ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመዓልቲ የሆዋ ብትዕግስቲ ተጸበ

ንመዓልቲ የሆዋ ብትዕግስቲ ተጸበ

ንመዓልቲ የሆዋ ብትዕግስቲ ተጸበ

‘ኣብ እምነትኩም ዓቕሊ ወስኹ።’—2 ጴጥሮስ 1:5, 6

1, 2. ትዕግስቲ እንታይ እያ፧ ንክርስትያናት እተድልዮምከ ስለምንታይ እዩ፧

 እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኣዝያ ቐሪባ እያ። (ዮኤል 1:15፣ ጸፎንያስ 1:14) ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንምዕቃብ ቈራጽነት ዝገበርና ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ድማ ነቲ ልዑላውነት የሆዋ ዚረጋገጸሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ብምኽንያት እምነትና ጽልእን ውርደትን መስጐጕትን ሞትን የጋጥመና እዩ። (ማቴዎስ 5:10-12፣ 10:22፣ ራእይ 2:10) ነዚ ዅሉ ንምጽማም ትዕግስቲ: ማለት ንጸበባ ናይ ምጻር ክእለት የድልየና እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ‘ኣብ እምነትኩም ዓቕሊ ወስኹ’ ኢሉ ተማሕጸኑና ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 1:5, 6) የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” ስለ ዝበለ ድማ ትዕግስቲ ብሓቂ ተድልየና እያ።—ማቴዎስ 24:13

2 ኣብ ርእሲ እዚ: ሕማም: ሞት እነፍቅሮ ሰብ: ከምኡውን ካልእ ፈተናታት የጋጥመና እዩ። እምነትና እንተ ላሕሊሓ: ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ! (ሉቃስ 22:31, 32) ብሓገዝ የሆዋ ግን: ንበበይኑ ዝዓይነቱ ፈተናታት ክንዕገሶ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 5:6-11) ንመዓልቲ የሆዋ ብትዕግስትን ነቕ ብዘይትብል እምነትን ክንጽበያ ኸም እንኽእል ዜርኢ ናይ ሓቂ ተመክሮታት እስከ ንርአ።

ሕማም ኣይዓገቶምን

3, 4. ሕማም እናሃለወ ኽነሱ: ንየሆዋ ብተኣማንነት ከነገልግሎ ኸም እንኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

3 ኣምላኽ ኣብዚ እዋን እዚ ብተኣምራት ገይሩ ኣየሕውየናን እዩ: ነቲ ሕማምና ንኽንጾሮ ግን ጽንዓት ይህበና እዩ። (መዝሙር 41:1-3) ሻሮን “ብሽክለታ ስንኩላን ካባይ ተፈልያ ኣይትፈልጥን እያ። ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ: ሓንጎላዊ መልመስቲ ነቲ ናይ ቍልዕነት ሓጐሰይ ኣጥፊኡለይ እዩ” በለት። ብዛዕባ የሆዋ ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ ምሉእ ጥዕና ኸም ዚህሉ ዚገልጽ መብጽዓ ምፍላጣ ግን ተስፋ ኸም ዚህልዋ ገበረ። ክትዛረብን ክትከይድን ዚጽግማ እኳ እንተ ዀነ: በቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ግን ሓጐስ ትረክብ እያ። ቅድሚ 15 ዓመት ከምዚ በለት:- “ጥዕናይ እናኣንቈልቈለ እኳ እንተ ኸደ: ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ ትውክልትን ምስኡ ዘሎኒ ርክብን ግን ኣብ ህይወተይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ማእከል ህዝቢ የሆዋ ምዃነይን ነቲ ቐጻሊ ሓገዙ ምርካበይን ድማ የሐጕሰኒ እዩ።”

