ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧

“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧

“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧

“እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ።”—ሉቃስ 12:21

1, 2. (ሀ) ሰባት ዓብዪ መስዋእቲ ንኪኸፍሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑሉ ነገር እንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናት ምስ ከመይ ዝበለ ብድሆን ሓደጋን እዮም ዚጋጠሙ፧

 ኣብ ብምሉኡ ዘመናት: ኣብ ሓያሎ ሕብረተሰባት ዝነበሩ ሰባት ስጋዊ ሃብቲ ንኺድልቡ ኢሎም ለፊዖምን ጽዒሮምን እዮም። ንኣብነት: እቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ኣብ ኣውስትራልያ: ደቡብ ኣፍሪቃ: ካናዳ: ከምኡውን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ወርቂ ንምርካብ ዚግበር ዝነበረ ቕድድም: ነቶም ኣብ ርሑቕ ቦታ ዚነብሩ ሰባት ሰሓቦም፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብተን ዘይፈልጥወንን ሓድሓደ ግዜ ኣጸገምትን ሃገራት ሃብቲ ንምርካብ ንዓዶምን ስድራኦምን ሓዲጎም ኪስደዱ ፍቓደኛታት ነበሩ። እወ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ልቦም ዚምነዮ ሃብቲ ንኺረኽቡ ኣብ ሓደጋ ኺኣትዉን ዓብዪ መስዋእቲ ኪኸፍሉን ፍቓደኛታት እዮም።

2 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ቃል ብቓሉ ኣብ ምድላይ መዝገብ እኳ እንተ ዘይተኻፈሉ: ንናብራ ዜድልዮም ነገራት ንምምእራር ግን ኣበርቲዖም ኪሰርሑ ኣለዎም። ኣብዚ ስርዓት እዚ ኸምዚ ምግባር ከኣ በዳህን ጻዕሪ ዚሓትትን ከቢድን እዩ። ብዛዕባ ምግብን ክዳንን መዕቀልን ብቐሊሉ ስለ እንጭነቕ: ነቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ብቐሊሉ ዕሽሽ ንብሎ ወይ እውን ንርስዖ። (ሮሜ 14:17) የሱስ ነቲ ሰባት ዘለዎም ከምዚ ዝበለ ዝንባለ ብንጹር እትገልጽ ምሳሌ ሃበ። ኣብ ሉቃስ 12:16-21 ድማ ትርከብ።

3. ነቲ ኣብ ሉቃስ 12:16-21 ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣዘንቱ።

3 የሱስ ነታ ምሳሌ: ኣብቲ ንርእስና ኻብ ስስዐ ኽንሕሉ ኸም ዘሎና ዝገለጸሉ እዋን እዩ ተዛሪብዋ፣ ነዚ ድማ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ብዝርዝር ርኢናዮ ኢና። የሱስ ንስስዐ ብዚምልከት ድሕሪ ምጥንቃቑ: ብዛዕባ ሓደ በቲ ኣቐዲሙ ብሃብቲ መሊኡ ዝነበረ ማዕከኑ ዘይዓገበ ሰብኣይ ተዛረበ: ካብቲ ዝነበሮ ዚዛይድ ንኺእክብ ድማ ነዚ ማዕከን ኣፍሪሱ ኻብኡ ዚዓቢ ሰርሐ። ኪዘናጋዕን ጽቡቕ ህይወት ኪነብርን ምዃኑ እናሓሰበ ኸሎ ግን: ኣምላኽ ህይወቱ ኸም እትጠፍእን እቲ ዅሉ ዝኣከቦ ድማ ካልእ ሰብ ከም ዚወስዶን ነገሮ። የሱስ ነዚ ሓሳባት እዚ ኺዛዝሞ ኸሎ: “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ” በለ። (ሉቃስ 12:21) ካብዚ ምሳሌ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ኣብ ህይወትና ኸነውዕሎ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ጸገም ዘጋጠሞ ሰብኣይ

4. ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ ከመይ ዝበለ እዩ ነይሩ፧

4 እታ የሱስ ዝሃባ ምሳሌ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ፍልጥቲ እያ። የሱስ ነቲ ዛንታ: “ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ” ኢሉ ኸም ዝጀመሮ ኣስተብህል። እምበኣር: እዚ ሰብኣይ እዚ ነቲ ዝነበሮ ሃብቲ ብምትላል ወይ ሕጋዊ ብዘይኰነ መገዲ ኣይኰነን ረኺብዎ። ብኻልእ ኣበሃህላ: እኩይ ሰብኣይ ኣይኰነን ነይሩ። ከምቲ ኣብ ቃላት የሱስ ተገሊጹ ዘሎ: እቲ ሰብኣይ ኣበርቲዑ ሰሪሑ ኪኸውን ኣለዎ። ካልእስ ይትረፍ: ንድሕንነት ስድራቤቱ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ዚኸውን: ንመጻኢ ኢሉ መደብ ኣውጺኡን ሃብቲ ቘጢቡን። ስለዚ: ብዓለማዊ ኣረኣእያ ኺርአ ኸሎ: ንሓላፍነታቱ ብርዝነት ዚርኢ ህርኩት ሰብኣይ እዩ ነይሩ።

5. እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ እንታይ ጸገም ኣጋጠሞ፧

5 ዝዀነ ዀይኑ: የሱስ ነቲ ሰብኣይ ሃብታም ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ: እዚ ኸኣ ድሮ ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ዝነበሮ ሰብ ምዃኑ ዜርኢ እዩ። ይኹን እምበር: ከምቲ የሱስ ዝገለጾ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ጸገም ኣጋጠሞ። መሬቱ ኻብቲ እተጸበዮ ንላዕሊ: ማለት ካብቲ ዜድልዮ ወይ ካብቲ ኺኣልዮ ዚኽእል ንላዕሊ ኣፍረየት። እንታይ እንተ ገበረ ደኣ እሞ ይሓይሽ፧

6. ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዜጋጥሞም፧

6 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ: ከምቲ ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ዘጋጠሞ ዅነታት የጋጥሞም እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሓቀኛታትን ህርኩታትን ጥንቁቓትን ሰራሕተኛታት ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ። (ቈሎሴ 3:22, 23) ደሞዝ እናተኸፍሎም ይስርሑ ወይ ናቶም ንግዲ ይሃልዎም ብዘየገድስ: መብዛሕትኡ ግዜ ዕውታትን ብሉጻትን እዮም። ናይ ስራሕ ዕቤት ወይ ሓድሽ ኣጋጣሚ ኺርከብ ከሎ ግን: ሓደ ውሳነ ኺገብሩ ኣለዎም። ነቲ ዕቤት ኪቕበልዎዶ ኣለዎም፧ ምስዚ ብዚመሳሰል: ብዙሓት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤት ትምህርቲ ንፉዓት እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ: ሽልማት ይወሃቡ ይዀኑ፣ ኣብ ሓደ ኽቡር ቤት ትምህርቲ ዝያዳ ትምህርቲ ንኺመሃሩ ናይ ትምህርቲ ጠለብ እውን ይረኽቡ ይዀኑ። ነቲ ዚረኽብዎ ኣጋጣሚ ስቕ ኢሎም ብሃውሪ ድዮም ዚቕበልዎ፧

7. እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ ነቲ ዘጋጠሞ ጸገም ብኸመይ ፈትሖ፧

7 እቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሃብታም ሰብኣይ: መሬቱ ብዙሕ ፍረ ስለ ዘፍረየትሉ: ነቲ እኽሊ ዚእክበሉ ቦታ ምስ ሰኣነ እንታይ ገበረ፧ ነቲ ናይ ቀደም ማዕከን ኣፍሪሱ: ነዚ ዝረኸቦ ዝያዳ እኽልን ሃብትን ዚእክበሉ ዓብዪ ማዕከን ኪሰርሕ ወሰነ። እዚ መደብ እዚ ውሕስነትን ዕግበትን ከም ዚስምዖ ስለ ዝገበረ: “ንነፍሰይውን፤ ኣቲ ነፍሰይ: ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚአኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ: ብልዒ: ስተዪ: ተሐጐሲ: እብላ” ኢሉ ኺሓስብ ጀመረ።—ሉቃስ 12:19

