ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትና ኣብ ንእሽቶ እስያ ተዘርግሐ

ክርስትና ኣብ ንእሽቶ እስያ ተዘርግሐ

ክርስትና ኣብ ንእሽቶ እስያ ተዘርግሐ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.: ብዙሓት ክርስትያን ጉባኤታት ኣብ ንእሽቶ እስያ (መብዛሕትኡ ኽፋሉ ኣብዛ ሕጂ ዘላ ቱርኪ) ሰሰና። ብዙሓት ኣይሁድን ኣህዛብን ንመልእኽቲ ክርስትና ተቐበሉ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ-ቓላት: “ንሶርያን ንፍልስጥኤምን ሓዲግካ: ክርስትያናዊ ምንቅስቓስ ኣብ ፈለማ ሰፊሕ ዕቤት ዝገበረ ኣብዚ ኣብ ንእሽቶ እስያ እዩ” በለ።

ካብ እተፈላለየ ምንጭታት ሓበሬታታት ብምትእኽኻብ: ብዛዕባ እቲ ክርስትና ኣብዚ ዞባ እዚ ዝነበሮ ዝርጋሐ ምሉእ ምርዳእ ኪህልወና ይኽእል እዩ። ነቲ እተረኽበ ሓበሬታ ምምርማርና ብኸመይ ኪጠቕመና ኸም ዚኽእል እስከ ንርአ።

ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት

ኣብ ንእሽቶ እስያ ክርስትና ብምዝርጋሕ ዝመጸ ናይ መጀመርታ ኣገዳሲ ፍጻመ: ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እተገብረ ነገር እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ እተፈላለየ ቛንቋታት እተኣከቡ ኻብታ ምድሪ ተስፋ ወጻኢ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ፋሕ ዝበሉ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ዚርከብዎም ህዝቢ ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። ሃዋርያት የሱስ ነዞም በጻሕቲ ነቲ ብስራት ሰበኹሎም። እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ: ካብ መብዛሕትኡ ኽፋል ንእሽቶ እስያ: ማለት ካብ ቀጶዶቅያ: ጶንጦስ: ኣውራጃ እስያ: a ፍርግያ: ጰምፊልያ ዝመጹ ሰባት ነበሩ። ካብቶም ሰማዕቲ 3,000 ዚዀኑ ነቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ተቐቢሎም ተጠምቁ። ናብ ዓዶም ኪምለሱ ኸለዉ: ነቲ ሓድሽ እምነቶም ሒዞም ተመልሱ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:5-11, 41

እቲ ዚቕጽል ሓበሬታ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ንእሽቶ እስያ ዝገበሮ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኢና እንረኽቦ። ኣብቲ ብ47/48 ድ.ክ. ኣቢሉ ዝገበሮ ቐዳማይ መገሻኡ: ንሱን ብጾቱን ብመርከብ ካብ ቆጵሮስ ናብ ንእሽቶ እስያ: ማለት ናብታ ኣብ ጴርጌ ናይ ጰምፍልያ ኸዱ። ኣብታ ኣብ ውሽጢ መሬት ዝነበረት ከተማ ኣንጾክያ ናይ ጵሲድያ ኣብ ስብከት ዝረኸብዎ ኣሳልጦ: ካብቶም ኣይሁድ ቅንእን ምጽራርን ኣምጸኣሎም። ጳውሎስ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ገጹ ናብ ኢቆንዩም ምስ ተጓዕዘ: ካልኦት ኣይሁድ ነቶም ሚስዮናውያን ሓሳር ኬጽግብዎም ተላዕሉ። ኣብታ ኻብዚ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ዝነበረት ከተማ ልስጥራ ዝነበሩ ህዝቢ: ብስምዒት ተላዒሎም ንጳውሎስ ሓደ ኻብ ኣማልኽቲ ገይሮም ረኣይዎ። ካብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ዝመጹ ኣይሁድ ምስ ተጻረርዎ ግን: እቶም ህዝቢ ንጳውሎስ ብእምኒ ፈጽፈጽዎ: ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ሓዲጎምዎ ኸዱ። ድሕርዚ ጳውሎስን በርናባስን ናብታ ኣብ ፖለቲካዊ ኣውራጃ ገላትያ እትርከብ ደርቤ ኸዱ: እዚ ቦታ እዚ ኸኣ ቋንቋ ሊቃኦንያ ዚዛረቡ ህዝቢ ዚነብሩሉ ዝነበሩ እዩ። ኣብኡ ጉባኤታት ተወደባ: ሽማግለታት ከኣ ተሸሙ። ስለዚ: ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. 15 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ክርስትና ኣብ ንእሽቶ እስያ ብግቡእ ሰሪቱ ምንባሩ ኽንርኢ ንኽእል ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 13:13–14:26