4 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት “ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከተተባብዕዎም” ኢሉ መዓዶም። (1 ተሰሎንቄ 5:14 ትርጕም 1990) ከቢድ ጓሂ: ጭንቀት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ብ1993 ሻሮን ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ዓብዪ ጌጋ ዝገበርኩ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ: . . . ንሰለስተ ዓመት ኣብ ዓሚቝ ጭንቀት ጠሓልኩ። . . . እቶም ሽማግለታት የጸናንዑንን ይመኽሩንን ነበሩ። . . . የሆዋ ብዛዕባ ብርቱዕ ጭንቀት ዚገልጽ ትምህርቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኣውጽአ። ብሓቂ ንህዝቡ ይሓልየሎምን ስምዒታትና ይርድኦን እዩ።” (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ሻሮን ሕጂ እውን ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እናተጸበየት ንየሆዋ ብተኣማንነት ተገልግሎ ኣላ።

5. ክርስትያናት ከቢድ ጭንቀት ብትዕግስቲ ኺጾሩ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

5 ገሊኦም ክርስትያናት ብምኽንያት እቲ ቐደም ኣብ ህይወቶም ዘሕለፍዎ ነገራት ኣዝዮም ይጭነቑ እዮም። ሃርሊ ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ብርቱዕ ውግእ ብምርኣዩ: ለይቲ ይብህርር ነበረ። ደቂሱ ኸሎ ኸኣ “ተጠንቀቕ! ተጠንቀቕ!” ኢሉ ይጭድር ነበረ። ብረሃጽ ጠስጢሱ ኸኣ ይበራበረ ነበረ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ዚፈትዎ ህይወት ኪመርሕ ከኣለ: ድሕሪ ግዜ ድማ ጻዕቅን ብዝሕን እቲ ሕልሚ እናነከየ ኸደ።

6. ሓደ ክርስትያን ስምዒታዊ ጸገም ዘጋጠሞ ብኸመይ እዩ፧

6 ሓደ ባይፖላር ዲስኦርደር ዚበሃል ሕማም ዘለዎ ክርስትያን: ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ኣዝዩ ኸበዶ። ንሱ ግን ነዚ ንጥፈት እዚ ኣየቋረጾን፣ ከመይሲ: ኣገልግሎት ንዕኡን ነቶም ኣወንታዊ ምላሽ ዚህቡ ሰባትን ህይወት ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ሓድሓደ ግዜ ደወል ምድዋል እኳ ይኸብዶ እንተ ነበረ: ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚገብሮ ነገራት ግን ከምዚ በለ:- “ቍሩብ አዕርፍ ኣቢለ: ስምዒታተይ ተቘጻጺረ ናብታ ቐጺላ ዘላ ማዕጾ ብምኻድ እንደገና እፍትን። ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ብምቕጻለይ መንፈሳዊ ጥዕናይ ክዕቅብ ክኢለ እየ።” ኣብ ኣኼባታት ምክፋል እውን ኣዝዩ ይኸብዶ ነበረ፣ ኰይኑ ግን: መንፈሳዊ ሕብረት ኣድላዪ ምዃኑ ስለ ዚኣምን: ኣብኡ ንኺእከብ ዝከኣሎ ጻዕሪ ይገብር።—እብራውያን 10:24, 25

7. ገሊኦም ሰባት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምዝራብ ወይ ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ዜፍርሆም እኳ እንተ ዀነ: ብኸመይ እዮም ትዕግስቲ ዜርእዩ፧

7 ገሊኦም ክርስትያናት ንሓደ ዅነታት ወይ ንሓደ ነገር ክቱር ፍርሂ ኣለዎም። ንኣብነት: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኺዛረቡ ወይ እውን ኣብ ኣኼባታት ኪካፈሉ ይፈርሁ ይዀኑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሓሳብ ኪህቡ ወይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ኬቕርቡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚፈርሁ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ይኹን እምበር: ትዕግስቲ የርእዩ እዮም፣ ናብ ኣኼባታት ምምጻኦምን ኣብኡ ምስታፎምን ድማ ኣዚና ኢና እነማስወሉ።

8. ስምዒታዊ ጸገማት ንምጽዋር ብፍላይ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል እንታይ እዩ፧

