ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣቦኹም መሓሪ እዩ’

‘ኣቦኹም መሓሪ እዩ’

‘ኣቦኹም መሓሪ እዩ’

“ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ [“መሓሪ:” NW] ዝዀነ: ርሕሩሓት ኩኑ።” —ሉቃስ 6:36

1, 2. የሱስ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንሰዓብቱን እተዛረቦም ቃላት: ምሕረት ኣገዳሲት ባህርይ ምዃና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

 እቲ ብሙሴ ኣቢልካ እተዋህበ ሕጊ: 600 ዚኸውን ዝርዝር ሕግታትን መምርሒታትን ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ ኺሕሎ እኳ እንተ ነበሮ: ምሕረት ምግባር ከኣ ዓብዪ ኣገዳስነት ነበሮ። የሱስ ነቶም ምሕረት ዘየርኣዩ ፈሪሳውያን እንታይ ከም ዝበሎም እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት: ናብቲ ኣምላኽ: “ምሕረት እፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ከም ዜተኵሩ ብምግባር ገንሖም። (ማቴዎስ 9:10-13፣ 12:1-7፣ ሆሴእ 6:6) የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣገልግሎቱ: “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: ካብ ጨና ኣዳም: ካብ ሽላን: ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ: እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ: ምሕረት: እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ: ወይለኹም” በሎም።—ማቴዎስ 23:23

2 የሱስ ንምሕረት ልዑል ዋጋ ኸም ዝሃባ ዚከሓድ ኣይኰነን። ንሰዓብቱ: “ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ: ርሕሩሓት ኩኑ” በሎም። (ሉቃስ 6:36) በዚ መዳይ እዚ “ሰዓብቲ ኣምላኽ” ንምዃን: ናይ ሓቂ ምሕረት እንታይ ምዃና ኽንፈልጥ የድልየና። (ኤፌሶን 5:1) ብዘይካዚ: ምሕረት ምግባር ዘለዎ ረብሓታት ምርዳእና: ነዛ ባህርይ እዚኣ ብዝያዳ ኣብ ህይወትና ንኸነርኢ ይድርኸና።

ንውጹዓት ዚግበር ምሕረት

3. ናይ ሓቂ ምሕረት እንታይ ምዃና ንምፍላጥ ናብ የሆዋ ኽንጥምት ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ: ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ። እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ: ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 145:8, 9) የሆዋ: “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3) ምሕረት ንሓደ ሰብ ብድንጋጽ ተላዒልካ ብዚግበረሉ ኣተሓሕዛ እያ እትግለጽ። ሓንቲ ኻብተን ዓበይቲ ባህርያት ኣምላኽ ከኣ እያ። ኣብነቱን ንዓና ዝሃበና መምርሒታትን ናይ ሓቂ ምሕረት እንታይ ምዃና ኺምህረና ይኽእል እዩ።

4. ኢሳይያስ 49:15 ብዛዕባ ምሕረት እንታይ ትምህረና፧

4 ኣብ ኢሳይያስ 49:15 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: የሆዋ: “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ: ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከአላ እዩ፧” በለ። ምስታ ኣብዚ ‘ምርሕራሕ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ኣጸቢቓ እትዛመድ ናይ እብራይስጢ ቓል: ምስታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ኣብ መዝሙር 145:8, 9 እትርከብ ንምሕረት እተመልክት ቃል ትተኣሳሰር እያ። እቲ ንየሆዋ መሓሪ ንኪኸውን ዜለዓዕሎ ስምዒት: ምስቲ ዚጠቡ ውሉድ ዘለዋ ኣደ ንውሉዳ ዘለዋ ዓይነት ፍቕራዊ ስምዒት ተነጻጺሩ ኣሎ። ምናልባት እቲ ሕጻን ይጠሚ ወይ ገለ ነገር ይጐድሎ ይኸውን። እዚ ኣብ ውሽጢ እታ ኣደ ርሕራሐ ወይ ድንጋጽ ስለ ዚፈጥር: በዚ ተለዓዒላ ነቲ ሕጻን ዜድልዮ ተማልኣሉ። የሆዋ ነቶም ምሕረት ዜርእዮም ሰባት: ከምዚ ዓይነት ርሕራሐ ኣለዎ።

5. የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ዝገበረሎም ነገራት “ብምሕረት ሃብታም” ምዃኑ ብኸመይ ኣርእየ፧

5 ድንጋጽ ዚነኣድ እኳ እንተ ዀነ: ነቲ ውጹዕ ንምጥቃም ኢልካ ስጕምቲ ምውሳድ ግን ዝሓሸ ተግባር እዩ። ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር ደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ባሮት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: የሆዋ እንታይ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ:- “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ: ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ: እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ። ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ አሎኹ: ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ . . . ከደይቦም እየ።” (ዘጸኣት 3:7, 8) እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም 500 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: የሆዋ: “ኣነ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኣውጻእክዎም: ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዜጨንቑኹም መንግስትታትን ኣድሐንኩኹም” ኢሉ ኣዘኻኸሮም። (1 ሳሙኤል 10:18) እስራኤላውያን ካብቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ብምልጋሶም: ብተደጋጋሚ ኣብ ከቢድ ጸገም ይኣትዉ ነበሩ። ኰይኑ ግን: የሆዋ ይድንግጸሎምን ብተደጋጋሚ የድሕኖምን ነበረ። (መሳፍንቲ 2:11-16፣ 2 ዜና መዋእል 36:15) እዚ ኸኣ እቲ ፈቃር ኣምላኽ ነቶም ሽግር: ሓደጋ: ወይ ጸገም ዜጋጥሞም: እንታይ ከም ዚገብረሎም የርእየና። የሆዋ “ብምሕረት ሃብታም” እዩ።—ኤፌሶን 2:4

6. የሱስ ክርስቶስ: ምሕረት ብምርኣይ ዝመጸ ንኣቦኡ ዝመሰሎ ብኸመይ እዩ፧

6 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ምሕረት ብምርኣይ ዝመጸ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ መሲልዎ እዩ። ክልተ ዕዉራት: “ጐይታይ ወዲ ዳዊት: ምሐረና” እናበሉ ምስ ለመንዎ እንታይ እዩ ገይሩሎም፧ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዚርእዩ ኺገብሮም እዮም ዚልምንዎ ነይሮም። የሱስ ከምቲ ዝለመንዎ ገበረሎም: ግናኸ ነቲ ተኣምራት ኪገብር ከሎ ኣብ ውሽጡ ምንም ኣይስምዖን ነይሩ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ: “ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ: ብኡብኡ ረአዩ” ይብለና። (ማቴዎስ 20:30-34) የሱስ ብድንጋጽ ተደሪኹ ንዕዉራት: ጋኔን ንዝሓዞም: ንለምጻማትን: ከምኡውን ደቆም ንዝሓመምዎም ወለዲ እፎይታ ኣምጺኡሎም እዩ።—ማቴዎስ 9:27፣ 15:22፣ 17:15፣ ማርቆስ 5:18, 19፣ ሉቃስ 17:12, 13

7. የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ዝገደፍዎ ኣብነት ብዛዕባ ምሕረት እንታይ ይምህረና፧

7 የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዝሓደጉልና ኣብነት: ምሕረት ብኽልተ ነገራት ከም ዝቘመት ይሕብረና። እዚ ኸኣ ቀዳማይ ነቲ ውጹዕ ምብቝባቝ ወይ ምድንጋጽ ኪኸውን ከሎ: ካልኣይ እፎይታ ዜምጽኣሉ ስጕምቲ ምውሳድ እዩ። መሓሪ ምዃን ነዚ ኽልቲኡ የጠቓልል። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: መብዛሕትኡ ግዜ ምሕረት ነቶም እተሸገሩ ሕያውነት ምግባር ተመልክት። ንፍርዲ ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ግን ምሕረት ብኸመይ እያ እትርአ፧ ነቲ ዋላ ሓንቲ ምስ ዘይምግባር ዚጽብጸብ: ከም ካብ መቕጻዕቲ ምንሓፍ ዝኣመሰለ ነገራት ተጠቓልል ድያ፧

