ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መንፈስ ቅዱስ ሓጢእካ ዲኻ፧

ኣብ መንፈስ ቅዱስ ሓጢእካ ዲኻ፧

ኣብ መንፈስ ቅዱስ ሓጢእካ ዲኻ፧

“ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት አሎ።”—1 ዮሃንስ 5:16

1, 2. ኣብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኪሕጣእ ከም ዚከኣል ብኸመይ ንፈልጥ፧

 ሓንቲ ኣብ ጀርመን እትነብር ሰበይቲ: ንኣምላኽ እናኣገልገለት ክነሳ: “ኣብ መንፈስ ቅዱስ ሓጢአ ኸይከውን ዚብል ሓሳብ የጨንቐኒ ኣሎ” ኢላ ጸሓፈት። ሓደ ክርስትያን ኣብቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኪሓጥእ ይኽእል ድዩ፧

2 እወ: ኣብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኪሕጣእ ይከኣል እዩ። የሱስ ክርስቶስ: “ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ: ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን” በለ። (ማቴዎስ 12:31) “ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና: ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና: ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርዲ . . . ኪኸውን እዩ እምበር: ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 10:26, 27) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን “ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:16) ኰይኑ ግን: “ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት” ከም ዝፈጸመ ዚውስን እቲ ኸቢድ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ድዩ፧

ንስሓ: ሕድገት የምጽእ

3. ብዝገበርናዮ ሓጢኣት ኣመና እንተ ጕሂና: እዚ እንታይ ኬመልክት ይኽእል፧

3 የሆዋ ንኣበስቲ ዚፈርዶም ካብ ኵሉ ዝለዓለ ፈራዲ እዩ። እወ: ኵላትና ንዕኡ ጸብጻብ ንህብ ኢና: ንሱ ድማ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ እዩ ዚገብር። (ዘፍጥረት 18:25፣ ሮሜ 14:12) ይቕረ ዘይበሃል ሓጢኣት እንተ ጌርና ወይ እንተ ዘይጌርና ዚውስን የሆዋ እዩ: መንፈሱ ኼግድፈና ዚኽእል እውን ንሱ እዩ። (መዝሙር 51:11) ይኹን እምበር: በቲ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ኣመና እንተ ጕሂና: ብሓቂ ኸም እተነሳሕና ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ሓቂ ንስሓ ግን እንታይ እዩ፧

4. (ሀ) ንስሓ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ኣብ መዝሙር 103:10-14 ዚርከብ ቃላት ኣዝዩ ዜጸናንዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ምንሳሕ ኪበሃል ከሎ: ብዛዕባ ዝፈጸምናዮ ወይ ክንፍጽሞ ዝሓለንናዮ ኣበሳ ዝነበረና ኣረኣእያ ምቕያር ማለት እዩ። በቲ ሓጥእ መገዲ ጕሂና ወይ ተጣዒስና ኻብኡ ንምለስ ማለት እዩ። ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና: ግን ከኣ ብሓቂ ኸም እተነሳሕና ዜርኢ ስጕምቲ እንተ ወሲድና: “[የሆዋ] ኸም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን: ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል: ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ: ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም: ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ዚብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ።—መዝሙር 103:10-14

5, 6. ቀንዲ ነጥብታት እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:19-22 ዚርከብ ቃላት ጥቐስ: እቲ ሃዋርያ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ድማ ግለጽ።

5 እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ቓላት እውን ዜጸናንዕ እዩ:- “ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና: ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ: ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ: ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣቱም ፍቁራተይ: ልብና እንተ ዘይነቐፈና: ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና። ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና: ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና።”—1 ዮሃንስ 3:19-22