8 ሓደ ሰብ ዝያዳ ምዕራፉን ምድቃሱን ንስምዒታዊ ጸገማት ንኺዕገስ ኪሕግዞ ይኽእል ይኸውን። ሕክምናዊ ሓገዝ እውን ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ። ካብዚ ዅሉ ንላዕሊ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል ግን: ብጸሎት ኣብ ኣምላኽ ምውካል እዩ። መዝሙር 55:22 “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ትብል። እምበኣር: “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን።”—ምሳሌ 3:5, 6

ሞት እተፍቅሮ ሰብ ዜስዕቦ ሓዘን ምኽኣሉ

9-11. (ሀ) እነፍቅሮ ሰብ ምስ ሞተ ንዚስምዓና ሓዘን ንኽንክእሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) እቲ ሃና ዝሓደገቶ ኣብነት: ሞት እነፍቅሮ ሰብ ንዜስዕቦ ሓዘን ንኽንክእሎ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

9 ሞት ንኣባላት ስድራቤት ኪፈላልዮም ከሎ: ከቢድ ሓዘን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብርሃም: እታ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ሳራ ምስ ሞተት በኸየላ። (ዘፍጥረት 23:2) እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ እውን ኣልኣዛር ፈታዊኡ ምስ ሞተ: “ነብዔ።” (ዮሃንስ 11:35) ስለዚ: ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ሞተ ምሕዛን ዘሎ ነገር እዩ። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ትንሳኤ ኸም ዘሎ ይፈልጡ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) በዚ ምኽንያት እዚ: ‘ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ኣይሓዝኑን’ እዮም።—1 ተሰሎንቄ 4:13

10 እነፍቅሮ ሰብ ኪመውት ከሎ ኸመይ ጌርና ኢና ነቲ ሓዘን እንኽእሎ፧ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ ፈታዊና ናብ ካልእ ቦታ ገይሹ ንበል፣ ነዚ ምኽንያት ጌርና ግን ብጓሂ ዅምትር ኣይንብልን ኢና: ምኽንያቱ ምስ ተመልሰ ኽንረኽቦ ምዃንና ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ ሓደ ዝሞተ እሙን ክርስትያን ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ምሓዝና: ንሓዘንና ኬቕልሎ ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ: ከም ዚትንስእ ንፈልጥ ኢና።—መክብብ 7:1

11 ኣብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ምሉእ ብምሉእ ምውካልና: ሞት እነፍቅሮ ሰብ ንዜስዕቦ ሓዘን ንኽንክእሎ ኺሕግዘና እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) ነቲ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ሃና ዝስማ መበለት ዝገበረቶ ነገር ምግባርና እውን ኪሕግዘና እዩ። ካብ እትምርዖ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት መበለት ኰነት። ይኹን እምበር: ጓል 84 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን: ኣብቲ ቤተ መቕደስ ንየሆዋ ተገልግል ነበረት። (ሉቃስ 2:36-38) ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ህይወት: ነቲ ሓዘንን ጽምዋን ንኽትክእሎ ኸም ዝሓገዛ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት: እንተላይ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ ምክፋል: ነቲ ሞት እነፍቅሮ ሰብ ዜምጽኦ ሓዘን ንኽንክእሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

እተፈላለየ ፈተናታት ምዕጋስ

12. ገሊኦም ክርስትያናት ነየናይ ምስ ናብራ ስድራቤት ዚተሓሓዝ ፈተና እዮም ተዓጊሶም፧

12 ገሊኦም ክርስትያናት ምስ ናብራ ስድራቤት ዚተሓሓዝ ፈተና ኺዕገሱ ኣለዎም። ንኣብነት: ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ዝሙት ምስ ዚፍጽም: ከመይ ዝበለ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ኰን እዩ ዜምጽእ! ብሰንኪ ስምባድን ጓህን: እቲ እተኸድዐ መጻምድቲ ድቃስ ይኣብዮ: ብዘይምቍራጽ ድማ ይበኪ ይኸውን። ነቲ ቐሊል ዚበሃል ነገራት ምግባር ስለ ዜጨንቖ: ኪጋገ ወይ ሓደጋ ኼጋጥሞ ይኽእል እዩ። እቲ ንጹህ መጻምድቲ: ምግቢ ይኣብዮ: ክብደት ይንኪ: ከምኡውን ይጭነቕ ይኸውን። ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ምክፋል ከኣ ይኸብዶ ይኸውን። እቶም ውሉዳት እውን እንተ ዀኑ በዚ ይጽለዉ እዮም።

