ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ንድፊ ኣድንቆ: ብዛዕባ እቲ ነዳፊ ኸኣ ተምሃር

ነቲ ንድፊ ኣድንቆ: ብዛዕባ እቲ ነዳፊ ኸኣ ተምሃር

ነቲ ንድፊ ኣድንቆ: ብዛዕባ እቲ ነዳፊ ኸኣ ተምሃር

ብዛዕባ እቲ ኢጣልያዊ ሰኣልን ቀራጽን ዝዀነ ሚካኤልኣንጀሎ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ሓደ ኻብቲ ባዕሉ ዝሰርሖ ብሉጽ ኢደ-ጥበባዊ ስርሓቱ እኳ እንተ ዘይረኣኻ: ምስቲ ነዚ በሊሕ ኢጣልያዊ “መስተንክርን መወዳድርቲ ዘይብሉን ስነ-ጥበባዊ” ኢሉ ዝጸውዖ ጸሓፍ ታሪኽ ትሰማማዕ ትኸውን ኢኻ። ሚካኤልኣንጀሎ ዝነበሮ ኽእለት ኣሉ ኺበሃል ዚከኣል ኣይኰነን። ንኢደ-ጥበባዊ ስርሓት ሚካኤልኣንጀሎ እናኣድነቐ: ነዚ ስነ-ጥበባዊ ሰብኣይ ከየድነቐ ዚሓልፍ እሞ መን ኣሎ፧

ሕጂ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘሎ ሕልኽላኽን በበይኑ ዝዓይነቱን ዜስተንክር ዓይነት ህይወት እሞ ሕስብ ኣብል። ሓደ ፕሮፌሰር ስነ-ህይወታዊ ምርምር: “ኣብ እተፈላለየ መዳያት ስነ-ህይወት መርትዖታት ንድፊ ኣሎ” ኸም ዝበለ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ጠቒሳ ኣላ። ብተወሳኺ እውን: “ህይወት ብንድፊ የስደምመና እዩ” በለ። ነቲ ነዳፊ ኸየድነቕካ: ንንድፊ ኸተድንቕሲ ርትዓዊ ድዩ፧

ንኸባቢኡ ተጠንቂቑ ዚዕዘብ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ: ብዛዕባ እቶም ‘ኣብ ክንዲ ፈጣሪ ንፍጡር ዘምለኹን ዘገልገሉን’ ሰባት ተዛረበ። (ሮሜ 1:25) ገሊኦም ሰባት በቲ ኣብ ኵሉ ተዘርጊሑ ዘሎ ሓሳባት ፍልቀት ስለ እተጸልዉ: ንድፊ ናብ ነዳፊ ኸም ዜመልክት ኣፍልጦ ኣይህቡን እዮም። ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ግን ናይ ሓቂ ስነ-ፍልጠት ድዩ፧ ናይ ካቶሊክ ሊቀ-ጳጳሳት ቭየና ዝዀነ ክሪስቶፍ ሾንቦርን ኣብ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ: “ነቲ ኣብ ስነ-ህይወት ንድፊ ኸም ዘሎ ዚሕብር ዓብላሊ መርትዖ ኪኽሕድ ወይ ኬናሹ ዚፍትን ዝዀነ ይኹን ሓሳብ: ስነ-ሓሳብ ጥራይ ደኣ እዩ እምበር ስነ-ፍልጠት ኣይኰነን” ዚብል መደምደምታ ኣቕሪቡ ነበረ።

ናይ ስነ-ፍልጠት መወዳእታ ድዩ፧

ይኹን እምበር: ፈጣሪ ኸም ዘሎ ምቕባል “ንምርምር ኪዓግት እዩ” ኢሎም ዚሓስቡ ኣለዉ። ኒው ሳይንቲስት ኣብ እትበሃል መጽሔት ዝወጸት ዓንቀጽ: ነዚ ፍርሂ እዚ ኽትገልጾ ኸላ: “እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምርምር ዚግበረሉ ስነ-ፍልጠት: ‘እቲ ነዳፊ ገይርዎ’ ብዚብል ዘይስገር ዕንቅፋት ስለ ዚዕገት መወዳእታ ይግበረሉ” ኢላ ኣላ። እዚ ፍርሂ እዚ ግቡእ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብኣንጻሩ እዩ። ስለምንታይ፧

