ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ጆርጅያ ኣብ እተገብረ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ እተራእየ ኽልተ “ተኣምራት”

ኣብ ጆርጅያ ኣብ እተገብረ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ እተራእየ ኽልተ “ተኣምራት”

ኣብ ጆርጅያ ኣብ እተገብረ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ እተራእየ ኽልተ “ተኣምራት”

ብ2006 ኣብ ሃገረ ጆርጅያ ኽልተ “ተኣምራት” እተራእየሉ ዘይርሳዕ ነገር ኣጋጢሙ እዩ። ካብ ሓምለ 7 ኽሳዕ 9 ንሰለስተ መዓልቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ዚርከብ ሽዱሽተ ቦታታት “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገይሩ ነበረ። ልዕሊ 17,000 ተኣከብቲ እተረኽቡሉ መንፈሳዊ ድግስ እዩ ነይሩ።

ኣብ ጥሪ 2006 ኣብታ ብዙሓት ዚእከቡላ ቐንዲ መአከቢት ዝዀነት ቲቢሊሲ እትበሃል ርእሲ ኸተማ ጆርጅያ: ምሹእ መአከቢ ንምርካብ ጻዕርታት ተገብረ። ካልእ መአከቢ ቦታታት ከኣ ብተሌፎን ተተሓሓዘ።

ኣብ ዝሓለፈ እተወሰነ ዓመታት ኣብ ጆርጅያ ኣምልኾ ሓርነት በብቝሩብ ኪወሃብ ጸኒሑ እዩ። ስለዚ: ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰፊሕ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠመ: ኣብታ ርእሲ ኸተማ መአከቢ ኸም ዚርከብ ብምትእምማን: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተስፋ ኸይቈረጹ ዕዮኦም ቀጸሉ። ህዝቢ ጆርጅያ ብተፈጥሮኦም ምቕሉላትን ተቐበልቲ ኣጋይሽን እዮም። ይኹን እምበር: ገሊኦም ሰበ-ስልጣን ክቱር ሃይማኖታዊ ጽልኢ ኣለዎም። ነዚ ስምዒቶም እዚ ሰጊሮም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር የካርይዎም ደዀን ይዀኑ፧

እቶም ኮሚተ ኣኼባ ኣውራጃ ዘቘሙ ኣሕዋት: ኣብ እተፈላለየ ስታድዩማትን ዓብዪ ኣዳራሻት ስፖርትን በጽሑ። እቶም ኣካየድቲ ነቲ መሳለጥያኦም ኬካርይዎ እኳ እንተ ተመባጽዑ: ኣብ እተወሰነ ዕለት ኬካርዩ ምስ ተሓተቱ ግን ኣበዩ። ምምሕዳር እቲ ፊልሃርሞኒክ ቲቢሊሲ ነቲ ኣዳራሹ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬካሪ ፍቓደኛ ምስ ኰነ: እቶም ኣሕዋት ገረሞም። እዚ ኣዳራሽ ሙዚቃዊ ምርኢት እዚ: ኣብቲ መብዛሕትኡ ዓብዪ ንጥፈታት ዚካየደሉ ማእከል እታ ኸተማ እዩ ዚርከብ።

ኣባላት እቲ ኮሚተ ኣብ መወዳእታ ጻዕርታቶም ፍረ ብምርካቡ ተሓጒሶም ነቲ ኣብ ቲቢሊሲ ዚግበር ኣኼባ ኣውራጃ ዀነ ነቲ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር: እንተላይ ኣብ ትስኖሪ: ኩታይሲ: ዙግዲዲ: ካስፒ: ጎሪ ዚግበር ኣኼባታት ኪውድቡ ጀመሩ። ንዅሉ እዚ ኣኼባታት ዚግበረሉ ቦታታት ብሓደ እዋን ብመስመር ተሌፎን ንምርኻብ ዓብዪ ዕዮ ተዓዩ እዩ። ኵሉ ነገር ድሉው ነበረ። ድሕሪኡ: ነቲ ኣኼባ ንምጅማር ሓደ ሰሙን ጥራይ ምስ ተረፎ: ብሃንደበት ምምሕዳር እቲ ፊልሃርሞኒክ ቲቢሊሲ ዚበሃል ኣዳራሽ ሙዚቃዊ ትርኢት ነቲ ውዕል ሰረዞ። ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከኣ ኣይሃበን።

እቲ ቐዳማይ “ተኣምር”