ንዝበደሉ ዚግበር ምሕረት

8, 9. ዳዊት ምስ ባትሴባ ድሕሪ ምሕጣኡ እተገብረሉ ምሕረት እንታይ ዜጠቓልል ነበረ፧

8 ነብዪ ናታን ነቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ብዛዕባ ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ዝሙት ድሕሪ ምዝርራቡ ዝዀነ ነገራት እሞ ንርአ። እቲ ብግብሩ እተነስሐ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ዎ ኣምላኽ: ከም ሳህልኻ ምሐረኒ: ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ: ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ: ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። . . . ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ: ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።”—መዝሙር 51:1-4

9 ዳዊት ልቡ ተወግአ። የሆዋ ኸኣ ንሓጢኣቱ ይቕረ በለሉ: ኣብ ልዕሊኡ ዀነ ኣብ ልዕሊ ባትሴባ ኣብ ዘውረዶ ፍርዲ ድማ ንርእሱ ገትአ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ: ዳዊትን ባትሴባን ኪቕተሉ ነበሮም። (ዘዳግም 22:22) ካብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዘምጸኣሎም ሳዕቤን እኳ እንተ ዘየምለጡ: ህይወቶም ግን ተናሕፈ። (2 ሳሙኤል 12:13) እምበኣር ምሕረት ኣምላኽ: ጌጋ ይቕረ ምባል የጠቓልል። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ግቡእ መቕጻዕቲ ኻብ ምሃብ ድሕር ኣይብልን እዩ።

10. የሆዋ ኺፈርድ ከሎ መሓሪ እኳ እንተ ዀነ: ንምሕረቱ ግን ከም ትሑዝ ጌርና ኽንወስዶ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

10 “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም [ስለ] ዝአተወ:” ‘ዓስቢ ሓጢኣት ከኣ ሞት ስለ ዝዀነ:’ ኵሎም ሰባት ሞት ይግብኦም እዩ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) የሆዋ ኺፈርደና ኸሎ ምሕረት ዚገብረልና ምዃኑ ግን ብሓቂ ኸነመስግኖ ኣሎና! ይኹን እምበር: ንምሕረት ኣምላኽ ከም ትሑዝ ጌርና ኸይንወስዶ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ዘዳግም 32:4 ብዛዕባ የሆዋ: “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [ፍትሒ] እዩ” ትብል። ኣምላኽ ምሕረት ኪገብር ከሎ: ነቲ ፍጹም ስርዓታት ፍትሑ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ።

11. የሆዋ ነቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ሓጢኣት ኣብ ዝሓዘሉ መገዲ ግቡእ ፍትሒ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

11 ዳዊትን ባትሴባን እቲ ብሞት ዜቕጽዖም ዝነበረ ፍርዲ ንኺንከየሎም: ሓጢኣቶም ይቕረ ኺበሃለሎም ነበሮ። እስራኤላውያን ፈራዶ ኸምዚ ኺገብሩ ስልጣን ኣይተዋህቦምን ነይሩ። ነቲ ጕዳይ እቲ ኺሕዝዎ እንተ ዚፍቀደሎም ነይሩ: ንሞት ካብ ምፍራድ ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ ኣይምነበሮምን። እቲ ሕጊ ኸምኡ እዩ ዚጠልብ ነይሩ። የሆዋ ግን ነቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳን ኣብ ግምት ብምእታው: ንሓጢኣት ዳዊት ይቕረ ዚብለሉ መገዲ እንተሎ ኺርኢ ደለየ። (2 ሳሙኤል 7:12-16) ስለዚ: “እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ዝዀነ ‘ልቢ ዚፍትን’ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ኺሕዞ ወሰነ። (ዘፍጥረት 18:25፣ 1 ዜና መዋእል 29:17) ኣምላኽ ንልቢ ዳዊት ብልክዕ ኬንብቦን ንሓቅነት ንስሓኡ ኺግምግሞን ይቕረታ ኺገብረሉን ይኽእል ነበረ።