“ዓሻ” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧

8. እቲ ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ እንታይ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ ዕሽሽ ዝበለ፧

8 ከምቲ የሱስ ዝበሎ ግን: እቲ እዚ ሃብታም ሰብኣይ ዘውጸኦ መደብ ናይ ሓሶት ውሕስነት ከም ዚስምዓካ ዚግብር እዩ። ግብራዊ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ: ነቲ ኣገዳሲ ረቛሒ ዝዀነ ፍቓድ ኣምላኽ ግን ኣብ ግምት ዜእቱ ኣይነበረን። እቲ ሰብኣይ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ: ማለት ብኸመይ እፎይታ ኸም ዚረክብ: ብኸመይ ከም ዚበልዕ: ብኸመይ ከም ዚሰቲ: ከምኡውን ብኸመይ ከም ዚሕጐስ ጥራይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። “ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ” ስለ ዝነበሮ: “ብዙሕ ዓመታት” እውን ከም ዚህልዎ ገይሩ ይሓስብ ነበረ። እቲ ዜሕዝን ግን: ከምቲ ንሱ ዝሓለኖ ኣይነበረን። የሱስ: “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” ኪብል ሓቁ እዩ። (ሉቃስ 12:15) ኣምላኽ: “ኣታ ዓሻ: ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ: በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧” ስለ ዝበሎ: በታ ለይቲ እቲኣ ዅሉ እቲ ሰብኣይ ዝደኸመሉ ነገራት ብሃንደበት ከንቱ ዀነ።—ሉቃስ 12:20

9. እቲ ኣብቲ ምሳሌ እተጠቕሰ ሰብኣይ ዓሻ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

9 ቀንዲ ቝም ነገር እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ኣብዚ እዩ ዘሎ። ኣምላኽ ነቲ ሰብኣይ ዓሻ ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። እታ ኤክሰጀቲካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት እትበሃል መዝገበ-ቓላት ነዛ ናይ ግሪኽ ቃል ከተነጽራ ኸላ: “ኵሉ ግዜ ጕድለት ምርዳእ እያ እተመልክት” በለት። እዛ መዝገበ-ቓላት ብዛዕባ እዛ ምሳሌ እዚኣ ርእይቶ ኽትህብ ከላ: ኣምላኽ ነቲ “እቲ ሃብታም ንመጻኢ ኢሉ ዘውጸኦ ትርጕም ዘይብሉ መደብ” ንምቅላዕ ነዛ ቓል እዚኣ ኸም እተጠቕመ ገለጸት። እታ ቓል ነቲ ኣእምሮኣዊ ብልሒ ዘይብሉ ሰብ ዘይኰነስ: ነቲ “ኣብ ኣምላኽ ከም ዚምርኰስ ኣፍልጦ ምሃብ ዚኣቢ ሰብ” እያ እተመልክት። የሱስ ነዚ ሃብታም ሰብኣይ እዚ ዝገለጸሉ መገዲ: ነቲ ብድሕሪኡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ሎዲቅያ: ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝበሎ እዩ ዜዘኻኽረና፣ “ሃብታምን ፈሳስን እየ: ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ: ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ” በሎም።—ራእይ 3:17

10. “ብዙሕ ዓመታት” ንኺህልወና “ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ” ምውናን ውሕስነት ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧

10 ንሕና እውን ነዚ ትምህርቲ እዚ ኸነቕልበሉ ኣሎና። “ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ” ኽንረክብ ኣበርቲዕና እናሰራሕና: ነቲ “ብዙሕ ዓመታት” ከም ዚህልወና ዚገብር ነገራት ካብ ምግባር ግን ድሕር ምሕር ንብል እንተ ኣሊና: ከምቲ ኣብቲ ምሳሌ እተጠቕሰ ሰብኣይ ደይኰንናን እንኸውን ዘለና፧ (ዮሃንስ 3:16፣ 17:3) መጽሓፍ ቅዱስ “ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን:” “ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ” ይብል። (ምሳሌ 11:4, 28) ስለዚ ድማ እዩ የሱስ ነታ ምሳሌ: “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ” ብዚብል ምዕዶ ዝዛዘማ።—ሉቃስ 12:21

11. ንተስፋኻን ንውሕስነትካን ኣብ ስጋዊ ጥሪት ምግባር ብላሽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 የሱስ “ከምኡ እዩ” ኺብል ከሎ: እቲ ኣብቲ ምሳሌ ንእተጠቕሰ ሃብታም ሰብኣይ ዘጋጠሞ ነገር: ነቶም ንህይወቶም: ማለት ንተስፋኦምን ንውሕስነቶምን ኣብ ስጋዊ ጥሪት ጥራይ ዘንብሩ ሰባት እውን ከም ዜጋጥሞም እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እቲ ጌጋ ‘ንርእስኻ መዝገብ ኣብ ምእካብ’ ዘይኰነስ: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዘይምዃን እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፣ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር: ክንነግድን ክንረብሕን ኢና: እትብሉ: ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም” ኢሉ ብምጽሓፍ ምስዚ ዚመሳሰል መጠንቀቕታ ሂቡ ነበረ። እንታይ ደኣ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ “ጐይታ እንተ ፈቐዶ: ንሕናውን እንተ አሊና: እዚ ወይስ እቲ ኽንገብር ኢና” እዮም ኪብሉ ዘለዎም። (ያእቆብ 4:13-15) ሓደ ሰብ: ሃብታም ይኹን ብዙሕ ጥሪት ይሃልዎ ብዘየገድስ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም እንተ ዘይኰይኑ: ኵሉ ነገር ብላሽ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ምዃን ኪበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ምዃን

12. እንታይ እንተ ገበርና ኢና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት እንኸውን፧

12 ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ሓሳባት: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ምዃን: ንርእስኻ ስጋዊ ጥሪት ምስ ምእካብ እዩ ተነጻጺሩ ዘሎ። ስለዚ የሱስ: ኣብ ህይወትና ኼተሓሳስበና ዘለዎ ቐንዲ ነገር ስጋዊ ሃብቲ ምእካብ ወይ ከኣ በቲ ኣቐዲምና እንውንኖ ነገራት ጥራይ ዕግበት ምርካብ ኪኸውን የብሉን እዩ ዚብል ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ: ንሃብትና ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምምሕያሽን ንምህናጽን ክንጥቀመሉ ኣሎና። ከምዚ ምግባር ብርግጽ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ኪገብረና እዩ። ስለምንታይ፧ ካብኡ ብዙሕ በረኸት ንኽንረክብ ኣጋጣሚ ስለ ዚኸፍት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ይብል።—ምሳሌ 10:22

13. በረኸት የሆዋ ‘ዜሀብትም’ ብኸመይ እዩ፧

13 የሆዋ ንህዝቡ በረኸት ኬውርደሎም ከሎ: ኵሉ ሳዕ ብሉጽ እዩ ዚህቦም። (ያእቆብ 1:17) ንኣብነት: የሆዋ ንእስራኤላውያን ዓዲ ኺህቦም ከሎ: እታ ሃገር “ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ” ነበረት። ምድሪ ግብጺ እውን በዚ ኸምዚ እኳ እንተ ተገልጸት: እታ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ምድሪ ግን እንተ ወሓደ ብሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት ፍልይቲ ነበረት። ሙሴ ንእስራኤላውያን: “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚከናኸና ሃገር” ኢሉ ነገሮም። ብኻልእ ኣበሃህላ: የሆዋ ስለ ዚከናኸኖም ይብልጽጉ። እስራኤላውያን ንየሆዋ እሙናት ክሳዕ ዝዀኑ: ኣብዚሑ በረኸቱ ይህቦም ከምኡውን ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ዚበልጽ ህይወት ከም ዚህልዎም ይገብር ነበረ። እወ: በረኸት የሆዋ ብርግጽ “የሀብትም” እዩ!—ዘሁልቍ 16:13፣ ዘዳግም 4:5-8፣ 11:8-15

14. እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ዝዀኑ ሰባት እንታይ እዮም ዚረኽቡ፧

14 adj.እቶም ብስጋዊ መዳይ ሃብታማት ዝዀኑ ሰባት: ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ: ካልኦት ብኸመይ ከም ዚርእይዎም የጨንቖም እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣነባብራኦም ይርአ። በቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ንብረት ትዕቢት” ዚብሎ ነገራት ገይሮም ንኻልኦት ሰባት ኪምስጡ ይደልዩ። (1 ዮሃንስ 2:16) እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ዝዀኑ ግን: ስምረትን ሞገስን ጸጋን ኣምላኽ ብብዝሒ ስለ ዚረኽቡ: ምስኡ ምዉቕ ብሕታዊ ርክብ ኣለዎም። እዚ ድማ ካብቲ ስጋዊ ሃብቲ ኺህቦ ዚኽእል ንላዕሊ ዝዀነ ሓጐስን ውሕስነትን ይህቦም። (ኢሳይያስ 40:11) ሓንቲ ኽትምለስ ዘለዋ ሕቶ ግን ኣላ: ንሳ ኸኣ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ንምዃን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧’ እትብል እያ።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኸመይ ሃብታም ከም እትኸውን

15. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ንምዃን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

15 ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ: እቲ ሰብኣይ ንርእሱ ንምብልጻግ መደብ ኣውጺኡን ኣበርቲዑ ሰሪሑን እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዓሻ ተባህለ። ስለዚ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ንምዃን: ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ናይ ሓቂ ዋጋን ረብሓን ዘለዎ ነገራት ኣብ ምግባር ኣበርቲዕና ኽንዓዪን ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኽንካፈልን ኣሎና። ሓደ ኻብዚ: እቲ የሱስ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ እዩ። (ማቴዎስ 28:19) ንግዜና: ንጕልበትና: ከምኡውን ንተውህቦና ንርእስና ኣብ ምምሕያሽ ዘይኰነስ: ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ከነውዕሎ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ገንዘብ ምስ ምውፋር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣብዚ ስዒቡ ዘሎ ተመክሮ እንርእዮ: ከምዚ ዝገበሩ ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ብዙሕ ረብሓ ረኺቦም እዮም።—ምሳሌ 19:17

16, 17. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ከም እትኸውን ዚገብር መገዲ ኣየናይ ምዃኑ ዚሕብር ተመክሮታት ከተዘንቱ ትኽእልዶ፧

16 ንሓደ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ዚነብር ክርስትያን ዘጋጠሞ ነገር እስከ ርአ። ናይ ኮምፕዩተር ክኢላ ብምዃኑ ብዙሕ ገንዘብ ዚኽፈሎ ስራሕ ነበሮ። ይኹን እምበር: ብስራሕ ትሑዝ ብምንባሩ: ብመንፈሳዊ ኸም ዝደኸየ ዀይኑ ተሰምዖ። ኣብ መወዳእታ: በዚ ኣብ ክንዲ ዚቕጽል: ብመንፈሳዊ ንዜድልዮ ነገራትን ንሓላፍነታቱን ዚኸውን ግዜ ምእንቲ ኺረክብ: ነቲ ስራሕ እቲ ኣቋሪጹ ጀላቶ ብምድላው ኪሸይጥ ጀመረ። እቶም ናይ ቀደም መሳርሕቱ ኣላገጹሉ: ውጽኢቱ ግን እንታይ ነበረ፧ “ካብቲ ኮምፕዩተር ክሰርሕ ከለኹ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ገንዘብ ንላዕሊ እየ ዝረክብ ነይረ። ከምቲ ኣብቲ ናይ ቀደም ስርሐይ ከለኹ ዝስምዓኒ ዝነበረ ውጥረትን ሻቕሎትን ስለ ዘይስምዓኒ: ሕጉስ እየ ነይረ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ሕጂ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ዝቐረብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለ። እቲ ዝገበሮ ለውጢ: ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺኣቱ ኣኽኣሎ: ሕጂ ድማ ኣብቲ ኣብ ዓዱ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግል ኣሎ። በረኸት የሆዋ ብርግጽ “የሀብትም” እዩ።