13, 14. (ሀ) ካብቲ ሰሎሞን ኣብ ጽምብል ቤተ መቕደስ ዝጸለዮ ጸሎት እንታይ ምትብባዕ ረኺብካ፧ (ለ) ስለምንታይ ኢና መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና እንጽሊ፧

13 ከምዚ ዓይነት ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ: የሆዋ ሓገዝ ይህበና እዩ። (መዝሙር 94:19) ኣብቲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ጽምብል ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝጸለዮ ጸሎት ከም እተራእየ: ኣምላኽ ንጸሎት ህዝቡ ይሰምዕ እዩ። ሰሎሞን ከምዚ በለ:- “ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ቍስሊ ልቡ እተፈለጦ: ዚጽልዮ ዅሉ ጸሎትን ኵሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ: ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ: ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ ይቕረ ኸኣ በል ግበር ድማ: ንልቢ ዅሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ: ኣብታ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኵለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻስ: ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ: ከከም መገዱ ሀቦ።”—1 ነገስት 8:38-40

14 ብፍላይ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ብዘይምቍራጽ ምጽላይና ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። (ማቴዎስ 7:7-11) ከመይሲ: ፍረ መንፈስ ነተን ከም ሓጐስን ሰላምን ዝኣመሰላ ባህርያት ዜጠቓልል እዩ። (ገላትያ 5:22, 23 ትርጕም 1990) እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንጸሎትና ኺምልሶ ኸሎ: ሓጐስ ንጓሂ: ሰላም ድማ ንጭንቀት ስለ ዚትክኦ: ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ዀን ኢና እንረክብ!

15. ጭንቀትና ንምንካይ ኪሕግዘና ዚኽእል ጥቕስታት ኣየናይ እዩ፧

15 ከቢድ ውጥረት ኬጋጥመና ኸሎ: እተወሰነ ጭንቀት ምህላው ዘይተርፍ እዩ። ይኹን እምበር: ነተን “ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ: . . . ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ዚብላ ቓላት የሱስ እንተ ዘኪርናየን እቲ ጭንቀት ኪንኪ ይኽእል ይኸውን። (ማቴዎስ 6:25, 33, 34) ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ [ኣብ ኣምላኽ] ኣውድቕዎ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ንሓደ ጸገም ንምፍታሕ ጻዕሪ ምግባር ግቡእ እዩ። ዝከኣለና ምስ ገበርና ግን: ጸሎት ደኣ እዩ ዚሕግዘና እምበር: ጭንቀት ዋላ ሓንቲ ፋይዳ የብሉን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ: ኣብኡ ተወከል: ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 37:5

16, 17. (ሀ) ካብ ጭንቀት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዘይኰንና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ፊልጲ 4:6, 7 ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናያ እንታይ ኢና እንረክብ፧

16 ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) ሓቂ እዩ: እቶም ዘይፍጹማት ዘርኢ ኣዳም ምሉእ ብምሉእ ካብ ጭንቀት ናጻ ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። (ሮሜ 5:12) እተን ኤሳው ዘእተወን ሔታውያን ኣንስቲ: ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ወለዱ: ማለት ንይስሃቅን ንርብቃን “ጓሂ ልቢ ዀናኦም።” (ዘፍጥረት 26:34, 35) ንኸም ጢሞቴዎስን ጥሮፊሞስን ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ድማ ሕማም ኣጨኒቕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:23፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:20) ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ይጭነቕ ነበረ። (2 ቈረንቶስ 11:28) እቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ኣምላኽ ግን ኵሉ ግዜ ኣብ ጐድኒ እቶም ዜፍቅርዎ እዩ።—መዝሙር 65:2

