ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ”

“ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ”

“ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ”

“ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ: ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ።” —ሉቃስ 12:15

1, 2. (ሀ) ንሰባት ዜገድሶምን ዚከታተልዎን ነገር እንታይ እዩ፧ (ለ) በዚ ኸምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ኽንጽሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

 መብዛሕትኦም ሰባት ንገንዘብ: ንጥሪት: ንጽቡቕ ስም: ብዙሕ ደሞዝ ንዚኽፈሎ ስራሕ ከም ኣሳልጦ ወይ ከኣ ዜተኣማምን መጻኢ ኸም ዚህልወካ ዚገብር ውሕስነት ገይሮም ይርእይዎ። ስጋዊ ረብሓታትን ኣሳልጦን ምርካብ: ነቶም ኣብተን ሃብታማት ይኹና ድኻታት ሃገራት ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ዜገድሶምን ዚከታተልዎን ነገር እዩ። ብኣንጻሩ ግን: ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘለዎም ተገዳስነት ብቕልጡፍ የንቈልቍል እዩ ዘሎ።

2 እዚ ድማ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ኸምዚ ዚብል ትንቢት ዚሰማማዕ እዩ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: . . . ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብቐጻሊ ስለ ዚራኸቡ: ምስቲ ኣተሓሳስባኦምን ኣገባብ ኣነባብራኦምን ተሰማሚዖም ንኺነብሩ ብቐጻሊ ጸቕጢ ይወርዶም እዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ‘ጭፍልቕ ኣቢላ ኣብቲ ናታ ቕርጺ ኸይተእትወና’ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧—ሮሜ 12:2 ብጀይ. ቢ. ፊልፕስ እተዳለወ ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ

3. ነየናይ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ኢና ኽንምርምር፧

3 የሱስ ክርስቶስ “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን” ከም ምዃኑ መጠን: ኣብዚ መዳይ እዚ ሓያል ትምህርቲ ሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 12:2) ሓደ እዋን: የሱስ ንብዙሓት ህዝቢ: መንፈሳዊ ምስትውዓል ብዛዕባ ዚህብ ጕዳይ እናተዛረቦም ከሎ: ሓደ ሰብኣይ ነቲ ዘረባ ብምዅላፍ: “መምህር: ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ” ኢሉ ሓተቶ። ብድሕርዚ: የሱስ ነቲ ሰብኣይን ነቶም ዚሰምዑ ዝነበሩ ሰባትን ረዚን ምኽሪ ሃቦም። ንስስዐ ብዚምልከት ሓያል መጠንቀቕታ ሃበ: ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ድማ ብሓደ ዜመራምር ምሳሌ ኣደልደሎ። ነቲ የሱስ ሽዑ ዝበሎ ኸነቕልበሉ ኸምኡውን ነዚ ኣብ ህይወትና ግብራዊ ብምግባር ብኸመይ ከም እንጥቀም ክንምርምር ኣሎና።—ሉቃስ 12:13-21

ዘይግቡእ ሕቶ

4. እቲ ሰብኣይ ንየሱስ ምዅላፉ ግቡእ ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 እቲ ሰብኣይ ነቲ ዘረባ ቕድሚ ምዅላፉ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱን ንኻልኦትን: ንርእስኻ ኻብ ግብዝና ብዛዕባ ምሕላው: ብትብዓት ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ንወዲ ሰብ እትእመኖ ብዛዕባ ምዃን: ከምኡውን ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ብዛዕባ ምቕባል እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ሉቃስ 12:1-12) እዚ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺዝክርዎ ዚግብኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ርእሰ ነገር እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝበለ ዜመራምር መደረ እናሃበ ኸሎ ግን: እቲ ሰብኣይ ብሃንደበት ብምዅላፍ: የሱስ ኣብቲ ስጋዊ ሃብቲ ንምርካብ ኢልካ ኣብ መንጎ ስድራቤት ዘጋጠመ ባእሲ ንኺፈርድ ሓተቶ። ካብዚ ፍጻመ እዚ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።