ኣጋጣምን ስዒቡ ዝመጸ ፍልቀትን ንዩኒቨርስ ኰነ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ኣምጺኡ ኢልካ ምቕባል: ትርጕም ዘለዎ መግለጺ ንምርካብ ዘይምፍታን እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ሓደ መስተውዓሊ ፈጣሪ ነዚ ዅሉ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፈጢርዎ ኢልካ ምሕሳብ: ንተፈጥሮን ነቲ ኣብ ግኡዝ ዩኒቨርስ እተራእየ ምስትውዓሉን ናብ ምምርማር ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ነዚ ነጥቢ እዚ እስከ ሕሰበሉ:- ጸሓፍቲ ታሪኽ ስነ-ጥበብ: ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ን“ሞና ሊዛ” ኸም ዝሰኣላ ምፍላጦም: ብዛዕባ ተክኒኩን ብዛዕባ እተጠቕመሉ ናውትን ካብ ምምርማር ደው ከም ዜብሉ ኣይገበሮምን። ብተመሳሳሊ: ሓደ ነዳፊ ኸም ዘሎ ምቕባል: ብዛዕባ ዝርዝርን ሕልኽላኽን ንድፉ ዀነ ፍጥረቱ ኻብ ምሕታት ኪዓግተና የብሉን።

መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ ምርምር ከይግበር ኣብ ክንዲ ዚዓግት: ንስነ-ፍልጠታውን መንፈሳውን ሕቶታት መልሲ ኸነናዲ እዩ ዜተባብዕ። ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብውሕሉል መገዲ እተቐርጸ ኣካላቱ ኣስተንተነ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ: “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ: ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” በለ። (መዝሙር 139:14) አረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስሲ: ፈጣሪ ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ: “ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዶ፧” ኢሉ ኸም ዝሓተቶ እውን ተገሊጹ ኣሎ። (እዮብ 38:18) እዚ ንጥያቐ ወይ ንምርምር ዚዓግት ሓሳብ ከም ዘይብሉ ንጹር እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: እቲ ኽኢላ ነዳፊ ንግብርታት ኢዱ መጽናዕቲ ኺግበረሉ እዩ ዓዲሙ። ነብዪ ኢሳይያስ ነቲ ንፍጥረት ዝፈጠረ መን ምዃኑ ዘሎና ምርዳእ ከነስፍሕ ኬተባብዓና ኸሎ: “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። ድሕርዚ: ኢሳይያስ 40:26 ምስቲ E=mc2 ዚብል ኣዝዩ ዚፍለጥ ቀመር ኣንስታይን ዚሰማማዕ ጭቡጥ ሓቂ ኣቕሪባ ኣላ። ዩኒቨርስ ብሓደ ምንጪ ብርቱዕ ጸዓትን ሓይልን ከም እተፈጥረ ጭቡጥ ሓቂ እዩ።

ልክዕ እዩ: ብዛዕባ ፍጥረት ንዚለዓል ሕቶታት ብቐሊሉ መልሲ ኣይርከበሉን እዩ። ከምዚ ኻብ ዝገበሮ ምኽንያታት ሓደ: ምርዳእና ድሩት: ብዛዕባ እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ዘሎና ግንዛበ ኸኣ ዘይተማልአ ስለ ዝዀነ እዩ። እዮብ ነዚ ተረዲእዎ ነበረ። ነቲ ንምድሪ ኣብ ገለ ዚርአ ዘይብሉ ዘንጠልጠላን ነቲ ብማያት ዝመልአ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝዘርግሐን ፈጣሪ ወደሶ። (እዮብ 26:7-9) ኰይኑ ግን: እዮብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድንቂ ነገራት ‘ሓደ ጫፍ መገዲ ፈጣሪ ጥራይ’ ምዃኑ ኣስተውዒሉ ነበረ። (እዮብ 26:14) ብዘይ ጥርጥር ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ዓለም ብዙሕ ኪመሃር ደልዩ ነበረ። ዳዊት እውን: “እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ: ልዑል እዩ: ከርክቦ ኣይክእልን” ብምባል ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ተኣመነ።—መዝሙር 139:6