12. ሓጥኣን ሰባት ካብ ምሕረት ኣምላኽ ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

12 እቲ የሆዋ ኻብቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኬስዕበልና ዚግባእ መቕጻዕቲ ሓራ እንወጸሉ መገዲ ብምኽፋት ዘርኣየና ምሕረት ምስ ፍትሑ ዚሳነ እዩ። ፍትሒ ኸይተጣሕሰ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኺገብር ኢሉ: መስዋእታዊ በጃ እቲ ሓደ ወዱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣዳለወልና: እዚ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተራእየ ዝዓበየ መግለጺ ምሕረት እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ሮሜ 6:22, 23) ካብ ምሕረት ኣምላኽ ክንጥቀም እንተ ዄንና: ማለት ካብቲ ብሰንኪ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኪወርደና ዚኽእል ዝነበረ መቕጻዕቲ ኸነምልጥ እንተ ዄንና: ‘ብወዲ ኽንኣምን’ ኣሎና።—ዮሃንስ 3:16, 36

ኣምላኽ ምሕረትን ፍትሕን

13, 14. ምሕረት ኣምላኽ ንፍትሑ ተለምልማ ድያ፧ ግለጽ።

13 ምሕረት የሆዋ ነቲ ስርዓታት ፍትሑ ዚጥሕስ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንፍትሑ ብእተወሰነ መገዲ ይጸልዎ ድዩ፧ ምሕረት ንመለኮታዊ ፍትሒ ብምልምላም ተፍኵሶ ድያ፧ ኣይፋልን።

14 የሆዋ ብነብዪ ሆሴእ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን: “ንዘለኣለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ: ብጽድቅን ብፍርድን [ብፍትሕን] ብሳህልን ብምሕረትን ንኣይ ከሕጽየኪ እየ” በሎም። (ሆሴእ 2:19) የሆዋ ምሕረት ዚገብር: ምስ ካልእ ባህርያቱ: እንተላይ ምስ ፍትሑ ብምስምማዕ ምዃኑ ኻብዚ ቓላት እዚ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: . . . ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል: ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ” እዩ። (ዘጸኣት 34:6, 7) የሆዋ: ኣምላኽ ምሕረትን ፍትሕን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ: “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [ፍትሒ] እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ” ይብል። (ዘዳግም 32:4) ፍትሒ ኣምላኽ ከም ምሕረቱ ፍጹም እዩ። ዋላ ሓንቲ ኻብታ ኻልእ ባህርይ እትበልጽ ኣይኰነትን: ወይ ሓንቲ ነታ ኻልእ ከተለምልማ ኣየድልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ክልቲአን ባህርያት ኣብ ንሓድሕደን ብፍጹም ስኒት እየን ዚዓያ።

15, 16. (ሀ) ፍትሒ ኣምላኽ ድርቕ ዝበለት ከም ዘይኰነት ዚሕብር እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ስርዓት ፍርዱ ኺፍጸም ከሎ: ኣምለኽቱ ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪተኣማመኑ ዚኽእሉ፧

15 ፍትሒ የሆዋ ደረቕ ኣይኰነትን። ፍትሒ መብዛሕትኡ ግዜ ንሕጋዊ ሳዕቤን ዜጠቓልል ኪኸውን ከሎ: ፍርዲ ኸኣ ብዙሕ ግዜ ንበዳሊ ግቡእ መቕጻዕቲ ምሃብ የጠቓልል። ፍትሒ ኣምላኽ ግን ንዚግብኦ ምድሓን እውን ተጠቓልል እያ። ንኣብነት: እቶም ኣብ ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን ዝነበሩ እኩያት ኪጠፍኡ ኸለዉ: ሎጥን ክልተ ኣዋልዱን ድሒኖም እዮም።—ዘፍጥረት 19:12-26

16 የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት ፍርዱ ኺፍጸም ከሎ: እቶም “ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም [ዘጻዕደዉ]” ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ከም ዚነሓፉ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ” ኺበሃሉ እዮም።—ራእይ 7:9-14

መሓርቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17. መሓርቲ እንዀነሉ መሰረታዊ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

