ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ልቢ ውሉድካ ፍቕሪ ኣምላኽ ከተሕድር እትኽእለሉ መገዲ

ኣብ ልቢ ውሉድካ ፍቕሪ ኣምላኽ ከተሕድር እትኽእለሉ መገዲ

ኣብ ልቢ ውሉድካ ፍቕሪ ኣምላኽ ከተሕድር እትኽእለሉ መገዲ

ሎሚ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ምግባር ብሓቂ ኣጸጋሚ ይኸውን ኣሎ። (መዝሙር 16:8) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ: ኣብ “ክፉእ ዘመን” ኢና እንነብር ዘሎና። መብዛሕትኦም ሰባት “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እወ: ኣብዛ ሎሚ እንነብረላ ዘለና ዓለም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣምላኽ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ።

ሓደ ቘልዓ ኣብ ልቡ ባዕሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ኬሕድር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: ኣብ ኣልባብ ደቅና ፍቕሪ የሆዋ ኣምላኽ ክንኵስኵስ ይግባእ። እዚ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንገብሮ ንኽእል፧

ልቢ ንልቢ ምውህሃብ

ልብና ብፍቕሪ ኣምላኽ እንተ ደኣ መሊኡ: ኣብ ልቢ ወሉድና እውን እዚ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 6:40) መጽሓፍ ቅዱስ: “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም” ብምባል ሓቢሩ ኣሎ።—ዘዳግም 6:4-7

ኣብ ልቢ ውሉድና ፍቕሪ ኣምላኽ ከነሕድር እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧ መጀመርታ ኣብ ልቢ ውሉድና እንታይ ከም ዘሎ ኽንፈልጥ ኣለና። ካልኣይ ኣብ ልብና ዘሎ ነገር ከነውጽኦ ኣለና።

የሱስ ክርስቶስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኤማሁስ እናኸደ ኸሎ: መጀመርታ ተስፋኦምን ሻቕሎቶምን ኪገልጹ ኣተባብዖም። ንገለ ግዜ ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እናገለጸ ንኣተሓሳስባኦም ኣረሞ። ጸኒሖም “ኺዛረበና . . . ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧” ተበሃሃሉ። እቲ ዝርርብ እቲ ብዛዕባ ልቢ ንልቢ ንምውህሃብ ኣብነት ዚኸውን እዩ። (ሉቃስ 24:15-32) ውሉድና እንታይ ስምዒት ከም ዘለዎ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ኣባጽሕ ወይ ኪባጽሑ ዝቐረቡ ብእምነት ከኣ ኣብነት ዝዀኑ ደቂ ዘለውዎም ገለ ወለዲ ብዛዕባ ልቢ ንልቢ ምውህሃብ ዘለዎም ተመክሮ ኺገልጹ ተሓቲቶም ነይሮም። ንኣብነት: ኣብ መክሲኮ ዚነብር ግለን ኣርባዕተ ዝባጽሑ ቘልዑ ኣለውዎ። a ከምዚ ዚብል ርእይቶ ኸኣ ሃበ:- “ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ልቢ ንልቢ ተወሃሂብካ ምዝርራብ ብሃውሪ ዚፍጠር ኣይኰነን። ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ገዲፍና ምስ ደቅና ግዜ ነሕልፍ ነበርና። ፍርዝን ምስ በሉ ኸኣ ዝመጸሎም ሓሳባት ኪዛረቡ ኸለዉ ንምስማዕ ሓድሓደ ግዜ ምሉእ ምሸት ነምሲ ነበርና። ኣብ እዋን መኣዲ እውን ብተመሳሳሊ: ዘረባኦም ብምስማዕ ዘለዎም ጸገማት ነስተብህል እሞ ኸይተፈለጦም ብሕያውነት ንእርሞም ነበርና።”

ልቢ ንልቢ ምውህሃብ ኪበሃል ከሎ ኣብ ልብና ዘሎ ምግላጽ እውን ዚሓቍፍ እዩ። የሱስ: “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ: እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ” በለ። (ሉቃስ 6:45) ኣብ ጃፓን ሰለስተ ደቁ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ዘለዉ ቶሺኪ: “ኣብ የሆዋ ስለምንታይ እምነት ከም ዘሕደርኩ: ማለት ህላወኡ ብኸመይ ክኣምነሉ ኸም ዝኸኣልኩ: ከምኡውን ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ተመክሮ: መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑን እቲ ዝበለጸ መምርሒ ህይወት ምዃኑን ብኸመይ ከም ዘእመነኒ ደጋጊመ እነግሮም ነበርኩ” በለ። ኣብ መክሲኮ እትነብር ሲንዲ: “ብዓል ቤተይ ኵሉ ሳዕ ምስቶም ቈልዑ ሓቢሩ ይጽሊ ነበረ። ነቲ ኻብ ልቡ ዝነቐለ ቓላቱ ኺሰምዑ ኸለዉ: የሆዋ ጋህዲ ደኣ እምበር ብሓሳብ እተፈጥረ ኸም ዘይኰነ ኺፈለጡ ኸኣሉ” በለት።