ኣብዚ ሓጺር ግዜ ኣሕዋት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ እታ ዝነበረቶም ሓንቲ ኣማራጺት: ናብታ ኻብ ቲቢሊሲ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ማርነውሊ እትበሃል ብሕርሻ እትመሓደር ንእሽቶ ኸተማ ምኻድ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣባላታ ስድራቤት ዚውንንዎ ቦታ ሓያሎ ኣኼባታት ኣውራጃ ተገይሩ እዩ። እቲ ቦታ ሓደ ዓብዪ ስፍራ ኣታኽልቲ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ግን: ኣብ ቲቢሊሲ ዚርከባ ጉባኤታት ንዓበይቲ ኣኼባታት ዚጥቀማሉ እንኮ ቦታ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጭፍራ ሰባት ሓያል መጥቃዕትታት ወሪድዎም ነበረ።

ሓደ ኻብዚ ኣጋጣሚታት እዚ: ብ16 መስከረም 2000 ዘጋጠመ እዩ ነይሩ። ኣባላት ፖሊስ ከተማ ማርነውሊ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ መአከቢ ቦታ ንኸይበጽሑ ኢሎም መገድታት ዓጸዉ። ድሕሪኡ ሓደ ቫሲሊ ምካላቪሽቪሊ ዚበሃል ቅሽነቱ እተቐንጠጠ ቐሺ ኦርቶዶክስ ዝነበረ ሰብኣይ ዚመርሖም ዓዋሉ ብኣውቶቡስ ተጻዒኖም መጹ። ናብቲ ኣብ ማርነውሊ ዚግበር ኣኼባ ዚኸዳ ማካይንን ኣውቶቡሳትን ደው ኣቢሎም: ንእተፈላለዩ ኣኼበኛታት ካብተን ማካይን ኣውጺኦም: ብዘይ ርሕራሐ ቐጥቀጥዎም። ገሊኦም ተጓዓዝቲ እውን ጥሪቶም: እንተላይ መጽሓፍ ቅዱሶምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋቶምን ተዘርፉ።

እቲ ኣብ ማርነውሊ ዚርከብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ: 60 ብዚዀኑ ሰባት መጥቃዕቲ ወሪድዎ እዩ። ገለ 40 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቈሰሉ። ንሓደ ሓው ብኻራ ኣብ ኣፍ ልቡ ወግእዎ። ገለ ኻብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ: ጠበንጃ ኣውጺኦም ናብ ሰማይ ተኰሱ። ሓደ ኻባታቶም ብረቱ ናብ ዋና እቲ ቦታ ኣዐሚሩ: ገንዘባን ስልማታን ክትህቦ ኣዘዛ። እቶም ጭፍራ ነቲ ኣብ ሓደ ጫፍ እቲ ቦታ ዚርከብ ቤታ ጐርጐርዎ: ገንዘባ ድማ ሰረቑ። ንዅሉ መሳዅቲ ድሕሪ ምስባሮም: ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ነቲ ብፍላይ ንኣኼባ ኣውራጃ ተባሂሉ እተሰርሐ ኾፍ መበልታትን ኣንደዱ። ሓደ ቶንን ፈረቓን ጽሑፋት ኣቃጸሉ። እቶም ኣብቲ ቦታ ዝመጹ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ገበን ደው ኣብ ክንዲ ዜብልዎ: ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚውርድ ዝነበረ መጥቃዕቲ ተሳተፉ። a

እቲ ኮሚተ ኣኼባ ኣውራጃ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣደዳ ዓመጽ ከይዀኑ ዝነበረ ስግኣት: እቲ 2,500 ጥራይ ዚሕዝ ቦታ ን5,000 ብኸመይ ከም ዜተኣኻኽሎ እውን ሽግር ኰኖ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ እዚ ጸገም እዚ ብኸመይ ኪፍታሕ ይኽእል፧ ወነንቲ እቲ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዚርከብ ጐረቤት መሬት ናብ ኣሕዋት ቀሪቦም ነቲ ስፍራ ኣታኽልቶም ኬካርይዎ ፍቓደኛ ምዃኖም ሓሳብ ምስ ኣቕረቡ: እዚ ነቶም ኣሕዋት ተኣምር ኰይኑ እዩ ተሰሚዖም።

