ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

እዋኑ ታሕሳስ 609 ቅ.ክ. እዩ ነይሩ። ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ንመወዳእታ ግዜ ዝገበሮ ኸበባ ጀመረ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ህዝቅኤል ነቶም ናብ ባቢሎን ተማሪኾም እተወስዱ ዜብጽሖ ዝነበረ መልእኽቲ ኣብ ሓደ ነገር ዘተኰረ ነበረ። እዚ ኸኣ ውድቀትን ጥፍኣትን እታ ዚፈትውዋ ኸተማ የሩሳሌም እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ትንቢት ህዝቅኤል ናብ ጥፍኣት እቶም ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ብዚወርድ መዓት ዚሕጐሱ ኣረማውያን ኣህዛብ ተቐየረ። ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን የሩሳሌም ምስ ወደቐት: መልእኽቲ ህዝቅኤል ኣብ ሓድሽ ፍረ ነገር ኣተኰረ። እዚ ኸኣ ግርማዊ ምምላስ እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ነበረ።

ህዝቅኤል 25:1–48:35 ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበሩ ኣህዛብን ብዛዕባ ድሕነት ህዝቢ ኣምላኽን ዚገልጽ ትንቢታት ዝሓዘ እዩ። a ብዘይካ ህዝቅኤል 29:17-20: እቲ ጸብጻብ ብመስርዕ ግዜን ብኣርእስትን እተሰርዐ እዩ። እዘን ኣርባዕተ ቝጽርታት ግን ብኣርእስቲ ጥራይ እየን ኣብኡ ተቐሚጠን ዘለዋ። ትንቢት ህዝቅኤል ክፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ስለ ዝዀነት: “ህያውን መስለጥን” መልእኽቲ ሒዛ ኣላ።—እብራውያን 4:12

‘እታ ምድሪ ኸም ገነት ኤድን ኰነት’

(ህዝቅኤል 25:1–39:29)

የሆዋ ነቲ የሩሳሌም ኣብ እትወድቀሉ እዋን ዓሞን: ሞኣብ: ኤዶም: ፍልስጥኤም: ጢሮስ: ከምኡውን ሲዶን ዚህብዎ ምላሽ ኣቐዲሙ ብምርኣይ: ብህዝቅኤል ኣቢሉ ኣንጻሮም ተነበየ። ግብጺ ተዘምተት። ‘ፈርኦን ንጉስ ግብጽን እቲ ብዙሕ ህዝቡን’ ምስ ሓደ ብ“ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን” ዚቝረጽ ኦም ሊባኖስ ተመሳሲሉ ኣሎ።—ህዝቅኤል 31:2, 3, 12፣ 32:11, 12

የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ካብ እትዓኑ ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ: ሓደ ዘምለጠ ናብ ህዝቅኤል ከይዱ: “እታ ኸተማስ ተትሒዛ” በሎ። ድሕርዚ እቲ ነብዪ ነቶም ምሩኻት ‘ዓባስ ኣይኰነን።’ (ህዝቅኤል 33:21, 22) ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢታት ኪንበ ነበሮ። የሆዋ ንመጓሰኡ “ዚጓስየን ሓደ ጓሳ: ዳዊት ባርያ[ኡ]” ኼተንስኣለን እዩ። (ህዝቅኤል 34:23) ኤዶም ክትባድም ነበራ: ምድሪ ይሁዳ ግን “ከም ገነት ኤድን” ክትከውን ነበራ። (ህዝቅኤል 36:35) የሆዋ ነቶም ህዝቡ ኻብ መጥቃዕቲ “ጎግ” ኬዕቍቦም መብጽዓ ኣተወሎም።—ህዝቅኤል 38:2

