ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ንጉስ ሳኦል ኣቐዲሙ ንዳዊት ልኢኹ ኣገልጋሊኡ ኪኸውን ወሲድዎ ኽነሱ: ዳዊት ንጐልያድ ምስ ቀተሎ: ሳኦል “ወዲ መን ኢኻ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧—1 ሳሙኤል 16:22፣ 17:58

እቲ ኣብ ፈለማ እተራኸቡሉ እዋን ሓጺር ስለ ዝነበረ: ሳኦል ንመንነት ዳዊት ረሲዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ ዚብል ሓደ ኣማራጺ ሓሳብ እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 16:18-23 ዘሎ ጸብጻብ: ንጉስ ሳኦል ፈልዩ ንዳዊት ብምጥቃስ ስለ ዝለኣኸሉን ድሕሪኡ ኣዝዩ ስለ ዝፈተዎን ጋሻ ዛግሬኡ ስለ ዝገበሮን: እዚ ሓሳብ እዚ ብዙሕ ተቐባልነት የብሉን። ሳኦል ንዳዊት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ገሊኦም ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ 1 ሳሙኤል 17:12-31 ከምኡውን 17:55–18:5 ኣብ ገሊኡ ቕዳሓት እቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ዚበሃል ብኻልኣይ ዘመን ቅ.ክ. እተተርጐመ ናይ እብራይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት ስለ ዘይርከብ: ደሓር ዝኣተወ ኢሎም እዮም ዚሓስቡ። እዚ ኽፋል ጽሑፍ እዚ ኣብ ካልእ ኣኽቢርካ ዚርአ ኢደ-ጽሑፋት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ስለ ዚርከብ: ብመሰረት እዚ ቕዳሓት ሰፕቱጀንት ጥራይ ኣብ ከምዚ ዝበለ መደምደምታ ምብጻሕ ግን ጥበባዊ ኣይኰነን። a

ሳኦል ፈለማ ንኣብኔር: ደሓር ከኣ ንዳዊት ንባዕሉ ኣብ ዝሓተቶ ሕቶ: ስም ኣቦ ዳዊት ኪፈልጥ ጥራይ ኣይኰነን ደልዩ ነይሩ። ዳዊት ንጐልያድ ብምስዓር ዘርኣዮ ዓብዪ እምነትን ትብዓትን: ሳኦል ብሓድሽ መልክዕ ንኺርእዮ ስለ ዝደረኾ: ከምዚ ዓይነት ወዲ ዘዕበየ ሰብኣይ መን ምዃኑ ኺፈልጥ ደለየ። ሳኦል እቲ ኣብ ዳዊት እተራእየ ትብዓትን ጅግንነትን ኣብ ቤተሰቡ እውን ኪርከብ ስለ ዚከኣል: ንእሴይ ኣቦ ዳዊት ወይ ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ሰራዊቱ ኼእትዎም ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሽሕኳ 1 ሳሙኤል 17:58 ነቲ ዳዊት ዝሃቦ: “ወዲ ጊልያኻ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም እየ” ዚብል ሓጺር መልሲ ጥራይ እተጠቓልል እንተ ዀነት: እቲ ስዒቡ ዘሎ ቓላት ብዙሕ ከም እተዘራረቡ ዚሕብር እዩ። ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ካርል ኤፍ. ከይልን ፍራንዝ ደሊትሽን ከምዚ ዚብል ሓሳባት ሃቡ:- “እተን ኣብ [1 ሳሙኤል 18:1] ዚርከባ ‘ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤ’ ዚብላ ቓላት ንነዊሕ ዝርርብ ስለ ዜመልክታ: ሳኦል ምስኡ ብዛዕባ ጕዳያት ቤተሰቡ ዝያዳ ኸም እተዘራረበ ኣዝዩ ንጹር እዩ።”

እምበኣር ካብዚ ዅሉ ዝረኣናዮ: ሳኦል “ወዲ መን ኢኻ፧” ኢሉ ምሕታቱ: ብዛዕባ እቲ ድሮ ዚፈልጦ ዝነበረ መንነት ዳዊት ዘይኰነስ: ብዛዕባ መበቈሉ ኺፈልጥ ይደሊ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ሓቅነት እቲ ኣብ ሰፕቱጀንትን ዘይርከብ ጥቕስታት ንምፍላጥ: ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 855 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ሳኦል ንዳዊት ወዲ መን ምዃኑ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