ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ዎ የሆዋ ፈትነኒ’

‘ዎ የሆዋ ፈትነኒ’

‘ዎ የሆዋ ፈትነኒ’

“ንልቢ ዚፍትኖ” የሆዋ እዩ። (ምሳሌ 17:3) እዚ ንዅላትና ኣዝዩ ኼተባብዓና ይግባእ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸምቶም ብዓይኖም ዝረኣይዎ ጥራይ ዚፈርዱ ሰባት ዘይኰነስ “ልቢ እዩ ዚርኢ።”—1 ሳሙኤል 16:7

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: ብዛዕባ ውሽጣዊ ድራኼታትናን ዝንባለታትናን እውን እንተ ዀነ ጽቡቕ ጌርና ኣይንግምግምን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ልብና “ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ኣምላኽ ግን “ንልቢ እምርምሮ: ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ” ስለ ዝበለ የስተውዕሎ እዩ። (ኤርምያስ 17:9, 10) እወ: የሆዋ ነቲ ንውሽጣዊ ድራኸታትና ዚሓቍፍ “ልቢ:” ከምኡውን ነቲ ንውሽጣዊ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ዜመልክት “ኵላሊት” የስተውዕሎ እዩ።

ስለምንታይ ንፍተን፧

ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንኣምላኽ “ዎ እግዚኣብሄር: መርምረንን ተዐዘበንን [“ፈትነንን:” NW]: ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ” እንተ በለ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (መዝሙር 26:2) ዳዊት ብግብሩን ብዘረባኡን ምሉእ ብምሉእ ንጹህ: የሆዋ እንተ ፈተኖ ኸኣ ምንም ዜፍርህ ዘይብሉ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን! ዳዊት ከማና ዘይፍጹም: ንስርዓታት ኣምላኽ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኬማልእ ዘይክእል እዩ ነይሩ። ዳዊት ድኽመት ስለ ዝነበሮ: ሓያሎ ግዜ ኸቢድ ኣበሳ ፈጺሙ እዩ: ይኹን እምበር “ብንጽህና ልቢ” ተመላሊሱ እዩ። (1 ነገስት 9:4) ብኸመይ፧ ተግሳጽ ብምቕባልን መገዱ ብምእራምን እዩ። በዚ ድማ ንየሆዋ ኻብ ልቢ ኸም ዜፍቅሮ ኣርኣየ። እቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተወፋይነት ምሉእ እዩ ነይሩ።

ንሕናኸ፧ ዘይፍጹማት ምዃንና: ብዘረባን ብግብርን ከኣ ክንሓጥእ ከም እንኽእልን የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር: በቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ንምፍላጥ ዘለዎ ኽእለት ተጠቒሙ ንናብራ ህይወትና ኣይውስኖን እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘሎና ገይሩ ስለ ዝፈጠረና: ነዚ ብሕያውነት ዝሃበና ውህበት የኽብረልና እዩ።

ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ንድራኸታትና እንተላይ ነቲ ውሽጣዊ ሰብ ይፍትኖ እዩ። እዚ ኸኣ ንዅነታት ልብና ንኽንገልጽ ኣጋጣሚ ብምሃብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ውሽጣዊ ዝንባለታትና ንምግላጽ እተፈላለየ ዅነታት ወይ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ስቕ ኢሉ ኺርኢ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ክሳዕ ክንደይ ውፉያትን እሙናትን ምዃንና ንየሆዋ ንኸነርእዮ ኣጋጣሚ ይህበና። ከምዚ ዝኣመሰለ የሆዋ ዜፍቅዶ ፈተናታት: እንታይ ዓይነት እምነት ከም ዘላትና: ማለት ‘ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልና ፍጹማትን ምሉኣትን’ እንተ ዄንና ኼረጋግጸልና ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 1:2-4