6 ሕውነታዊት ፍቕሪ ብምርኣይን ሓጢኣት ብዘይምዝውታርን: “ካብ ሓቂ ምዃንና” ንፈልጥ ኢና። (መዝሙር 119:11) ብገለ ምኽንያት ንርእስና እንተ ዀኒንና: “ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን” ከም ዝዀነ ኽንዝክር ኣሎና። የሆዋ ነታ ‘ግብዝና ዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋትና:’ ነቲ ምስ ሓጢኣት እንገብሮ ቓልሲ: ከምኡውን ነቲ ፍቓዱ ንኽንገብር እንገብሮ ጻዕሪ ስለ ዚፈልጥ: ምሕረት ይገብረልና እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:22) ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልናን ሕውነታዊ ፍቕሪ እንተ ኣርኢናን ደይ መደይ ኢልና ሓጢኣት እንተ ዘየዘውቲርናን: ልብና ‘ኣይነቕፈናን’ እዩ። ብጸሎት ንኽንዛረቦ “ኣብ ኣምላኽ ትብዓት” ይህልወና: ትእዛዛቱ ስለ እንሕሉ ድማ ንሱ ይምልሰልና እዩ።

ኣብቲ መንፈስ ሓጥኡ

7. ሓጢኣት ይቕረ ዚበሃል ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ዚውሰን ብምንታይ እዩ፧

7 እንታይ ዓይነት ሓጢኣት እዩ ይቕረ ዘይበሃል፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ: ገለ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነታት እስከ ንርአ። ብሓቂ እንተ ተነሲሕና: ግን ከኣ በቲ ኸቢድ በደልና ገና ብዙሕ እንጕሂ እንተ ዄንና: እዚ ቐጺልና እንርእዮ ኣብነታት ኬጸናንዓና እዩ። ሓጢኣት ይቕረ ዚበሃል ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ዚውሰን: በቲ ዓይነት እቲ ሓጢኣት ኣይኰነን፣ የግዳስ: ድራኸን ኵነታት ልብን እቲ ሰብ ከምኡውን ክሳዕ ክንደይ ፈትዩ ኸም ዝገበሮ ዚብል ረቛሒታት እዩ ዚውስኖ።

8. ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዝሓጥኡ ብኸመይ እዮም፧

8 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ንየሱስ ክርስቶስ ኣበርቲዖም እተጻረርዎ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ: ኣብ መንፈስ ቅዱስ እዮም ዚሓጥኡ ነይሮም። የሱስ ንየሆዋ ዜኽብሮ ተኣምራት ኪገብር ከሎ: መንፈስ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ኺዓዪ ኸሎ ርእዮም እዮም። ኰይኑ ግን: እዞም ጸላእቲ ክርስቶስ ነዚ ሓይሊ እዚ ኻብ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዝመጸ ገይሮም ተዛረቡ። ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ እምበኣር: እቶም ንናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዚጻረፉ: “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ: ኣብታ እትመጽእ ኰነ” ዘይሕደግ ሓጢኣት እዮም ዚፍጽሙ ነይሮም።—ማቴዎስ 12:22-32

9. ጸርፊ ኺበሃል ከሎ እንታይ እዩ፧ የሱስከ ብዛዕባኡ እንታይ በለ፧

9 ጸርፊ ኺበሃል ከሎ: ዜጸልም: ዚሃሲ: ወይ ዚጐድእ ዘረባ ምዝራብ ማለት እዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ስለ ዚምንጭ: ኣብቲ መንፈሱ ሕማቕ ምዝራብ: ኣብ የሆዋ ሕማቕ ከም ምዝራብ ጌርካ እዩ ዚርአ። ከምዚ ዓይነት ዘረባ ተዛሪብካ ዘይምንሳሕ: ይቕረ ዚበሃለሉ ጕዳይ ኣይኰነን። ቃላት የሱስ ከም ዚሕብሮ: ብዛዕባ እቶም ብፍታዎም ንዕዮ እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዚጻረሩ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ከመይሲ: መንፈስ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ይዓዪ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ተጻረርቱ ግን ካብ ድያብሎስ ከም ዝመጸ እዮም ተዛሪቦም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ መንፈስ ብምጽራፍ ሓጢኣት ገበሩ። ስለዚ: የሱስ “እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢኣቱ ንዘለኣለም ይዅንኖ እምበር: ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ።—ማርቆስ 3:20-29

