ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ኣበየናይ ኣርባዕተ መዳያት እዩ ዜውዕላ፧

ብቐዳምነት ኣብቶም ብዙሓት ኣባላት ዘለውዋ ጕጅለ እቶም እተቐብኡ ክርስትያናት እያ እትውዕል (ኣብ ገሊኡ ጥቕስታት ንክርስቶስ እውን ትሓቍፍ እያ)። ኣብ ካልእ እዋን: እታ ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ነቶም ኣብ እተወሰነ እዋን ዚነብሩ ዝነበሩ ዅሎም ክርስትያናት እያ እተመልክት። እቲ ሳልሳይ መዳይ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብ ሓደ ጂኦግራፊያዊ ቦታ ዝነበሩ ክርስትያናት እዩ ዜመልክት። ኣብ መወዳእታ: እዛ ቓል እዚኣ ንሓንቲ ኣብ ሓደ ኸባቢ ዘላ ጉባኤ እተመልክት እያ።—15/4 ገጽ 21-3

• እቲ ንሰማያዊ ተስፋ ዚግበር ጽውዓ ክርስትያናት መዓስ እዩ ዜቋርጽ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣነጺሩ ኣይምልሰልናን እዩ። እቲ ጽውዓ ብ33 ድ.ክ. እዩ ጀሚሩ: ክሳዕ ዘመንና ድማ ይቕጽል ኣሎ። ድሕሪ 1935 ዕላማ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ: ናብ ምእካብ እቶም ብዙሓት ሰብ ተቐየረ። ገለ ኻብቶም ብድሕሪ 1935 እተጠምቁ ክርስትያናት ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ መስኪሩሎም እዩ፣ ስለዚ እምበኣር: እቲ ጽውዓ ዘቋረጸሉ ውሱን ዕለት እዚ እዩ ኢልና ኽንጠቅስ ኣይንኽእልን ኢና። እቶም ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያናት ካብ ካልኦት ዚዛይድ መንፈስ ቅዱስ የብሎምን: ፍሉይ ቈላሕታ ኺግበረሎም እውን ኣይጽበዩን እዮም። ተስፋኦም ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ግን: ክርስትያናት እሙናት ኪዀኑን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባሮም ኪቕጽሉን ኣለዎም።—1/5 ገጽ 30-1

• ይፍታሕ መብጽዓ ኺመባጻዕ ከሎ: ንጓሉ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሩ ንኣምላኽ ኬቕርባ ድዩ ዚሓስብ ነይሩ፧

ኣይፋሉን። ይፍታሕ ነቲ ኪቕበሎ ዚወጽእ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ጥራይ ንኼገልግል ኪውፍዮ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ: እዚ ኸኣ ምስቲ ሕጊ ሙሴ ዚገልጾ መሰናድዎ ዚሰማማዕ እዩ። (1 ሳሙኤል 2:22) ነቲ መብጽዓ ንምፍጻም: ጓል ይፍታሕ ኣብቲ ማሕደር ተገልግል ነበረት: እቲ ዝኸፈለቶ መስዋእቲ ድማ ዓብዪ ነበረ፣ ከመይሲ: ዕድሚኣ ምሉእ ኣይትምርዖን ማለት እዩ።—15/5 ገጽ 9-10

• ኮዴክስ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትና እንታይ ግደ ነበሮ፧

ክርስትያናት ክሳዕ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣቢሉ መብዛሕትኡ ግዜ ጥቕላል ዚጥቀሙ ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዘመን ግን: ኣብ መንጎ እቶም ኮዴክስ ዚመርጹን ጥቕላል ዚመርጹን ሰባት ቃልሲ ነበረ። ክርስትያናት ኮዴክስ ምጥቃሞም: እዚ ኣገባብ ኣጠራንፋ እዚ ሰፊሕ ተቐባልነት ንኺረክብ ዓብዪ ግደ ኸም ዝነበሮ ኽኢላታት ይኣምኑ።—1/6 ገጽ 14-15

• ዓውደ-ኣዋርሕ ጌዘር እንታይ እዩ፧

ብ1908 ኣብ ሓንቲ ጌዘር እትበሃል ከተማ እተረኽበ ሓደ ንእሽቶ ጽላት እምኒ ኖራ እዩ። ብዙሓት ሰባት ሓደ ተመሃራይ መላመዲ ኺዓዪ ኸሎ ዝጸሓፎ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ። እዚ ጽላት እዚ ብዛዕባ ሕርሻዊ ዓመት ወይ ዑደት ብቕልል ዝበለ መልክዕ እዩ ዚገልጽ: በቲ ምህርቲ ዚእከበሉ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ዚውዕል እዋን ድማ እዩ ዚጅምር: ንእተፈላለየ ኣእካልን ሕርሻዊ ንጥፈታትን ከኣ ይጠቅስ።—15/6 ገጽ 8

• ኣብ መንፈስ ቅዱስ ምሕጣእ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኪሕጣእ ይከኣል እዩ: እዚ ኸኣ ይቕረ ዘይበሃሎ እዩ። (ማቴዎስ 12:31) ይቕረ ዘይበሃል ሓጢኣት እንተ ጌርና ወይ እንተ ዘይጌርና ዚውስን ኣምላኽ እዩ: መንፈሱ ኼግድፈና ዚኽእል እውን ንሱ እዩ። (መዝሙር 51:11) በቲ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ኣመና እንተ ጕሂና: ብሓቂ ኸም እተነሳሕና ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ: ኣብቲ መንፈስ ሓጢእና ኺበሃል ድማ ኣይከኣልን እዩ።—15/7 ገጽ 16-17

• ንጉስ ሳኦል ድሮ ምስ ዳዊት ርክብ ዝነበሮ ኽነሱ: ወዲ መን ምዃኑ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ሳሙኤል 16:22፣ 17:58)

ሳኦል ስም ኣቦ ዳዊት ኪፈልጥ ጥራይ ኣይኰነን ደልዩ ነይሩ። ሳኦል ነቲ ዳዊት ንጐልያድ ብምስዓር ዘርኣዮ ዓብዪ እምነትን ትብዓትን ብምርኣዩ: ከምዚ ዓይነት ወዲ ዘዕበየ ሰብኣይ መን ምዃኑ ኺፈልጥ ደለየ። ሳኦል ንእሴይ ወይ ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ሰራዊቱ ኼእትዎም ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።1/8 ገጽ 31