ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ምግልጋል—መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽብርን መሰልን

ንየሆዋ ምግልጋል—መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽብርን መሰልን

ታሪኽ ህይወት

ንየሆዋ ምግልጋል—መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽብርን መሰልን

ዚራ ስታይገርስ ዘዘንተወቶ

እቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እሙን ብጻይ ዝዀነኒ ብዓል ቤተይ: ብ1938 ሞተ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓደ ሕጻንን ሓደ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ወድን ነበሩኒ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ ኼገልግል እኳ እንተ ተመነኹ: ከመይ ገይረ እየ ኽገብሮ ዝኽእል፧ ብኸመይ ነዚ ኽገብሮ ኸም ዝኸኣልኩ ቕድሚ ምግላጸይ: ብዛዕባ ቕድሚኡ ዝነበረ ህይወተይ ቍሩብ ከዘንትወልኩም።

ብ27 ሓምለ 1907 ኣብ ኣላባማ: ሕ.መ.ኣ.: ካብ ዝውለድ ነዊሕ ከይጸንሐ: ወለደይ ንዓይን ንኽልተ ኣሕዋተይን ሓንቲ ሓብተይን ሒዞምና ናብ ጆርጅያ ገዓዙ። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸናሕና ናብ ተነሲ ኸድና: ካብኡ ድማ ናብ ከባቢ ታምፓ: ፍሎሪዳ: ገዓዝና። ብ1916 ኣብኡ ኸለና: “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዚበሃል ብድምጺ እተሰነየ ስእልታት ረኣኹ። እቲ ኢንዱስትሪ ሲነማ ገና ዕሸል ስለ ዝነበረ: ኵላትና ነቲ ዝረኣናዮ ብሓቂ ኢና ፈቲናዮ።

ወለደይ: ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ብሃንቀውታ የንብቡ ነበሩ። ኣቦይ ነቲ ጽሑፋት ይፈትዎ እኳ እንተ ነበረ: ኣብቲ ግዜ እቲ ምስቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብንጥፈት ኣይሓበረን። ኣደይ ግን ንደቃ ናብ ኣኼባታት ሒዛትና ትኸይድ ነበረት። ናብ ናይልስ: ሚሽጋን: ካብ እንግዕዝ ብዙሕ ከይጸናሕና: ኣብ ኣኼባታት ምእንቲ ኽንእከብ ኣዘውቲርና ልዕሊ 16 ኪሎ ሜተር ብባቡር ናብ ሳውዝ በንድ: ኢንድያና: ንኸይድ ነበርና።

ኣብ መወዳእታ: ብ22 ሓምለ 1924 ርእሰይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ንኸርኢ ተጠመቕኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣደይ ጕዳያታ ብምትዕርራይ ኮልፖርተር: ማለት ሓንቲ ኻብቶም ሽዑ ዝነበሩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነት። እቲ ንሳን ካልኦት ኮልፖርተራትን ዘርኣዩና ሰናይ ኣብነት: ኣብቲ ዕዮ እቲ ንኽጽመድ ባህጊ ኣሕደረለይ።

ብጻይ ምርካብ

ብ1925 ኣብ ኢንድያናፖሊስ: ኢንድያና: ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ተኣኪበ ኸለኹ: ካብ ቺካጎ ምስ ዝመጸ ጄምስ ስታይገርስ ተራኸብኩ። ጄምስ ቀናእ ኣገልጋሊ የሆዋ ብምንባሩ ብኡንብኡ መሰጠኒ። ካብ ቺካጎ 160 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሒቐ እነብር ስለ ዝነበርኩ: ንኽንራኸብ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብታ ዓባይ ከተማ ሓንቲ ጉባኤ ጥራይ እያ ነይራ: ኣኼባታት ከኣ ኣብ ሓንቲ ኣብ ደርቢ እተኻረይዋ ኽፍሊ ይግበር ነበረ። ጄምስ ብመንፈሳዊ ንኼተባብዓኒ ብዙሕ ግዜ ይጽሕፈለይ ነበረ። ኣብ ታሕሳስ 1926 ድማ ተመርዓና: ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ኸኣ በዅሪ ወድና ኤዲ ተወልደ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣነን ጄምስን ብሓባር ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ጀመርና። ኣብ ሸሞንተ ግዝኣታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ: ማለት ኣብ ሚሺጋን: ሉዊዝያና: ሚሲሲፒ: ሳውዝ ዳኮታ: ኣዮዋ: ነብራስካ: ካሊፎርንያ: ከምኡውን ኢለኖይስ ኣገልገልና: ኣብ ህይወትና ድማ ባህ ዜብል ዓመታት ኣሕለፍና። ጄምስ ምስ ሓመመ ግን እተን ዓመታት ሓጐስና ኣቋረጻ።