ጥንታዊ ናይ እምነት ፈተና

ናይ እምነትን ድራኸታትን ፈተና ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም ንውሰድ። “ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ [“ፈተኖ:” ትርጕም 1990]።” (ዘፍጥረት 22:1) እዘን ቃላት እዚኣተን ኪዝረባ ኸለዋ: እታ ኣብራሃም ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት ኣቐድም ኣቢላ ተፈቲና ነበረት። ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ የሆዋ ንኣብርሃም ካብታ ብልጽግቲ ኸተማ ኡር ናብ ዘይተፈልጠ ሃገር ምስ ስድራቤቱ ኺግዕዝ ተዛሪብዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 11:31፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:2-4) እቲ ኣብ ኡር ዚውንኖ ቤት ነይርዎ ኪኸውን ዚኽእል ኣብርሃም: ኣብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ዚነብረላ ዝነበረ ከነኣን መንበሪ ኣይዓደገን። (እብራውያን 11:9) ኣብርሃም ናብራ ዘላን ይነብር ስለ ዝነበረ: ምስ ስድራቤቱ ንጥሜትን ዕጡቓት ጭፍራን ኣብቲ ኸባቢ ንዝነበሩ ኣረማውያን ገዛእትን ንሓደጋ እተቓለዐ እዩ ነይሩ። ኣብ ኵሉ እዚ እዋን እዚ ግን እምነት ኣብርሃም ኣዝያ ድልድልቲ ምዃና ተራእየት።

ድሕሪኡ የሆዋ ንኣብርሃም ዓባይ ፈተና ፈተኖ። “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ: . . . ንዚሐርር መስዋእቲ ሰውኣዮ።” (ዘፍጥረት 22:2) ይስሃቅ ንኣብርሃም ከም ተራ ውሉድ ኣይነበረን። ንኣብርሃምን ንሰበይቱ ሳራን ሓደ ወዶም ጥራይ እዩ ነይሩ። ንኣብርሃም ከኣ ወዲ መብጽዓኡ እዩ ነይሩ። ከምቲ ኣምላኽ እተመባጽዓሉ ዘርኢ ኣብርሃም ንምድሪ ከነኣን ወሪሶም ንብዙሓት በረኸት ዚዀኑ ብይስሃቅ ኣቢሉ ጥራይ ከም ዚፍጸም እዩ ተስፋ ዚገብር ነይሩ። ከም ሓቂ ኸኣ: ይስሃቅ እቲ ኣብርሃም ዚጽበዮ ዝነበረ ብተኣምር ኣምላኽ ከኣ እተወልደ ወዲ እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 15:2-4, 7

ኣብርሃም እዚ ትእዛዝ ስለምንታይ ከም እተዋህቦ ንኺርድኦ ኽሳዕ ክንደይ ኣጸጊምዎ ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክትግምት ትኽእል ኢኻ። የሆዋ መስዋእቲ ሰብ ድዩ ዚሓትት ነይሩ፧ ዳሕራይ ኪስውኣሉ ንኺሓቶ ኢሉ ንኣብርሃም ኣብ ግዜ እርጋኑ ውሉድ ወሊዱ ኺሕጐስ ዝገበሮኸ ስለምንታይ እዩ፧ a

ኣብርሃም ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ንጹር መልሲ ኸይረኸበ ኸሎ ብኡንብኡ ተኣዘዘ። ኣብቲ እተመርጸ ኸረን ንኺበጽሕ ሰለስተ መዓልቲ እዩ ወሲዱሉ። ኣብኡ መሰውኢ ሰርሐ: ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕንጨይቲ ኣንበረሉ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ፈተና ኣብ መወዳእታ ጠርዙ በጽሐ። ኣብርሃም ነቲ ዚሓርደሉ ኻራ ሒዙ ንወዱ ኺስውኦ ኢዱ ምስ ዘርግሐ: የሆዋ ብመልኣኹ ኣቢሉ ኸልከሎ እሞ: “ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ: ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ” በሎ። (ዘፍጥረት 22:3, 11, 12) ኣብርሃም ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪሰምዕ ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተባረኸ እሞ ሕሰቦ! የሆዋ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እምነት ኣብርሃም ዝነበሮ ኣረኣእያ ቕኑዕ ነበረ። (ዘፍጥረት 15:5, 6) ኣብርሃም ብኡንብኡ ንይስሃቅ ዚትክእ ድዑል ሰውአ። ሽዑ የሆዋ: ነቲ ምስ ዘርኢ ኣብርሃም እተተሓሓዘ ዝኣተዎ መብጽዓታት ኪዳን ከም ዚጸንዕ ገበሮ። ኣብርሃም ከም ዓርኪ ኣምላኽ እንተ ተፈልጠ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ዘፍጥረት 22:13-18፣ ያእቆብ 2:21-23