ነቲ ቦታ ናብ ምሹእ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ መአከቢ ቦታ ምቕያር ከቢድ ዕዮ እዩ ነይሩ። እቲ ዅነታት ኣየር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ: ቅድሚ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ሰሙን ምሉእ ዝናም ወቕዐ። እቲ ናይቶም ጐረባብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ድንሽ ተተኺሉሉ ነበረ: እቲ ድንሽ ዚሕፈሰሉ እዋን ድማ ኣኺሉ ነበረ። ፈለማ: ዝናም እናዘነመ ወለንተኛታት ነቲ ድንሽ ኣከብዎ። ድሕሪኡ ነቲ ሓጹር ኣልዮም: ንተኣከብቲ ኻብ ጸሓይን ዝናምን መዕቀሊ ዚዀኖም ዳስ ንምስራሕ ዜገልግል መቓን ኪተኽሉ ነበሮም። ብዕንጨይቲ ተወሳኺ ርቦታት ሰርሑ: ተወሳኺ መሳርሒታት ድምጺ ድማ ተኸሉ። እቶም ወለንተኛታት ብመጋዝ ኪቘርጹ: መስማር ኪስምሩ: ከምኡውን ኬንኵሉ ድቃስ ዘይብሎም መዓልትን ለይትን ሰርሑ።

ኵላቶም “እቲ ዝናም ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚካየደሉ እዋን እንተ ቐጺሉኸ፧ እቲ ጭቃ ዝመልኦ ግራውቲ ነቶም ኣኼበኛታት ይውሕጦም ደዀን ይኸውን” ኢሎም ሓሰቡ። ነቲ ጠሊ ዘለዎ ባይታ ንምሽፋን ሓሰር ዓደጉ። ኣብ መወዳእታ ጸሓይ ወጸት! እቲ ኣኼባ ኣውራጃ እተገብረሉ ሰለስቲኡ መዓልቲ: ባህ እተብል ጸሓይ ወጺኣ ብምንባራ: ጽቡቕ ሙቐት ነበረ።

እቶም ኣኼበኛታት ምስ መጹ: ዜሐጕስ ትርኢት ተጸበዮም። እቲ ሰላማዊ ገጠር ንሓዳስ ዓለም ዜዘኻኽር ነበረ። እቶም ኣኼበኛታት ብኣእዋም በለስን ካልእ ፍረ ብዜፍሪ ኣእዋምን ብግራውቲ ዕፉንን ኮሚደረን ተኸቢቦም ነበሩ። ዝባን እቲ መድረኽ ብተኽሊ ወይኒ ጸቢቑ ነበረ። እቲ ኣኼባ ኺካየድ ከሎ ሓሓሊፉ: ኣራሑ ደርሆ ኺንቅዉ: ደረውህ ከኣ እንቋቝሖአን ኪእከብ ከሎ ቃቕ ኪብላ ይስማዕ ነበረ። ካልእ ኣብ ገጠራት ዚስማዕ ደሃያት እውን ነበረ: እዚ ግን ነቶም ተኣከብቲ ኸም ባህ ዜብል ሙዚቃ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብሉጽ ትምህርቲ ጽን ኢሎም ይሰምዑ ስለ ዝነበሩ: በዚ እተፈላለየ ደሃይ ኣቓልቦኦም ኣይተሰርቀን። ይኹን እምበር: ነዚ ኣኼባ እዚ ዘይርሳዕ ዝገበሮ እዚ ጥራይ ኣይነበረን።

እቲ ኻልኣይ “ተኣምር”

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዓርቢ ንግሆ እተገብረ ኣኼባ: ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጀፍሪ ጃክሰን ምሉእ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብጆርጅያኛ ኸም ዝወጸ ምስ ሓበረ: እቶም ኣኼበኛታት ኣዝዩ ደንጸዎም። b ኣዒንቲ እቶም በዚ እተደመሙ ብዙሓት ተኣከብቲ ብንብዓት መልአ። ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት: “ነዚ የሆዋ ዝገበሮ ተኣምር እዚ ምስጋና ኻብ ምግላጽ ደው ከነብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ዕዮ ተዓዩ!” በሉ።

ሓንቲ ኣብ ከተማ ታለንጂሃ እትነብር ነቲ ኣኼባ ብተሌፎን እተኸታተለቶ ሓብቲ: “ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ምርካብና እተሰምዓኒ ሓጐስ ብቓላት ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ነዚ ሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ ዜደንቕ ኣኼባ ስለ ዘቕረብኩምልና አመስግነኩም። ብሓቂ ታሪኻዊ ፍጻመ እዩ ነይሩ” በለት። ኣብ ሓንቲ ምስ ጸሊም ባሕሪ ኣብ ዚዳወብ ምዕራባዊ ጆርጅያ እትርከብ ጉባኤ ዚኸዱ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት: “ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስድራቤትና ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ነይሩና: ሕጂ ግን ኣርባዕቴና ነናትና ቕዳሕ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣሎና። ሕጂ ነፍሲ ወከፍና ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብሕትና ኸነጽንዖ ንኽእል ኢና” በሉ።