ጳውሎስ ምስ ብጾቱ ኣብቲ ኻብ 49 ክሳዕ 52 ድ.ክ. ኣቢሉ ዝገበሮ ኻልኣይ ጕዕዞኡ: ፈለማ ብምድሪ ናብ ልስጥራ ኸደ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ በታ ዓዱ ዝነበረት ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ ኣቢሉ ሓሊፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ልስጥራ ንዝነበሩ ኣሕዋት እንደገና ድሕሪ ምብጻሑን ናብ ሰሜን ገጹ ድሕሪ ምኻዱን: ኣብ ኣውራጃታት ቢቲንያን እስያን ‘ነቲ ቓል ኪነግር’ ፈተነ። ይኹን እምበር: መንፈስ ቅዱስ ኣይፈቐደሉን። እዚ ቦታ እዚ ጸኒሑ ወንጌል ተሰቢኹሉ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣምላኽ ንጳውሎስ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ንእሽቶ እስያ: ናብታ ኣብ ገማግም እትርከብ ጥሮኣስ ኪኸዱ መምርሒ ሃቦ። ድሕሪኡ ጳውሎስ ነቲ ብስራት ኣብ ኣውሮጳ ኺሰብኽ ብራእይ ተነግሮ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:1-12፣ 22:3

ጳውሎስ ኣብቲ ኻብ 52 ክሳዕ 56 ድ.ክ. ኣቢሉ ዝገበሮ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ: እንደገና ብንእሽቶ እስያ ኣቢሉ ሓለፈ: ኣብታ ኣገዳሲት ወደባዊት ከተማ እስያ ዝዀነት ኤፌሶን ድማ በጽሐ። ካብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኺምለስ ከሎ: ብኣኣ ሓሊፉ ነይሩ። ኣብ ሓደ ጕጅለ እተጠርነፉ ክርስትያናት ኣብታ ኸተማ ብንጥፈት ይንቀሳቐሱ ነበሩ: ጳውሎስን ብጾቱን ከኣ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ምሳታቶም ሓበሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ብዙሕ ጸገማትን ሓደጋታትን ኣጓነፎም: ሓደ ኻብኡ ኸኣ እቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ዝነበሩ ኣንጠረኛታት ብሩር ነቲ ብዙሕ መኽሰብ ዘለዎ ሃይማኖታዊ ንግዶም ንኺከላኸሉ ኢሎም ዜበገስዎ ናዕቢ ኺጥቀስ ይከኣል።—ግብሪ ሃዋርያት 18:19-26፣ 19:1, 8-41፣ 20:31

እቲ ኣብ ኤፌሶን እተገብረ ዕዮ ሚስዮናውነት ዝሰፍሐ ጽልዋ ነይርዎ እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 19:10 “ኣብ እስያ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዝሰምዕዎ” እቲ ስብከት ከም ዝቐጸለ ትገልጽ።

ኣብ ንእሽቶ እስያ እተራእየ ምዕባለታት

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ዝጸንሓሉ ግዜ: ንሰብ ቈረንቶስ: “እተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም አለዋ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 16:19) ጳውሎስ ነየኖት ጉባኤታት እዩ ዚጠቅስ ነይሩ፧ ምናልባት ንጉባኤታት ቈሎሴን ሎዲቅያን ሂራጶሊስን ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ቈሎሴ 4:12-16) ፖል—ሂዝ ስቶሪ ዘርእስታ መጽሓፍ: “ኣብ ስሚርናን ጴርጋሞስን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ዝነበረ ማሕበረሰባት እተመስረተ: ብምኽንያት እቲ ኣብ ኤፌሶን ኴንካ እተገብረ ሚስዮናዊ ተበግሶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። . . . ኵላተን ካብ ኤፌሶን ኣብ ውሽጢ 120 ማይል (192 ኪሎ ሜተር) ርሕቀት ዚርከባ ዀይነን: ብብሉጽ መገድታት እተኣሳሰራ እየን ነይረን” በለት።