5. እቲ ሰብኣይ ዝሓተቶ ሕቶ ብዛዕባኡ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

5 ሓደ መጽሓፍ: “ባህርይ ሓደ ሰብ: በቲ ሃይማኖታዊ ምኽሪ ኺወሃብ ከሎ ሓሳባቱ ዜተኵረሉ ኣንፈት ኪፍለጥ ይከኣል እዩ” ይብል። የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ኪዛረብ ከሎ: እቲ ሰብኣይ ምናልባት ብኸመይ ቍጠባዊ ረብሓ ኺረክብ ከም ዚኽእል ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ርስቲ ኸም ዚጠርዕ ዝገበሮ ሕጋዊ ምኽንያት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ኣይተጠቕሰን። ምናልባት ነቲ የሱስ ዝነበሮ ስልጣንን ንጕዳያት ደቅሰብ ብጥበብ ናይ ምሓዝ ክእለቱን ተጠቒሙ ረብሓ ኺረክብ ይፍትን ነይሩ ይኸውን። (ኢሳይያስ 11:3, 4፣ ማቴዎስ 22:16) ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ዘቕረቦ ሕቶ ኣብ ውሽጡ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ኣኽብሮት ከም ዘይነበሮ ዚሕብር እዩ። እዝስ ንርእስና ንኽንምርምር ዚድርኸና ጽቡቕ ምኽንያት ደይኰነን፧ ንኣብነት: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ኣእምሮና ብሓሳብ ይወፍር ወይ ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ኽንገብሮ እንደሊ ነገራት ይሓስብ ይኸውን። ከምዚ ኣብ ክንዲ እንገብር ግን: ናብቲ ዚበሃል ዘሎ ኸነቕልብን ግብራዊ ኽንገብሮ ብዛዕባ እንኽእለሉ መገድታት ክንሓስብን ኣሎና፣ እዚ ድማ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽን ምስ ካልኦት ክርስትያናት ብጾትናን ዘሎና ርክብ ንኺመሓየሽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—መዝሙር 22:22፣ ማርቆስ 4:24

6. የሱስ ከምቲ እቲ ሰብኣይ ኪገብረሉ ዝሓተቶ ዘይገበረ ስለምንታይ እዩ፧

6 እቲ ሰብኣይ ነቲ ሕቶ ኸም ዜቕርብ ዝገበሮ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: የሱስ ግን ነቲ ዝደለዮ ኣይገበረሉን። ኣብ ክንዳኡስ: “ኣታ ሰብኣይ: ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” በሎ። (ሉቃስ 12:14) የሱስ ከምዚ ኢሉ ምምላሱ ነቲ እቶም ህዝቢ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ነገር እዩ ዚጠቅስ ነይሩ፣ ከመይሲ: ብመሰረት ሕጊ ሙሴ: እቶም ኣብ ከተማታት ዝነበሩ ፈረድቲ ንኸምዚ ዝበለ ጕዳያት ኪፈትሑ እዮም ዚሽየሙ ነይሮም። (ዘዳግም 16:18-20፣ 21:15-17፣ ሩት 4:1, 2) የሱስ ግን ብኻልእ ኣድላዪ ነገር ትሑዝ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ሓቂ ምምስካርን ንሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ምምሃርን እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 18:37) ንሕና እውን ኣርኣያ የሱስ ብምስዓብ: ኣብ ክንዲ ብዓለማዊ ጕዳያት ነስግል: ንግዜናን ጕልበትናን ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽን ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን’ ከነውዕሎ ኣሎና።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19