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

29:8-12—ግብጺ ን40 ዓመት ዝባደመት መዓስ እያ፧ ድሕሪ እቲ ብ607 ቅ.ክ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌም: እቶም ተረፍ ይሁዳ: ካብ ኤርምያስ መጠንቀቕታ እናተዋህቦም ክነሱ: ናብ ግብጺ ሃደሙ። (ኤርምያስ 24:1, 8-10፣ 42:7-22) ነቡካድነጻር ናብ ግብጺ ደይቡ ስለ ዝሰዓራ ግን: እቶም ኣይሁድ ካብ ጥፍኣት ኣየምለጡን። ደድሕሪ እቲ ስዕረት: ግብጺ ን40 ዓመት ባዲማ ኽትከውን ትኽእል እያ። ዓለማዊ ታሪኽ ብዛዕባ እዚ ምብዳም እዚ ዋላ ሓንቲ መርትዖ እኳ እንተ ዘይሃበ: የሆዋ ፈጻሚ ትንቢት ብምዃኑ: እዚ ትንቢት ከም እተፈጸመ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 55:11

29:18—‘ርእሲ ዘበለ ዝነዅዐ: መንኵብ ዘበለ እተመልጠ’ ብኸመይ እዩ፧ ነታ ኣብ መሬት እተደኰነት ክፋል ከተማ ጢሮስ እተገብረ ኸበባ ኣዝዩ ኸቢድን ኣድካምን ብምንባሩ: ኣራእስ ሰራዊት ነቡካድነጻር ብሰንኪ እቲ ቝራዕ ርእሶም ነዂዑ: መንኵቦም ከኣ ንግምብታትን ዕርድታትን ዚኸውን ናውቲ ህንጸት ብምስካም ተመሊጡ ነበረ።—ህዝቅኤል 26:7-12

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

29:19, 20 ጢሮሳውያን መብዛሕትኡ ሃብቶም ሒዞም ናብታ ደሴት ዝዀነት ክፋል ከተማኦም ስለ ዘምለጡ: ንጉስ ነቡካድነጻር ካብ ጢሮስ ብዙሕ ዚዝመት ኣይረኸበን። ነቡካድነጻር ዕቡይን ምኩሕን ኣረማዊ ገዛኢ እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ግን ጻማ ጻዕሩ ግብጺ “ንጭፍራኡ ደመወዝ” ክትከውን ሃቦ። እሞ ደኣኸ መንግስትታት ስለቲ ዚህቡና ኣገልግሎት ግብሪ ብምኽፋል ንኣምላኽ ክንመስሎዶ ኣይግባእን፧ ኣኻይዳ እቶም ዓለማውያን ሰበ-ስልጣን ኰነ ነቲ ግብሪ ዚጥቀሙሉ መገዲ: ካብዚ ግዴታ እዚ ሓራ ኣይገብረናን እዩ።—ሮሜ 13:4-7

33:7-9 እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ዘመናዊ ሓላዊ: ማለት ቅቡኣት ተረፍ: ኰኑ ብጾቱ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽን ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዓብዪ “መከራ” ኻብ ምጥንቃቕን ድሕር ኪብሉ የብሎምን።—ማቴዎስ 24:21

33:10-20 ድሕነትና ኣብቲ ኻብ ክፉእ መገድታት ተመሊስና ነቲ ኣምላኽ ዚሓቶ ምምላእና ይምርኰስ። እወ: መገዲ የሆዋ ‘ቕኑዕ’ እዩ።

36:20, 21 እቶም “ህዝቢ የሆዋ” (NW) ዝዀኑ እስራኤላውያን ምስቲ ዚፍለጡሉ መጸውዒ ተሰማሚዖም ይነብሩ ስለ ዘይነበሩ: ንስም ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣርከስዎ። ብስም ጥራይ ኣምለኽቲ የሆዋ ኽንከውን የብልናን።

36:25, 37, 38 እቲ ሕጂ ዘለናሉ መንፈሳዊ ገነት ብ“እተቐደሳ መጓሰ” ዝመልአ እዩ። ስለዚ: ንጽህናኡ ንኽንሕልዎ ኽንጽዕር ኣሎና።

38:1-23 የሆዋ ንህዝቡ ኻብ መጥቃዕቲ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ከም ዜድሕኖም ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ጎግ ዚብል ስም ነቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ: ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ ዚወሃቦ ስም እዩ። ሃገር ማጎግ ነቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እተሓጽሩሉ ኸባቢ ምድሪ የመልክት።—ዮሃንስ 12:31፣ ራእይ 12:7-12

‘ነቲ ዘርእየካ ብልብኻ ኣቕልበሉ’

(ህዝቅኤል 40:1–48:35)

