ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓገዝ የሆዋ: ምልካዊ ስርዓት ሰገርና

ብሓገዝ የሆዋ: ምልካዊ ስርዓት ሰገርና

ታሪኽ ህይወት

ብሓገዝ የሆዋ: ምልካዊ ስርዓት ሰገርና

ሄንሪክ ዶርኒክ ዘዘንተዎ

1926 ካብ ውፉያት ካቶሊክ ዝዀኑ ወለዲ እየ ተወሊደ። ወለደይ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ፖላንድ ጥቓ እታ ካቶቪትሰ እትበሃል ከተማ ዝነበረት መዐደኒ ዚርከበላ ሩዳ ስላስካ ይነብሩ ነበሩ። ንዓይ: ነቲ በርናርድ ዝስሙ ዓብዪ ሓወይ: ከምኡውን ነተን ሮዛን ኢዲታን ዝስመን ንኣሽቱ ኣሓተይ ንኽንጽልን ናብ ቤተ-ክርስትያን ንኽንከይድን ንኽንናዘዝን ይምህሩና ነበሩ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ቤትና በጽሐ

ኣብ ጥሪ 1937 ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ: ኣቦይ ኣዝዩ ተሓጒሱ ናብ ቤት ተመልሰ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሃብዎ ሓንቲ ዓባይን ረጓድን መጽሓፍ ድማ ሒዙ ነበረ። “እዞም ደቀይ: ቅዱሳት ጽሑፋት ሒዘ መጺአ!” ኸኣ በለና። ቅድሚኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚበሃል ርእየ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ተቐማጦ ሩዳ ስላስካን ኣብቲ ኸባብን ሓያል ጽልዋ ነበራ። እቶም ኣቕሽሽቲ ምስ ሰበ-ስልጣን እቲ መዐደኒ ጽቡቕ ርክብ ነበሮም: እቶም ዓደንትን ስድራቤቶምን ምሉእ ብምሉእ ንዕኦም ምእዙዛት ኪዀኑ ድማ ይደልዩ ነበሩ። ሓደ ዓዳኒ ኣብ ቅዳሴ እንተ ዘይተኻፊሉ ወይ ኑዛዜ እንተ ዘይፈጺሙ: ከም ዘይኣማኒ ተቘጺሩ ኻብቲ መዐደኒ ይስጐጕ ነበረ። ኣቦይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይሓብር ስለ ዝነበረ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዕኡ እውን ኪሰጕዎ ሓሲቦም ነበሩ። ይኹን እምበር: ሓደ ቐሺ ኺበጽሓና ምስ መጸ: ኣቦይ ብዛዕባ እቲ ሃይማኖታዊ ግብዝናኡ ኣብ ቅድሚ ዅልና ኣቃልዖ። እቲ እተዋረደ ቐሺ ብድሕሪኡ ኻልእ ሽግር ምእንቲ ኸየስዕበሉ: ኣቦይ ካብ ስራሕ ኣይተሰጐን።

ነቲ ቐሺ ዘጋጠሞ ነገር ምርኣየይ: ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽፈልጦ ዝገበርክዎ ውሳነ ኣደልደሎ። ንየሆዋ ኸፍቅሮ ጀመርኩ: ምስኡ ድማ ብሕታዊ ርክብ መስረትኩ። ኣቦይ ምስቲ ቐሺ ኻብ ዚዘራረብ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ኣብ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኻፈልና፣ ኣብኡ ድማ ንኣቦይ “እዚ ዮናዳብ እዩ” እናበሉ ምስቶም 30 ዝዀኑ ሰባት የላልይዎ ነበሩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: እቶም “ዮናዳብ” ተባሂሎም ዚጽውዑ: ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ምዃኖም ፈለጥኩ። a2 ነገስት 10:15-17

“ኣታ ጐበዝ: ጥምቀት እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጦ ዲኻ፧”