ፈጣሪ ኸም ዘሎ ምቕባል: ንስነ-ፍልጠታዊ ግስጋሰ ኣይዓግቶን እዩ። ኣብ ግኡዛውን መንፈሳውን ነገራት ዝሰፍሐ ፍልጠት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ: መወዳእታ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ ተግባር እዩ። ሓደ ብሰፊሕ ፍልጠቱ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ጥንታዊ ንጉስ: ብትሕትና ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ: ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።”—መክብብ 3:11

“ኣምላኽ ሃጓፋት”፧

ገሊኦም ሰባት ኣብቲ እተረጋገጸ ስነ-ፍልጠታዊ መግለጺ ዘይብሉ መዳይ: ኣምላኽ “ከም ፍታሕ መግለጺ” ጌርካ ብሃውሪ ይኣቱ ኸም ዘሎ ብምጥቃስ ይቃወሙ። ብኻልእ ኣዘራርባ: “ኣምላኽ” እትብል ቃል ሰባት ንሓደ ነገር ኪርድእዎ እንተ ዘይክኢሎም ዚጥቀሙላ ትኸውን ስለ ዘላ: ከምዚ ዝኣመሰለ መለኮታዊ ነዳፊ “ኣምላኽ ሃጓፋት” ይገብርዎ። እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሃጓፋት ግን እንታይ እዩ፧ ኣብ ፍልጠትና እተረኽበ ንኣሽቱን ኣብ ግምት ዘይኣቱን ሃጓፋት ድዩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ: ኣብቲ ዳርዊን ዘበገሶ ፍልቀት ዚርከብ ንሓቅነት እቲ ትምህርቲ ኣብ ሕቶ ዜእቱ ዓብዪ ጋግ እዩ። ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ኪፈትሖ ዘይከኣለ: ኣብ እተፈላለየ መዳያት ስነ-ህይወት ዚርአ መሰረታዊ ሃጓፋት እዩ። ከም ሓቂ እምበኣር: እቶም ኣብቲ ደገፍ ዘይብሉ ሓሳባት ዚምርኰሱ ተመራመርቲ ፍልቀት እዮም ንኽልሰ-ሓሳብ ዳርዊን ከም “ኣምላኽ ሃጓፋት” ዚገብርዎ ዘለዉ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀሪቡ ዘሎ ፈጣሪ “ኣምላኽ ሃጓፋት” ኣይኰነን። የግዳስ: ንጥፈታቱ ንዅሉ መድረኻትን መዳያትን ዝርዝራትን ፍጥረት ዚሽፍን እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ንዅሉ ዚሓቍፍ ንጥፈት የሆዋ ኼጕልሕ ከሎ: “ንስኻ ምንጪ ዅሉ ህይወት ኢኻ: ብብርሃንካ ድማ ብርሃን ንርኢ ኣሎና” በለ። (መዝሙር 36:9 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን) “ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዅሉን ዝገበርካ” ተባሂሉ እውን ብግቡእ ተገሊጹ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:24፣ 14:15፣ 17:24) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሓደ መምህር እምበኣር: ንኣምላኽ “ኵሉ ዝፈጠረ” ኢሉ ምግላጹ ሓቁ እዩ።—ኤፌሶን 3:9

ብተወሳኺ: ኣምላኽ “ሕጋጋት ሰማይ:” ማለት ንነገርን ንጸዓትን ዚቈጻጸር ግኡዛዊ ሕጊ ኣቚሙ እዩ: ነዚ ሕግታት እዚ ኸኣ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ክሳዕ ሕጂ የጽንዕዎ ኣለዉ። (እዮብ 38:33) ንድፉ ነቲ ምድሪ መንበሪ ዜደንጹ ብዙሕ ዝዓይነቱ ህይወት ንኽትከውን ዝነበሮ ሸቶ ንኺወቅዕ ብእተማልአ ኣገባብን ብዕላማን እተገብረ እዩ።

ንድፍን ልቦናን

ኣብ መወዳእታ: ነቲ ንልቦናና ዚምልከት ሕቶ ንርአ። ጆን ሆርገን ዚበሃል ብዛዕባ ስነ-ፍልጠት ዚጽሕፍ ሰብኣይ: ብዛዕባ ተቐባልነት እተፈላለየ ስነ-ፍልጠታዊ ኽልሰ-ሓሳባት ኪገልጽ ከሎ: “እቲ መርትዖ ዘይተረጋገጸ ኪኸውን ከሎ: ልቦናና ምጥቃም ኬሕፍረና የብሉን” በለ።