10. የሱስ ንይሁዳ “ወዲ ጥፍኣት” ኢሉ ዝጸውዖ ስለምንታይ እዩ፧

10 ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚምልከት ጕዳይ እስከ ንርአ። ካብቲ ብሕድሪ እተዋህቦ ማሕፉዳ ብምስራቕ: መገዲ ምትላል ሰዓበ። (ዮሃንስ 12:5, 6) ጸኒሑ ይሁዳ ናብ ገዛእቲ ኣይሁድ ብምኻድ: ንየሱስ ብ30 ቅርሺ ኣሕሊፉ ኺህቦ ተሰማምዐ። ልክዕ እዩ: ይሁዳ ንየሱስ ኣሕሊፉ ድሕሪ ምሃቡ ተጣዒሱ እዩ: በቲ ዀነ ኢሉ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ግን ኣይተነስሐን። በዚ ምኽንያት እዚ: ትንሳኤ ዚግብኦ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ የሱስ “ወዲ ጥፍኣት” ኢሉ ጸውዖ።—ዮሃንስ 17:12፣ ማቴዎስ 26:14-16

ኣብቲ መንፈስ ኣይሓጥኡን

11-13. ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ እንታይ ሓጢኣት እዩ ዝፈጸመ፧ ካብቲ ኣምላኽ ነቲ ጕዳይ ዝሓዘሉ መገዲኸ እንታይ ምጽንናዕ ኪርከብ ይከኣል፧

11 ከቢድ ሓጢኣቶም እተናዘዙን ካብ ሽማግለታት ጉባኤ መንፈሳዊ ሓገዝ እተዋህቦምን ክርስትያናት: ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓሶም ሓድሓደ ግዜ ይጭነቑ እዮም። (ያእቆብ 5:14) በዚ ኸምዚ ንርበሽ እንተ ዄንና: ብዛዕባ እቶም ሓጢኣቶም እተሓድገሎም መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ብምምርማር ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

12 ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ ሰበይቲ ኡርያ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ እዩ። ነዛ መልክዐኛ ሰበይቲ ነብሳ ኽትሕጸብ ከላ ኣብ ናሕሱ ዀይኑ ምስ ረኣያ: ናብ ቤተ-መንግስቱ ልኢኹ ኣምጺኡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ፈጸመ። ጸኒሑ ጥንስቲ ምዃና ምስ ተነግሮ: ነቲ ዝሙት ንምሽፋን ንኡርያ ሰብኣያ ምስኣ ንኺድቅስ ውዲት ኣለመ። እቲ ውዲት እቲ ምስ ፈሸለ: ንኡርያ ኣብ ኲናት ከም ዚቕተል ገበሮ። ድሕሪኡ: ባትሴባ ሰበይቲ ዳዊት ኰነት: ወዲ ወለደትሉ: እቲ ወዲ ድማ ጸኒሑ ሞተ።—2 ሳሙኤል 11:1-27

13 የሆዋ ነቲ ንዳዊትን ንባትሴባን ዚምልከት ጕዳያት ሒዝዎ ነበረ። ኣምላኽ ንዳዊት ይቕረ በለሉ: ከምዚ ኺገብር ከሎ ኸኣ ንንስሓኡን ምስኡ ዝኣተዎ ኺዳን መንግስትን ካልእ ረቛሒታትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኪኸውን ኣለዎ። (2 ሳሙኤል 7:11-16፣ 12:7-14) ባትሴባ እውን ኣደ ንጉስ ሰሎሞንን ዓባዩ ንየሱስ ክርስቶስን ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ስለ ዝረኸበት: ተነሲሓ ኽትከውን ኣለዋ። (ማቴዎስ 1:1, 6, 16) ሓጢኣት እንተ ጌርና: የሆዋ ነቲ ንስሓና ኣብ ግምት ከም ዜእትዎ ኽንዝክር ኣሎና።

14. የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ይቕረ ኸም ዚብል ኣብቲ ንንጉስ ምናሴ ዚምልከት ጕዳይ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

14 ኣብቲ ንምናሴ ንጉስ ይሁዳ ዚምልከት ጕዳይ እውን: የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ይቕረ ኸም ዚብል ተራእዩ እዩ። ምናሴ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽፉእ ገበረ። ንበዓል መሰውኢታት ኣቘመ: “ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ” ኣምለኾም: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ ክልተ ኣጸድ እቲ ቤተ መቕደስ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ መሰውኢታት ሰርሐ። ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም: ሓተታ መናፍስቲ ኺግበር ኣተባብዐ: ንተቐማጦ ይሁዳን የሩሳሌምን “ካብ ናይ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝገደደ ኺገብሩ ኣስሐቶም።” ኣብቲ ግዜ እቲ: ነቲ ብነብያት ኣምላኽ እተዋህበ መጠንቀቕታ ዜቕልበሉ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ: ንጉስ ኣሶር ንምናሴ ማሪኹ ወሰዶ። ኣብ ምርኮ ኸሎ: ምናሴ ተነስሐ: ብትሕትና ናብ ኣምላኽ ተማህለለ። ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣቱ ሓደገሉ: ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት መንግስቱ እውን መለሶ፣ ኣብኡ ድማ ምናሴ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣስፍሐ።—2 ዜና መዋእል 33:2-17

15. ንጴጥሮስ ዘጋጠሞ እንታይ ነገራት እዩ የሆዋ ‘ኣዝዩ ይቕረ ኸም ዚብል’ ዚሕብረና፧

15 ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ ብምኽሓድ ከቢድ ሓጢኣት ፈጸመ። (ማርቆስ 14:30, 66-72) ይኹን እምበር: የሆዋ ንጴጥሮስ ‘ኣዝዩ ይቕረ በለሉ።’ (ኢሳይያስ 55:7) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ጴጥሮስ ብሓቂ ተነሲሑ እዩ። (ሉቃስ 22:62) ድሕሪ 50 መዓልቲ: ጴጥሮስ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ብዛዕባ የሱስ ብትብዓት ኪምስክር ፍሉይ ኣጋጣሚ ምስ ተዋህቦ: ኣምላኽ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ንጹር መርትዖ ዀነ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-36) እሞ ደኣኸ ኣምላኽ ሎሚ ነቶም ብሓቂ ዚንስሑ ክርስትያናት ከም ዚሓድገሎም ዜጠራጥር ድዩ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧ . . . ይቕሬታ ምሳኻ አሎ” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 130:3, 4

ካብቲ ብዛዕባ ሓጢኣት ዘሎና ፍርሂ ምንጋፍ

16. ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ሕድገት ሓጢኣት ዚገብር፧

16 እዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ሓጢእና ኸይንኸውን ዚብል ጭንቀትና ኼፋዅሰልና ኣለዎ። የሆዋ ንእተናስሑ ሓጥኣን ይቕረ ኸም ዚብል ርኢና ኢና። ናብ ኣምላኽ ብዕቱብ ምጽላይ: ቀዳምነት ዚወሃቦ እዩ። እንተ ሓጢእና: ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስን ምሕረት የሆዋን: ከምኡውን ነቲ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምናን ነቲ ኣቐዲምና ብተኣማንነት ዝገበርናዮ ኣገልግሎትን ኣብ ግምት ብምእታው ይቕረ ኺበሃለልና ኽንልምን ንኽእል ኢና። ጸጋ የሆዋ ስለ እንፈልጥ: ንሱ ሓጢኣትና ኸም ዚሓድገልና ብምትእምማን ክንልምኖ ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 1:7

17. ሓጢኣት እንተ ጌርና እሞ መንፈሳዊ ሓገዝ እንተ ኣድልዩና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

17 ሓጢኣት ምስ ገበርና: ብሰንኪ እቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ብመንፈሳዊ መዳይ ብምሕማምና ኽንጽሊ እንተ ዘይከኣልናኸ፧ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ] ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ: ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር: ዘይቲ እናለኸይዎ: ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ: ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።”—ያእቆብ 5:14, 15

18. ሓደ ሰብ ካብ ጉባኤ እኳ እንተ ተወገደ: ሓጢኣቱ ናይ ግድን ይቕረ ዘይበሃለሉ እዩ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ሓደ ኣባሲ ኣብ ሓደ እዋን ንስሓ ስለ ዘየርኣየ ኻብ ጉባኤ እንተ ተወጊዱ እውን: ሓጢኣቱ ናይ ግድን ይቕረ ዘይበሃለሉ እዩ ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ እተወገደ ቕቡእ ኣባሲ: “ነዚ ኸምዚ ዝበለ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ መግናሕቲ ይአኽሎ። እምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ: ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 2:6-8፣ 1 ቈረንቶስ 5:1-5) ይኹን እምበር: ኣበስቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብቲ ዝነበርዎ ምእንቲ ኺምለሱ: ነቲ ክርስትያን ሽማግለታት ዚህብዎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመስረተ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪቕበሉን ብሓቂ ኸም እተነስሑ መርትዖ ኼርእዩን ኣለዎም። “ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ” ኺገብሩ ኣለዎም።—ሉቃስ 3:8

19. “ብእምነት . . . ጥዑያት” ኴንና ንኽንቅጽል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

19 ኣብ መንፈስ ቅዱስ ሓጢእና ዚብል ስምዒት ከም ዚሓድረና ኺገብር ዚኽእል እንታይ ኣሎ፧ ምሒር ስክፍታ ወይ ጥዕና ምስኣን ረቛሒታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳያት: ጸሎትን ተወሳኺ ዕረፍትን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ንኣምላኽ ምግልጋል ክሳዕ እንሓድጎ ሰይጣን ተስፋ ኬቝርጸና ኽንፈቅድ የብልናን። የሆዋ ብሞት ረሲእ ባህ ስለ ዘይብሎ: ዋላ ሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ኺጠፍእ ከም ዘይሕጐስ እተረጋገጸ እዩ። ስለዚ: ኣብቲ መንፈስ ሓጢእና ኸይንኸውን ዚብል ፍርሂ እንተ ኣሕዲርና: ካብ ቃል ኣምላኽ: እንተላይ ካብቲ ኣብ መዝሙር ዚርከብ ዜጸናንዕ ሓሳባት ምምጋብ ከነቋርጽ የብልናን። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዘውቲርና ኽንካፈል ኣሎና። ከምዚ ምግባርና “ብእምነት . . . ጥዑያት” ንኽንከውን ይሕግዘና: ይቕረ ዘይበሃል ሓጢኣት ፈጺምና ኸይንኸውን ካብ ዚብል ጭንቀት ከኣ የናግፈና።—ቲቶስ 2:2

20. ሓደ ሰብ እንታይ ዚብል ሕቶታት ምምርማሩ እዩ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘይሓጥአ ንኼስተውዕል ዚሕግዞ፧

20 ኣብ መንፈስ ቅዱስ ሓጢኦም ከይኰኑ ዚፈርሁ ሰባት: ‘ንመንፈስ ቅዱስ ጸሪፈ ድየ፧ ብሓቂዶ ኻብ ሓጢኣተይ ተነሲሐ እየ፧ ኣምላኽ ይቕረ ኸም ዚብል እምነት ኣሎኒ ድዩ፧ ንመንፈሳዊ ብርሃን ዝነጸግኩ ኸሓዲ ድየ፧’ ኢሎም ንርእሶም ኪሓቱ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ንናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘይተጻረፉ: ወይ ከሓድቲ ኸም ዘይኰኑ የስተውዕሉ እዮም። ንስሓ ኣርእዮም እዮም: የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብል ከኣ ቀጻሊት እምነት ኣላቶም። ከምኡ እንተ ዀይኖም: ኣብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይሓጥኡን።

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

21 ኣብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘይሓጣእና ርግጸኛ ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ይኹን እምበር: ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ምስዚ ዚዛመድ ሕቶታት ክንምርምር ኢና። ንኣብነት: ንርእስና ‘ብሓቅዶ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እየ ዝምራሕ፧ ፍሪኡ ኣብ ህይወተይ ይርአ ድዩ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።

እንታይ እዩ መልስኻ፧

• ኣብ መንፈስ ቅዱስ ኪሕጣእ ይከኣል እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

• ምንሳሕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብቲ መንፈስ ዝሓጥኡ መን እዮም፧

• ይቕረ ዘይበሃለሉ ሓጢኣት ፈጺምና ኸይንኸውን ካብ ዚብል ጭንቀት ብኸመይ ክንናገፍ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቶም የሱስ ብሓይሊ ሰይጣን ተኣምራት ከም ዝገበረ እተዛረቡ ሰባት ኣብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዮም ሓጢኦም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጴጥሮስ ንየሱስ እኳ እንተ ኸሓዶ: ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ግን ኣይገበረን