ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቅኹም ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃርዎም

ደቅኹም ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃርዎም

ደቅኹም ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃርዎም

“ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ: ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም።” —መዝሙር 127:4

1, 2. ውሉዳት ከምቲ “ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

 ሓደ ቐስተኛ ፍላጻኡ ወርዊሩ ዕላማኡ ኺወቅዕ ተዳለወ። ንፍላጻኡ ተጠንቂቑ ኣብቲ ጅማት ገበረ: ቀስቱ ድማ ገተረ። ጭዋዳታቱ ተወጢሩ እኳ እንተሎ: ግዜ ወሲዱ ፍላጻኡ ናብቲ ዕላማኡ ኣቕነዖ። ድሕሪኡ ወርወሮ! እቲ ፍላጻ ዕላማኡ ኺወቅዕ ድዩ፧ እተፈላለየ ረቛሒታት ነዚ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ክእለት እቲ ቐስተኛ: ጽልዋ ንፋስ: ከምኡውን ኵነታት እቲ ፍላጻ እዩ።

2 ንጉስ ሰሎሞን ንውሉዳት ምስ “ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ” ኣመሳሲልዎም ኣሎ። (መዝሙር 127:4) እዚ ምሳሌ እዚ ብኸመይ ኪዕየየሉ ኸም ዚኽእል እሞ ሕሰበሉ። ሓደ ቐስተኛ ንፍላጻኡ ኣብ ቀስቱ ዚግትሮ ብተዛማዲ ንሓጺር እዋን እዩ። ዕላማኡ ንምውቃዕ: ቀልጢፉ ኺውርውሮ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ ወለዲ ንደቆም ንየሆዋ ልባዊ ፍቕሪ ኸም ዜሕድሩ ንምግባር ብተዛማዲ ሓጺር ግዜ እዩ ዘለዎም። ድሕሪ እተን በሪረን ዚሓልፋ ዓመታት: እቶም ውሉዳት ይዓብዩ: ካብ ቤት ከኣ ይወጹ። (ማቴዎስ 19:5) ነቲ ዕላማ ኺወቕዑ ድዮም፧ ብኻልእ ኣዘራርባ እቶም ውሉዳት ካብ ቤት ድሕሪ ምውጻኦም ንኣምላኽ ኬፍቅርዎን ኬገልግልዎን ድዮም፧ ነዚ ዚጸሉ ሓያሎ ረቛሒታት ኣሎ። ሰለስተ ኻብዚ ረቛሒታት እዚ ኸኣ: ክእለት እቲ ወላዲ: እቶም ውሉዳት ዝዓበዩሉ ዅነታት: ከምኡውን እቲ “ፍላጻ” ወይ እቲ ቘልዓ ነቲ ዚወሃቦ ስልጠና ዚቕበለሉ መገዲ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ እዚ ረቛሒታት እዚ ብዝርዝር እስከ ንመርምር። ፈለማ: ገለ ኻብቲ ኽኢላ ወላዲ ዘለዎ ባህርያት ክንርኢ ኢና።

ክኢላታት ወለዲ ጽቡቕ ኣብነት ይዀኑ

3. ወለዲ ዚዛረብዎ ቓላት ብተግባር ኪድገፍ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሱስ ነቲ ዝሰብኮ ዝነበረ ኣብ ግብሪ ብምውዓሉ: ንወለዲ ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ። (ዮሃንስ 13:15) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቶም ‘ዚብሉ’ ደኣ እምበር: ‘ዘይገብሩ’ ፈሪሳውያን ኰኒንዎም እዩ። (ማቴዎስ 23:3) ወለዲ ንደቆም: ንየሆዋ ኼፍቅሩ ኺድርኽዎም እንተ ዀይኖም: ዘረባኦምን ተግባራቶምን ዚሳነ ኪኸውን ኣለዎ። ብተግባር ዘይተደገፈ ቓላት: ጅማት ከም ዘይብሉ ቐስቲ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:18