ኣቦይ ንሓቂ ምስ ተቐበለ: ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ምስታይ ኣቋረጸ: ንፉዕ ሰብኣይን ኣቦን ድማ ኰነ። ኣደይ ግን ተመሳሳሊ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ስለ ዘይነበራ: ንሱ ኸምቲ ናይ ቀደም ዓይነት ኣነባብራ እናነበረ ካቶሊክ እንተ ዚኸውን ከም እትመርጽ ትዛረብ ነበረት። ይኹን እምበር: ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ምጅማሩ: እቶም ፖላንድ ንጀርመን ንኽትስዕራ ዚጽልዩ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ: ሂትለር ንኺዕወት ኪጽልዩ ረኣየት። ብድሕርዚ: ብ1941 ምሳና ሓቢራ ንየሆዋ ኸተገልግል ጀመረት።

እዚ ቕድሚ ምዃኑ: ርእሰይ ንኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ብጥምቀት ከርኢ ደለኹ፣ እቶም ሽማግለታት ጉባኤ ግን ብዕድመ ንእሽቶ እዩ ኢሎም ሓሰቡ። ቍሩብ ክጸንሕ ድማ ነገሩኒ። ኣብ መወዳእታ ግን: ብ10 ታሕሳስ 1940 ኮንራድ ግራቦቪ (ደሓር ኣብ መዳጐኒ ደምበ ብተኣማንነት ዝሞተ ሓው) ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኽፍሊ: ሕቶታት ሓተተኒ። ሓሙሽተ ሕቶታት ሓተተኒ: በቲ መልሰይ ምስ ዓገበ ድማ ኣጠመቐኒ። ሓንቲ ኻብተን ሕቶታቱ: “ኣታ ጐበዝ: ጥምቀት እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጦ ዲኻ፧” እትብል እያ ነይራ። እታ ኻልአይቲ ሕቶ ድማ: “ኣብዚ ድሮ ጀሚሩ ዘሎ ውግእ: ወይ ንሂትለር ወይ ንየሆዋ እሙን ክትከውን ከም ዘሎካ: እቲ ውሳነኻ ኸኣ ሞት ኬስዕበልካ ኸም ዚኽእል ትፈልጥ ዲኻ፧” እትብል ነበረት። ነግ ፈረግ ከይበልኩ ድማ “እወ” ኢለ መለስኩሉ።

መስጐጕቲ ጀመረ

ኮንራድ ግራቦቪ ኸምዚ ዝበለ ሕቶ ዝሓተተኒ ስለምንታይ እዩ፧ ብ1939 ሰራዊት ጀርመን ንፖላንድ ወረርዋ: እምነትናን ንጽህናናን ድማ ብኸቢድ ተፈተና። መዓልቲ መዓልቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም እተኣስሩ: ከም እተሰጐጉ: ከምኡውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ናብ መዳጐኒ ደምበ ኸም እተወስዱ ንሰምዕ ስለ ዝነበርና: እቲ ዅነታት ኣዝዩ ዜጨንቕ ነበረ። ንሕና እውን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ተመሳሳሊ ፈተናታት ኣጋጠመና።

ኣባላት ናዚ ነቶም መንእሰያት: እንተላይ ንዓይን ንሰለስተ ኣሕዋተይን: ቀናኣት ተሓለቕቲ እቲ ሳልሳይ ራይኽ ክንከውን ይደልዩ ነበሩ። ኣቦይን ኣደይን ብተደጋጋሚ ቮልክሊሰት (ዝርዝር ስም እቶም ናይ ጀርመን ዜግነት ዘለዎም ወይ ኪወሃቦም ዚደልዩ ዝሓዘ ሰነድ) ምፍራም ስለ ዝኣበዩ: ንውሉዳቶም ናይ ምንባይ መሰል ተነፍጉ። ኣቦይ ናብቲ ኣብ ኦሽዊትዝ ዚርከብ መዳጐኒ ደምበ ተላእከ። ኣብ ለካቲት 1944 ኣነን ሓወይን ናብቲ ኣብ ጥቓ ኒሳ ዚርከብ: ግሮትኮቭ (ግሮትኮ) ኣብ እትበሃል ከተማ ዝነበረ መአረሚ ቤት ትምህርቲ ተወሰድና፣ እተን ኣሓተይ ድማ ናብቲ ኣብ ጥቓ ኦፖለ ዚርከብ: ቻርኖቮሲ (ክሎስተብሩክ) ኣብ እትበሃል ከተማ ዝነበረ ማሕበር ደናግል ካቶሊክ ተወስዳ። እቲ ሸቶ: ነቲ እቶም ሰበ-ስልጣን “ምትላል ዝመልኦ” ኢሎም ዝጸውዕዎ ኣረኣእያ ወለድና ንኽንሓድጎ እዩ ነይሩ። ኣደይ ኣብ ቤት ንበይና ተረፈት።

ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ: ንግሆ ንግሆ ናይ ስዋስቲካ ባንዴራ ይስቀል ነበረ፣ ንሕና ድማ የማናይ ኢድና ኣልዒልና “ሃይል ሂትለር” እናበልና ሰላምታ ኽንህብ ትእዛዝ ተዋሂቡና ነበረ። ከቢድ ናይ እምነት ፈተና እኳ እንተ ነበረ: ኣነን በርናርድን ግን ከይንለማለም ወሰንና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “ኣኽብሮት ዘይብሎም” ኢሎም ሕርሕራይ ገይሮም ዘበጡና። ነቲ ዝነበረና ፍናን ንምጥፋእ እተገብረ ተኸታታሊ ፈተነ ኸም ዝፈሸለ ምስ ረኣዩ: እቶም ናይ ኤስ.ኤስ. ወተሃደራት: “ወይ ንመንግስቲ ጀርመን እሙናት ምዃንኩም ዚገልጽ ሰነድ ፈሪምኩም ኣባል ቬርማኽት [ሰራዊት ጀርመን] ኩኑ: ወይ ከኣ ናብ መዳጐኒ ደምበ ኽትለኣኹ ኢኹም” ዚብል ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሃቡና።

ኣብ ነሓሰ 1944 እቶም ሰበ-ስልጣን ናብ መዳጐኒ ደምበ ኽንለኣኽ ምስ ወሰኑ: ከምዚ በሉ:- “ዝዀነ ነገር ንኺገብሩ ኸተእምኖም ዘይከኣል እዩ። ሰማእት ኴንካ ሙማት ሓጐስ እዩ ዜምጽኣሎም። እቲ ዓለወኛ መትከሎም ንብምሉኡ እዚ ቤት ትምህርቲ ዜስግእ እዩ።” ሰማእት ክኸውን ድሌት እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ንመከራ ብትብዓት ምስጋረይ ከምኡውን ንየሆዋ እሙን ብምዃን ክብረተይ ምሕላወይ ግን ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:41) ነቲ ድሕርዚ ዘጋጥመኒ መከራ ብናተይ ብርታዐ ኽዋጽኣሉ ኣይክእልን እየ ነይረ። ብኣንጻሩ ግን: እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ልባዊ ጸሎት ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኸም ዝቐርብ ገበረኒ: ንሱ ድማ ክተኣማመነሉ ዝኽእል ሓጋዚ ምዃኑ ብግብሪ ኣርእዩ እዩ።—እብራውያን 13:6