እምነትና እውን ትፍተን እያ

ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ፈተና ኼምልጡ ኸም ዘይክእሉ ንፈልጥ ኢና። እቲ ንዓና ዜጋጥመና ፈተናታት ግን የሆዋ ሓድሓደ ነገራት ንኼጋጥመና ብምፍቃዱ ዝመጸና ደኣ እምበር: እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ብምንጋሩ ዝመጸና ኣይኰነን።

ሃዋርያ ጳውሎስ: “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) እዚ መስጐጕቲ እዚ ኻብ መማህርቲ: ኣዕሩኽ: ኣዝማድ: ጐረባብቲ: ወይ ብዛዕባና ግጉይ ሓበሬታ ኻብ እተዋህቦም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። ብቓላት ይኹን ብኣካል ማህሰይቲ ብምውራድ: ከምኡውን ሓደ ክርስትያን ንኺነብር ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ ዕንቅፋት ብምፍጣር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ እውን ናይ ሓቂ ክርስትያን እቲ ንደቅሰብ ዜጋጥሞም ንቡር ጸገማት—ሕማም: ተስፋ ምቝራጽ: ዘይፍትሓዊ ተግባራት—የጋጥሞም እዩ። ኵሉ እዚ ፈተናታት እዚ ንእምነት ሓደ ሰብ ዚፍትን እዩ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ እምነትና ምስ እትፍተን ዚርከብ ረብሓታት ኣጕሊሕዎ ኣሎ:- “እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ: እንተ ኣድለየስ: ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም: ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 1:6, 7) እወ: ውጽኢት ፈተናታት ምስቲ ብሓዊ ዚግበር ምዅላዕ ወርቂ ተመሳሲሉ ኣሎ። እቲ መስርሕ ምዅላዕ ነቲ ጽሩይ ካብቲ ዘይጽሩይ ይፈልዮ እዩ። ፈተናታት ከነሕልፍ ከለና እውን ኣብ እምነትና ኸምኡ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ዚፍጸም።

ንኣብነት: ሃንደበታዊ ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም ጸገማት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን እቶም ናይ ሓቂ እምነት ዘላቶም ብዘየድሊ ጭንቀት ኣይወሓጡን እዮም። በቲ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዚብል ቃላት የሆዋ ይጸናንዑ እዮም። (እብራውያን 13:5) ነቲ ብሓቂ ዜድልዮም ንምርካብ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዚባርኾም ብምትእምማን: ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ካብ ምሃብ ኣየቋርጹን እዮም። እምነቶም ንጸገማት ተጻዊሮም ንኺነብሩ ተኽእሎም: ዘየድሊ ጭንቀት ብምሕዳር ንዅነታቶም ንኸየጋድድዎ ኸኣ ትሕግዞም።

ፈተናታት ኣብ እምነትና ንዚርአ ድኽመታት ዜቃልዕ ብምዃኑ እውን ንኽንእርሞ ስጕምትታት ንወስድ እንተ ደኣ ዄንና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ‘ንእምነተይ ከደልድላ ዝኽእል ከመይ ገይረ እየ፧ ንቓል ኣምላኽ ብጸሎትን ብምስትንታንን ንኸጽንዖ ዝያዳ ግዜ ኸሕልፍ የድልየኒ ደዀን ይኸውን፧ ካብቲ ምስ ክርስትያን ብጾተይ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ እተገብረ መሰናድዎ ምሉእ ብምሉእ እጥቀም ድየ፧ ዜሻቕለኒ ነገራት ንየሆዋ ኣምላኽ ብጸሎት ኣብ ክንዲ ዝነግሮ ኣብ ገዛእ ርእሰይ ድየ ዝውከል፧’ ኢሉ ኺሓትት ይግባእ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርእሰ-ምርመራ ግን ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ጥራይ እዩ።