4. ወለዲ ንርእሶም እንታይ ኢሎም ኪሓቱ ኣለዎም፧ ስለምንታይከ፧

4 ኣብነት ወለዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቲ ዓበይቲ ሰባት ኣብነት የሱስ ብምርኣይ ንኣምላኽ ምፍቃር ኪመሃሩ ዚኽእሉ: ቈልዑ እውን ነቲ ሰናይ ኣብነት ወለዶም ብምስዓብ ንየሆዋ ምፍቃር ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ቘልዓ ዚቐርቦም ኣዕሩኹ ወይ ‘ንጽቡቕ ልማዱ ኼጥፍእሉ:’ ወይ ከኣ ኬደልድሉሉ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:33) ኣብ መብዛሕትኡ ዓመታት ህይወት ቈልዓ ኸምኡውን ኣብተን ዚቕረጸለን ኣገደስቲ ዓመታት: እቶም ልዕሊ ዅሉ ዚቐርብዎን ጽልዋ ዚገብሩሉን ወለዱ እዮም። ስለዚ: ወለዲ ንርእሶም: ‘እንታይ ዓይነት ዓርኪ እየ፧ ዝሰርዖ ዘለኹ ኣብነት ንውሉደይ ጠቓሚ ልማድ ንኼማዕብል የተባብዖ ድዩ፧ ኣብ ከም ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ነገራት እንታይ ኣብነት እየ ዝሓድግ ዘለኹ፧’ ኢሎም ኪሓቱ ኣለዎም።

ክኢላታት ወለዲ ምስ ደቆም ብሓባር ይጽልዩ

5. ውሉዳት ካብ ጸሎት ወለዲ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

5 ውሉዳትኩም ንጸሎትኩም ብምስማዕ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ምግቢ ቕድሚ ምብላዕኩም ከተመስግኑን ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጽልዩን ከለኹም እንተ ርእዮምኹም: ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዮም ዚበጽሑ፧ የሆዋ ንስጋና ዜድልየና ኸም ዚህበና: በዚ ኸኣ ኪምስገን ከም ዘለዎ: ከምኡውን መንፈሳዊ ሓቅታት ከም ዚምህረና ኺፈልጡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ።—ያእቆብ 1:17

6. ወለዲ ንደቆም: የሆዋ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ከም ዚሓልየሎም ኰይኑ ንኺስምዖም ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

6 ይኹን እምበር: ኣብ እዋን ምግብን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራቤትን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ካልእ እዋን ምስ ኣባላት ስድራቤትኩም እንተ ጸሊኹም: ንዓኻትኩምን ንደቅኹምን ዚትንክፍ ነገራት ከኣ ፈሊኹም ኣብ ጸሎትኩም እንተ ጠቒስኩም: ዝያዳ ኣሳልጦ ኽትረኽቡ ኢኹም። የሆዋ ኽፍሊ ስድራቤትኩም ምዃኑ: ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ድማ ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየልኩም ደቅኹም ኬስተውዕሉ እዮም። (ኤፌሶን 6:18፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ሓደ ኣቦ ኸምዚ በለ:- “ጓልና ኻብ እተወልደትሉ እዋን ኣትሒዝና: ምስኣ ሓቢርና ንጽሊ ነበርና። እናዓበየት ምስ ከደት: ብዛዕባ ንዓኣ ዚጸልዋ ርክባትን ካልእ ጕዳያትን ንጽሊ ነበርና። ተመርዕያ ኻብ ቤትና ኽሳዕ እትወጽእ: ምስኣ ሓቢርና ኸይጸለና ዝሓለፈትና መዓልቲ የላን።” ንስኻ እውን መዓልታዊ ምስ ደቅኻ ሓቢርካ ኽትጽሊ ትኽእልዶ፧ ውሉዳት ንየሆዋ ኸም ሓደ ብስጋን ብመንፈስን ጥራይ ዘይኰነስ: ብስምዒታዊ መዳይ እውን ዜድልዮም ዜማልኣሎም ፈታዊ ኸም ዝዀነ ገይሮም ንኺርእይዎ ኽትሕግዞም ትኽእልዶ፧—ፊልጲ 4:6, 7

