብቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነት ፍቕሪ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣጸቢቕካ ምፍታውን ንርእሰይ ይጥዓመኒ ኸይበልካ ንኻልኦት ምሕላይን ምሳታቶም ጥብቂ ርክብ ምግባርን ተጠቓልል። ኣምላኽ ቀንዲ መርኣያ እዛ ባህርይ እዚኣ ስለ ዝዀነ: ቅዱሳት ጽሑፋት “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል። እታ ኣምላኽን ወዱን ንደቅሰብ ዘላቶም ዓባይ ፍቕሪ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ተራእያ እያ። (1 ዮሃንስ 4:8፣ ዮሃንስ 3:16፣ 15:13፣ ሮሜ 5:8) ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን: በቲ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ንልለ ኢና። (ዮሃንስ 13:34, 35) አረ “ንሓድሕድናውን ክንፋቐር” ትእዛዝ ተዋሂቡና እዩ። (1 ዮሃንስ 3:23) ጳውሎስ ድማ ብዛዕባ ፍቕሪ እዚ ዚስዕብ ነጥብታት ገሊጹ እዩ:- ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ። ኣይትቐንእን: ኣይትጀሃርን ኣይተስተሓፍርን: ወይ ናታ ኣይትደልን። ፍቕሪ ኣይትምረርን ወይ ኣይትቕየምን እያ። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር: ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ፍቕሪ ኵሉ ትጸውር: ኵሉ ትኣምን: ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ። ብዘይካዚ: ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።—1 ቈረንቶስ 13:4-8

8. ነቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾትና ፍቕሪ ኸነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ኼፍሪ እንተ ፈቒድናሉ: እታ ባህርይ እቲኣ ኣብቲ ምስ ኣምላኽን ብጻይናን ዘሎና ርክብ ክትዓዪ እያ። (ማቴዎስ 22:37-39) ሃዋርያ ዮሃንስ: “እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር። ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር: ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 3:14, 15) ሓደ ቐታል ነፍሲ ኣብ ከተማ ዕቝባ ኺዕቈብ ዚኽእል ዝነበረ: ነቲ እተቐትለ ዘይጸልኦ እንተ ነይሩ ጥራይ እዩ። (ዘዳግም 19:4, 11-13) ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ተመሪሕና: ንኣምላኽን ንዕኡ ንዜምልኹ ብጾትናን ንኻልኦትን ፍቕሪ ነርኢ ኢና።

‘ሓጐስ የሆዋ ሓይልኹም እዩ’

9, 10. ሓጐስ እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ዜሐጕሰና ምኽንያታትከ እንታይ እዩ፧

9 ሓጐስ ኪበሃል ከሎ ደስታ ማለት እዩ። የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NWመዝሙር 104:31) ወዱ እውን ፍቓድ ኣቦኡ ብምግባር ይሕጐስ እዩ። (መዝሙር 40:8፣ እብራውያን 10:7-9) ‘ሓጐስ የሆዋ እውን ሓይልና እዩ።’—ነህምያ 8:10

10 ኣምላኽ ዚህበና ሓጐስ ኣብ እዋን ሽግር: ጓሂ: ወይ መስጐጕቲ እኳ ኸይተረፈ: ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ዓሚቝ ዕግበት የምጽኣልና። “ምፍላጥ ኣምላኽ” እውን ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልና! (ምሳሌ 2:1-5) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዜሐጕስ ርክብ ኣብ ርጡብ ፍልጠት ከምኡውን ኣብኡን ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስን ኣብ ዘላትና እምነት እተመርኰሰ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ክፍሊ እቲ እንኮ ዓለምለኻዊ ሕውነት ምዃን ካልእ ምንጪ ሓጐስ እዩ። (ጸፎንያስ 3:9፣ ሃጌ 2:7) ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋን ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ዘሎና ዓብዪ መሰልን የሐጕሰና እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14) ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ከምኡ የሐጕሰና እዩ። (ዮሃንስ 17:3) እዚ ዅሉ ዜደንቕ ተስፋታት ስለ ዘሎና: ‘ምሉእ ሓጐስ ክንሕጐስ’ ኣሎና።—ዘዳግም 16:15

ሰላማውን ዓቃልን ኩን

11, 12. (ሀ) ሰላም ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) ኣምላኻዊ ሰላም ኣባና እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

11 ካልእ ክፍሊ ፍረ መንፈስ ዝዀነት ሰላም: ጸጥታን ካብ ህውከት ናጻ ምዃንን ተመልክት። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ናይ ሰላም ኣምላኽ እዩ: ንዓና እውን “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ” ዚብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። (መዝሙር 29:11፣ 1 ቈረንቶስ 14:33) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ሰላም እሐድገልኩም: ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 14:27) እዚ ንሰዓብቱ ብኸመይ ይሕግዞም፧