ስለዚ: ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. 20 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ኣብ ደቡብን ምዕራብን ንእሽቶ እስያ ሓያሎ ክርስትያን ጉባኤታት ቈይመን ነበራ። ኣብ ካልእ ክፋል እቲ ዞባኸ፧

ተቐበልቲ መልእኽትታት ጴጥሮስ

ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ ናይ መጀመርታ መንፈስ ዝነፈሳ መልእኽቱ ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት: ማለት ካብ 62 ክሳዕ 64 ድ.ክ. ኣቢሉ ጸሓፋ። ነቶም ኣብ ጶንጦስን ገላትያን ቀጶዶቅያን እስያን ቢቲንያን ዚርከቡ ክርስትያናት ከኣ እዩ ጽሒፍዋ። ኣብቲ መልእኽቲ: ሽማግለታት ‘ነቲ መጓሰ ኺጓስዩ’ ስለ እተማዕዱ: ኣብዚ ቦታታት እዚ ክርስትያን ጉባኤታት ነይረን ኪዀና ኣለወን። እዘን ጉባኤታት እዚኣተን መዓስ እየን ቈይመን፧—1 ጴጥሮስ 1:1፣ 5:1-3

ንገለ ኻብቲ እቶም ተቐበልቲ መልእኽትታት ጴጥሮስ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ኸም እስያን ገላትያን ዝኣመሰለ ቦታታት: ጳውሎስ እዩ ወንጌል ሰቢኹሉ። ናብ ቀጶዶቅያ ወይ ቢቲንያ ግን ኣይከደን። ክርስትና ናብዚ ዞባታት እዚ ብኸመይ ከም ዝኣተወ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ኰይኑ ግን: በቶም ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩን ድሕሪኡ ናብ ዓዶም እተመልሱን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ኣቢሉ ተዘርጊሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 30 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ጴጥሮስ ንመልእኽትታቱ ኺጽሕፍ ከሎ: ከምቲ ሓደ ምሁር ዝገለጾ ጉባኤታት ኣብ “ምሉእ ንእሽቶ እስያ ተዘርጊሐን” ነይረን ኪዀና ኣለወን።

ኣብ ራእይ እተጠቕሳ ሸውዓተ ጉባኤታት

ኣይሁድ ኣንጻር ሮሜ ናዕቢ ስለ ዘለዓዓሉ: የሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. ዓነወት። ገለ ኣይሁዳውያን ክርስትያናት ኣብ ንእሽቶ እስያ ሰፊሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። b

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ.: የሱስ ክርስቶስ ብሃዋርያ ዮሃንስ ኣቢሉ ናብተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት መልእኽትታት ለኣኸ። እዚ ናብ ጉባኤታት ኤፌሶን: ስሚርና: ጴርጋሞስ: ትያቲራ: ሳርዴስ: ፊላደልፍያ: ከምኡውን ሎዲቅያ እተላእከ መልእኽትታት: ኣብቲ ኽፋል ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ከም ጾታዊ ርኽሰትን ኣንቆራነትን ክሕደትን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ሓደጋታት የጋጥሞም ምንባሩ ይሕብር።—ራእይ 1:9, 11፣ 2:14, 15, 20

ብትሕትናን ብምሉእ ነፍስን ዚቐርብ ኣገልግሎት

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና እተዘርግሓሉ መገዲ: ካብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት እነንብቦ ንላዕሊ ዜጠቓልል ምዃኑ ንጹር እዩ። እቶም ፍሉጣት ዝነበሩ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ጳውሎስን ኣብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሱ ዘሎ ንጥፈታት ተጸሚዶም እዮም: ቍጽሮም ዘይተፈልጡ ኻልኦት ግን ኣብ ካልእ ቦታታት ይሰብኩ ነበሩ። ኣብ ንእሽቶ እስያ እተራእየ ምዕባለታት ከም ዚሕብሮ: ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎ እዮም።—ማቴዎስ 28:19, 20

ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ኻብቲ ብተኣማንነት እተገብረ ግብርታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተዛማዲ ሒደት ጥራይ እዩ በቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት ዚፍለጥ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ መብዛሕትኦም እሙናት ወንጌላውያን ዘጋጠሞም: መብዛሕትኦም ዘመናውያን ሰበኽቲ እቲ ብስራት ስሞም ብዕሊ ኣይፍለጥን እዩ። ኰይኑ ግን: ንሳቶም እውን ብዕዮ ትሑዛት እዮም: ዓስቢ ዘለዎ ህይወት ከኣ ኣለዎም: ብተኣዛዝነት ንኻልኦት ንምድሓን የገልግሉ ኸም ዘለዉ ብምፍላጦም ድማ ዓሚቝ ዕግበት ይስምዖም።—1 ጢሞቴዎስ 2:3-6