እዋኑ የሩሳሌም ካብ እትተሓዝ መበል 14 ዓመት እዩ ነይሩ። (ህዝቅኤል 40:1) ገና 56 ዓመታት ምርኮ ተሪፉ ነበረ። (ኤርምያስ 29:10) ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቅኤል ናብ 50 ዓመቱ ቐሪቡ ነይሩ። ብራእይ ናብ ሃገር እስራኤል ተወስደ። “ኣታ ወዲ ሰብ: . . . ነቲ ኣነ ዘርእየካ ዘበለ ዅሉ በዒንትኻ ጠምቶ: በእዛንካ ድማ ስምዓዮ: ብልብኻ ኸኣ ኣቕልበሉ” ተባሂሉ ተነግሮ። (ህዝቅኤል 40:2-4) ብዛዕባ እታ ሓዳስ ቤተ መቕደስ ዚገልጽ ራእይ ምርኣዩስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ!

እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ 6 ኣፍደገ: 30 መመገቢ ኽፍልታት: ቅድስቲ: ቅድስተ ቕዱሳን: ካብ ዕንጨይቲ እተገብረ መሰውኢ: ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መሰውኢ ነበራ። ካብታ ቤተ መቕደስ ‘ዚወጽእ’ ማያት ነበረ። (ህዝቅኤል 47:1) ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ሃገር ንነፍሲ ወከፍ ነገድ እትመቓቐለሉ ኣገባብ ዚሕብር ራእይ ረኣየ፣ ነፍሲ ወከፍ ግደ ኻብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ እተዘርግሐ ኽፋል ኪኸውን ከሎ: እቲ ንምምሕዳር ዚኸውን ክፋል ኣብ መንጎ ግደ ይሁዳን ብንያምን ይርከብ ነበረ። እታ “መቕደስ እግዚኣብሄር” ከምኡውን እታ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” እተሰምየት “ከተማ” ኣብቲ ንምምሕዳር ዚኸውን ክፋል እየን ዚርከባ።—ህዝቅኤል 48:9, 10, 15, 35

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

40:3–47:12—እታ ኣብ ራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ ንምንታይ ተመልክት፧ እዛ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ዓባይ ቤተ መቕደስ እዚኣ: ፈጺማ ኣይተሃንጸትን። ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ: ማለት ነቲ ኣብዚ ግዜና ንንጹህ ኣምልኾ ዚካየደሉ ኸም ቤተ መቕደስ ዝኣመሰለ ስርዓት ተመልክት። (ህዝቅኤል 40:2፣ ሚክያስ 4:1፣ እብራውያን 8:2፣ 9:23, 24) እቲ ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ እተራእየ ራእይ: እቲ ኽህነት ኣብ እተዀልዓሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ህዝቅኤል 44:10-16፣ ሚልክያስ 3:1-3) ይኹን እምበር: ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ኣብ ገነት እዩ ዚረክብ። እታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ: ንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ኸም ዚምለስን ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣይሁድ ዝመበቈላ ስድራቤት ኣብታ ሃገር ርስቲ ኸም ዚህልዋን መብጽዓ ዀነቶም።

40:3–43:17—ምልካዕ እታ ቤተ መቕደስ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ምልካዕ እታ ቤተ መቕደስ: እቲ የሆዋ ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ዘለዎ ዕላማ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ምልክት ዚኸውን እዩ።

43:2-4, 7, 9—እቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ኪወጽእ ዝነበሮ “ሬሳ ነገስታት” እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ሬሳታት ንጣኦታት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። ገዛእቲ የሩሳሌምን ህዝባን ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ ብጣኦታት ኣርኪሶምዎ ነበሩ: ብኻልእ ኣዘራርባ ኸኣ ነቶም ጣኦታት ከም ነገስታቶም ገይሮምዎም ነበሩ።