ኣብ መዳጐኒ ደምበ

ብዙሕ ከይጸንሐ: ናብቲ ኣብ ሳይሊዥያ ዚርከብ ግሮስ-ሮዚን ዚበሃል መዳጐኒ ደምበ ተወሰድኩ። ናይ እሱር ቍጽሪ ኸምኡውን ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ እተርኢ ጁኽ ዝሕብሩ ስሉስ ኵርናዕ ተዋህበኒ። እቶም ናይ ኤስ.ኤስ. ወተሃደራት ሓደ ሓሳብ ኣቕረቡለይ። “እቲ ነቲ ሳልሳይ ራይኽ ዚጻረር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ ሕደጎ” በሉኒ፣ ከምኡ እንተ ገይረ: ካብቲ ደምበ ኸም ዝፍታሕን ብዓል ስልጣን ሰራዊት ናዚ ኸም ዝኸውንን ነገሩኒ። ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ዝረኸበ ዋላ ሓደ እሱር ኣይነበረን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ካብቲ ደምበ ናይ ምምላጥ ኣጋጣሚ ረኺቦም ነይሮም። ኰይኑ ግን: ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣሽሓት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ: ነዚ “ሓለፋ” እዚ: ነግፈረግ ከይበልኩ ነጸግክዎ። እቶም ወተሃደራት “ነቲ ኣብቲ መንደዲ ሬሳ ዘሎ መውጽኢ ትኪ ጽቡቕ ጌርካ ርኣዮ። ነቲ ዘቕረብናልካ ኣጋጣሚ ድማ ኣርዚንካ ሕሰበሉ: ዘይትቕበሎ እንተ ዄንካ ግን: ናጽነትካ በዛ መውጽኢ ትኪ ጥራይ ኣቢልካ ኢኻ እትረኽባ” በሉኒ። ብትብዓት ኣበኽዎም: ኣብታ ህሞት እቲኣ ኸኣ ውሽጠይ በቲ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” መልአ።—ፊልጲ 4:6, 7

ምስቶም ኣብቲ ደምበ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ክራኸብ ጸለኹ: የሆዋ ድማ መልሲ ሃበኒ። ሓደ ጉስታፍ ባኡመርት ዝስሙ እሙን ሓው ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ዝረኸብክዎም ክርስትያናት ብጾት እዩ ነይሩ: ብለውሃትን ብፍቕርን ከኣ ይሓልየለይ ነበረ። የሆዋ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ምዃኑ ብዓይነይ ርእየ እየ።—2 ቈረንቶስ 1:3

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ሰራዊት ሩስያ እናቐረቡ ይመጹ ስለ ዝነበሩ: ወተሃደራት ናዚ ኻብቲ ደምበ ብቕልጡፍ ኪወጹ ተገደዱ። ክንከይድ ንዳለወሉ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን: እቶም ኣሕዋት ዘበልና ንህይወትና ኣብ ሓደጋ ብምእታው: ናብቲ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝነበራሉ ባራካ ኼድና ዅነታት እተን 20 ዝዀና መንፈሳውያን ኣሓትና ኽንርኢ ወሰንና: ኤልሳ ኣፕትን ገርትሩድ ኦትን እውን ምስአን ነበራ። b ምስ ረኣያና: እናጐየያ ናባና መጻ፣ ንሓድሕድና ምስ ተተባባዕና ድማ ነታ “እቲ እሙን: ነፍሱ ብፍርሂ ኣየምበርክኻን” ዚብል ቃላት ዝሓዘት መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘመራ። c ኵልና ነባዕና!

ናብ ካልእ ደምበ

ኣባላት ናዚ ነቶም ካብ 100 ኽሳዕ 150 እንኸውን እሱራት ኣብ ጥርሑ ናይ ከሰል ባጎኒ ኣእተዉና፣ ብዘይ ምግብን ማይን ድማ ኣስሓይታን ዝናምን እናወረደና ንጐዓዝ ነበርና። ጽምእን ረስንን ድማ ኣሳቐየና። እቶም ዝሓመሙን ዝደኸሙን እሱራት ሃለዋቶም ስኢኖም ምስ ሞቱ: ኣብቲ ባጎኒ ዝያዳ ቦታ ይርከብ ነበረ። እግረይን መላግቦይን ኣዝዩ ስለ ዝሓበጠ: ደው ክብል ኣይከኣልኩን። ድሕሪ ናይ ዓሰርተ መዓልቲ ጕዕዞ: እቶም ነዚ ዅሉ ዝሰገሩ ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ እሱራት ኣብቲ ኣብ ኖርትሃውዘን ዚርከብ ሚትልባ-ዶራ ዚበሃል ቤት ማእሰርቲ በጽሑ: እዚ ኸኣ ኣብ ቱሪንጂያ: ኣብ ጥቓ ቫይማር እዩ ነይሩ። እቲ ዜገርም ግን: ኣብዚ ኣጸጋሚ ጕዕዞ እዚ: ካብ ኣሕዋት ዋላ ሓደ እውን እንተ ዀነ ዝሞተ ኣይነበረን።