ካብ ስስዐ ተጠንቀቕ

7. የሱስ ከመይ ዝበለ ምስትውዓል ዝመልኦ ትዕዝብቲ እዩ ገይሩ፧

7 የሱስ ልቢ ኼንብብ ስለ ዚኽእል: እቲ ሰብኣይ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት ንኺኣቱ ዘቕረበሉ ሕቶ: ርዝን ዝበለ ነገር ከም ዜጠቓልል ፈሊጡ ነበረ። ስለዚ: ነቲ ሕቶ ኣብ ክንዲ ሸለል ኢሉ ዚሓልፎ: ናብ ሕመረት እቲ ጕዳይ ብምእታው: “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ: ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” በሎም።—ሉቃስ 12:15

8. ስስዐ እንታይ እዩ፧ ናበይከ እዩ ዚመርሕ፧

8 ብመሰረት ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ: ስስዐ ኺበሃል ከሎ: ‘ኵሉ ንርእስኻ ኽትገብር ምድላይ: ምንፋግ: ምህርጋፍ: እምብዛ ምህራፍ’ ማለት እዩ። እቲ ንርእስኻ ኪኸውን እትደልዮ ነገር ኣድላዪ ይኹን ኣይኹን ወይ ኣብ ካልኦት ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ብዘየገድስ: ናትካ ንኪኸውን ትምኒት ወይ ስስዐ ምሕዳር ዜጠቓልል እዩ። ሓደ ስሱዕ ሰብ: እዚ ትምኒት እዚ ንኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ንኺዕብልሎ ስለ ዜፍቅደሉ: ኣብ መወዳእታ ኣምላኹ ይገብሮ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓደ ስሱዕ ሰብ ምስቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ርስቲ ዘይብሉ መምለኽ ጣኦት ከም ዘተሓሓዞ ኣይትረስዕ።—ኤፌሶን 5:5፣ ቈሎሴ 3:5

9. ስስዐ ብኸመይ እዩ ኺርአ ዚኽእል፧ ገለ ኣብነታት ሃብ።

9 እቲ ዜገርም ድማ: የሱስ “ካብ ኵሉ ስስዔ” ኽንሕሎ መጠንቀቕታ ሂቡ ነበረ። ስስዐ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚመጽእ። ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ናይ መወዳእታ: “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ: ግዙኡ: ግዝእቱ: ብዕራዩ: ኣድጉ: ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ” ትብል። (ዘጸኣት 20:17) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ብእተፈላለየ መገዲ ስስዐ ስለ ዘርኣዩ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ዝወደቑ ብዙሓት ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። እቲ ብመጀመርታ ዘይናቱ እተመነየ ሰይጣን እዩ: ነቲ ንየሆዋ ጥራይ ዚግብኦ ውዳሰን ክብርን ስልጣንን ኪረክብ ድማ ደለየ። (ራእይ 4:11) ሄዋን ነቲ ርእሰ-ውሳነ ናይ ምግባር መሰል ክትረክብ ተመነየት: በዚ ስለ እተታለለት ከኣ ደቅሰብ ኣብ ሓጢኣትን ሞትን ወደቑ። (ዘፍጥረት 3:4-7) እቶም “ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር: መዓርጎም ዘይሐለዉ” ቐደም መላእኽቲ ዝነበሩ ኣጋንንቲ: በቲ ዝነበሮም ብዘይምዕጋቦም ዘይግብኦም ተመነዩ። (ይሁዳ 6፣ ዘፍጥረት 6:2) ብዛዕባ በላዓም: ኣካን: ገሓዚ: ይሁዳ እውን ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። በቲ ዘለዎም ነገር ኣብ ክንዲ ዚዓግቡ: ስጋዊ ጥሪት ንኺህልዎም ዘሕደርዎ ኻብ መጠን ዝሓለፈ ትምኒት: ንሓላፍነታቶም ብዘይግቡእ ከም ዚጥቀሙሉ ገበሮም፣ እዚ ድማ ውድቀትን ዕንወትን ኣስዓበሎም።