ህይወት ብኣጋጣሚ ወይ ቍጽጽር ብዘይተገብረሉ ሓይልታት መጺኡ ዚብል ሓሳብሲ ንልቦናኻ ዚወሓጠልካ ድዩ፧ ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ብብዙሓት ተቐባልነት እኳ እንተ ኣለዎ: ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ዚርከብዎም ሓያሎ መስተውዓልቲ ሰባት ሓደ መስተውዓሊ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣሚኖም ኣለዉ። ሓደ ፕሮፌሰር ስነ-ፍልጠት: ሰባት ብሓፈሻ “ህይወት ከም እተነድፈ ዚሓስቡ” ምዃኖም ገለጸ። ስለምንታይ፧ ብዙሓት ሰባት ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ” ኢሉ እተዛረቦ ነገር ብቐሊሉ ይቕበልዎ እዮም። (እብራውያን 3:4) ኣስዕብ ኣቢሉ ጳውሎስ: “እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ዚብል ርትዓዊ መደምደምታ ኣቕረበ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ክትርእዮ ኸለኻ: ቤት ነዳፍን ሃናጽን የድልያ እናበልካ ኽነስኻ: እተሓላለኸት ዋህዮ ግን ብሃንደበት መጺኣ ዚብል ሓሳብ ዚወሓጠልካ ኣይኰነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ነዳፍን ፈጣርን ከም ዘሎ ዚነጽጉ ሰባት: “ዓሻስ ብልቡ: ኣምላኽ የልቦን: ይብል” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። (መዝሙር 14:1) ኣብዚ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቶም ገና ነዚ መርትዖታት ዘይኣመኑሉ ሰባት ገንሖም። ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ብውድዓዊ ነገር ጥራይ ዚምራሕ: ብናይ ብሕቱ ኣረኣእያ ኺምራሕ ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ጥበበኛን መስተውዓልን ሰብ: ፈጣሪ ኸም ዘሎ ብትሕትና ኣፍልጦ ይህብ እዩ።—ኢሳይያስ 45:18

ብዙሓት መስተውዓልቲ ሰባት: ልዑል ነዳፊ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ዜማትእ ኣይኰኖምን እዩ።

ነቲ ነዳፊ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ

ንርእስና ኸም እተነድፈት ጌርና እንተ ርኢናያ: ንምንታይ ዕላማ ኢና ተነዲፍና፧ ዕላማ ህይወትና እንታይ እዩ፧ ስነ-ፍልጠት ንበይኑ ነዚ ሕቶታት እዚ ዜዕግብ መልሲ ኣይህበናን እዩ። እዚ መሰረታዊ ጕዳያት እዚ ግን ዜእምንን ዜዕግብን መልሲ የድልዮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ኪጠቕመና ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ኸም ፈጣሪ ጥራይ ዘይኰነስ: ንዚገብሮ ዘበለ ብቑዕ ምኽንያታት ዘለዎ ገባር ዕላማ ኸም ዝዀነ እዩ ዚገልጾ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መጻኢናን ተስፋናን ብምሕባር ዕላማ ኣምላኽ ንሰባት ይገልጽ እዩ።

ኰይኑ ግን: የሆዋ መን እዩ፧ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ እዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኽኢላ ነዳፊኻ ብሓቂ ጋህዲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ንኽትፈልጦ ዕድመኦም የቕርቡልካ። ብዛዕባ ስሙን ባህርያቱን ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ርክብን ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ: ነቲ ብሉጽ ንድፉ ኸነድንቕ ጥራይ ዘይኰነስ: ንዕኡ ኸም ነዳፊ መጠን ከነኽብሮ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ኽትርዳእ ኢኻ።—መዝሙር 86:12፣ ራእይ 4:11

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ሚካኤልኣንጀሎ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሓደ ነዳፊ ምእማን ምስ ናይ ሓቂ ስነ-ፍልጠት ዚቃዶ እዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ዓይነት ህያዋን ፍጡራት ምህላዎምን ምስ ከባቢኦም ዚወሃሃዱ ምዃኖምን: ክኢላ ነዳፊ በበይኖም ዝዓይነቶም ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም መርትዖ ይኸውን

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንድፊ ዘበለ ነዳፊ የድልዮ