ካብቲ ጕዕዞ ኻብ እነዕርፍ ብዙሕ ከይጸናሕና: ኣብቲ ደምበ ሕማም ውጽኣት ተላብዐ፣ እተወሰኑ ኣሕዋት: እንተላይ ኣነ ድማ ሓመምና። ኣብቲ ደምበ ይወሃብ ዝነበረ መረቕ ከይንበልዕ: ኣብ ክንዳኡስ ዝነቐጸ ባኒ ጥራይ ክንበልዕ ተነግረና። ከምዚ ስለ ዝገበርኩ ድማ ቀልጢፈ ሓወኹ። ኣብ መጋቢት 1945 እታ ጥቕሲ ዓመት: “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” እትብል ኣብ ማቴዎስ 28:19 እተመስረተት ምዃና ፈለጥና። ብሓቂ ኸኣ ካብቲ ደምበ ናጻ ወጺና ነቲ ብስራት ምስባኽና ኸም እንቕጽል ፍሉጥ እዩ ነይሩ! ካልኣይ ውግእ ዓለም ብኣርማጌዶን ዚዛዘም ጌርና ንሓስብ ስለ ዝነበርና: እዚ ሓጐስን ተስፋን ኣምጸኣልና። የሆዋ ኣብቲ ኣጸጋሚ ግዜያት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብዜደንቕ መገዲ ዘበራትዓና!

ካብቲ ደምበ ሓራ ወጻእና

ብ1 ሚያዝያ 1945 ጥሙራት ሓይልታት ነቲ ናይ ኤስ.ኤስ. ባራካታትን ነቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ደምበን ደብደብዎ። ብዙሓት ሰባት ድማ ተቐትሉን ቈሰሉን። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ: ማእለያ ብዘይብሉ ቦምብ ተደብደብና፣ ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ኣብ ጥቓይ እተፈንጀረ ቦምባ ሓፍ ኣቢሉ ደርበየኒ።

ፍሪትዝ ኡልሪኽ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ኪሕግዘኒ መጸ። ብህይወት ኪረኽበኒ ተስፋ ብምግባር ድማ ነቲ ኣብ ልዕለይ ተዀሚሩ ዝነበረ ስብርባር ኪፍሕሮ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ: ኣብቲ ፍርስራስ ተቐቢረ ምስ ረኸበኒ: ስሒቡ ኻብኡ ኣውጸኣኒ። ናብ ውኖይ ምስ ተመለስኩ: ገጸይ ኣዝዩ ኸም እተሃስየን ኣካላተይ ከም ዝደንዘዘን ፈለጥኩ። ድምጺ እቲ ነታጒ ንኸበሮ እዝነይ ኣዝዩ ጐድኦ። ክሳዕ ዝሓዊ: ንነዊሕ ዓመታት ናይ ምስማዕ ጸገም ነበረኒ።

ካብቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እሱራት: ሒደት ጥራይ እዮም ብህይወት ተሪፎም። ገሊኦም ኣሕዋትና እውን ሞይቶም እዮም: እቲ ፍቑር ጉስታፍ ባኡመርት ድማ ሓደ ኻብኣቶም ነበረ። እቲ ኣብ ኣካላተይ ዝወረደኒ ጕድኣት ረኽሲ ስለ ዝፈጠረ: ከቢድ ረስኒ ሓዘኒ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን: እቶም ጥሙራት ሓይልታት ረኸቡና: ሓራ ድማ ኣውጽኡና። ሬሳታት እቶም ዝሞቱን እተቐትሉን እሱራት: ኣብቲ ኸባቢ ሕማም ቲፎ ኸም ዝላባዕ ገበረ: ኣነ እውን በዚ ሕማም እዚ ተተሓዝኩ። ምስ ካልኦት ሕሙማት ብሓባር ናብ ሆስፒታል ወሰዱኒ። እቶም ሓካይም ዝከኣሎም እኳ እንተ ገበሩ: ሰለስተ ሰባት ጥራይ ብህይወት ተረፍና። ኣብቲ ኣጸጋሚ ግዜ: እሙን ንክኸውን የሆዋ ስለ ዝሓገዘኒ: ኣብ “ርባርባ ድነ ሞት” እውን ከይተረፈ ስለ ዘድሓነኒ አመስግኖ እየ።—መዝሙር 23:4