10. ከምቲ የሱስ ዝመዓዶ: ብኸመይ ኢና ኻብ ስስዐ ‘ኽንጥንቀቕ’ ዘሎና፧

10 የሱስ ኣብቲ ንስስዐ ብዚምልከት ዝሃቦ ሓሳብ: “ተጠንቀቑ” ምባሉ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ግቡእ ነይሩ! ስለምንታይ፧ ገሊኦም ካልእ ሰብ ስሱዕ ኪኸውን ከሎ ብቐሊሉ እዩ ዚርኣዮም: ንሳቶም ስሱዓት ምዃኖም ዚቕበሉ ግን ሳሕቲ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር እውን ሕማቕ ትምኒት “ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ” በለ። (ያእቆብ 1:15) ምስቲ የሱስ ዝሃቦ ምዕዶ ብምስምማዕ: ንኻልኦት ሰባት ስሱዓት ጌርካ ኣብ ምርኣይ ዝመጸ ጥራይ ዘይኰነስ: ልብና ኣበይ የድህብ ከም ዘሎ ንርእስና ኣብ ምምርማር እውን ‘ክንጥንቀቕ’ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ‘ካብ ኵሉ ስስዐ ንኽንሕሎ’ ኺሕግዘና እዩ።

ብዝሒ ገንዘብ ዘለዋ ህይወት

11, 12. (ሀ) የሱስ ንስስዐ ብዚምልከት እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃበ፧ (ለ) ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸነቕልበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ካብ ስስዐ ኽንርሕቀሉ ዚግብኣና ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” ከም ዝበለ ኣስተብህል። (ሉቃስ 12:15) ኣብዚ ሰባት ንሃብትን ንብልጽግናን ምስ ሓጐስን ኣሳልጦን ዜተሓሕዙሉ ዘለዉ ፍቕረ-ንዋይ ዝበዝሓሉ ግዜ: ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ: ትርጕም ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት: ካብ ብዝሒ ስጋዊ ጥሪት ከም ዘይመጽእን ኣብኡ ኸም ዘይምርኰስን እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

12 ገሊኦም ሰባት ግን ምስዚ ኣይሰማምዑን ይዀኑ። ስጋዊ ጥሪት ንህይወት ብዝያዳ ጥጥሕትን ባህ እተብልን ዋጋ ዘለዋን ከም ዚገብራ ይሓስቡ ይዀኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ነቲ ዚብህግዎ ጥሪትን ኣቕሑን ንኺረኽቡ ላዕልን ታሕትን ይብሉ። ከምዚ ምግባር: ምሹእ ህይወት ከም ዜምጽኣሎም ገይሮም ድማ ይሓስቡ። ይኹን እምበር: ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ ነቲ የሱስ ዝገለጾ ነጥቢ ይስሕትዎ እዮም።

13. ብዛዕባ ህይወትን ጥሪትን ኪህልወና ዘለዎ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧

13 የሱስ ኣብቲ ሃብቲ ኺህልወካ ቕኑዕ ድዩ ጌጋ ዚብል ነጥቢ ኣይኰነን ዘተኵር ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ: ህይወት ሓደ ሰብ “ብብዝሒ ገንዘብ:” ማለት በቲ ዘጥረዮ ነገራት ከም ዘይኰነት እዩ ዚሕብር ነይሩ። ከም ሓቂ ኸኣ: ብህይወት ንምንባር ብዙሕ ነገር ከም ዘየድልየና ንፈልጥ ኢና። ሒደት ምግብን እንኽደኖ ኽዳንን እነዕርፈሉ ቦታን ጥራይ እዩ ዜድልየና። ሓደ ሃብታም ሰብ እዚ ነገራት እዚ ብብዝሒ ይህልዎ ይኸውን: እቲ ድኻ ድማ ነቲ ዜድልዮ ነገራት ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ይብል ይኸውን። ህይወት ሰብ ምስ ኣብቅዐት ግን: ኵሉ ነገራት ናብ መወዳእታኡ ስለ ዚበጽሕ: እዚ ዅሉ ፍልልይ እዚ ኸም ዘይነበረ ይኸውን። (መክብብ 9:5, 6) ስለዚ: ትርጕምን ዋጋን ህይወት: ኣብቲ ሓደ ሰብ ዜጥርዮ ወይ ዚውንኖ ነገራት እተመርኰሰ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ: ከምኡ እውን ኪኸውን የብሉን። የሱስ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዝነበረ ብዝያዳ ምስ መርመርና: እዚ ሓሳብ እዚ ኺንጽረልና እዩ።