12 እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ሰላም: ንልቦምን ኣእምሮኦምን ኣህድኦ: ንፍርሆም ድማ ቀንጠጦ። ብፍላይ እቲ መብጽዓ እተገብረሎም መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ሰላም ረኺቦም እዮም። (ዮሃንስ 14:26) ሎሚ እውን ኣብ ትሕቲ ጽልዋ እቲ መንፈስ እንተ ዄንናን ጸሎትና እንተ ተመሊሱልናን: ንልብናን ኣእምሮናን ዜዕርፍ መወዳድርቲ ዘይብሉ “ሰላም ኣምላኽ” ንረክብ ኢና። (ፊልጲ 4:6, 7) ብዘይካዚ: መንፈስ የሆዋ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ምስ ካልኦትን ኣብ ዘሎና ርክብ ህዱኣትን ሰላማውያንን ንኽንከውን ይሕግዘና።—ሮሜ 12:18፣ 1 ተሰሎንቄ 5:13

13, 14. ዓቕሊ እንታይ እያ፧ ከነንጸባርቓ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

13 ዓቕሊ ንዜሕርቕ ኵነታት ወይ በደል ይመሓየሽ ይኸውን ብዚብል ሓሳብ ብትዕግስቲ ምጽማም ማለት ስለ ዝዀነት: ምስ ሰላም ትተኣሳሰር እያ። ኣምላኽ ዓቃል እዩ። (ሮሜ 9:22-24) የሱስ እውን ነዛ ባህርይ እዚኣ ኣርእዩ እዩ። ጳውሎስ: “የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚአምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ: በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ” ኢሉ ስለ ዝጸሓፈ: ንሕና እውን ካብ ትዕግስቲ የሱስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 1:16

14 ካልኦት ሰባት ዚሃሲ ወይ ዚጐድእ ነገር ኪዛረቡና ወይ ኪገብሩና ኸለዉ: ዓቕሊ ንኽንጽመሞ ተኽእለና። ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ: “ንዅላቶም ተዐገስዎም” ኢሉ መዓዶም። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንናን ጌጋታት ስለ እንገብርን: ሰባት ኪዕገሱና: ወይ ምሳታቶም ኣብ ዘሎና ርክብ ክንጋገ ኸለና ዓቕሊ ኺገብሩ ብርግጽ ንደሊ ኢና። ስለዚ እምበኣር ‘ብሓጐስ ዓቕሊ’ ንግበር።—ቈሎሴ 1:9-12

ለውሃትን ሕያውነትን ግበር

15. ለውሃት እንታይ ማለት ምዃና ግለጽ: ኣብነታት ከኣ ጥቐስ።

15 ለውሃት ብምቕሉልን ሓጋዝን ቃላት ኰነ ተግባራት ኣቢልና ንኻልኦት ዘለና ተገዳስነት ከነርእዮም ከለና ኢና እነንጸባርቓ። የሆዋ ለዋህ እዩ: ወዱ እውን ከምኡ። (ሮሜ 2:4፣ 2 ቈረንቶስ 10:1) ኣገልገልቲ ኣምላኽን ክርስቶስን: ለውሃት ኬርእዩ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። (ሚክያስ 6:8፣ ቈሎሴ 3:12) ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ዘይብሎም ሰባት እኳ: ‘ኣዝዮም ደንጊጾም’ ወይ ሓለፍ ዝበለ ለውሃት ኣርእዮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 27:3፣ 28:2) ብርግጽ እምበኣር: ‘ብመንፈስ እንተ ተመላሊስና:’ ለውሃት ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና።

16. ለውሃት ከነርኢ ኺድርኸና ዘለዎ ገለ ዅነታት እንታይ እዩ፧

16 ሓደ ሰብ ጐዳኢ ቓላት ብምዝራቡ ወይ ሃሳዪ ተግባር ብምግባሩ እኳ እንተ ተቘጣዕና: ለውሃት ግን ከነርኢ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ: “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” በለ። (ኤፌሶን 4:26, 27, 32) ብፍላይ ነቶም ፈተናታት ዜሕልፉ ዘለዉ ለውሃት ከነርእዮም ኣሎና። ልክዕ እዩ: ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ንሓደ “ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን” ምምልላስ ከይሓድጎ ዜስግእ ዘሎ ሰብ ስምዒቱ ኸይጐድኦ ኢሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እንተ ዘይሂብዎ: ለውሃት ኣይኰነን ዜርእዮ ዘሎ።—ኤፌሶን 5:9