17 ንመዓልቲ የሆዋ እናተጸበና ኸለና: ካብቲ “ኣምላኽ ሰላም” ሓገዝን ምጽንናዕን ክንረክብ ኢና። (ፊልጲ 4:9) የሆዋ “መሓርን ጸጋውን:” “ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን:” ከምኡውን “ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” (ዘጸኣት 34:6፣ መዝሙር 86:5፣ 103:13, 14) ስለዚ: ‘ድሌትና ዘበለ ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ፣’ ከምዚ እንተ ጌርና: ካብቲ ሰባት ኪርድእዎ ዚኽእሉ ንላዕሊ ዝዀነ “ሰላም ኣምላኽ” ክንረክብ ኢና።

18. ብመሰረት እቲ ኣብ እዮብ 42:5 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ: ንኣምላኽ ‘ክንርእዮ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ጸሎትና ኺምለሰልና ኸሎ: ኣምላኽ ምሳና ኸም ዝዀነ ንፈልጥ። እዮብ ነቲ ዝወረዶ ፈተናታት ምስ ተዓገሰ: ንየሆዋ “ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ: ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ” በሎ። (እዮብ 42:5) ስለዚ: ብናይ ምርዳእን እምነትን ሞሳን ዓይንና ኣቢልና ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምሳና ዘለዎ ርክብ ከነስተንትን: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ድማ ‘ክንርእዮ’ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝበለ ጥብቂ ርክብ: ናይ ልብን ኣእምሮን ሰላምን ዜምጽእ እዩ!

19. ‘ንዅሉ ሓልዮትና ኣብ የሆዋ እንተ ኣውዲቕናዮ:’ እንታይ ኢና እንረክብ፧

19 ‘ንዅሉ ሓልዮትና ኣብ የሆዋ እንተ ኣውዲቕናዮ:’ እቲ ንልብናን ኣእምሮናን ዚሕሉ ውሽጣዊ ሰላም ስለ ዚህልወና ንፈተናታት ክንዕገሶ ንኽእል ኢና። ምሳልያዊ ልብና ድማ ካብ ሻቕሎት: ፍርሂ: ከምኡውን ካብ ስግኣት ናጻ ኪኸውን እዩ። ኣእምሮና ብዓቕሊ ጽበት ወይ ብጭንቀት ኣይኪርበሽን እዩ።

20, 21. (ሀ) መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ: ህድኣት ኪህልወና ኸም ዚኽእል ናይ እስጢፋኖስ ኣብነት መርትዖ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ፈተናታት ኪዕገሱ ኸለዉ ህድኣት ብዛዕባ ዘርኣዩ ዚገልጽ ዘመናዊ ኣብነታት ሃብ።

20 እቲ ወደ መዝሙር ዝነበረ እስጢፋኖስ ብምኽንያት እምነቱ ንዝወረዶ ሓያል ፈተና ብህድኣት ተዓገሶ። ነቲ ናይ መወዳእታ ምስክርነቱ ቕድሚ ምሃቡ: ነቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝነበሩ “ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።” (ግብሪ ሃዋርያት 6:15) ኣብ ገጹ ልክዕ ከም መልኣኽ: ወይ ልኡኽ ኣምላኽ: ህድኣት ይንበብ ነበረ። እስጢፋኖስ ብሞት የሱስ ተሓተትቲ ምዃኖም ምስ ገለጸ: እቶም ፈረድቲ “ልቦም ነደደ: ኣስናኖም ከኣ ሐርቀሙሉ።” ንሱ ግን “መንፈስ ቅዱስ መልኦ: ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረአየ።” በዚ ራእይ እዚ ብርታዐ ረኺቡ ድማ ክሳዕ ሞት እሙን ኰነ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:52-60) ከምዚ ዝበለ ራእይ ክንርኢ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ ግን እቲ ኣምላኽ ዚህበና ህድኣት ኪልህወና ይኽእል እዩ።