14. ካብ ትርጕም እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ህይወት” እትብል ቃል እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

14 የሱስ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” ኪብል ከሎ: እታ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዘላ “ህይወት” እትብል ቃል (ብግሪኽኛ ዞይ) ንኣነባብራ ዘይኰነስ: ንህይወት ንባዕላ እያ እተመልክት። a ስለዚ የሱስ: ሃብታማት ንኹን ድኻታት ወይ ብተድላ እንነብር ንኹን ድራር ዕለትና ንምርካብ እንቃለስ ብዘየገድስ: ክሳዕ መዓስ ብህይወት ከም እንቕጽል: ጽባሕ እውን እንተ ዀነ ብህይወት ንሃሉ ኣይንሃሉ ኸም ዘይንፈልጥ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት: “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧” በለ። (ማቴዎስ 6:27) መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ጥራይ “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ኸም ዝዀነ ብንጹር ይገልጽ እዩ: ነቶም እሙናት ሰባት ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ “ናይ ሓቂ ህይወት” ወይ “ህይወት ዘለኣለም” ኪህቦም ዚኽእል ድማ ንሱ ጥራይ እዩ።—መዝሙር 36:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19

15. ብዙሓት ሰባት ትውክልቶም ኣብ ስጋዊ ጥሪት ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧

15 ቃላት የሱስ: ሰባት ንህይወት ዘለዎም ኣረኣእያ ብቐሊሉ ኺዛባዕ ከም ዚኽእል ዚሕብር እዩ። ሃብታማት ይኹኑ ድኻታት: ኵሎም ደቅሰብ ዘይፍጹማት እዮም: መወዳእታኦም ከኣ ሕደ እዩ። እቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሙሴ: “መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት: እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ: ቀልጢፉ ይሐልፍ: ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ: ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ” በለ። (መዝሙር 90:10፣ እዮብ 14:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 1:24) እቶም ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ዘይብሎም ሰባት: ነዚ መመኽነይታ ብምግባር: ነቲ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዚብል ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ኣተሓሳስባ ይስዕቡ። (1 ቈረንቶስ 15:32) ካልኦት ከኣ ህይወት ሓጻርን ሓላፊትን ምዃና ብምርኣይ: ብስጋዊ ጥሪት ኣቢሎም ድሕንነትን ነባርነትን ኪረኽቡ ይፍትኑ። ብዙሕ ንዋት ምጥራይ ንህይወት እተተኣማምን ዚገብራ ዀይኑ ይስምዖም። ስለዚ ድማ እዮም ሃብትን ንዋትን ንምእካብ ብዘይምቍራጽ ዚዓዩ: ነዚ ነገራት እዚ ኸኣ ብጌጋ ምስ ድሕንነትን ሓጐስን ማዕረ ገይሮም ይርእይዎ።—መዝሙር 49:6, 11, 12

