ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧

ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧

ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧

ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ: እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ” በለ። (ሮሜ 8:6) እቲ ሃዋርያ: መንፈሳዊ ሰብ ምዃን ኪበሃል ከሎ ኻብ ናይ ብሕቲ ምርጫ ወይ ስምዒት ንላዕሊ ምዃኑ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ እዩ ዚሕብር ነይሩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ እዩ። ሓደ መንፈሳዊ ሰብ “ህይወትን ሰላምን” ዚረክብ ብኸመይ እዩ፧ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ሕጂ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ኣምላኽን ሰላም ኣለዎ: ኣብ ዚመጽእ ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ እዩ። (ሮሜ 6:23፣ ፊልጲ 4:7) የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” እንተ በለ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ማቴዎስ 5:3 NW

ነዛ መጽሔት እዚኣ ምንባብካ ጥራይ እኳ ብመንፈሳውነት ትግደስ ምዃንካ ዚሕብር እዩ: ከምኡ ምግባርካ እውን ጥበባዊ እዩ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ መንፈሳውነት ዚወሃብ ኣረኣእያ ኣዝዩ እተፈላለየ እዩ: ስለዚ ‘ናይ ሓቂ መንፈሳውነት እንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብከ ብኸመይ እዩ ኺረኽቦ ዚኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

“ሓሳብ ክርስቶስ”

ሃዋርያ ጳውሎስ: መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ምጥራይ: ኣገዳስን ጠቓምን ምዃኑ ኣብ ርእሲ ምግላጹ ናይ ሓቂ መንፈሳውነት እንታይ ማለት ምዃኑ መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ: ኣብ መንጎ እቲ ንስጋዊ ባህግታቱ ዚስዕብ ስጋዊ ሰብን እቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዜኽብር መንፈሳዊ ሰብን ዘሎ ፍልልይ ገሊጹሎም እዩ። “እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን: . . . ንእኡ ዕሽነት እዩ” ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቲ መንፈሳዊ ሰብ “ሓሳብ ክርስቶስ” ዘለዎ ሰብ ከም ዝዀነ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 2:14-16

“ሓሳብ ክርስቶስ” ዘሎካ ምዃን ኪበሃል ከሎ ብመሰረቱ “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ” ዘሎካ ምዃን ማለት እዩ። (ሮሜ 15:5፣ ፊልጲ 2:5) ብኻልእ ኣዘራርባ: ሓደ መንፈሳዊ ሰብ ከም ናይ የሱስ ገይሩ ዚሓስብን ኣሰሩ ዚስዕብን እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21፣ 4:1) ሓደ ሰብ ንሓሳብ ክርስቶስ እናቐድሐ ብዝኸደ መጠን መንፈሳውነቱ እናደልደለ ይኸይድ: “ህይወትን ሰላምን” ዚረኽበሉ ኣጋጣሚ ኸኣ ዜተኣማምን ይኸውን።—ሮሜ 13:14

“ሓሳብ ክርስቶስ” ክትፈልጠሉ እትኽእል መገድታት

ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ሓሳብ ክርስቶስ ንኺህልዎ: መጀመርታ ነቲ ሓሳብ እቲ ኺፈልጦ ኣለዎ። ስለዚ እምበኣር: መንፈሳውነትካ ኸተማዕብለሉ እትኽእል ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ሓሳብ የሱስ ምፍላጥ እዩ። እንተዀነ ግን: ሓሳብ ሓደ 2,000 ዓመት ይገብር ዚነብር ዝነበረ ሰብ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኽትፈልጦ እትኽእል፧ ብዛዕባ ኣብ ሃገርካ ዝነበሩ ታሪኻውያን ሰባት ከመይ ጌርካ ዲኻ ኽትፈልጥ ክኢልካ፧ ብዛዕባኦም ብምንባብ ኢኻ ኽትከውን እትኽእል። ብተመሳሳሊ: ታሪኽ የሱስ ምንባብ ሓሳብ ክርስቶስ ክትፈልጠሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ኣርባዕተ ንጹር ታሪኻዊ ጸብጻብ ኣሎና። እዚ ኸኣ ማቴዎስ: ማርቆስ: ሉቃስ: ዮሃንስ ዝጸሓፍዎ ወንጌላት እዩ። ነዚ ጸብጻብ እዚ ተጠንቂቕካ ምንባብ ኣተሓሳስባ የሱስ: ውሽጣዊ ስምዒቱ: ከምኡውን እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት ብምንታይ ተደሪኹ ይገብሮ ኸም ዝነበረ ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነቲ ብዛዕባ የሱስ እተንብቦ ነገራት ግዜ ወሲድካ ምስ እተስተንትነሉ: እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ኣብ ኣእምሮኻ ኺሰኣል እዩ። ሰዓቢ ክርስቶስ ከም ዝዀንካ ትሓስብ እኳ እንተ ዀንካ: ከምዚ ዝኣመሰለ ንባብን ምስትንታንን ‘ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ንኽትዓቢ’ ኺሕግዘካ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:18