ኣብነትና ዘለዎ ሓይሊ

ኣነባብራና ንኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮ ስለ ዚሕብር: ካብ ቃላት ንላዕሊ ሓይሊ ኣለዎ። ሰባት ነቲ የሱስ ክርስቶስ ንኣምላኽ ዜርእዮ ዝነበረ ተኣዛዝነት ብምስትብሃል: ንኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ ኺርድኡ ኽኢሎም እዮም። የሱስ: “ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን: ከምታ ኣቦ ዝአዘዘኒውን ከም ዝገብርን: ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ: ከምዚ ይኸውን አሎ” በለ።—ዮሃንስ 14:31

ኣብ ዌልስ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ጋረዝ ከምዚ በለ:- “ደቅና ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮን ንእንገብሮ ነገራት ብመገድታቱ ኽንገብሮ ኸም እንጽዕርን ኪርእዩ ኣለዎም። ንኣብነት: ደቀይ ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዘና ብምሕላው: ጌጋታተይ ክእመን ከለኹ ይርእዩ እዮም። ሕጂ ንሳቶም እውን ከምኡ ኺገብሩ ይጽዕሩ ኣለዉ።”

ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ግረግ ከምዚ በለ:- “ሓቂ ኣብ ናብራ ህይወትና ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዋ: ደቅና ኺርእዩ ንደልዮም ነበርና። ብዛዕባ ስራሕ ወይ ጸወታ ውሳነ ኽንገብር ከለና: መጀመርታ ንክርስትያናዊ ንጥፈታትና ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ኢና እንሓስበሉ። እታ ጓል 19 ዓመት ጓልና ሓጋዚት ፈላሚት ኰይና ኣብ እትገብሮ ኣገልግሎት በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኽትምራሕ ክንርኢ ኸለና የሐጕሰና።”

ደቅና ንኣምላኽ ኣጸቢቖም ኪፈልጥዎ ንሓግዞም

ንሓደ ኣጸቢቕና ዘይንፈልጦ ሰብ ከነፍቅሮ ወይ ክንኣምኖ ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት በታ ንየሆዋ ዝነበረቶም ፍቕሪ ኺዓብዩ ስለ ዝደለዮም: “እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ: እዚ እልምን አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ፊልጲ 1:9) ኣብ ፐሩ ኣርባዕተ ቘልዑ ዜዕቢ ዘሎ ፋልኮነርዮ: “ምስኣቶም ኴንካ ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምጽናዕን ንእምነቶም ዜደልድል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ምሳታቶም መጽናዕቲ ምግባር ዕሽሽ እብሎ: ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ኽትደክም ከላ ኸኣ እርኢ” በለ። ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ግረይ ከኣ: “ንደቀይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም ከም ዘሎ ዚሕብር መርትዖታት ወትሩ እየ ዝገልጸሎም። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሕላው እንታይ ረብሓ ኸም ዘለዎ ኸኣ እሕብሮም እየ። እቲ ናይ ስድራቤትና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስሩዕ ምዃኑ እምነቶም ከም እትድልድል ዝገበረ ቐንዲ ረቛሒ እዩ” በለ።

ትምህርቲ ኺወሃብ ከሎ እቲ ሃዋህው ምቕልል ዝበለ ግናኸ ኽብሪ ዘለዎ ምስ ዚኸውን: እቲ ቘልዓ ነቲ ትምህርቲ ባህ ኢልዎ ስለ ዚከታተሎ: እቲ ዚረኽቦ ፍልጠት ብቐሊሉ ንልቡ ኺትንክፎ ይኽእል። (ያእቆብ 3:18) ኣርባዕተ ቘልዑ ዘለውዎም ኣብ ብሪጣንያ ዚነብሩ ሾንን ፖሊንን: “ደቅና ኣብ እዋን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ቍሩብ ኪህውኹ ኸለዉ እውን ከይተረፈ: ከይንቋየቖም ንጥንቀቕ ኢና” በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም እውን “ነቲ መጽናዕቲ ብእተፈላለየ ኣገባብ ኢና እነቕርቦ። ሓድሓደ ግዜ ነቶም ቈልዑ ኣርእስቲ ኺመርጹ ንዕድሞም። ውድብ የሆዋ ዘውጽኦ ቪድዮታት ንጥቀም። ሓድሓደ ግዜ ንኽንመያየጥ ኢልና ንሓደ ኽፍሊ እታ ቪድዮ እንደገና ንርእዮ ወይ ከኣ ንሓጺር እዋን ደው ነብሎ ነበርና” በሉ። ካልእ ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ኪም ዝስማ ኣደ ኸኣ: “ንደቀይ ከም ዚሓስቡ ዚገብሮም ሕቶታት ምእንቲ ኽሓቶም ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ተጠንቂቐ እየ ዝዳለወሉ። መጽናዕቲ ባህ እዩ ዚብለና። እናሰሓቕና ኢና እንወስዶ” በለት።