ሕማም ጄምስ ኣብ ቍጠባና ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዘሕደረ: ምስታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረት ሓማተይ ንምንባር ብ1936 ናብ ቺካጎ ተመለስና። ጄምስ ገዲድዎ ኣብ ዝነበረ እዋን: ነቲ ኻልኣይ ወድና ብጥንስተይ ኣብ ሓደ ቤት ምግቢ ንመዓልቲ 1 ዶላር ኣመሪካ እናተኸፍለኒ እዓዪ ነበርኩ። ሓማተይ እኹል ዚብላዕ ተዳልወልና ነበረት: ካባና ኸኣ ሳንቲም እውን ኣይትቕበልን እያ ነይራ። ካብዚ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ኣይርከብን እዩ።

ጄምስ በቲ ኣብ ሓንጎሉ ዘጋጠሞ ሕበጥ ቅድሚ ሙማቱ ንኽልተ ዓመት ዚኣከል ሓሚሙ ነበረ። ኣብ ሓምለ 1938 ግን ሞተ። ሓሚሙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ማኪና ኺዝውር ኰነ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ኪካፈል ኣይክእልን ነበረ: ንኻልኦት ንኺምስክር ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ግን ኣየምልጦን ነበረ። ንስድራቤትና ዜድሊ ገንዘብ ንምምእራር: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቋረጽኩ። እተፈላለየ ስራሓት ክረክብ ከኣልኩ: ኵሉ እቲ ዝረኸብክዎ ስራሕ ግን ንእተወሰነ እዋን ጥራይ ዚጸንሕ ነበረ።

ቦቢ ወድና ብ30 ሓምለ 1938: ኣቦኡ ኻብ ዚመውት ሸሞንተ መዓልቲ ጸኒሑ ተወልደ። ይኹን እምበር: ሓማተይ ናብ ናይ መንግስቲ ሆስፒታል ክኸይድ ኣይፈቐደትን። የግዳስ: ናብ ዝሓሸ ሆስፒታል ከይደ: ንዓኣ ብዚከታተላ ሓኪም ዝያዳ ኽንክን ከም ዚግበረለይ ገበረት። ብዘይካዚ: ኵሉ ወጻኢታተይ ከፈለትለይ: እዚ መግለጺ ክርስትያናዊት ፍቕሪ እዚ ኸኣ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ።

ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምምላስ

ቦቢ ወዲ 2 ዓመት: ኤዲ ኸኣ ወዲ 12 ዓመት ክሳዕ ዚዀኑ ምስ ሓማተይ ንነብር ነበርና። ነቲ ሓድሽ ኵነታት ምትዕርራይ ክገብር እኳ እንተ ነበረኒ: ንየሆዋ ብምሉእ ግዜይ ከገልግሎ ግን ሓያል ባህጊ ነበረኒ። ብ1940 ኣብ ዲትሮይት: ሚሽጋን: ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ: ፈለምቲ ዀይኖም ምስ ዜገልግሉ ሰብ ሓዳር ተራኸብኩ: ንሳቶም ከኣ ናብ ሳውዝ ካሮሊና ኸይደ ፈላሚት ክኸውን ኣተባብዑኒ። ስለዚ: ሓንቲ ናይ 1935 ፖንትያክ እትበሃል ማኪና ብ150 ዶላር ዓደግኩ: ናብኡ ኽንግዕዝ ድማ ተዳለና። በታ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝኣተወትላ ዓመት: ማለት ብ1941 ንኽልተ ደቀይ ሒዘ ናብ ደቡብ ገጸይ ኣምራሕኩ: ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸመድኩ።