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር: ንየሱስ መንፈሳዊ ሰብ ዝገበሮ እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ ኣብ ወንጌል ንዚርከብ ገሊኡ ሓሳባት ንመርምር። ሽዑ: ከመይ ጌርካ ኣርኣያኡ ኽትቀድሕ ከም እትኽእል ንርእስኻ ተወከስ።—ዮሃንስ 13:15

መንፈሳውነትን “ፍረ መንፈስ”ን

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ: የሱስ ኣብ እዋን ጥምቀቱ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝወረዶ: ከምኡውን “መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ” ኸም ዝነበረ ጽሒፉ ኣሎ። (ሉቃስ 3:21, 22፣ 4:1) የሱስ እውን ብወገኑ በቲ “ንጡፍ ሓይሊ” ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ክትምራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ንሰዓብቱ ኣጕሊሑሎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:2 NWሉቃስ 11:9-13) እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ መንፈስ ኣምላኽ ንሓሳባት ሰብ ናይ ምቕያር ሓይሊ ስለ ዘለዎ: ሓሳባቱ ቐይሩ ሓሳብ ክርስቶስ ከም ዚሕዝ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:1, 2) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓደ ሰብ ከም እኒ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ዝኣመሰለ ባህርያት የፍሪ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ባህርያት እዚ “ፍረ መንፈስ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ: መለለዪ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ሰብ ከኣ እዩ። (ገላትያ 5:22, 23) ብሓጺሩ: መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ሰብ እዩ።

የሱስ ኣብ ኵሉ ኣገልግሎቱ ፍረ መንፈስ ኣንጸባሪቑ እዩ። ብፍላይ ነቶም ከም ትሑታት ኣባላት ሕብረተሰብ ዚረኣዩ ዝነበሩ ሰባት ኪቐርቦም ከሎ ኸም እኒ ፍቕሪ: ለውሃት: ሕያውነት ዝኣመሰለ ባህርያት ጐሊሑ ይርአ ነበረ። (ማቴዎስ 9:36) ንኣብነት: ሃዋርያ ዮሃንስ ዚገለጾ ሓደ ኣብነት ንርአ። ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “[የሱስ] ኪሐልፍ ከሎ: ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ።” ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ነቲ ሰብኣይ ርእዮምዎ እኳ እንተ ነበሩ: ከም በደለኛ ገይሮም ግን ወሰድዎ። “ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ: ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧” ኢሎም ድማ ሓተቱ። ጐረባብቲ እቲ ሰብኣይ እውን ነቲ ሰብኣይ ይርእይዎ ነይሮም እዮም: ኵሎም ግን ለማኒ ገይሮም ጥራይ እዮም ዚቘጽርዎ ነይሮም። “እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧” ከኣ በሉ። የሱስ ግን ነቲ ዕዉር ሰብኣይ ሓገዝ ዜድልዮ ውልቀ-ሰብ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ነቲ ዕዉር ሰብኣይ ተዛረቦ: ኣሕወዮ ድማ።—ዮሃንስ 9:1-8