ኣብ መወዳእታ ናብ ቤተይ ተመለስኩ

ሰራዊት ጀርመን ኢዶም ምስ ሃቡ: ቀልጢፈ ናብ ቤተይ ክምለስ ተስፋ ገይረ ነበርኩ፣ ኰይኑ ግን: ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣይኰነን። እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሳይ ዝነበሩ ኣባላት ጕጅለ ምንቅስቓስ ካቶሊክ ኣለለዩኒ። “ቅተሎ!” እናበሉ ኺጭድሩ ጀመሩ: ናብቲ ባይታ ደርብዮም ድማ ረገጹኒ። ሓደ ሰብኣይ መጺኡ ግን ካብዚ ዘሰቅቕ ተግባሮም ኣድሓነኒ: ጕድኣት ወሪዱኒ ኸምኡውን ሕማም ቲፎ ንሓይለይ ጸንቂቕዎ ስለ ዝነበረ: ቀልጢፈ ኣይሓወኹን። ኣብ መወዳእታ ግን: ናብ ቤተይ ክኸይድ ከኣልኩ። ምስ ስድራቤተይ ከም ብሓድሽ ምርኻበይ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣሐጒሱኒ! ዝሞትኩ መሲልዎም ስለ ዝነበረ: ምስ ረኣዩኒ ኣዝዩ ደንጸዎም።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ዕዮ ስብከት ቀጸልና: ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ደለይቲ ሓቂ ድማ ኣወንታዊ ምላሽ ሃቡ። ንጉባኤታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ናይ ምዕዳል ሓላፍነት ተዋህበኒ። ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኰይነ: ምስቶም ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጀርመን ወኪሎም ዝመጹ ኣሕዋት ኣብ ቫይማር ናይ ምርኻብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ ነይረ: ነተን ድሕሪ እቲ ውግእ እተሓትማ ናይ መጀመርታ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ሒዝና ድማ ናብ ፖላንድ ተመለስና። እዘን ሕታማት እዚኣተን ብኡንብኡ ተተርጐማ: ስተንስል ተዳለወ: ቅዳሓት ከኣ ተሓትመ። እቲ ኣብ ምልእቲ ፖላንድ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ሎድዝ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ምስ ኰነ: እተን ጉባኤታት ብዘይ ምቍራጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኪረኽባ ጀመራ። ፍሉይ ፈላሚ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ: ነቲ ኣብ ሳይሊዥያ ዚርከብ ሰፊሕ ክሊ ድማ እሽፍን ነበርኩ፣ ሽዑ መብዛሕትኡ ኽፋል እዚ ቦታ እዚ ናይ ፖላንድ እዩ።

ብዙሕ ከይጸንሐ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንደገና በቲ ሽዑ ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት ኮምዩኒስት ፖላንድ መስጐጕቲ ወረዶም። ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነተይ: ብ1948 ንኽልተ ዓመት ክእሰር ተፈረድኩ። ኣብኡ ኸለኹ ንብዙሓት እሱራት ንኣምላኽ ኪቐርብዎ ሓገዝክዎም። ሓደ ኻብኣቶም ንሓቂ ጽኑዕ መትከል ሓዘ: ጸኒሑ ድማ ርእሱ ንየሆዋ ብምውፋይ ተጠምቀ።

ብ1952 ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሰላዪ ኢኻ ተባሂለ እንደገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሰድኩ። ፍርዲ እናተጸበኹ ኸለኹ ድማ ኣብ ጽሙው ቤት ማሕቡስ ኣእትዮም ለይትን መዓልትን ይምርምሩኒ ነበሩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኻብ ኢድ እቶም ሰጐጕተይ ኣድሒኑኒ እዩ: ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ዓመታት ድማ ከምዚ ዝበለ ወጽዓ ኣየጋጠመንን።