17 ካልእ ኣብነት እትዀነና ኸኣ: ሓንቲ ንትምህርቲ ዓብዪ ግምት ኣብ እትህብ ስድራቤት ዝዓበየት ሰበይቲ እያ። ኣብ ፈረንሳ: መክሲኮ: ከምኡውን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርስቲ ተማህረት: ብሉጽ ስራሕ ድማ ይጽበያ ነበረ። “ዕውትቲ ነበርኩ: ዝናን ሓለፋታትን እውን እረክብ ነበርኩ፣ ብውሽጠይ ግን ናይ ባዶነት ስምዒት ይስምዓኒ ነበረ: ዕግበት እውን ኣይነበረንን” በለት። ብድሕርዚ ብዛዕባ የሆዋ ፈለጠት። “ብመንፈሳዊ መዳይ እናዓበኹ ብዝኸድኩ መጠን: እቲ ንየሆዋ ንኸሐጕሶን ስለቲ ዝሃበኒ ነገር ከኣ ንእሽቶ ነገር ክገብርን ዝነበረኒ ባህጊ: ነቲ ኽስዕቦ ዘሎኒ መገዲ ብንጹር ንኽርኢ ሓገዘኒ፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምግልጋል ነበረ” በለት። ንስርሓ ኣቋሪጻ ድሕሪ ሓጺር እዋን ተጠመቐት። ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመት: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተሓጒሳ ኣገልገለት። “ገሊኦም ሰባት ተውህቦይ ንኸንቱ ዘጥፋእክዎ ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ: ሕጕስቲ ምዃነይ ግን ይቕበልዎ እዮም፣ ነቲ ንህይወተይ ዝመርሓሉ ስርዓታት ድማ ይንእድዎ እዮም። መዓልቲ መዓልቲ ስምረቱ ንምርካብ ትሕትና ንኸርኢ ንኺሕግዘኒ ናብ የሆዋ እጽሊ” በለት።

18. ልክዕ ከም ጳውሎስ: ብኸመይ ኢና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ክንከውን እንኽእል፧

18 እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ እተጸውዐ ሳውል: ብዙሕ ረብሓ ዚረኽበሉ ስራሕ ኪረክብ ይኽእል ነበረ። ይኹን እምበር: “ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ: ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ: ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 3:7, 8) ንጳውሎስ እቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝረኸቦ ሃብቲ: ካብቲ እታ ዓለም እቲኣ እትህቦ ንላዕሊ እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ንዝዀነ ይኹን ስስዐ ዝመልኦ ህርፋን ሓዲግና ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎ ናብራ ብምንባር: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዝዀነ ህይወት ኪህልወና ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ።—ምሳሌ 22:4

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• እቲ ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ እንታይ ጸገም ኣጋጠሞ፧

• እቲ ኣብቲ ምሳሌ እተጠቕሰ ሰብኣይ: ዓሻ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧

• ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሃብታም ሰብኣይ ዓሻ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዕቤት ንምርካብ ዚህሉ ኣጋጣሚታት ከቢድ ፈተና ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

“በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን”