ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘይትመውት ነፍሲ ኣላትካዶ፧

ዘይትመውት ነፍሲ ኣላትካዶ፧

ዘይትመውት ነፍሲ ኣላትካዶ፧

ስጋን ደምን ጥራይ ዲና፧ ወይስ ካብዚ ዚድህሰስ ነገራት ንላዕሊ እዩ ዘሎና፧ ህይወትና ሓላፊት ድያ፧ ወይስ ኣብ ውሽጥና ዘላ ዘይትርአ ነገር ድሕሪ ሞት ብህይወት ምንባር ትቕጽል እያ፧

ሃይማኖታት ዓለም ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ነገራት ዜደናግር እምነታት እኳ እንተ ኣለወን: መብዛሕትአን ግን ብሓደ መሰረታዊ ሓሳብ ይሰማምዓ እየን። እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሰብ ሓንቲ ዘይትመውት ነገር ኣላ: ንሳ ኸኣ ድሕሪ ሞት ብህይወት ምንባር ትቕጽል እያ ዚብል እዩ። ብዙሓት ሰባት እዛ “ነገር” እዚኣ ነፍሲ እያ ኢሎም ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ኢኻ እትኣምን፧ ብስጋን ነፍስን ዝቘምና ዲና፧ ነፍሲ እንታይ እያ፧ ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶምዶ፧ ብዛዕባ እንታይነትና እቲ ሓቂ ኽንፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ!

“እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ”

ሰብ ኪመውት ከሎ: “ነፍሲ” ኻብ ኣካሉ ተፈልያ እትኸይድ ክፋሉ ድያ፧ ብመሰረት ሆልማን ኢላስትሬትድ ባይብል ዲክሸነሪ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት: “ብዙሕ ግዜ ነፍሲ ንብምሉኡ ሰብ እያ እተመልክት።” ንኣብነት: ዘፍጥረት 2:7 “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ” ትብል። እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ: ማለት ኣዳም: ነፍሲ ነበረ።

እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንብምሉኡ ሰብ እያ እተመልክት ዚብል ምርዳእ: ብኻልኦት ጥቕስታት እውን ይድገፍ እዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕዮ እትዓዪ ነፍሲ ይዛረብ እዩ። (ዘሌዋውያን 23:30) ነፍሲ ኸም እተጨነቐት: ዝጐሃየት: ዝሓዘነት: ከምኡውን ከም ዝፈርሀት ጌርካ ተገሊጻ ኣላ። (መሳፍንቲ 16:16፣ እዮብ 19:2፣ መዝሙር 119:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:43adj.) ንነፍሲ ኸም ሰብ ጌርካ ኽትጥቀስ ከላ: ኣብ ሮሜ 13:1 “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ” ተባሂሉ ኣሎ። ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:20 ኸኣ: “ብመዓልትታት ኖህ . . . ሒደት: ማለት ሾመንተ ነፍሲ: ብማይ ዝደሐናላ” ዚብል ነንብብ። ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን: ነፍሲ ድሕሪ ሞት ምንባር እትቕጽል ረቃቕ ነገር ምዃና ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን።

እንስሳታትን ኣትክልትንከ ነፍሳት ድዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እንስሳታት እተፈጥሩሉ ኣገባብ ብኸመይ ከም ዚገልጾ እስከ ንርአ። ኣምላኽ: “ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ” ኢሉ ኣዘዘ። ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ ፍጥረት ድማ: “ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ። (ዘፍጥረት 1:20, 24) ስለዚ: ኵሎም ህያዋን ፍጡራት: ማለት ሰባት ኰኑ እንስሳታት: ነፍሳት እዮም። እንተዀነ ግን: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣትክልቲ ነፍሳት ተባሂሎም ኣይተጸውዑን።

እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ብኻልእ መገዲ እውን ተገልግል እያ። ኣብ እዮብ 33:22: “ከምኡ ነፍሱ ናብ መቓብር: ህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ” ዚብል ነንብብ። ኣብዚ: እተን “ነፍሲ” ኸምኡውን “ህይወት” ዚብላ ቓላት: ሓንቲ ነታ ኻልእ ከም መተካእታ: ማለት ሓንቲ ነታ ኻልእ እተጕልሕ ኰይና እያ ኣገልጊላ። እምበኣር: “ነፍሲ” ነቲ ሓደ ሰብ ህያው ነፍሲ ብምዃን ዜሕልፎ ህይወት ከተመልክት ትኽእል እያ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንሙሴ ህይወቱ ኼጥፍእዋ ዚደልዩ ዝነበሩ ጸላእቱ: “እቶም ንነፍስኻ ዚደልይዋ ዝነበሩ ሰባት” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። (ዘጸኣት 4:19) የሱስ ክርስቶስ ከኣ “ንነፍሰይ [ህይወተይ] ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 10:15adj.

መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ዚህቦ መብርሂ: ቀሊልን ንሓድሕዱ ዚቃዶን እዩ። ንሰብ: ንእንስሳ: ወይ ነታ ሓደ ፍጥረት ህያው ነፍሲ ብምዃን ዘላቶ ህይወት ከተመልክት ትኽእል እያ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ: እዚ ነጥቢ እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ሞት ነፍሲ እንታይ ከም እትኸውን ዚገልጾ ነገር ይሰማማዕ እዩ።

“እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ”

መጽሓፍ ቅዱስ: “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ይብል። (ህዝቅኤል 18:4) ሲምሶን ኣብ ኣጋ ሞቱ: “ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት” በለ። (መሳፍንቲ 16:30adj.) ዮናስ እውን ብተመሳሳሊ: “ንነፍሱ ሞት ለመነላ።” (ዮናስ 4:8) ሰብ ኪመውት ከሎ: ነፍሱ ትመውት እያ፣ ዘይትመውት ኣይኰነትን። ሰብ: ነፍሲ ስለ ዝዀነ: ሓደ ሰብ ሞይቱ ኽትብል ከለኻ: ነፍሱ ሞይታ ኸም እትብል ዘለኻ እዩ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ነፍሲ ኸም ዝወጸትን ከም እተመልሰትን ዚሕብር ጥቕስታት ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ራሄል ክትወልድ ከላ ዝዀነቶ ኺገልጽ ከሎ: “ክትመውት: ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ ድማ: ስሙ ቤን-ኦኒ ኣውጽኣትሉ። ኣቦኡ ግና ብንያም ኣውጽኣሉ” ይብል። (ዘፍጥረት 35:18) ኣብ 1 ነገስት 17:22 ብዛዕባ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ ወዲ እታ መበለት ኪገልጽ ከሎ: “እግዚኣብሄር ከኣ ደሃይ [ጸሎት] ኤልያስ ሰምዔ: ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመልሰት እሞ ህያው ኰነ” ይብል። እዚ ጥቕስታት እዚ ነፍሲ ኻብ ኣካል እትወጽእ ወይ ናብ ኣካል እትኣቱ ዘይትርአ ረቃቕ ነገር ከም ዝዀነት ድዩ ዚሕብር፧

ሓደ ትርጕም እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል: “ህይወት” ማለት ምዃኑ ኣይትረስዕ። ስለዚ: ነፍሲ ራሄል ክትወጽእ ከላ ኺበሃል ከሎ: ህይወታ ኣኽቲማ ማለት እዩ። ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ” እትብል ሓረግ: “ህይወታ ኽትደክም ከላ” (ኖክስ) ከምኡውን “ኣብ ናይ መወዳእታ እስትንፋሳ” (ጀሩሳሌም ባይብል) ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ። ብተመሳሳሊ: ነቲ ወዲ እታ መበለት እውን: ህይወቱ እዩ ተመሊስዎ።—1 ነገስት 17:23

እንታይነት ሰብ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይነት ሰብ ብንጹር ይሕብር እዩ። ሰብ: ነፍሲ የብሉን፣ የግዳስ ንሱ ንባዕሉ ነፍሲ እዩ። እንታይነት ወይ ባህርይ ሰብ እዚ ኻብ ኰነ: ዝዀነ ይኹን ኣብ መጻኢ ህይወት ንምርካብ ዘለዎ ተስፋ: ኣብ ትንሳኤ እዩ ዚምርኰስ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ” ኢሉ ይመባጻዕ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ንምዉታት ናይ ሓቂ ተስፋ ንኺህልዎም መሰረት ዚዀኖም: እዚ ርግጽ መብጽዓ ትንሳኤ እዚ ደኣ እምበር: ነፍሲ ኣይትመውትን ዚብል ትምህርቲ ኣይኰነን።

ብዛዕባ እንታይነት ትንሳኤን ንደቅሰብ ዘለዎ ትርጕምን ርጡብ ፍልጠት ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ! የሱስ ኣብ ጸሎቱ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ስለ ዝበለ: ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ምፍላጥ እውን ኣገዳሲ እዩ። (ዮሃንስ 17:3) ኣብ ማሕበረሰብካ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ኣምላኽን ወዱን መብጽዓታቱን ዘሎካ ፍልጠት ክትውስኸሉ ምእንቲ ኽትክእል: ተሓጒሶም መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት ንኽትጽሕፍ ዕድመ ነቕርበልካ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኵሎም ነፍሳት እዮም

[ምንጪ ስእሊ]

Goat: CNPC—Centro Nacional de Pesquisa de Caprinos (Sobral, CE, Brasil)