21 ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ብኢድ ናዚ ዝሞቱ ገሊኦም ክርስትያናት ዝበልዎ እስከ ንርአ። ሓደ ኻብኣቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘጋጠሞ ኼዘንቱ ኸሎ ኸምዚ በለ:- “እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ተዋህበ። ነዚ ሰማዕክዎ: ነተን ጐይታና ዝበለን ‘ክሳዕ ሞት እሙን ኩን’ ዚብላን ካልኦት ሒደት ቃላትን ምስ ተዛረብኩ ድማ ኵሉ ነገር ኣብቅዐ። ሕጂ ግን ንሱ ዜገድስ ኣይኰነን። ክትግምትዎ ዘይትኽእሉ ሰላምን ህድኣትን ኣሎኒ!” ሓደ ተቐንጺሉ ዝሞተ ክርስትያን መንእሰይ ንወለዱ: “ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ኣሎ። ሓሳበይ ክቕይር ድማ ግዜ ኣሎኒ። ንጐይታና ኽሒደ ግን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዳግም ሓጐስ ክረክብ እኽእልዶ፧ ፈጺመ ኣይረክብን እየ! ነዛ ዓለም እዚኣ ብሓጐስን ብሰላምን እሓድጋ ኸም ዘለኹ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈሎም። የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዚድግፎም ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ክትዕገስ ትኽእል ኢኻ!

22, 23. ንመዓልቲ የሆዋ ብትዕግስቲ ኽትጽበ ኸለኻ: እንታይ ከም እትረክብ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧

22 ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዓይነት ፈተናታት ኣየጋጥመካን ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ እዮብ: “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ” ኺብል ከሎ ሓቁ እዩ። (እዮብ 14:1) ምናልባት ንደቅኻ መንፈሳዊ መምርሒ ንምሃብ ኣበርቲዕካ ትዓዪ ዘለኻ ወላዲ ትኸውን። ውሉዳትካ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥሞም ፈተናታት ኪዋጽኡሉ እኳ እንተ ኣለዎም: ኣብ ጐድኒ የሆዋን ጽድቃዊ ስርዓታቱን ደው ኪብሉ ኸለዉ ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢኻ እትሕጐስ! ምናልባት ኣብቲ እትሰርሓሉ ቦታ ጸገማትን ፈተናታትን የጋጥመካ ይኸውን። ኰይኑ ግን: የሆዋ ‘ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር ስለ ዘሎ:’ ነዝን ንኻልእ ኵነታትን ክትዕገሶ ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 68:19

23 ንርእስኻ ኸም ተራ ሰብ ጌርካ ትርእያ ትኸውን: የሆዋ ግን ነቲ ዝገበርካዮ ነገራትን ንቕዱስ ስሙ ዘርኣኻዮ ፍቕርን ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። (እብራውያን 6:10) በቲ ንሱ ዚህበካ ሓገዝ: ነቲ ብምኽንያት እምነትካ ዚመጸካ ፈተናታት ክትዕገሶ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ: ኣብ ጸሎትካን ኣብ እተውጽኦ መደብን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርካ ቐጽል። ንመዓልቲ የሆዋ ብትዕግስቲ ኽትጽበ ኸለኻ ድማ: መለኮታዊ በረኸትን ሓገዝን ከም እትረክብ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ክርስትያናት ትዕግስቲ እተድልዮም ስለምንታይ እያ፧

• ንሕማምን ንሞት እነፍቅሮ ሰብን ንኽንክእሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

• ጸሎት ንፈተናታት ንኽንዕገስ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ንመዓልቲ የሆዋ ብትዕግስቲ ኽንጽበያ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ የሆዋ ምውካል ሞት እነፍቅሮ ሰብ ዜስዕቦ ሓዘን ንኽንክእሎ ይሕግዘና

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ልባዊ ጸሎት ነቲ ብምኽንያት እምነትና ዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንዕገስ ይሕግዘና