ዜተኣማምን መጻኢ

16. ናይ ሓቂ ዋጋ ህይወት ኣብ ምንታይ እተመርኰሰ ኣይኰነን፧

16 ሓቂ እዩ: ልዑል መነባብሮ ምንባር: ማለት ብዙሕ ምግብን ክዳንን መዕቀልን ካልእ ምሹው ነገራትን ምህላው ንህይወትና ብዝያዳ ጥጥሕቲ ኺገብራ ወይ ብሉጽ ሕክምና ረኺብና ዕድመና ኽንውስኽ የኽእለና ይኸውን። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ህይወት ትርጕም ዘለዎን ዝያዳ ዜተኣማምንን ድዩ፧ ናይ ሓቂ ዋጋ ህይወት ብንውሓት ዕድመ ወይ ብብዝሒ ሃብቲ ኣይኰነን ዚምዘን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከምዚ ዘበለ ነገራት እምንቶ ምሕዳር ሓደገኛ ምዃኑ ገሊጹ ነበረ። ንጢሞቴዎስ “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ: በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም” ኢሉ ጸሓፈሉ።—1 ጢሞቴዎስ 6:17

17, 18. (ሀ) ንስጋዊ ጥሪት ብዚምልከት ክንቀድሖም ዚግብኣና ብሉጻት ኣብነታት መን እዮም፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ኢና ኽንምርምር፧

17 ሃብቲ “ሓላፊ” ስለ ዝዀነ: ብእኡ ምትእምማን ጥበባዊ ኣይኰነን። እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ ሃብታም ነበረ፣ ሃንደበታዊ መዓት ምስ ወረዶ ግን: እቲ ዝነበሮ ሃብቲ ብምጥፋኡ ኺሕግዞ ኣይከኣለን። እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ድልዱል ርክብ እዩ ነቲ ፈተናታትን ጸበባን ንኺሰግሮ ዝሓገዞ። (እዮብ 1:1, 3, 20-22) ኣብርሃም እቲ ዝነበሮ ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መዝነት ከም ዘይቅበል ኣይገበሮን: “ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት” ብምዃን ድማ ተባረኸ። (ዘፍጥረት 12:1, 4፣ 17:4-6) ነዝን ንኻልእ ኣብነታትን ክንቀድሖ ኣሎና። ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ኣብ ህይወትና ብቐንዱ ዜገድሰና ነገር እንታይ ምዃኑ ኸምኡውን ብምንታይ ንተኣማመን ከም ዘለና: ንርእስና ኽንምርምር ኣሎና።—ኤፌሶን 5:10፣ ፊልጲ 1:10

18 እቲ የሱስ ብዛዕባ ስስዐን ብዛዕባ ህይወትን ኪህልወና ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ ብዚምልከት እተዛረቦ ሒደት ቃላት: ብሓቂ ትርጕም ዘለዎን መሃርን እዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ኣብዚ ደው ኣየበለን፣ የግዳስ: ብዛዕባ ሓደ ዓሻ ሃብታም ሰብኣይ ዚገልጽ ዜመራምር ምሳሌ ተዛረበ። እቲ ምሳሌ እቲ ምስዚ ግዜና ዚሰማማዕ ብኸመይ እዩ፧ ካብኡኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ “ህይወት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ኻልእ ናይ ግሪኽ ቃል ባዮስ እትብል ኰይና: እቲ “ባዮግራፊ” ኸምኡውን “ባዮሎጂ” ዚብል ናይ እንግሊዝኛ ቓላት ካብዚ እተወስደ እዩ። ብመሰረት እቲ ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት: እታ ባዮስ እትብል ቃል “ንዕምሪ ህይወት:” “ንናብራ:” ከምኡውን “ንመነባብሮ” እያ እተመልክት።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ነቲ ሓደ ሰብኣይ ኪግበረሉ ዝሓተቶ ዘይምግባሩ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

• ንርእስና ኻብ ስስዐ ኽንሕሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ነዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧

• ህይወት ካብ ብዝሒ ስጋዊ ጥሪት ዘይኰነት ስለምንታይ እያ፧

• ንህይወት ዋጋ ዘለዋን ውሑስን ዚገብራ እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቲ ሓደ ሰብኣይ ኪግበረሉ ዝሓተቶ ዘይገበረሉ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ስስዐ ሕማቕ ሳዕቤናት ኬምጽእ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ንስጋዊ ጥሪት ግቡእ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