ኣዕሩኽ ምምራጽ

ደቅና: ኣዕሩኽ ኣምላኽ ምስ ዝዀኑ ሰባት ዚቀራረቡ እንተ ደኣ ዀይኖም: ብቐሊሉ ፍቕሪ ንየሆዋ ኼሕድሩ: ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘለዎም ሞሳ ኸኣ ኪዓቢ እዩ። ብዕላሎም ኰነ ብጸወታኦም ዚጠቕምዎም ኣዕሩኽ ክንመርጽ ጻዕሪ ዚሓተና ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ረብሓ ግን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ደቅና ምስቶም ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ሞያኦም ዝሓዝዎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚራኸቡሉ ኣጋጣሚ ኽንፈጥረሎም ጠቓሚ እዩ። ነዚ ሞያ እዚ ዝመረጹ ሓያሎ መሰኻኽር ምስ ቀናኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይተዓራረኹ ስለ ዝነበሩ እዮም። ሓንቲ ሚስዮናዊት ዝዀነት ሓብቲ: “ወለደይ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ መኣዲ ፈለምቲ ይዕድሙ ነበሩ። ኣብ ኣገልግሎቶም ሕጉሳት ስለ ዝነበሩ: ኣነ እውን ኣብነቶም ብምስዓብ ንኣምላኽ ከገልግሎ ደለኹ” በለት።

ደቅና ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ ኪጽለዉ ኸም ዚኽእሉ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ: እቲ ሕማቕ ዕርክነት ዜስዕቦ ሓደጋ ንዓና ንወለዲ በዳሂ እዩ ዚዀነና። (1 ቈረንቶስ 15:33) መንእሰያት ካብቶም ንየሆዋ ዘየፍቅርዎን ዘይፈልጥዎን ሰባት ብኸመይ ኪርሕቑ ኸም ዚኽእሉ ኽትምህሮም ክእለት ይሓትት። (ምሳሌ 13:20) እቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተጠቕሰ ሾን: “ንደቅና ምስ መማህርቶም ምቕሉላት ኰይኖም ተሓባቢሮም ኪዓዩ: ነቲ ርክብ ግን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኺሓድግዎ ንምህሮም ነበርና። ደቅና ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ዚግበር ንጥፈታት ወይ ንቤት ትምህርቲ ወኪልካ ኣብ ዚግበር ስፖርታዊ ንጥፈታት ዘይካፈልሉ ምኽንያት ተረዲእዎም እዩ” በለ።

ስልጠና ምሃብ ዘለዎ ዋጋ

ንደቅና ብዛዕባ እምነቶም ኪገልጹ ንምህሮም እንተ ደኣ ዄንና: ብዛዕባ እታ ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ተሓጒሶም ኪገልጹ ንሕግዞም ኣሎና ማለት እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ማርክ ከምዚ በለ:- “ደቅና ብስርዓት ተኸዲኖም ብወግዒ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኸለዉ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ብዛዕባ እምነቶም ባህ ኢልዎም ንሰባት ኪገልጹሎም ከም ዚኽእሉ ኺስምዖም ኢና እንደሊ። ስለዚ ድማ ንምዝንጋዕ ኢልና ናብ ከም መናፈሻ: ገምገም ባሕሪ: ወይ ጫካ ኽንከይድ ከለና መጽሓፍ ቅዱስን ንዕኡ ኽትርድኦ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ንማላእ: ነቶም ኣብኡ እንረኽቦም ሰባት ከኣ ንዛረቦም። ደቅና ምሳና ዀይኖም በዚ መገዲ እዚ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ኪህቡ ኸለዉ ብሓቂ እዮም ዚሕጐሱ። ኣብቲ ምይይጥ ይካፈሉ: ብዛዕባ እምነቶም ከኣ ይዛረቡ።”

እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ንብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ኼዕብዩ ሓጊዝዎም እዩ። ብዛዕባኦም: “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ኢሉ ጸሓፈ። (3 ዮሃንስ 4) ንሕና እውን ኣብ ልቢ ደቅና ፍቕሪ ኣምላኽ ነሕድር እንተ ደኣ ዄንና: ከምኡ ዝኣመሰለ ሓጐስ ከም ዚህልወና እተረጋገጸ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

❖ ብዛዕባ እቲ ንእምነት ዚምልከት ጕዳያት ልቢ ንልቢ ተወሃሂብካ ምዝርራብ ብሃውሪ ዚመጽእ ኣይኰነን

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

❖ ንደቅኻ ብዛዕባ እታ ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ኺገልጹ ኣሰልጥኖም

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of Green Chimneys Farm