7. ወለዲ ኣብ ጸሎቶም ዝርዝር ነጥቢ ፈልዮም ንምጥቃስ እንታይ ኪፈልጡ የድልዮም፧

7 ልክዕ እዩ: ኣብ ጸሎትካ ዝርዝር ነጥቢ ፈሊኻ ኽትጠቅስ እንተ ዄንካ: ኣብ ህይወት ውሉድካ ዜጋጥም ዘሎ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ሓደ ኽልተ ውሉዳት ዘዕበየ ኣቦ: “ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን: ‘ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ንደቀይ ዘተሓሳሰበን እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ህይወተን እንታይ ጽቡቕ ነገር ኣጋጢምወን፧’ ኢለ ኽልተ ሕቶታት ንርእሰይ እሓትት” በለ። ኣቱም ወለዲ: ንርእስኹም ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታት: ገለ ኻብቲ ዝረኸብኩምዎ መልስታት ኣብቲ ምስ ደቅኹም እትጽልይዎ ጸሎት ከተጠቓልልዎዶ ትኽእሉ፧ ከምኡ እንተ ጌርኩም: ናብቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ የሆዋ ንኺጽልዩ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኼፍቅርዎ እውን ኢኹም እትምህርዎም ዘለኹም።—መዝሙር 65:2

ክኢላታት ወለዲ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ የተባብዑ

8. ወለዲ ንውሉዳቶም ቃል ኣምላኽ ናይ ምጽናዕ ልማድ ኬጥርዩ ኺሕግዝዎም ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

8 ሓደ ወላዲ ብዛዕባ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ኣረኣእያ: ነቲ ውሉዱ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ብኸመይ ይጸልዎ፧ ዝዀነ ይኹን ርክብ ንኺዓብን ቀጻሊ ንኪኸውንን: እቶም ነቲ ርክብ ዝመስረቱ ውልቀ-ሰባት ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ጥራይ ዘይኰነስ: ሓደ ነቲ ሓደ ኺሰምዖ ኣለዎ። ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ እንሰምዓሉ መገዲ: ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ ‘እሙን ባርያ’ ዘዳለዎ ጽሑፋት ጌርና ብምጽናዕ እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47፣ ምሳሌ 4:1, 2) ስለዚ: ወለዲ ንደቆም ምስ የሆዋ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ነባሪ ርክብ ከም ዜማዕብሉ ንምግባር: ቃል ኣምላኽ ናይ ምጽናዕ ልማድ ንኼማዕብሉ ኼተባብዕዎም ኣለዎም።

9. ውሉዳት ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ንኼማዕብሉ ብኸመይ ሓገዝ ኪግበረሎም ይከኣል፧

9 ውሉዳት ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ንኼማዕብሉ ብኸመይ ኪሕገዙ ይኽእሉ፧ ኣብዚ እውን ወለዲ ዚምህሩሉ ዝበለጸ መገዲ: ኣብነቶም እዩ። ውሉዳትካ ኣዘውቲርካ ብብሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ወይ ከተጽንዕ ከለኻ ይርእዩኻ ድዮም፧ ሓቂ እዩ: ንደቅኻ ብምሕላይ ኣዚኻ ትሑዝ ክትከውን ትኽእል ትኸውን: ንኸተንብብን ንኸተጽንዕን መዓስ ግዜ ኸም እትረክብ እውን ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። እንተዀነ ግን: ‘ደቀይ ኣዘውቲረ ተለቪዥን ክርኢ ድዮም ዚርእዩኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ከምኡ እንተ ዀይኑ: ገለ ኻብቲ ግዜ እቲ ተጠቒምካ: ብዛዕባ ብሕታዊ መጽናዕቲ ጽቡቕ ኣብነት ክትገድፈሎም ትኽእልዶ፧

10, 11. ወለዲ ስሩዕ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራቤት ኪህልዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

10 ውሉዳት ንየሆዋ ንኺሰምዕዎ ዚመሃሩሉ ኻልእ መገዲ: ብስድራቤት ስሩዕ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር እዩ። (ኢሳይያስ 30:21) ገሊኦም ግን: ‘ወለዲ ኣዘውቲሮም ንደቆም ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚወስድዎም እንተ ዀይኖም: መጽናዕቲ ስድራቤት ንምንታይ የድልዮም፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። እተፈላለየ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎ። ንውሉዳት ናይ ምምሃር ሓላፍነት: የሆዋ ብቐዳምነት ንወለዲ እዩ ሂብዎም። (ምሳሌ 1:8፣ ኤፌሶን 6:4) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራቤት ከኣ ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚግበር ወግዒ ጥራይ ዘይኰነስ: ክፍሊ ብሕታዊ ህይወት ስድራቤት ምዃኑ ንውሉዳት ይምህሮም።—ዘዳግም 6:6-9