43:13-20—እቲ ህዝቅኤል ኣብቲ ራእይ ዝረኣዮ መሰውኢ ንምንታይ የመልክት፧ እቲ መሰውኢ ነቲ ምስ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ዚተሓሓዝ ፍቓድ ኣምላኽ የመልክት። ሳላ እዚ መሰናድዎ እዚ: እቶም ቅቡኣት ጸዲቖም: እቶም “ብዙሓት ሰብ” ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽሩያትን ንጹሃትን ኰይኖም እዮም። (ራእይ 7:9-14፣ ሮሜ 5:1, 2) ስለዚ ኸኣ እዩ ኪኸውን ዚኽእል እቲ ኣብታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ዝነበረ “ናይ ፍሲ ባሕሪ” ዚበሃል ካህናት ንኺሕጸቡሉ እተዳለወ ገዚፍ ጋብላ: ኣብታ ብራእይ እተራእየት ቤተ መቕደስ ዘይነበረ።—1 ነገስት 7:23-26

44:10-16—እቶም ካህናት ንመን የመልክቱ፧ እቶም ካህናት ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት የመልክቱ። እዚኣቶም በቲ ብ1918 ኣብቲ መንፈሳዊት ቤተ መቕደሱ “ኪዅልዕን ኬጽርን” እተቐመጠ የሆዋ ተዀሊዖም እዮም። (ሚልክያስ 3:1-5) እቶም ንጹሃት ኰይኖም እተረኽቡ ወይ እተነስሑ: ነቲ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎቶም ሒዞም ቀጺሎም እዮም። ድሕሪኡ: ‘ርእሶም ካብ ርኽሰት ዓለም’ ንምሕላው ኣበርቲዖም ኪዓዩ ነበሮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም ካህናት ብዘይኰኑ ነገዳት እተመሰሉ “ብዙሓት ሰብ” ኣብነት ይዀንዎም።—ያእቆብ 1:27፣ ራእይ 7:9, 10

45:1፣ 47:13–48:29—“እታ ሃገር” ኰነት እቲ እተመቕለ ግደታት ንምንታይ የመልክት፧ እታ ሃገር ንንጥፈታት ህዝቢ ኣምላኽ ተመልክት። ሓደ ኣምላኺ የሆዋ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዘየገድስ: ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽሳዕ ዝደገፈ ኣብታ ሃገር እቲኣ እዩ ዘሎ። ነታ ምድሪ ብግደታት ናይ ምምቕቓል ተግባር ከኣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ነፍሲ ወከፍ እሙን ሰብ ቦታ ምስ ወረሰ ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ።—ኢሳይያስ 65:17, 21

45:7, 16—ሰባት ነቲ ክህነትን ነቲ መስፍንን መባእ ምሃቦም እንታይ የመልክት፧ ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ: እዚ ብቐዳምነት ንመንፈሳዊ ደገፍ: ማለት ሓገዝ ምሃብን ናይ ምትሕብባር መንፈስ ምርኣይን የመልክት።

47:1-5—እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ርባ ንምንታይ የመልክት፧ እቲ ማይ ነቲ የሆዋ ንህይወት ዝገበሮ መንፈሳዊ መሰናድዎ: እንተላይ ነቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍልጠት ኣምላኽን የመልክት። (ኤርምያስ 2:13፣ ዮሃንስ 4:7-26፣ ኤፌሶን 5:25-27) እቲ ርባ በብቝሩብ እናዓመቘ ምኻዱ: ነቶም ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚውሕዙ ሓደስቲ ንምቕባል ተባሂሉ እዩ። (ኢሳይያስ 60:22) ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት በቲ ርባ ኣቢሉ ኣዝዩ ሓያል ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ: እቲ ማያቱ ኸኣ ካብቲ ሽዑ ዚግንጸል “መጻሕፍቲ” ዚርከብ ተወሳኺ ምርዳእ ኬጠቓልል እዩ።—ራእይ 20:12፣ 22:1, 2

47:12—እቲ ፈራዪ ኣእዋም ንምንታይ የመልክት፧ እቲ ምሳልያዊ ኣእዋም ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ናብ ፍጽምና ንምብጻሕ ዝገበሮ መንፈሳዊ መሰናድዎ የመልክት።

48:15-19, 30-35—እታ ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ዘላ ኸተማ ንምንታይ ተመልክት፧ እታ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተባሂላ እትስመ ኸተማ ኣብ “ዘይተቐደሰ” ቦታ ስለ እትርከብ: ንምድራዊ ነገር እተመልክት ክትከውን ኣለዋ። እታ ኸተማ ነቶም ንጽድቃዊ “ሓድሽ ምድሪ” ዜቝሙ ዘበሉ ዚጠቅም ምድራዊ ምምሕዳር እተመልክት ክትከውን ኣለዋ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ኣብ ክልቲኡ ሸነኻ ደጌታት ዘለዋ ምዃና ኸኣ: ክፍትቲ ኸም ዝዀነት የመልክት። እቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዉ ሓለውቲ: ተቐረብቲ እዮም።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

40:14, 16, 22, 26 እቲ ኣብ መእተዊታት እታ ቤተ መቕደስ ኣብ መናድቕ ተቐሪጹ ዚርከብ ስየታት: እቶም ብስነ-ምግባር ቅኑዓት ዘበሉ ጥራይ ኪኣትዉ ኸም ዚፍቀደሎም ይሕብር። (መዝሙር 92:12) እዚ ኸኣ የሆዋ ንኣምልኾና ዚቕበሎ: ቅኑዓት እንተ ዄንና ጥራይ ከም ዝዀነ ይምህረና።

44:23 ነቲ እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብኻህናት ዚምሰሉ ጕጅለ ዚህቡና ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ኰን ከነመስግነሉ ይግባእ! “እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ቕዱስን ዘይቅዱስን ዝዀነ ነገራት ዘሎ ፍልልይ ንኸነስተውዕል ዜኽእለና መንፈሳዊ ምግቢ በብግዜኡ ይህበና እዩ።—ማቴዎስ 24:45

47:9, 11 እቲ ኣገዳሲ መዳይ ምሳልያዊ ማይ ዝዀነ ፍልጠት: ኣብዚ ግዜና ብዜደንቕ መገዲ ኼጥዒ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ዝበጽሖ ዘበለ: ንሰባት ብመንፈሳዊ ህያው ይገብሮም ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ነቲ ህይወት ዚህብ ማይ ዘይቅበሉ: ‘ጨው ኰይኖም ኪነብሩ:’ ማለት ንሓዋሩ ኺጠፍኡ እዮም። ስለዚ: ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ንኸነማቕል ምጽዓርሲ’ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ!—2 ጢሞቴዎስ 2:15

‘ነቲ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ’

እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ: እቲ ኻብ መስመር ወለዶ ዳዊት ዝነበረ ናይ መወዳእታ ንጉስ ምስ ኣልገሰ: እቲ “ብዓል ፍርዲ” ወይ እቲ ንንግስነት ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኽሳዕ ዚመጽእ ነዊሕ ግዜ ኺሓልፍ ፈቐደ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንዳዊት ዝኣተዎ ኺዳን ኣይሓደጎን። (ህዝቅኤል 21:27፣ 2 ሳሙኤል 7:11-16) ትንቢት ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ “ጓሳ”ን “ንጉስ”ን ዚኸውን “ዳዊት ባርያይ” እተባህለ ይገልጽ እዩ። (ህዝቅኤል 34:23, 24፣ 37:22, 24, 25) እዚ ድማ የሱስ ክርስቶስ ሓይሊ መንግስቱ ኣብ ዚሕዘሉ እዋን እዩ። (ራእይ 11:15) የሆዋ በታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ ‘ነቲ ዓብዪ ስሙ ኪቕድሶ እዩ።’—ህዝቅኤል 36:23

ድሕሪ ሓጺር እዋን ኵሎም እቶም ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ዜርክሱ ኺጠፍኡ እዮም። እቶም ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ብምምላኽ ነቲ ስሙ ኣብ ህይወቶም ዚቕድስዎ ግን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። ሃየ እምበኣር: ነቲ ኣብዚ ግዜና ብብዝሒ ዚውሕዝ ዘሎ ማያት ህይወት ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ: ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ድማ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ንሃቦ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ህዝቅኤል 1:1–24:27 መብርሂ እንተ ደኣ ደሊኻ: ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2007 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ “ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ግርማዊት ቤተ መቕደስ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ህዝቅኤል ኣብ ዝረኣዮ ራእይ ዘሎ ርባ ህይወት ንምንታይ የመልክት፧

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.