ንኽጸንዕ ዝሓገዘኒ ነገር

ነቲ ዘሕለፍክዎ ፈተናታትን ጸገማትን ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ: ምንጪ ምትብባዕ ዝዀነኒ ነገራት ነይሩ እዩ። ብቐዳምነት: እቲ ኸም ዝጸንዕ ዝገበረኒ ብርታዐ ኻብ የሆዋን ካብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን እየ ረኺበዮ። ናብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ኣዘውቲርካ ልባዊ ጸሎት ምቕራብን መዓልታዊ ነቲ ቓሉ ምጽናዕን: ንዓይ ይኹን ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መዳይ ህያው ንኽንከውን ሓጊዙና እዩ። እቲ ብኢድ እተጻሕፈ ቕዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ እውን ዜድልየና መንፈሳዊ ምግቢ ኸም እንረክብ ገይሩና እዩ። ኣብቲ መዳጐኒ ደምበ ኸለኹ: በቶም ንኺሕግዙ ድሉዋት ዝዀኑ ሓለይቲ ኣመንቲ ብጾት እውን ተበራቲዐ እየ።

እታ ማሪያ ዝስማ ሰበይተይ: ካልእ የሆዋ ዝሃበኒ በረኸት እያ ነይራ። ኣብ ጥቅምቲ 1950 ተመርዓና: ብድሕርዚ እታ ሄሊና ዝስማ ጓልና ተወልደት፣ ንየሆዋ እተፍቅርን እተገልግልን ኰይና ድማ ዓበየት። ማሪያ ሓሚማ ኽሳዕ እትመውት: ኣብ ሓዳርና 35 ዓመት ገበርና። ሞታ ሓዘንን ስቓይን ኣምጸኣለይ። እዚ ዅሉ: ንግዜኡ ‘እተደፋእኩ’ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ እኳ እንተ ገበረ: ፈጺሙ ግን ‘ኣየጥፍኣንን።’ (2 ቈረንቶስ 4:9) ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋናት: ካብታ ፍቕርቲ ጓለይ: ካብ ሰብኣያ: ከምኡውን ካብቶም ደቂ ደቀይ ዝዀኑ ውሉዳታ ሓገዝ ረኺበ እየ፣ ኵሎም ድማ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ ኣለዉ።

ካብ 1990 ኣትሒዘ ኣብቲ ኣብ ፖላንድ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር አገልግል ኣለኹ። ምስቶም ዜደንቑ ስድራ ቤትኤል መዓልታዊ ምቅርራብ ዓብዪ በረኸት እዩ። እቲ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ጥዕናይ: ከም ሓደ ኸንሳፍፍ ጥራይ ዚኽእል ንስሪ ኸም ዝዀንኩ ዀይኑ ኸም ዚሰምዓኒ እኳ እንተ ገበረ: ንመጻኢ ብምትእምማን እየ ዝጽበዮ፣ ክሳዕ ሕጂ ድማ “[የሆዋ] ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ: ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።” (መዝሙር 13:6) እቲ ረዳእየይ ዝዀነ የሆዋ: ነቲ እቲ ጭቈና ዝመልኦ መግዛእቲ ሰይጣን ዘምጸኦ ጕድኣት ዜልግሰሉ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 ጥሪ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13 ሕጡብ ጽሑፍ 6 ተወከስ።

b ታሪኽ ህይወት ኤልሳ ኣፕት እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1980 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-15 ተወከስ።

c እዛ መዝሙር እዚኣ ኣብታ ብ1928 ዝወጸት ሶንግስ ኦቭ ፕረይዝ ቱ ጂሆቫ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ: ቍጽሪ 101 ነበረት። ኣብዛ ሕጂ ዘላ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ መዝሙር ድማ ቍጽሪ 56 እያ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እዛ ቝጽርን እዛ ጁኽ ዝሕብራ ስሉስ ኵርናዕን ኣብ መዳጐኒ ደምበ ተዋህባኒ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ብ1980 ምስ ማሪያ ሰበይተይ