17, 18. ሕያውነት እንታይ ማለት እያ፧ እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ህይወትና እንታይ ግደ ኺህልዋ ኣለዎ፧

17 ሕያውነት ኪበሃል ከሎ ውርዝና: ጽቡቕ ኣመል: ወይ ሰናይ ምዃን ማለት እዩ። ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ሰናይ እዩ። (መዝሙር 25:8፣ ዘካርያስ 9:17) የሱስ ጽቡቕ ጠባይ ኣለዎ። ኰይኑ ግን: “ሕያዋይ መምህር” ተባሂሉ ምስ ተጸውዐ: ነታ “ሕያዋይ” እትብል ቃል ከም መዓርግ ኣይተቐበላን። (ማርቆስ 10:17, 18 ትርጕም 1990) ከምዚ ዝበለ ኸኣ እቲ ልዕሊ ዅሉ ሕያዋይ ኪበሃል ዚከኣል: ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ እዩ።

18 ሕያውነት ንኽንገብር ዘሎና ኽእለት: ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ተሓናዂሉ እዩ። (ሮሜ 5:12) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ‘ሰናይ ኪምህረና’ እንተ ጸሊና: ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነንጸባርቓ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 119:66) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ: “ኣሕዋተየ: ብዛዕባኻትኩምሲ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብፍልጠት ዘበለ ዅሉ ኸም ዝመላእኩም: ንሓድሕድኩም ምምዕዓድውን ከም ዚዀነልኩም: ኣነ ባዕለይ ተረዲኤዮ አሎኹ” በሎም። (ሮሜ 15:14) ሓደ ክርስትያን ሓላዊ እውን “ሰናይ ዚፈቱ” ኪኸውን ኣለዎ። (ቲቶስ 1:7, 8) ብመንፈስ ኣምላኽ እንተ ተመሪሕና: ብሕያውነትና ኽንፍለጥ ኢና: ኣምላኽ ከኣ ‘ንጽቡቕ ኪሓስበልና’ እዩ።—ነህምያ 5:19፣ 13:31

“ልግሚ ዜብላ እምነት”

19. ብመሰረት እብራውያን 11:1 እምነት እንታይ እያ፧

19 እታ ኽፍሊ ፍረ መንፈስ ዝዀነት እምነት: “ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።” (እብራውያን 11:1) እምነት እንተ ኣልያትና: ኵሉ እቲ የሆዋ እተመባጽዖ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ንኸውን ኢና። ነቲ ዘይርአ ነገር ዘሎና መርትዖ ኣዝዩ ዜተኣማምን ካብ ምዃኑ እተላዕለ: እምነት ነቲ ነገር እቲ ኸም ምርዳእ ጌርካ ተገሊጻ ኣላ። ንኣብነት: ፍጥረታት ምህላዉ: ፈጣሪ እውን ከም ዘሎ የእምነና። ብመንፈስ እንተ ተመላሊስና: ከምዚኣ ዓይነት እምነት ኢና እነርኢ።

20. እቲ “ዚጠብቀና ሓጢኣት” እንታይ እዩ፧ ነዚ ዀነ ንግብሪ ስጋ ኸነርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ጕድለት እምነት: “ዚጠብቀና ሓጢኣት” ተባሂሉ ኣሎ። (እብራውያን 12:1) ካብ ግብሪ ስጋ: ፍቕረ-ንዋይ: ከምኡውን ንእምነትና ዜጥፍእ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ክንርሕቕ እንተ ዄንና: ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ክንውከል ኣሎና። (ቈሎሴ 2:8፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:3-5) መንፈስ ኣምላኽ ኣብዞም ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምቲ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽርን ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገቡን ዘርኣይዋ ዓይነት እምነት የፍሪ እዩ። (እብራውያን 11:2-40) እታ “ልግሚ ዘይብላ እምነት”ና: ንእምነት ካልኦት ከተደልድል ትኽእል እያ።—1 ጢሞቴዎስ 1:5፣ እብራውያን 13:7

ህድኣትን ርእስኻ ምግታእን ኣርኢ

21, 22. ህድኣት እንታይ ማለት እያ፧ ስለምንታይከ ኢና ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነርኢ ዘሎና፧

21 እታ ኣብዚ ህድኣት ተባሂላ ዘላ: ንልኡም ኣመል ወይ ጠባይ ተመልክት። ሓንቲ ኻብተን ባህርያት ኣምላኽ ልእመት እያ። ነዚ ኽንፈልጥ ዝኸኣልና: እቲ ንባህርያት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዘንጸባረቐ የሱስ: ለዋህ ወይ ልኡም ስለ ዝነበረ እዩ። (ማቴዎስ 11:28-30፣ ዮሃንስ 1:18፣ 5:19) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃንና እንታይ እዩ ትጽቢት ዚግበረልና፧