11 ብተወሳኺ: ብግቡእ ዚምራሕ መጽናዕቲ ስድራቤት: ንወለዲ ነቲ ውሉዳቶም ብዛዕባ መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ጕዳያት ዘለዎም ኣተሓሳስባ ንኺፈልጡ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም። ንኣብነት: ወለዲ ንንኣሽቱ ውሉዳቶም ከም እኒ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስቱ ጽሑፋት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። a ኣብዛ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ: ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሕጡብ ጽሑፍ: ነቶም ውሉዳት ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ሓሳባቶም ኪገልጹ ዜተባብዕ ሕቶ ኣሎ። ወለዲ በቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ገይሮም ንደቆም ብርትዓዊ መገዲ መረዳእታ ብምሃብ: ንልቦናኦም “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ኬላምድዎም ይኽእሉ እዮም።—እብራውያን 5:14

12. ወለዲ ነቲ መጽናዕቲ ስድራቤት ንውሉዶም ከም ዜድልዮ ገይሮም ኬተዓራርይዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮኸ እንታይ እዩ፧

12 ደቅኹም እናዓበዩ ምስ ከዱ: ነቲ መጽናዕቲ ኸከም ዜድልዮም ኣተዓራርይዎ። ሰብ ሓዳር ነተን ጐርዞታት ዝነበራ ደቆም ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ትልሂት ኪሳተፋ ንዝቐረበለን ሕቶ እንታይ መልሲ ኺህባ ኸም ዘለወን ንኺፈልጣ ብኸመይ ከም ዝሓገዝወን እሞ ንርአ። እቲ ኣቦ ኸምዚ በለ:- “ንደቅና ኣብቲ ዚቕጽል መጽናዕቲ ስድራቤትና እተወሰነ ግዜ ወሲድና: ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ውሉዳት ኴንና ኽንዋሳእ: ደቅና ድማ ወለዲ ዀይነን ኪዋስኣ ምዃነን ነገርናየን። ሓዲአን ኣቦ: ሓዲአን ኣደ ኪዀና ይኽእላ ነበራ: ዝዀነ ዀይኑ ግን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብሓባር ምርምር ገይረን ብዛዕባ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚግበር ትልሂት መምርሒ ኺህባና ነበረን።” እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ እቲ ኣቦ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ደቅና (ከም ወለዲ ዀይነን ኣብ እተዋስኣሉ) ናብቲ ትልሂት ምኻድ ዘይጥበባዊ ዝዀነሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽንያታት ንዓና (ከም ውሉዳት ዝዀንና) ኪገልጻ ኸለዋ ኽሳዕ ክንደይ ሓላፍነት ከም እተሰምዐን ምስ ረኣና ደንጸወና። ገለ ኻብቲ ዝያዳ ዘገረመና ነገር: ኣብዚ ንጥፈት እዚ ቕቡል ኣማራጺ ኢለን ዝሃባኦ ሓሳባት እዩ። እዚ ኸኣ ንሓሳባተንን ድሌታተንን ከም እነስተውዕል ገበረና” በለ። ሓቂ እዩ: ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስሩዕን ኣድማዕን ምግባር ሓቦን ተባላሓትነተን ይሓትት: እቲ ዓስቡ ግን ዚኽሕስ እዩ።—ምሳሌ 23:15

ሰላማዊ ሃዋህው ፍጠር

13, 14. (ሀ) ወለዲ ኣብ ቤቶም ሰላማዊ ሃዋህው ኪፈጥሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ሓደ ወላዲ ጌጋ ኸም ዝገበረ እንተ ተኣሚኑ: እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኺህልዎ ይኽእል፧