ናብ ሳውዝ ካሮሊና ኽንግዕዝ ከለና: ፈለማ ናብ ከተማ ካምደን: ካብኡ ናብ ከተማ ሊትል ሪቨር: ቀጺልና ኸኣ ናብ ከተማ ኮንወይ ከድና። ኣብ ኮንወይ ሓንቲ ንእሽቶ ተጐታቲት ዓደግኩ። ሓደ ሕያዋይ ወናኒ መዐደል ነዳዲ: ኣብ ጥቓ መዐደሊኡ ማኪናይ ደው ንኸብል: ካብኡ ጋዝን ኤለክትሪክን ምስታ ተጐታቲት ንኸተሓሕዝ: ከምኡውን ንሽቓቕ እቲ መዐደሊ ነዳዲ ንኽጥቀም ፈቐደለይ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ነዳዲ ብመቝነን ይዕደል ስለ ዝነበረ: ዋላ ሓንቲ ኽረክብ ኣይከኣልኩን። ስለዚ: ሓንቲ ዘገልገለት ብሽክለታ ዓደግኩ። ድሕሪኡ: ብ1943 ገንዘብ ስለ እተወድኣና ፈላሚት ኰይነ ክቕጽል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጻሕኩ: ፍልይቲ ፈላሚት ክኸውን ጻውዒት ቀረበለይ፣ ስለዚ ንወጻኢታተይ ዚሕግዘኒ እተወሰነ ገንዘብ ወርሓዊ ኺወሃበኒ ጀመረ። ኣብዚ ዅሉ ዓመታት: የሆዋ ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኮንወይ ብዘይካና ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን: ኣነን ደቀይን ንበይንና ናብ ኣገልግሎት ምኻድ እውን ከቢድ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ብ1944 ደብዳበ ጽሒፈ ብጸይቲ እትዀነኒ ፍልይቲ ፈላሚት ክትምደበለይ ሓተትኩ: ኢዲት ዎከር እትበሃል ንፍዕቲ ብጸይቲ ብምርካበይ ድማ ተባረኽኩ። ን16 ዓመት ኣብ እተፈላለየ ምድብ ብሓባር ኣገልጊልና ኢና። ድሕሪኡ ግን ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና: ናብ ኦሃዮ ኽትምለስ ተገደደት።

ዘይርሳዕ በረኸት

ገለ ኻብቲ ብዛዕባ እቲ ዓመታት እቲ ዘሎኒ ሓያሎ ዜሐጕስ ተዘክሮታት: እታ ኣብ ኮንወይ እትነብር ዝነበረት እሞ ንዝሰንከለት ዓባያን ክልተ ምንኣሳ ኣሕዋታን እትኣሊ ዝነበረት ጓል 13 ዓመት ኣልበርታ ፈጺመ ኣይርስዓን እየ። ነቲ ዝነገርክዋ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ፈተወቶ: ንኻልኦት ከኣ ክትነግር ደለየት። ንኣገልግሎት ፈላምነት ዓሚቝ ኣኽብሮት ነበራ: ብ1950 ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስ ወድአት ከኣ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ሕጂ ንልዕሊ 57 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣላ!

ብ1951 ኣነን ኢዲትን ኣብታ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከብዋ ሮክ ሂል: ሳውዝ ካሮሊና: ከነገልግል ተመደብና። ድሕሪኡ ንሰለስተ ዓመት ናብ ከተማ ኢልበርቶን: ጆርጅያ: ተመደብና። ካብኡ እንደገና ናብ ሳውዝ ካሮሊና ተመለስና: ኣብኡ ኸኣ ካብ 1954 ክሳዕ 1962 ጸናሕኩ። ኣብ ከተማ ዋልሃላ ኸለኹ: ምስ ሓንቲ ኔቲ ዝስማ ኣብ ገጠር እትነብር ናይ ምስማዕ ጸገም ዝነበራ ዓባይ ሰበይቲ ተራኸብኩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር: ፈለማ ንሳ ኻብቲ እነጽንዖ ጽሑፍ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ተንብብ: ኣነ ድማ ናብታ ነቲ ሕጡብ ጽሑፍ እተዳለወት ሕቶ አመልክታ: ድሕሪኡ ንሳ ናብቲ ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ መልሲ ተመልክተኒ ነበረት።