22 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ‘ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ከነርኢ’ ትጽቢት ይግበረልና እዩ። (ቲቶስ 3:2) ኣብ ኣገልግሎትና ልእመት ነርኢ ኢና። እቶም መንፈሳዊ ብቕዓታት ዘለዎም: ንሓደ ዚጋገ ሰብ “ብህዱእ መንፈስ” ገይሮም ኬቕንዕዎ እዮም ተማዒዶም። (ገላትያ 6:1) “ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን” ኵላትና ንክርስትያናዊ ሓድነትን ሰላምን ኣበርክቶ ንገብር ኢና። (ኤፌሶን 4:1-3) ወትሩ ብመንፈስ እንተ ተመላሊስናን ርእስና እንተ ገቲእናን: ህድኣት ወይ ልእመት ከነርኢ ንኽእል ኢና።

23, 24. ርእስኻ ምግታእ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚሕግዘና፧

23 ርእስና ምግታእና ንሓሳባትናን ዘረባናን ተግባራትናን ንኽንቈጻጸር ይሕግዘና። የሆዋ ምስቶም ንየሩሳሌም ዘጥፍኡ ባቢሎናውያን ኣብ ዝነበሮ ርክብ ‘ነፍሱ መሊኹ’ ወይ ርእሱ ገቲኡ እዩ። (ኢሳይያስ 42:14) ወዱ እውን መከራ ኺወርዶ ኸሎ ርእሱ ብምግታእ ‘ኣርኣያ ሓዲጉልና’ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ ንክርስትያናት ብጾቱ ‘ኣብ ፍልጠት: ምግታእ ርእስኻ ኺውስኹ’ መኸሮም።—1 ጴጥሮስ 2:21-23፣ 2 ጴጥሮስ 1:5-8

24 ክርስትያን ሽማግለታት ርእሶም ዚገትኡ ኪዀኑ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። (ቲቶስ 1:7, 8 ትርጕም 1990) ከም ሓቂ እኳ: ኵሎም ብመንፈስ ቅዱስ ዚምርሑ ዘበሉ ርእሶም ኪገትኡ: ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ካብ ስነ-ምግባራዊ ርኽሰት: ጽዩፍ ዘረባ: ወይ ካብ ዝዀነ ይኹን የሆዋ ዚጸልኦ ነገር ኪርሕቑ ይኽእሉ እዮም። መንፈስ ኣምላኽ ኣባና ምግታእ ርእሲ ንኼፍሪ እንተ ፈቒድናሉ: ኣምላኽ ዚፈትዎ ዘረባን ኣካይዳን ስለ ዚህልወና: እዚ ንኻልኦት ብግህዶ ይርአ እዩ።

ብመንፈስ ተመላለስ

25, 26. ብመንፈስ ምምልላስ ነዚ ሕጂ ዘሎ ርክባትናን ንናይ መጻኢ ተስፋናን ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

25 ብመንፈስ እንተ ተመላሊስና: ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 18:24-26) ንዚቐርቡና ባህ ከነብሎም ኢና: ምናዳ ንኣምላኽ ውፉያት ዝዀኑ ሰባት ተሓጒሶም እዮም ዚቐርቡና። ብመንፈስ ቅዱስ ስለ እንምራሕ: ነቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾትና ምንጪ መንፈሳዊ ምትብባዕ ንዀኖም ኢና። (ፊልጲ 2:1-4) እዝስ ኵሎም ክርስትያናት ዚደልይዎዶ ኸይኰነ፧

26 ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም: ብመንፈስ ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን። (1 ዮሃንስ 5:19) ይኹን እምበር: ሎሚ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ብመንፈስ ይመላለሱ ኣለዉ። ብምሉእ ልብና ብየሆዋ እንተ ተኣሚንና: ሕጂ ብህይወትና ኽንሕጐስ ኢና: ንዘለኣለም ከኣ በቲ ጽድቃዊ መገድታት እቲ ወሃቢ መንፈስ ቅዱስ ክንመላለስ ኢና።—መዝሙር 128:1፣ ምሳሌ 3:5, 6

እንታይ እዩ መልስኻ፧

• ‘ብመንፈስ ምምልላስ’ ነቲ ምስ ኣምላኽን ወዱን ዘሎና ርክብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

• ፍረ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ባህርያት የጠቓልል፧

• ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ከነርእየሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

• ብመንፈስ ምምልላስ ነዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትናን ንመጻኢ ተስፋናን ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንኸነፍቅሮም ይድርኸና

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ብሓጋዚ ቓላትን ግብርታትን ለውሃት ኣርኢ