እምነትካ ምድልዳል ኪበሃል ከሎ: ‘ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብምብሃግ’ መንፈሳዊ ሸውሃትካ ምምሕያሽ ዚሓትት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:2፣ እብራውያን 5:12-14) ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ” ብምባል ዝገለጾ ሰብ ንኽንከውን ክንጽዕር ይግባእ።—መዝሙር 1:2

እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንባብ ንላዕሊ ይሓትት። ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ዚነግረና ነገራት ክንሓስብን ነቲ ዚህበና ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣገዳሲ እዩ። (ያእቆብ 1:22-25) ከምኡ ምስ እንገብር: እታ ምስ የሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ትዓቢ: ጸሎትና ብዝያዳ ኣብ ፍሉይ ነገራት ዘተኰረን ካብ ርእስና ዝመነጨን ይኸውን: ኣብኡ ዘላትና እምነት ከኣ ትድልድል።

እተፈተነት እምነት ዘለዋ ዋጋ

ስምረት ኣምላኽ ንኽንረክብ እምነት ኣዝያ ኣድላዪት ምዃና ምፍላጥና: ንኸነደልድላ ይድርኸና። መጽሓፍ ቅዱስ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ብምባል የዘኻኽረና። (እብራውያን 11:6) ስለዚ እምበኣር: ከምቲ ንየሱስ “ጉድለት እምነተይ ኪርሕቀለይ ደግፈኒ” ብምባል ዝለመነ ሰብኣይ ኪስምዓና ይግባእ።—ማርቆስ 9:24 ትርጕም 1990

ንእምነትና ዜጋጥማ ፈተናታት ንኻልኦት እውን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ዜፍቅሮ ሰብ እንተ ደኣ ሞይትዎ: ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝሃበና ተስፋ ዘለዎ ድልዱል እምነት ሓዘኑ ንኺጻወር ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ዚሓዝን እኳ እንተ ዀነ: “ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት” ኣይሓዝንን እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:13, 14) ካልኦት ሰባት ንሓደ ክርስትያን እምነቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሓገዘቶ ምስ ተዓዘቡ: ብሓቂ ኽቡር ዋጋ ዘለዋ ነገር ከም ዘጥረየ ኺግንዘቡ እዮም። እዚ ኸኣ ከምኣ ዝዓይነታ እምነት ንኼጥርዩ ባህጊ ኣለዓዒሉ: ቃል ኣምላኽ ንኺመሃሩን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ንኪዀኑን ኪድርኾም ይኽእል እዩ።

የሆዋ እተፈተነት እምነት ዓብዪ ዋጋ ኸም ዘለዋ ይፈልጥ እዩ። ፈተናታት: እምነትና ብሓቂ ንምጽዋር ዜኽእል ሓይሊ እንተ ኣልይዋ ንኽንርኢ የኽእለና። ድኽመታት እምነትና ኣለሊና ንኽንእርሞ ይሕግዘና። ንፈተናታት ብዓወት ምስጋርና ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ይሕግዞም። ስለዚ እምበኣር: እተፈላለየ ፈተናታት ምስ ኣጋጠማ “ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን” ኰይና ኽትርከብ እትኽእል ድልድልቲ እምነት ንምሓዝ ዚከኣለና ንግበር።—1 ጴጥሮስ 1:7

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ምሳልያዊ ትርጕም “መስዋእቲ” ይስሃቅ ንምፍላጥ: ናይ 13/7/110 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 7 [ወይ ናይ 1 ሓምለ 1989 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ] ገጽ 22] ርአ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ብግብሪ እተራእየት እምነት ኣብርሃም: ዓርኪ የሆዋ ኸም ዚኸውን ገበረቶ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ፈተናታት: እምነትና ብሓቂ ናይ ምጽዋር ሓይሊ ኸም ዘለዋ ዜርኢ ኪኸውን ይኽእል

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the Illustrated Edition of the Holy Scriptures, by Cassell, Petter, & Galpin