እዚ ፍጸመ እዚ ብዛዕባ ሓሳብ ክርስቶስ እንታይ እዩ ዚነግረካ፧ ቀዳማይ: የሱስ ንትሑታት ሰባት ብለውሃት ይድንግጸሎም ደኣ ነበረ እምበር: ዕሽሽ ኣይብሎምን እዩ ነይሩ። ካልኣይ: ንኻልኦት ንምሕጋዝ ተበግሶ ይወስድ ነበረ። እሞኸ ነዚ የሱስ ዝሰርዓልና ኣብነት ትስዕብ ከም ዘለኻ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ንሰባት ናብራኦም ንኼመሓይሹን ብሩህ ተስፋ ንኺህልዎምን ዜድልዮም ሓገዝ ብምሃብ ከምቲ የሱስ ዚርእዮም ዝነበረ ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧ ወይስ ነቶም ምርኡያት ዝዀኑ ኣዕዚዝካ ናይ ምርኣይ: ነቶም ትሕት ዝበሉ ኸኣ ዕሽሽ ናይ ምባል ዝንባለ እዩ ዘሎካ፧ ንሰባት ከምቲ የሱስ ዚርእዮም ዝነበረ ጌርካ ትርእዮም እንተ ደኣ ዄንካ: ኣብነት የሱስ ትስዕብ ኣለኻ ኺበሃል ይከኣል እዩ።—መዝሙር 72:12-14

መንፈሳውነትን ጸሎትን

እቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ የሱስ ወትሩ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ነበረ። (ማርቆስ 1:35፣ ሉቃስ 5:16፣ 22:41) ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ዚጽልየሉ ግዜ ይምድብ ነበረ። ማቴዎስ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ የሱስ: “ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱ: ኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ” ኢሉ ጸሓፈ። (ማቴዎስ 14:23) የሱስ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህድእ ኢሉ ምስ ኣቦኡ ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ: ብርታዐ ይረክብ ነበረ። (ማቴዎስ 26:36-44) ሎሚ እውን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት: ምስ ኣምላኽ ምዝራብ ምስኡ ንዘለዎም ርክብ ከም ዜደልድሎን ሓሳብ ክርስቶስ ብዝያዳ ንኼማዕብሉ ኸም ዚሕግዞምን ስለ ዚፈልጡ: ምስ ፈጣሪኦም ዚዛረቡሉ ኣጋጣሚ የናድዩ እዮም።

የሱስ መብዛሕትኡ እዋን ኪጽሊ ኸሎ ነዊሕ ግዜ የሕልፍ ነበረ። (ዮሃንስ 17:1-26) ንኣብነት ነቶም ሃዋርያቱ ዝዀኑ 12 ሰብኡት ቅድሚ ምምራጹ: “ኺጽሊ ናብ ከረን ደየበ: ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ።” (ሉቃስ 6:12) እቶም መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እውን ንኺጽልዩ ምሉእ ለይቲ እኳ እንተ ዘይሓደሩ: ኣብነት የሱስ ይስዕቡ እዮም። ኣብ ህይወቶም ዓበይቲ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሮም: ንመንፈሳውነቶም ዜደልድል ውሳነታት ምእንቲ ኺገብሩ መምርሒ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦም ብምድላይ እኹል ግዜ መዲቦም ናብ ኣምላኽ ይጽልዩ እዮም።

የሱስ ብዕምቈት ብምጽላይ ዝመጸ እውን ክንቀድሖ ዚግባእ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ። ሉቃስ: ብዛዕባ እቲ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ዝጸለዮ ጸሎት እንታይ ኢሉ ኸም ዚጸሓፈ ንርአ:- “ጻዕረ ሞት ሒዝዎ: ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።” (ሉቃስ 22:44) የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ልባዊ ጸሎት ጸልዩ እኳ እንተ ነበረ: ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ግን ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኻብ ዜጋጠሞ ፈተናታት እቲ ዝኸበደ ፈተና ስለ ዝመጾ “ኣጽኒዑ” ጸለየ: ጸሎቱ እውን ተሰምዐ። (እብራውያን 5:7) መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኣብነት የሱስ ይስዕቡ እዮም። ብፍላይ ክብድ ዝበለ ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ: መንፈስ ቅዱስ: መምርሒ: ከምኡውን ደገፍ ንኺወሃቦም ‘ኣጽኒዖም’ እዮም ዚጽልዩ።

