ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፖላንድ እተዋህበ “ዓብዪ ውህበት”

ንፖላንድ እተዋህበ “ዓብዪ ውህበት”

ንፖላንድ እተዋህበ “ዓብዪ ውህበት”

ብ6 ሓምለ 1525 መስፍን ኣልብረሽት ብዓል ሆሀንዞለርን: ሉተራውነት ሃገራዊ ሃይማኖት ምዃኑ ኣወጀ። በዚ ኸምዚ: እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፖላንድ ዝነበረት ብመስፍን እትመሓደር ፕራሻ: ንትምህርትታት ማርቲን ሉተር ብወግዒ እተቐበለት ናይ መጀመርታ መንግስቲ ዀነት።

ኣልብረሽት ነታ ርእሲ ኸተማ ምብራቕ ፕራሻ ዝነበረት ኬኒግዝበርግ ባህላዊ ማእከል ፕሮተስታንት ኪገብራ ደለየ። ኣብታ ኸተማ ዩኒቨርሲቲ መስረተ: ጽሑፋት ሉተር ድማ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ኬሕትም ጀመረ። ብ1544 እቲ መስፍን ኣብ ሃገሩ ዚርከቡ ህዝቢ ፖላንድ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቛንቋኦም ኪንበበሎም ከሎ ኺሰምዕዎ ኸም ዘለዎም ኣዋጅ ኣውጽአ። ኰይኑ ግን: ኣብ ፖላንድ ዋላ ሓደ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበረን።

ናብቲ “መዓልታዊ ዘረባ” እተገብረ ትርጕም

ኣልብረሽት ነዚ ሽግር እዚ ንምፍታሕ: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ናብ ፖላንድኛ ኺትርጕም ዚኽእል ሰብ ኬናዲ ጀመረ። ኣብ 1550 ኣቢሉ ያን ሰክሉስያን ዚበሃል ጸሓፍን ሸያጥ መጻሕፍትን ሓታምን ኣብዚ ዕዮ እዚ ተጸምደ። ሰክሉስያን ካብ ዩኒቨርሲቲ ለፕሲግ እተመረቐ ዀይኑ: ትምህርትታት ፕሮተስታንት ብምዝርጋሑ ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዜበሳጩ ዝነበረ እዩ። አረ ኣቐዲሙስ ነቲ ሃይማኖታዊ እምነታቱ ብምዝርጋሑ ኣብ ፍርዲ ኬቕርብዎ ምስ በሉ ሃዲሙ ናብ ኬኒግዝበርግ ኣምሊጡ እዩ።

ያን ሰክሉስያን ብፖላንድኛ ትርጕም ቅዱሳት ጽሑፋት ንምድላው ሃንቀውታ ነበሮ። ነዚ መዝነት እዚ ኻብ ዚወሃቦ ድሕሪ ዓመት: ቀዳማይ ቅዳሓት ወንጌል ማቴዎስ ተሓትመ። እዚ ሕታም እዚ ኣብ ገሊኡ ኽፋላቱ ኣማራጺ ኣተራጕማ ዝሓዘ ዝርዝር ሓሳባትን ሓጋዚ ሕድጋትን ነይርዎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሰክሉስያን ንሕትመት ኵሉ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ብሓላፍነት ተኸታተለ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ጥራይ: ንብምሉኡ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣሕተሞ።

እዚ ተርጓሚ ቕኑዕ ትርጕም ንምድላው: ኣብ መበቈላዊ ጽሑፋት ግሪኽ ኪውከስ ነበሮ። ብዘይካዚ: እቲ ኣብ ናይ 1551 ሕታም ዝወጸ መቕድም ከም ዚገልጾ: ትርጕማት ላቲንን “ትርጕማት ገለ ኻልእ ቋንቋታትን ምውካስ ኣድልዩ ነበረ።” ደራሲ እቲ ስታዲስ ኦን ዘ ፖሊሽ ላንጐጅ ኦቭ 16ዝ ሰንችሪ ዝዀነ ስታኒስላፍ ሮስፖንድ: ነቲ ትርጕም “ባህ ዜብልን ዘይዓናቕፈካን ጽሑፍ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ተርጓሚ በቲ “ስነ-ጽሑፋዊ ቛንቋ” ኸም ዘይተቐየደ ሮስፖንድ ገለጸ። የግዳስ: ኣብ “መዓልታዊ ዘረባ” ዚዝውተር ቃላት ፖላንድኛ ኺጥቀም ጽዒሩ እዩ።