13 ሓደ ቐስተኛ ንፍላጻኡ ኣብ ህዱእ ኵነታት ኣየር ኣነጺሩ እንተ ወርዊሩ: እቲ ፍላጻ ዕላማኡ ኺወቅዕ ዘለዎ ዕድል ይሰፍሕ እዩ። ብተመሳሳሊ: ወለዲ ኣብ ቤቶም ሰላማዊ ሃዋህው እንተ ፈጢሮም: ውሉዳት ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ዘለዎም ኣጋጣሚ ይሰፍሕ። ያእቆብ: “ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 3:18) ወለዲ ኣብ ቤቶም ሰላማዊ ዅነታት ብኸመይ ኪፈጥሩ ይኽእሉ፧ ሰብ ሓዳር ድልዱል ማእሰር ፍቕሪ ኺህልዎም ኣለዎ። ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ዚከባበሩን ሰብኣይን ሰበይትን: ደቆም ንኻልኦት: እንተላይ ንየሆዋ: ኬፍቅሩን ኬኽብሩን ንምምሃር ዝሰፍሐ ዕድል ኣለዎም። (ገላትያ 6:7፣ ኤፌሶን 5:33) ፍቕርን ኣኽብሮትን ሰላም የስፍን። ሰላም ዘለዎም ሰብ ሓዳር ከኣ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዚለዓል ግጭታት ብዝሓሸ መገዲ ኺፈትሑ ይኽእሉ።

14 ልክዕ እዩ: ከምቲ ፍጹም ሓዳር ዘየልቦ: ሎሚ ኣብ ምድሪ ፍጹማት ስድራቤታት የለዋን። ሓድሓደ ግዜ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ኣብ ዘለዎም ርክብ ፍረ መንፈስ ኣየርእዩን ይዀኑ። (ገላትያ 5:22, 23) ከምኡ ኼጋጥም ከሎ: እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ጌጋ ኸም ዝገበሩ እንተ ተኣሚኖም: ነቲ ውሉዶም ንዓታቶም ዝነበሮ ኣኽብሮት ይንክዮ ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት እስከ ንርአ። ንብዙሓት መንፈሳዊ ኣቦኦም እዩ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 4:15) ኰይኑ ግን: ጌጋታት ከም ዚገብር ብግልጺ ተኣመነ። (ሮሜ 7:21-25) ይኹን እምበር: ትሕትናኡን ሓቀኛነቱን ነቲ ንዕኡ ዘሎና ኣኽብሮት የዕብዮ ደኣ እምበር: ኣይንክዮን እዩ። ጳውሎስ ጕድለታት እኳ እንተ ነበሮ: ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ: “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ: ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ኢሉ ኺጽሕፈሎም ክኢሉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:1) ንስኻ እውን ጌጋታትካ እንተ ተኣሚንካ: ደቅኻ ንጌጋታትካ ዕሽሽ ኪብልዎ ይኽእሉ እዮም።

15, 16. ውሉዳት ንክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ንኼፍቅሩ: ወለዶም ኬሰልጥንዎም ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧

15 ውሉዳት ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎ ዚገብር ሃዋህው ንምፍጣር: ወለዲ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ: “ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ: ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ እሞ: ንሓዉ እናጸልኦስ: ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ: ዚብል እንተሎ: ንሱ ሓሳዊ እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 4:20, 21) ስለዚ: ደቅኻ ንክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኬፍቅሩ ኸተሰልጥኖም ከለኻ: ንኣምላኽ ኬፍቅሩ ኢኻ እትምህሮም ዘለኻ። ወለዲ: ‘መብዛሕትኡ ብዛዕባ ጉባኤ ዝዛረቦ ዘረባ ዜተባብዕ ድዩ ዚነቅፍ፧’ ኢሎም ንርእሶም ኪሓቱ ኣለዎም። ነዚ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ደቅኻ ብዛዕባ ኣኼባታትን ኣባላት እታ ጉባኤን እንታይ ኢሎም ከም ዚዛረቡ ተጠንቂቕካ ስምዓዮም። ሓሳባትካ ኣብቲ ዚዛረብዎ ዘረባ ኺቃላሕ ከሎ ኽትሰምዖ ኢኻ።