የሱስ ናይ ጸሎት ሰብ ስለ ዝነበረ: ደቀ መዛሙርቱ በዚ መዳይ እዚ ንዕኡ ኺመስሉ እንተ ደለዩ ዜገርም ኣይኰነን። ስለዚ ድማ “ምጽላይ ምሀረና” ኢሎም ሓተትዎ። (ሉቃስ 11:1) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: እቶም ንመንፈሳዊ ነገራት ኣዕዚዞም ዚርእዩን ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኪምርሑ ዚደልዩን ሰባት ብጸሎት ዝመጸ ንየሱስ ኪቐድሕዎ እዮም ዚደልዩ። ናይ ሓቂ መንፈሳውነትን ጸሎትን ኢድን ጓንትን እዩ።

መንፈሳውነትን ስብከት እቲ ብስራትን

ኣብ ወንጌል ማርቆስ: የሱስ ንብዙሓት ሕሙማት ብለይቲ ኸም ዝፈወሰ ዚገልጽ ጸብጻብ ንረክብ ኢና። ንጽባሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ: ሃዋርያቱ ናብኡ መጺኦም: ብዙሓት ሰባት—ምናልባት ካብ ሕማሞም ኪሓውዩ ደልዮም—ይደልይዎ ኸም ዝነበሩ ነገርዎ። የሱስ ግን “ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘለኹ እሞ: ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ: ንዑናይ ንኺድ” በሎም። (ማርቆስ 1:32-38፣ ሉቃስ 4:43) ሕሙማት ምሕዋይ ንየሱስ ኣገዳሲ እኳ እንተ ነበረ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ግን ቀንዲ ተልእኾኡ እዩ ነይሩ።—ማርቆስ 1:14, 15

ሎሚ እውን ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ መለለዪ እቶም ሓሳብ ክርስቶስ ዘለዎም ሰባት እዩ። የሱስ ንዅሎም እቶም ሰዓብቱ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት: “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብል ትእዛዝ ሃቦም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ብተወሳኺ: የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:14) ቃል ኣምላኽ: እቲ ዕዮ ስብከት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይፍጸም ከም ዘሎ ስለ ዝነግረና: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ምስታፍ ምልክት ናይ ሓቂ መንፈሳውነት እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8

ኣብ መላእ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ: ናይ ሚልዮናት ሰባት ጻዕርን ሓድነትን ይሓትት። (ዮሃንስ 17:20, 21) እቶም ኣብዚ ዕዮ እዚ እተጸምዱ: መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ብደረጃ ዓለምለኸ ብጽቡቕ እተወደቡ ኪዀኑ ኣለዎም። ነቶም ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ዚሰብኩ ዘለዉ ሰባት ከተለልዮም ትኽእልዶ፧

ነዚ ብቕዓታት እዚ ተማልኦ ዲኻ፧

ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ሰብ ዚልለየሉ ኻልእ ብቕዓታት እውን ኣሎ። ይኹን እምበር: ነዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ብቕዓታት ተማልኦ ዲኻ፧ ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲረ አንብቦን አስተንትነሉን ድየ፧ ፍረ መንፈስ ኣብ ህይወተይ አፍሪ ድየ፧ ናይ ጸሎት ሰብ ድየ፧ ምስቶም ብደረጃ ዓለምለኸ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ ዘለዉ ሰባት ክሓብር እደሊ ድየ፧’

ብቕንዕና ነፍስኻ ምምርማርካ ደረጃ መንፈሳውነትካ ንምፍላጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። “ህይወትን ሰላምን” ምእንቲ ኽትረክብ: ሕጂ እቲ ዜድሊ ስጕምቲ ኽትወስድ ንላበወካ።—ሮሜ 8:6፣ ማቴዎስ 7:13, 14፣ 2 ጴጥሮስ 1:5-11

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ምልክት መንፈሳውነት

ንቓል ኣምላኽ ምፍቃር

ፍረ መንፈስ ምፍራይ

ናብ ኣምላኽ ኣዘውቲርካን ካብ ልብን ምጽላይ

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ “ሓሳብ ክርስቶስ” ንኽትፈልጥ ይሕግዘካ