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን “እስያ” ኺበሃል ከሎ: ነታ ኣብ ምዕራባዊ ኽፋል ንእሽቶ እስያ ዝነበረት ብሮሜ እትመሓደር ኣውራጃ ደኣ እምበር: ንኽፍለ-ዓለም እስያ ኣየመልክትን እዩ።

b ዩሲቤስ (260-340 ድ.ክ.) ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ: ቅድሚ 66 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን: እቶም “ሃዋርያት ብናይ ምቕታል ውዲት ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ስለ ዝነበሩ: ካብ ይሁዳ ወጹ። እንተዀነ ግን: ነቲ መልእኽቶም ንኺምህሩ ብሓይሊ ክርስቶስ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ተጓዓዙ” በለ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ቢቲንያን ጶንጦስን ዝኣተወ ቐዳማይ ክርስትና

ኣውራጃ ቢቲንያን ኣውራጃ ጶንጦስን: ኣብቲ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዚርከብ ገማግም ጸሊም ባሕሪ እዩ ዚርከብ። መብዛሕትኡ ብዛዕባ መዓልታዊ ህይወት እዚ ቦታ እዚ ዚሕብር ሓበሬታ: ካብቲ እቲ ፕሊኒ ንእሽቶ ዚበሃል ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ቦታ ዘገልገሉ ሰበ-ስልጣን ንሮማዊ ሃጸይ ትራጃን ዝጸሓፎ ደብዳበታት እዩ ተረኺቡ።

መልእኽትታት ጴጥሮስ ኣብተን ኣብቲ ቦታ ዚርከባ ጉባኤታት ካብ ዚዞራ 50 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ፕሊኒ ንክርስትያናት ብኸመይ ኪሕዞም ከም ዘለዎ ኻብ ትራጃን ምኽሪ ንምሕታት: “ክርስትያናት ኪምርመሩ ኸለዉ ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ስለዚ: ዓይነትን መጠንን እቲ ዚግብኦም መቕጻዕቲ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ጸሓፈሉ። ብተወሳኺ ድማ: “ሰብኡትን ኣንስትን ዚርከብዎም ካብ ኵሉ ዕድመን ደርብን ኣዝዮም ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ናብ ፍርዲ ይቐርቡ ኣለዉ: እዚ ኸኣ ዚቕጽል እዩ ዚመስል። እዚ ኣዝዩ ሕማቕ ኣምልኾ እዚ ኣብ ከተማታት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ዓድታትን ገጠራትን እውን ተላቢዑ እዩ” በለ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጕዕዞታት ጳውሎስ

ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ

ቆጵሮስ

ጰምፊልያ

ጴርጌ

ኣንጾክያ (ናይ ጵሲድያ)

ኢቆንዩም

ልስጥራ

ደርቤ

ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ

ቂልቅያ

ጠርሴስ

ደርቤ

ልስጥራ

ኢቆንዩም

ኣንጾክያ (ናይ ጵሲድያ)

ፍርግያ

ገላትያ

ጥሮኣስ

ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ

ቂልቅያ

ጠርሴስ

ደርቤ

ልስጥራ

ኢቆንዩም

ኣንጾክያ (ናይ ጵሲድያ)

ኤፌሶን

እስያ

ጥሮኣስ

[Seven congregations]

ጴርጋሞስ

ትያቲራ

ሳርዴስ

ስሚርና

ኤፌሶን

ፊላደልፍያ

ሎዲቅያ

[Other locations]

ሂራጶሊስ

ቈሎሴ

ሉቅያ

ቢቲንያ

ጶንጦስ

ቀጶዶቅያ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣንጾክያ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ጥሮኣስ

[ምንጪ ስእሊ]

© 2003 BiblePlaces.com

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኤፌሶን ዚርከብ ስፍራ ጓይላ ወይ ትያትር።—ግብሪ ሃዋርያት 19:29

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጴርጋሞስ ዚርከብ መሰረት መሰውኢ ዙስ። ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ክርስትያናት “ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ” እዮም ዚነብሩ ነይሮም።—ራእይ 2:13

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.