ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ: እከይ ኪህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ: እከይ ኪህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ: እከይ ኪህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

እከይን መከራን በዚሑ ኸም ዘሎ ንምርኣይ ርሑቕ ክትከይድ ኣየድልየካን እዩ። ውግእ ንሲቭላትን ንወተሃደራትን ይቐትል ኣሎ። ገበንን ዓመጻን ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ምናልባት ንስኻ እውን ኣብዚ ቐረባ እዋን: ግዳይ ጽልእን ዘይፍትሓዊ ተግባርን ኴንካ ትኸውን። ነቲ ዝረኣኻዮን ዘጋጠመካን ኣብ ግምት ብምእታው: ‘ኣምላኽ: እከይ ኪህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ሓቲትካ ትኸውን።

እዛ ሕቶ እዚኣ ሓዳስ ኣይኰነትን። ኣስታት 3,600 ዓመት ይገብር: እዮብ ዝስሙ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ “ረሲኣን ብህይወት ዚነብሩ . . . ስለምንታይ ኰን እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ። (እዮብ 21:7) እቲ ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ነብዪ ኤርምያስ እውን: በቲ ደቂ ዓዱ ዚገብርዎ ዝነበሩ እኩይ ተግባራት ስለ እተጨነቐ: “ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ፧ ስለምንታይከ ዅሎም ጠለምትስ ዕድል ዚዀነሎም፧” ኢሉ ሓተተ። (ኤርምያስ 12:1) እዮብን ኤርምያስን: ኣምላኽ ጻድቕ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። እከይ ኣዝዩ ምብዛሑ ግን ኣተሓሳሲብዎም ነበረ። ምናልባት ንዓኻ እውን የተሓሳስበካ ይኸውን።

ገሊኦም ሰባት ንእከይን መከራን ብዚምልከት ንኣምላኽ ተሓታቲ ይገብርዎ። ገሊኦም ድማ ‘ኣምላኽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓያልን ፍትሓውን ፈቃርን እንተ ዀይኑ: ነዚ ዅሉ እከይን መከራን መወዳእታ ዘይገበረሉ ስለምንታይ እዩ፧ እከይ ክሳዕ ግዜና ንኪቕጽል ዝፈቐደኸ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ናይዝን ናይ ካልእ ኣገዳሲ ሕቶታትን መልሲ ኽትምርምር እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

AP Photo/Adam Butler