17 የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ዝገደፍዎ ኣብነት: ናይ ሓቂ ምሕረት እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ይምህረና እዩ። ምሳሌ 19:17 ነቲ መሓርቲ እንዀነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ: “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ: ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ትብል። ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ መሓርቲ ብምዃን: ንየሆዋን ንወዱን ክንመስሎም ከለና: ንዕኡ የሐጕሶ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:1) ንኻልኦት ምሕረት እንተ ጌርና እውን: ንሳቶም ብግዴኦም ምሕረት ይገብሩልና እዮም።—ሉቃስ 6:38

18. መሓርቲ ኽንከውን ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ምሕረት ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ዝሓቘፈት እያ። ጸጋ: ፍቕሪ: ለውሃት: ከምኡውን ሕያውነት ተጠቓልል። ርሕራሐን ድንጋጽን ከኣ ምሕረት ንኽንገብር ዜለዓዕላ እየን። ኣምላኻዊ ምሕረት ንፍትሒ እተዳኽም እኳ እንተ ዘይኰነት: የሆዋ ግን ንዅራ ደንጓይን ንኣበስቲ ናብ ንስሓ ኺበጽሑ ብትዕግስቲ እኹል ግዜ ዚህብን እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9, 10) በዚ ኸምዚ ምሕረት ምስ ትዕግስትን ዓቕልን ትዛመድ። ምሕረት ብዙሕ ባህ ዜብል ባህርያት: እንተላይ እተፈላለየ መዳያት ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝሓቘፈት ስለ ዝዀነት: ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነንጸባርቕ ከለና ነዚ እተዘርዘረ ባህርያት ንኸነማዕብል ኣጋጣሚ ትኸፍተልና። (ገላትያ 5:22, 23) እምበኣር መሓርቲ ኽንከውን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

“መሓርቲ . . . ብጹኣን እዮም”

19, 20. ምሕረት ኣብ ፍርዲ እትምካሕ ብኸመይ እያ፧

19 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: ምሕረት ኣብ ህይወትና ኣገዳሲት ባህርይ ክንገብራ ዚግብኣና ስለምንታይ ምዃኑ ይነግረና እዩ። “ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 2:13) ያእቆብ ብዛዕባ እታ ኣምለኽቲ የሆዋ ንኻልኦት ዜርእይዋ ምሕረት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ ወይ ትዕወት ኪብል ከሎ: ሓደ ሰብ ‘ንኣምላኽ ጸብጻብ ዚህበሉ’ ግዜ ምስ ኣኸለ: የሆዋ ነቲ እቲ ሰብ ብምሕረት ዝገበሮ ተግባራት ኣብ ግምት ብምእታው ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ ወዱ ይቕረ ኸም ዚብሎ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ሮሜ 14:12) ሓደ ኻብቲ ነቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት እተሓድገሉ ምኽንያት: ንሱ ንባዕሉ እውን መሓሪ ስለ ዝነበረ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ። (1 ሳሙኤል 24:5-8adj.) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: “ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ።” (ያእቆብ 2:13) እቶም “ዘይድንግጹ” ኣብ መንጎ እቶም ኣምላኽ “ሞት ከም ዚግብኦም” ገይሩ ዚርእዮም ሰባት ተዘርዚሮም ዚርከቡ ምዃኖም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!—ሮሜ 1:31, 32

20 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ: “መሓርቲ: ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:7) እቶም ምሕረት ኣምላኽ ዚደልዩ: ንሳቶም ንባዕሎም መሓርቲ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም: እዘን ቃላት እዚኣተን ብንጹር ይሕብራ እየን። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኸመይ ጌርና ምሕረት ከም እንገብር ክትገልጽ እያ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ምሕረት እንታይ እያ፧

• ምሕረት በየናይ መገድታት እያ እትርአ፧

• የሆዋ: ኣምላኽ ምሕረትን ፍትሕን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

• መሓርቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም እተሸገሩ ዘለዎ ርሕራሐ ኸምቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ዓይነት ስምዒት እዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ብዛዕባ ምሕረት እንታይ ንመሃር፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንዳዊት ምሕረት ብምግባሩ ንፍትሑ ጥሒሱ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንሓጥኣን ሰባት ዚገብረሎም ምሕረት ምስ ፍትሑ ዚሳነ እዩ