ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ”

“ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ”

“ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ”

ብዙሓት ኣብ ከባቢ መዲተራነያን ዚርከቡ ሰባት ኣብ ቀጽሮም ኦም ስየ ኣለዎም። እዚ ኦም እዚ ብጽባቔኡን በቲ ምቁር ጣዕሚ ዘለዎ ፍሪኡን ዚፍለጥ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዚኣክል የፍሪ።

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: ነታ ውቅብቲ ሱላሚት ኪገልጻ ኸሎ: ንቝመታ ብኦም ስየ መሰሎ። (መሃልየ መሃልይ 7:7, 8adj.) እታ ፕላንትስ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ: “ተምሪ ብእብራይስጢ ‘ታማር’ ይበሃል።. . . ንኣይሁዳውያን ድማ ምልክት ግርማን ጽባቐን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ንጓል ኣንስተይቲ ዚህብዋ ስም እዩ” ትብል። ንኣብነት እታ መልክዐኛ ዝነበረት ንሰሎሞን ብኣቦ ሓብቱ: ታማር እያ ትበሃል ነይራ። (2 ሳሙኤል 13:1) ሓድሓደ ወለዲ ድማ ክሳዕ ሕጂ ንደቆም በዛ ስም እዚኣ ይሰምይወን ኣለዉ።

መልክዐኛታት ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኣይኰናን ምስ ኦም ስየ ተመሳሲለን ዘለዋ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም: ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ። እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ: ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ: ይረውዩን ይልምዑን” ብምባል ዘመረ።—መዝሙር 92:12-14

እቶም ብእርግናኦም ብተኣማንነት ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ኣረጋውያን: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ምስቲ ምዕሩግ ኦም ስየ ይመሳሰሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ይብል። (ምሳሌ 16:31) እቶም ኣረጋውያን ዋላኳ ጕልበቶም እናደኸመ እንተ ኸደ: ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርኳስ መንፈሳዊ ሓይሎም ኬሐድሱ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 1:1-3፣ ኤርምያስ 17:7, 8) እሙናት ኣረጋውያን በቲ ዜሐጕስ ቃላቶምን ንሰናይ ኣብነቶምን ኣቢሎም ንኻልኦት ምንጪ ምትብባዕ ይዀኑ: ዓመት ንዓመት ድማ ይፈርዩ እዮም። (ቲቶስ 2:2-5፣ እብራውያን 13:15, 16) እምበኣር: ልክዕ ከም ኦም ተምሪ: እቶም ኣረጋውያን ኣብ እርግናኦም ኪፈርዩ ይኽእሉ እዮም።