ሰክሉስያን ነዚ ዕዮ እዚ እኳ እንተ ኣወሃሃዶ: ንሱ ተርጓሚ ዘይምንባሩ ግን መርትዖታት ይሕብር እዩ። መን ደኣ እዩ እቲ ምሁር ተርጓሚ፧ ነዚ ኣጸጋሚ ዕዮ እዚ ኪቕበል ከሎ ምናልባት ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ዝነበረ ስታኒስላፍ ሙርዝሂኖቭስኪ እዩ።

ሙርዝሂኖቭስኪ ኣብ ገጠር እዩ ተወሊዱ: ኰይኑ ግን ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ: ግሪኽን እብራይስጥን ምእንቲ ኼጽንዕ ኣቦኡ ናብ ኬኒግዝበርግ ለኣኾ። ድሕሪኡ ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ዊተንበርግ ኣተወ: ኣብኡ ኸኣ እዩ ምስ ማርቲን ሉተር ተራኺቡ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ተመሃራይ ነቲ ብፊሊፕ መላንኽቶን ዚቐርብ ዝነበረ ኣስተምህሮታት ሰምዐ: እዚ ኸኣ ቋንቋታት ግሪኽን እብራይስጥን ንኺመልኽ ኣኽኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ። ሙርዝሂኖቭስኪ ኣብ ኢጣልያ መጽናዕትታቱ ድሕሪ ምድንፋዕ: ናብ ኬኒግዝበርግ ተመሊሱ ንመስፍን ኣልብረሽት ኬገልግል ፍቓደኛ ዀነ።

ማርያ ኮሶቭስካ ኣብታ ዘ ባይብል ኢን ፖልሽ ላንጐጅ ዘርእስታ መጽሓፋ ብዛዕባ ሙርዝሂኖቭስኪ: “ብትግሃትን ብውጽኢታዊ መገድን ሰርሐ: ኰይኑ ግን ናብ ርእሱ ኣቓልቦ ኣይሰሓበን: ምርኡይ ቦታ ኣይደለየን: ወይ ስሙ ኣብቲ ኣርእስቲ ዚጸሓፈሉ ገጽ እቲ ትርጕሙ ኺጸሓፍ ኣይሓተተን” በለት። እወ: እዚ መንእሰይ እዚ ብዛዕባ ኽእለታቱ ኽብ ዝበለ ኣረኣእያ ስለ ዘይነበሮ: “ካብ ላቲን ወይ ካብ ፖላንድኛ በየናይ ዝኸፍአ ኸም ዝጽሕፍ ኣይፈልጥን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። ሙርዝሂኖቭስኪ ምጥርጣራት እኳ እንተ ነበሮ: ቃል ኣምላኽ ንህዝቢ ፖላንድ ኣብ ምቕራብ ግን ኣገዳሲ ግደ ነበሮ። እቲ ተሓባባሪኡ ዝነበረ ሰክሉስያን ነቲ ዘዳለውዎ ትርጕም ንፖላንድ እተዋህበ “ዓብዪ ውህበት” ኢሉ ገለጾ።

ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ውህበታት

ካብቲ ብፖላንድኛ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዙ: ብዙሕ ካልእ ትርጕማት ስዒቡ እዩ። ብ1994 ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ብ1997 ከኣ ምሉእ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብፖላንድኛ ወጸ። እቶም ናብ ርእሶም ኣቓልቦ ዘይሰሓቡ ተርጐምቲ ነቲ ቓል ኣምላኽ ብልክዕ: ከምኡውን ምስቲ ናይ መበል 16 ዘመን ዘይኰነስ: ምስቲ ሕጂ ዘሎ ልሙድ ዘረባ ዚቀራረብ ትርጕም ንምቕራብ ጽዒሮም እዮም።

ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብ2,400 ኣቢሉ ዚኸውን ቋንቋታት ይርከብ። ብቛንቋኻ ልክዕነቱ ዝሓለወ ትርጕም ቃል ኣምላኽ ክትረክብ እንተ ኽኢልካ: ሓደ ኻብቲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ መምርሒ ንኪዀነካ ኽትቅበሎ እትኽእል ዝዓበየ ውህበት ኢኻ ረኺብካ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15-17

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ንዝኽሪ እቲ “ሓድሽ ኪዳን” ናብ ፖላንድኛ ዝተርጐመ ስታኒስላፍ ሙርዝሂኖቭስኪ ዝቘመ እምኒ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ስታኒስላፍ ሙርዝሂኖቭስኪ ዝተርጐሞ ምዕራፍ 3 መጽሓፍ ማቴዎስ

[ምንጪ ስእሊ]

Dzięki uprzejmości Towarzystwa Naukowego Płockiego