ዘይተረድኣ ነገር እንተ ኣጋጢምዋ: ሕቶኣ ኣብ ወረቐት ትጽሕፎ: ኣነ ድማ ደድሕሪኡ መልሱ እጽሕፈላ ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ ኔቲ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘለዋ ሞሳ ዓበየ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብን ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ክትሳተፍን ድማ ጀመረት። ባዕላ ትሰብኽ ነበረት: ኣነ እውን ሓገዝ እንተ ደልያ ምእንቲ ኽሕግዛ: መብዛሕትኡ ግዜ ስግር እቲ ጽርግያ ኣብ ዘሎ ቤት እምስክር ነበርኩ።

ኣብ ዋልሃላ ኸለኹ: እታ ኣረጊት ማኪናይ ተበላሸወት። ሓንቲ ማኪና ብ100 ዶላር ንኽዕድግ ኣጋጣሚ እኳ እንተ ረኸብኩ: ገንዘብ ግን ኣይነበረንን። ካብ ሓደ ወናኒ ትካል ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር 100 ዶላር ተለቃሕኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ካብ ሓብተይ ዘይተጸበኽዋ ደብዳበ መጸትኒ። እታ ደብዳበ ኣቦይ ኪመውት ከሎ እተወሰነ ገንዘብ ኣብ ባንክ ሓዲጉ ምንባሩ ኣሕዋተይ ከም ዝፈለጡ እትገልጽ እያ። እንታይ ከም ዚገብርዎ ድሕሪ ምምይያጦም: ኵላቶም ኪልእኹለይ ተሰማምዑ። እቲ ገንዘብ 100 ዶላር ነበረ!

ምስ ደቀይ ፈላሚት ኰይነ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት

ኤዲን ቦቢን ንኣሽቱ ኸለዉ: ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝሰብከሉ እዋን ኵሉ ሳዕ ሒዘዮም እኸይድ ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ሰባት ብሓፈሻ ሓሽሽ ኣይወሰዱን ነበሩ: ሕማቕ ጽልዋታት እውን ክሳዕ ክንድቲ ሓያል ኣይነበረን። ናብራና ቐሊል ስለ ዝነበረን ኣብ ዕዮ ስብከት ነተኵር ስለ ዝነበርናን: ካብቲ ሎሚ ወለዲ ንደቆም ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዚዀኑ ገይሮም ንምዕባይ ዜጋጥሞም ዘሎ ሓያሎ ጸገማት ንኸምልጥ ኣኽኢሉኒ እዩ።

ኤዲ ኣብ ካምደን ክሳዕ ሻምናይ ክፍሊ ተማህረ: ካብኡ ምሳይ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ንእተወሰነ ዓመታት ብሓባር ፈለምቲ ዄንና ምግልጋልና ኣሐጒሱና እዩ። ድሕሪኡ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምግልጋል ባህጊ ኣሕደረ: ኣብኡ ኸኣ ካብ 1947 ክሳዕ 1957 ኣገልገለ። ብ1958 ነታ ኣቐዲመ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህራ ዝነበርኩ ኣልበርታ ተመርዓዋ: ክልቲኦም ድማ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀመሩ። ብ2004 ሰለስቴና ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ብሓባር ምክፋልናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣሐጒሱና!

ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት: ሓደ መዓልቲ ቦቢ ብንእሽቶኡ ኸሎ: ኣነ ናብቲ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመርሕ ዝገብሮ ቘጸራታት ብማኪና ምእንቲ ክኸይድ ነዳዲ ኽረክብ የሆዋ ኺሕግዘኒ ብጸሎት ኪልምኖ ኸሎ ትዝ ይብለኒ። ቦቢ ኣብ ብምሉኡ ህይወቱ ንኣገልግሎት ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ: ንሓያሎ ዓመታት እውን ፈላሚ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን: ቦቢ እውን ኣብ ስድራቤቱ ሓዘን ኣጋጢምዎ እዩ። ብ1970 ንዓመትን ዓሰርተ ወርሕን ተመርዕዩ ድሕሪ ምጽናሕ: ሰበይቱ ማንታ ኽትወልድ ከላ ሞተቶ። ኣነን ቦቢን ወትሩ ጥቓ ጥቓ ኢና እንነብር: ኣጸቢቕና ድማ ንቀራረብ ኢና።

ሕጂ እውን ፈላሚት!

ብ1962 ናብታ ላምበርቶን: ኖርዝ ካሮሊና: እትርከብ ሕጂ ዘላ ጉባኤይ ተመደብኩ: ድሕሪ 45 ዓመት እውን ኣብኣ እየ ዘለኹ። ክሳዕ ዳርጋ መፋርቕ 80ታት ዕድመይ ማኪና እዝውር ነበርኩ። ሕጂ ግን ካብቶም ኣብ ጥቓይ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሓንቲ ስድራቤት ናብ ኣኼባታት ጉባኤን ናብ ዕዮ ስብከትን ትወስደኒ እያ።

ብእግረይ ንክኸይድ ዚሕግዝ ምርኩስን ብሽክለታ ስንኩላንን ኣሎኒ: ብዘይ ደገፍ ክኸይድ ስለ ዝኽእል ግን ክልቲኡ ኣይጥቀመሉን እየ። ጽቡቕ ጥዕና ስለ ዝሃበኒ ንየሆዋ አመስግኖ እየ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጥራይ እዩ ኣዒንተይ ኬሸግረኒ ጀሚሩ። ኣመና እንተ ዘይሓሚመ: ካብ ኣኼባታት ጉባኤ ፈጺመ ኣይበኵርን እየ: ብእተኻእለኒ መጠን ድማ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ አገልግል ኣለኹ።

ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ልዕሊ 70 ዓመት ብሓጐስ ስለ ዘሕለፍኩ: የሆዋ ኣብ ብምሉኡ ህይወተይ ሓጊዙኒ ኽብል እኽእል እየ። a ፍሉይ ብልሒ ኸም ዘይብለይ ወይ ቅልጥፍቲ ዓያዪት ዘይምዃነይ እፈልጥ እየ: የሆዋ ግን እንታይ ክገብር ከም ዝኽእልን እንታይ ክገብር ከም ዘይክእልን ይፈልጥ እዩ። እተኻእለኒ እገብር ከም ዘለኹ ዚፈልጥ ምዃኑን ኪጥቀመለይ ፍቓደኛ ምዃኑን ኣዝየ አመስግኖ እየ።

የሆዋ ዅሉ ነገር ስለ ዝሃበና: ብእተኻእለና መጠን ምሉእ ብምሉእ ከነገልግሎ ዘሎና ዀይኑ ይስምዓኒ። ዓቕመይ ክሳዕ ዚፈቐደለይ: ፈላሚት ከም ምዃን ገይሩ ዜሐጕሰኒ ኣገልግሎት የልቦን። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መሰል ኰን እዩ! ጸሎተይ የሆዋ ንዘለኣለም ዚጥቀመለይ ሰብ ምዃን እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓብትና ስታይገርስ 100 ዓመት ንኺመልኣ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ምስ ተረፋ ብ20 ሚያዝያ 2007 ምድራዊ ህይወታ ወዲኣ። በቲ ኣብ ኣገልግሎት ብተኣማንነት ዘሕለፈቶ ሓያሎ ዓመታት ንተባባዕ: ሰማያዊ ዓስቢ ብምርካባ ድማ ንሕጐስ ኢና።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ብዓል ቤተይን ነዛ ማኪና እዚኣ ኮልፖርተር ኴንና ነገልግለላ ነበርና

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ብ1941 ምስ ደቀይ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ምስ ኤዲን ቦቢን