ኵሉ ነገራት ግን ብቐሊሉ ኣይኰነን ሰሊጡ። ንኣብነት: ምሉእ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ተሓቲሙ ነቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኼርክብ ብእዋኑ ናብ ጆርጅያ እኳ እንተ ተላእከ: ሰበ-ስልጣን ጉምሩኽ ግና ዶብ ሰጊሩ ኺኣቱ ኣይፈቐዱን። ኣሕዋት በደል ንዘጋጠሞም ናብ ዚስምዓሉ ቤት ጽሕፈት ከይዶም ጥርዓኖም ኣቕረቡ። እቲ ኣብኡ እተሸመ ብዓል ስልጣን ከኣ ቀቅድሚ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳት ኬውጽኦ ኸኣለ። ንሓጋዚኡ ናብቲ ኣብ ማርነውሊ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ብምልኣኽ እውን: ንቤት ጽሕፈቱ ዚኸውን ቅዳሓት እቲ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ወሲዱ እዩ።

ብጆርጅያውያን ልሙድ ዝዀነ ጽቡቕ ኣቀባብላ

እቲ ኣብ ማርነውሊ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ: ነቶም ኣብ ጆርጅያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኻልእ መገዲ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣኼባ መጺኡ ነበረ። ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ: በብውልቂ ኸይዶም ነቲ ብባህሎም ልሙድ ዝዀነ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኺገብሩሉ ደለዩ። ሓው ጀፍሪ ቕድሚ እቲ ኣኼባን ኣብ መንጎን ድሕሪኡን ደው ኢሉ ንሰዓታት ንብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ሰላም ኪብል ነበሮ: ነዚ ድማ ተሓጒሱ ገበሮ።

ብ1903 ኣብ መዕጸዊ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ: ሓደ ሓው: “ድኻ እኳ እንተ ዀንኩ: ነዚ ኣብዚ ኣኼባ ዝረኸብክዎ ጽቡቕ ነገራት ብሽሕ ዶላር እኳ ኣይምቐየርክዎን” ኢሉ ተዛሪቡ ነበረ። ልዕሊ ሓደ ዘመን ዚኸውን ጸኒሑ: እቶም ብ2006 ኣብቲ ኣብ ሃገረ ጆርጅያ እተገብረ ዘይርሳዕ ኣኼባታት እተኣከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ነይርዎም።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጆርጅያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወረደ ግፍዒ ተወሳኺ ዝርዝር ነጥብታት እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 22 ጥሪ 2002 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 18-24 ተወከስ።

b ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብጆርጅያኛ ብ2004 እዩ ወጺኡ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]

“እቲ ንእሽቶ” በዝሐ

እቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:22 ዚርከብ: “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ” ዚብል ቃላት ኣብ ጆርጅያ ተፈጺሙ እዩ። ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ዘይመልእ እዋን: ቍጽሪ እቶም ኣብ ጆርጅያ ዚርከቡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ትሕቲ 100: ናብ 16,000 ኣቢሉ ወሲኹ እዩ። እዞም ቀናኣት ኣገልገልቲ ቓል ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዳርጋ 8,000 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ጆርጅያ ተወሳኺ ዕቤት ንምርካብ ተኽእሎ ኸም ዘሎ ዚሕብር እዩ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ፈደረሽን ሩስያ

ጆርጅያ

ዙግዲዲ

ኩታይሲ

ማርነውሊ ጎሪ

ካስፒ

ትስኖሪ

ቲቢሊሲ

ቱርኪ

ኣርመንያ

ኣዘርባጃን

[ምንጪ ስእሊ]

Globe: Based on NASA/Visible Earth imagery

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቲቢሊሲ ዚርከብ ሓወልቲ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ ማርነውሊ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ምስ ሓሙሽተ ኻልእ ቦታታት ብሞባይል ተሌፎን ተራኺቡ ነበረ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣኼበኛታት ምሉእ “ትርጕም ሓዳስ ዓለም” ብጆርጅያኛ ኸም ዝወጸ ምስ ፈለጡ: ብታሕጓስ ደንጸዎም