ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምጽሓፍ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሮ ኣገዳስነት

ምጽሓፍ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሮ ኣገዳስነት

ምጽሓፍ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሮ ኣገዳስነት

ሓደ ኻብቲ ኽልተ ዓበይቲ ግጥምታት ቅያ ጥንታዊ ግሪኽ ዝዀነ ኢላድ ወይ ኦዲሲ ኣንቢብካዶ ትፈልጥ፧ እዚ ጽሑፋት እዚ ኣብ ታሽዓይ ወይ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ኣቢሉ እተጻሕፈ ጌርካ እዩ ዚሕሰብ። ምስቲ ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ ኺጸሓፍ እተጀመረ መጽሓፍ ቅዱስ ኪነጻጸር ከሎ ኸመይ እዩ፧ ዘ ጂውሽ ባይብል ኤንድ ዘ ክርስትያን ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ: “መጽሓፍ ቅዱስ ካብ 429 ሳዕ ዘይውሕድ ንምጽሓፍን ንእተጻሕፈ ሰነዳትን ይጠቅስ እዩ። ነዚ ነገር እዚ ኢላድ ሓንሳእ ጥራይ ከም ዝጠቐሰ: ኦዲሲ ኸኣ ፈጺሙ ኸም ዘይጠቐሰ ኽንዝክር ከለና: እዚ ልዑል ኣገዳስነት ይህልዎ” በለት።

ዘ ኦክስፎርድ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኣርኪዮሎጂ ኢን ዘ ኒያር ኢስት ዚበሃል መዝገበ-ቓላት: “ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ምጽሓፍ ክፍሊ ሃይማኖት ዝነበረ እዩ ዚመስል” በለ። ንኣብነት: እቲ ሕጊ ኺዳን ብጽሑፍ እዩ ሰፊሩ: ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብስሩዕ ይንበብ ነበረ። ብጕጅለ ዀነ ብውልቂ እውን ይንበብን ይጽናዕን ነበረ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊቨርፑል ገዲም ኣስተምሃሪ ዝዀነ ኣለን ሚለርድ: ገለ መዳያት እቲ ሕጊ ሙሴ ድሕሪ ምምርማር: “ምንባብን ምጽሓፍን ኣብ መብዛሕትኡ ጽፍሕታት ንዘሎ ህይወት ኪጸሉ እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ ነይሩ” ኢሉ ደምደመ።—ዘዳግም 31:9-13፣ እያሱ 1:8፣ ነህምያ 8:13-15፣ መዝሙር 1:2

ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ነዚ ቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ኪርእይዎ ኸም ዘለዎም ኪገልጽ ከሎ: “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” በለ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ብምንባብ ንዕኡ ዘሎካ ሞሳ ብብሕትኻ ተርኢ ዲኻ፧—ሮሜ 15:4