ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣይሁድ ኣብ ግዜ ፋስጋ “ገለ እኳ ብኹዕ” ከይርከቦም ተኣዚዞም ካብ ነበሩ: የሱስ ዝኽሪ ሞቱ ኬቕውም ከሎ ነቲ ተጠጂኡ ዚፈልሕ ወይኒ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧—ዘጸኣት 12:20፣ ሉቃስ 22:7, 8, 14-20

እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዝወጹሉ ዜመልክት በዓል ፋስጋ: ብ1513 ቅ.ክ. እዩ ቘይሙ። የሆዋ ብዛዕባ ኣበዓዕላኡ መምርሒ ኺህብ ከሎ: “ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑ: ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ” በለ። (ዘጸኣት 12:11, 20) እዚ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ነገር: ነቲ ኣብ ግዜ ፋስጋ ዚብላዕ ዓይነት እንጌራ ጥራይ ዚምልከት ነበረ። ብዛዕባ ወይኒ እተጠቕሰ ነገር ግን ኣይነበረን።

እስራኤላውያን ብኹዕ ከይበልዑ እተኸልከሉሉ ቐዳማይ ምኽንያት: ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ ተሃዊኾም ብምንባሮም እዩ። ዘጸኣት 12:34 “እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ብሑቖም ገና ኸይበዅዔ ወሰድዎ። ነቲ መልወሲኦም ከኣ ብኽዳውንቶም ጠቕሊሎም ኣብ መንኵቦም ጾርዎ” ትብል። ኣብቲ ኻብ ድሕሪኡ ኣትሒዙ ዚኽበር በዓል ፋስጋ ብኹዕ ዘበለ ዘይምብላዖም: ነቲ ናይ መጻኢ ወለዶታት ብዛዕባ እቲ ኣገዳሲ ሓቂ የዘኻኽሮም ነበረ።

ጸኒሑ ብሑቝ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ምልክት ሓጢኣት ወይ ብልሽውና ጌርካ ኺርአ ተጀመረ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓደ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበረ ርኹስ ሰብ ኣመልኪቱ: “ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ሓተተ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ: “ገንሸል ፋስጋና: ማለት ክርስቶስ: ተሰዊኡ እዩ እሞ: ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም: ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ: ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር: በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን” በለ። (1 ቈረንቶስ 5:6-8) ስለዚ: ዘይበዅዐ እንጌራ ጥራይ እዩ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ስጋ ክርስቶስ ከም ተምሳል ኰይኑ ኼገልግል ዝኸኣለ።—እብራውያን 7:26

ኣብ በዓል ፋስጋ ወይኒ ምጥቃም ደሓር ኣይሁድ ዝወሰኽዎ ነገር እዩ። ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ እዮም ነዚ ወሲኾምዎ ዚዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓድሽ እተኣታተወ ነገር ከም እተቓወሞ ኣይገለጸን: ስለዚ የሱስ ኣብ ድራር ፋስጋ ወይኒ ምጥቃሙ ግቡእ እዩ ነይሩ። ልክዕ እዩ: እቲ ብግዜ ጥንቲ ወይኒ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ተጠጂኡ ኺፈልሕ ከሎ ዚሓልፎ መስርሕ: ካብቲ እንጌራ ንምብኳዕ ዚሓልፎ መስርሕ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ብሑቝ ንምድላው: መባዅዕቲ ወይ ማይ ብሑቝ ምእታው የድሊ ነበረ። ካብ ፍረ ወይኒ ዚዳሎ መስተ ወይኒ ግን ዚውሰኸሉ ነገር ኣይነበረን። እቲ ንኺፈልሕ ዜድልዮ ነገራት ኣብቲ ፍረ ወይኒ ኣሎ። ፋስጋ ኣብ ዚበዓለሉ እዋን ጽማቝ ፍረ ወይኒ ኺርከብ ኣይከኣልን እዩ፣ ከመይሲ: ካብቲ እተኣርየሉ ቐውዒ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ኣብ ጽድያ ፋስጋ ዚበዓለሉ እዋን ከይፈልሐ ኺጸንሕ ኣይክልእን እዩ።

ስለዚ: የሱስ ንወይኒ ኣብቲ ዝኽሩ ኸም ተምሳል ገይሩ ምጥቃሙ: ምስቲ ኣብ ፋስጋ ብኹዕ ከይጥቀሙ እተዋህበ መምርሒ ዚጋጮ ኣይኰነን። ዝዀነ ይኹን መማቕርቲ: ካልእ ኣልኮላዊ መስተ: ወይ ቀመማት ዘይተሓወሶ ቐይሕ ወይኒ: ነቲ “ኽቡር ደም” ክርስቶስ ተምሳል ይኸውን እዩ።—1 ጴጥሮስ 1:19