16 ውሉዳት ንመንፈሳውያን ኣሕዋቶም ንኼፍቅርዎም: ወለዲ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧ ኣቦ ኽልተ ዀተቴታት ዝዀነ ፒተር: “ደቅና ንኣሽቱ ኻብ ዝነበሩሉ ግዜ ኣትሒዝና: ብመንፈስ ብሱላት ዘበሉ ምሳና ንኺምገቡን ኣብ ቤትና ግዜ ንኼሕልፉን ኣዘውቲርና ንዕድሞም ነበርና፣ እዚ ኸኣ ብዙሕ ባህ ዜብል እዩ። ደቅና ንየሆዋ ምስ ዜፍቅርዎ ሰባት ተቐራሪቦም እዮም ዓብዮም: ሕጂ ድማ ንኣምላኽ ምግልጋል ዜሐጕስ መገዲ ህይወት ምዃኑ ተረዲእዎም እዩ” በለ። ኣቦ ሓሙሽተ ኣዋልድ ዝዀነ ደኒስ ድማ: “ንደቅና ነተን ኣብ ጉባኤ ዘለዋ ብዕድመ ዝዓብያአን ፈለምቲ ኺመሓዘዋአን ኣተባባዕናየን: ብእተኻእለና መጠን ከኣ ንገየሽቲ ሓለውትን ንኣንስቶምን ኣብ ቤትና ነአንግዶም ነበርና” በለ። ንስኻ እውን ደቅኻ ንጉባኤ ኸም ተወሳኺ ኽፋል ስድራቤትኩም ገይሮም ንኺርእይዋ ኽትሕግዞም ተበግሶ ኽትወስድ ትኽእልዶ፧—ማርቆስ 10:29, 30

ውሉድ ዘለዎ ሓላፍነት

17. ውሉዳት ኣብ መወዳእታ እንታይ ውሳነ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

17 ነቲ ብዛዕባ እቲ ቐስተኛ ዝጠቐስናዮ ምሳሌ እሞ እንደገና ሕስብ ኣብለሉ። እቲ ቐስተኛ ኽኢላ እኳ እንተ ዀነ: እቲ ዚውርውሮ ፍላጻ ጐባጥ ወይ ቄናን እንተ ዀይኑ: ዕላማኡ ኺወቅዕ ኣይክእልን እዩ። ልክዕ እዩ: ወለዲ ነቲ ዝጐበጠ ፍላጻ ንምቕናዕ: ማለት ንግጉይ ኣተሓሳስባ ውሉዶም ንምዕራይ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ እዮም። ኣብ መወዳእታ ግን ውሉዳት ሓደው እዛ ዓለም እዚኣ ናብ ፍቓዳ ኸተጐብጦም: ወይ ከኣ የሆዋ ‘ኣኻይዳኦም ኬቕንዓሎም’ ኪውስኑ ኣለዎም።—ምሳሌ 3:5, 6፣ ሮሜ 12:2

18. ውሉድ ዚገብሮ ምርጫ ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

18 ወለዲ ንውሉዳቶም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ናይ ምዕባይ ከቢድ ሓላፍነት እኳ እንተ ኣለዎም: ምስ ዓበየ እንታይ ከም ዚኸውን ናይ መወዳእታ ውሳነ ዚገብር ግን: እቲ ውሉድ ባዕሉ እዩ። (ኤፌሶን 6:4) ስለዚ: ኣቱም ውሉዳት ንርእስኹም: ‘ነቲ ወለደይ ዚህቡኒ ፍቕራዊ ስልጠና እቕበል ድየ፧’ ኢልኩም ሕተቱ። ትቕበሉ እንተ ዄንኩም: እቲ ብሉጽ ዓይነት ህይወት ኢኹም እትመርጹ ዘለኹም። ንወለድኹም ኣዝዮም ሕጉሳት ክትገብርዎም ኢኹም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕስዎ ኢኹም።—ምሳሌ 27:11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ትዝክሮዶ፧

• ወለዲ ንጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብዚምልከት ብኸመይ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኑ ይኽእሉ፧

• ወለዲ ኣብ ቤቶም ሰላማዊ ሃዋህው ብኸመይ ኪፈጥሩ ይኽእሉ፧

• ውሉዳት እንታይ ምርጫ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ እቲ ዚገብርዎ ምርጫኸ ንኻልኦት ብኸመይ ይጸልዎም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንውሉድካ ጽቡቕ ኣብነት ትዀኖ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ሰላማዊ ሃዋህው ዘለዎ ስድራቤት ንሓጐስ ኣበርክቶ ይገብር