ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ’

‘ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ’

‘ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ’

የሱስ ንሓደ ዕዉር ጸብሪ ገይሩ ድሕሪ ምልካይ “ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም . . . ኬድካ ተሐጸብ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ከምቲ እተኣዘዞ ገበረ: “እናረአየውን ተመልሰ።” (ዮሃንስ 9:6, 7) ቀላይ ሰሊሆም ኣበይ እዩ ነይሩ፧ ኣብዚ ቐረባ እዋን ስነ-ጥንታዊ ርኽበት ብዛዕባ እዚ ቦታ ሓድሽ ሓበሬታ ሃበ።

ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር: ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ቐላይ ሰሊሆም ተባሂሉ ዚፍለጥ ቦታ በጺሖምዎ እዮም: እዚ ቐላይ እዚ እቲ ኣብ ዮሃንስ 9:7 እተጠቐሰ ቐላይ እዩ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ። እቲ ቦታ ኣብ ጫፍ እቲ ብሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. እተሰርሐ 530 ሜተር ዝንውሓቱ ህዝቅያስ ዝሃነጾ መትረብ ዚርከብ እዩ። ይኹን እምበር: እዚ ቐላይ እዚ ኻብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። በቶም እቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ እተጠቐሰ ቐላይ ዝነበረሉ ቦታ እዩ ኢሎም ብጌጋ ዝሓሰቡ ብቢዛንትዩማውያን “ክርስትያናት” እተሃነጸ ድማ እዩ።

ይኹን እምበር: ኣብ 2004 ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ: የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረ ቐላይ ሰሊሆም ኢሎም ዝኣመኑሉ ቦታ ረኺቦም እዮም። ካብቲ ብጌጋ ቐላይ ሰሊሆም ዚበሃል ቦታ: ብደቡብ ምብራቕ ዳርጋ 100 ሜተር ርሒቑ ይርከብ። ከመይ ገይሮም እዮም ረኺቦምዎ፧ ሰበ-ስልጣን እታ ኸተማ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ረሳሕ ፈሳሲ መመሓላለፊ ቱቦ ኺጽግኑ ኣድልይዎም ነበረ። ስለዚ: ዓበይቲ መሳርሒ ዝሓዙ ሰራሕተኛታት ሰደዱ። ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዚሰርሕ ዝነበረ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ኪዅዕቱ ኸለዉ ይርእዮም ነበረ: ክልተ መደያይቦ ድማ ረኣየ። እቲ ስራሕ ደው በለ: ብዓል መዚ ቕርስታት እስራኤል ከኣ ነቲ ኸባቢ ንኺፈሓር ፈቐደ። ሓደ ወገን እቲ ቐላይ ዳርጋ 70 ሜተር ዚኣክል ንውሓት ኣለዎ: ክልተ ዅርናዕ ድማ ዛጊት ተፋሒሩ ኣሎ።

እቲ ቦታ ኺፈሓር ከሎ እተረኸበ ገለ ሰናቲም እውን ኣይሁዳውያን ካብ ሮሜ ኣብ ዝዓለዉሉ ኻልኣይን ሳልሳይን ራብዓይን ዓመት ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። እቲ ናዕቢ ኣብ መንጎ 66 ከምኡውን 70 ድ.ክ. ዝነበረ እዩ። እዚ ሰናቲም እዚ: ቀላይ ሰሊሆም ክሳዕ እቲ የሩሳሌም ብሮማውያን ዝዓነወትሉ እዋን ክሳዕ 70 ድ.ክ. ከም ዝነበረ መርትዖ ይኸውን እዩ። እታ ቢብሊካል ኣርኪኦሎጂ ሪቪው ዘርእስታ መጽሔት ነዚ ኸተጠቓልሎ ኸላ ኸምዚ በለት:- “እቲ ቐላይ ክሳዕ መወዳእታ እቲ ናዕቢ የገልግል ነበረ: ብድሕሪኡ ግን ኣገልግሎቱ ኣቋረጸ። እዚ ኻብ የሩሳሌም እቲ ዝተሓተ ስፍራ ዝነበረ ቦታ: ክሳዕ ዘመን ቢዛንትዩም ሰብ ኣይነብረሉን ነበረ። ኣብ ዓዓመት እቲ ዚወቅዕ ዝናም ካብ ስንጭሮ ሒዝዎ ዚመጽእ ዋሕዚ ነቲ ቐላይ ብተወሳኺ ጭቃ ይደብዮ ነበረ። ሮማውያን ነታ ኸተማ ድሕሪ ምጥፍኦም እውን ኣይተጸርገን ነይሩ። ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ብዙሕ ጭቃ ስለ እተዋህለለ: እቲ ቐላይ በብቕሩብ ጠፍአ። እቶም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ነቲ ቦታ ዳርጋ ኣብ ትሕቲ 3 ሜተር ዝቝመቱ ጭቃ እዮም ረኺቦምዎ።”

ንናይ ሓቂ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ቀላይ ሰሊሆም ኣበይ ይርከብ ምንባሩ ዜገድሶም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: ብዛዕባ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት የሩሳሌም ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ብዙሕ ግዜ እተጠቕሰ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዝሓሸ ምርዳእ ኪረኽቡ ስለ ዚሕግዞም እዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሓድሽ እተረኽበ ቐላይ ሰሊሆም

[ምንጪ ስእሊ]

© 2003 BiblePlaces.com