ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እከይ ዝቐጸለ ስለምንታይ እዩ፧

እከይ ዝቐጸለ ስለምንታይ እዩ፧

እከይ ዝቐጸለ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ: “እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ” ይብል። (መዝሙር 145:17፣ ራእይ 15:3) ነብዪ ሙሴ ንኣምላኽ ብዚምልከት: “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: . . . ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” በለ። (ዘዳግም 32:4) ያእቆብ 5:11 እውን “እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ” ትብል። ስለዚ: ኣምላኽ ጠንቂ እከይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ: ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ: ኣምላኽ ፈቲኑኒ: ኣይበል” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:13) የሆዋ ኣምላኽ ንሰባት ብእከይ ኣይፍትኖምን እዩ: ሕማቕ ነገራት ንኺገብሩ እውን ኣየስድዖምን እዩ። ንእከይን ነቲ ዜስዕቦ መከራን ተሓታቲ ዝዀነ ደኣ እሞ መን እዩ፧

መን እዩ ተሓታቲ፧

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ያእቆብ: ሰባት ብኸፊል ንእከይ ተሓተትቲ ምዃኖም ኪገልጽ ከሎ: ከምዚ በለ:- “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር: ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ: ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ: ንሞት ይወልዶ።” (ያእቆብ 1:14, 15) ሰባት ኣብቲ ዘይግቡእ ትምኒታቶም ተመርኲሶም ስጕምቲ ይወስዱ ይዀኑ። እቲ ሰባት ዝወረስዎ ሓጢኣት እውን ኣብ ግምት ከነእትዎ ኣሎና። እቲ ሓጢኣት ዜሕድሮ ጽልዋ: ግጉይ ትምኒታት ከም ዚውስኽ ብምግባር ሕማቕ ሳዕቤናት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 7:21-23) እወ: እቲ ደቅሰብ ዝወረስዎ ሓጢኣት: ባሮት እኩይ ነገራት ብምግባር ‘ይገዝኦም’ ኣሎ: እዚ ኸኣ ብዙሕ መከራ የምጽእ ኣሎ። (ሮሜ 5:21) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እኩያት ሰባት ንኻልኦት ብልሹዋት ንኪዀኑ ጽልዋ የሕድሩሎም እዮም።—ምሳሌ 1:10-16

እቲ ቐንዲ ጠንቂ እከይ ግን ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ንሱ ኣብዛ ዓለም እከይ ከም ዚህሉ ገበረ። የሱስ ክርስቶስ ንሰይጣን “ክፉእ:” ከምኡውን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ወይ ገዛኢ እዚ ረሲእ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢሉ ጸውዖ። ደቅሰብ ብሓፈሻ ድማ ሰይጣን ካብቲ ናይ የሆዋ ሰናይ መገዲ ንኺወጹ ንዚገብሮ ድፍኢት ብምቕባሎም ንዕኡ ይእዘዙ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (ማቴዎስ 6:13፣ ዮሃንስ 14:30፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ኣብ 1 ዮሃንስ 5:19 “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ተገሊጹ ኣሎ። አረ ሰይጣንን መላእኽቱንሲ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕትዋ’ እዮም ዘለዉ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “ወይለኹም” ተባሂሉ ኣሎ። (ራእይ 12:9, 12) ስለዚ: ብመብዛሕትኡ እዚ እከይ ተሓታቲ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።

መክብብ 9:11 “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ብምባል ካልእ ጠንቂ ስቓይ ወይ መከራ ትገልጽ። የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ግምቢ ወዲቕዎም ዝሞቱ 18 ሰባት ተዛሪቡ ነበረ። (ሉቃስ 13:4) እዞም ሰባት እዚኣቶም ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሖም መከራ ወረዶም። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ነገራት የጋጥም እዩ። ንኣብነት: ካብ ሓደ ነዊሕ ህንጻ ዝወደቐት ሕጡብ ንሓደ ኣጋር ክትፈግኦ ትኽእል እያ። ኣብዚ ግዜ እዚ ንኣምላኽ ዲና ተሓታቲ ኽንገብሮ ዘሎና፧ ኣይፋልን። እዚ ዘይተሓስበ ኣጋጣሚ እዩ። ሓደ ዓይነት ሕማም ንሓንቲ ስድራቤት ኬጥቅዓ ኸሎ: ወይ ብሃንደበት ዘጋጠመ ሞት: መበለትን ዘኽታማትን ኪገብር ከሎ እውን ተመሳሳሊ እዩ።

ስለዚ: ኣምላኽ ብእከይ ተሓታቲ ኣይኰነን: መከራ ድማ ኣየምጽእን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ንእከይን ነቶም ጠንቁ ዝዀኑን ናይ ምጥፋእ ዕላማ ኣለዎ። (ምሳሌ 2:22) አረ ልዕሊ እዚ እውን ኪገብር እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚገልጾ: ዕላማ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ” እዩ። (1 ዮሃንስ 3:8) እዚ ሕጂ ዘሎ ኣብ ስስዐን ጽልእን እኩይ ተግባራትን እተመስረተ ስርዓት ኪጠፍእ እዩ። ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ:” ንመከራ ድማ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። (ራእይ 21:4) ኰይኑ ግን: ‘ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኸምዚ ዘይገበረ ስለምንታይ እዩ፧ እከይን መከራን ክሳዕ ግዜና ንኪቕጽል ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዘን ሕቶታት ዚኸውን ቀንዲ መልሲ ኣብቲ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣገዳሲ ጕዳይ ተላዕለ

ኣምላኽ: እከይ ክሳዕ ግዜና ንኪቕጽል ዝፈቐደሉ ምኽንያት: ምስቲ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቅሰብ ዘጋጠመ ፍጻመታት እተተሓሓዘ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዘጋጠመ ሓደ ፍጻመ: ንፈጣሪ ዚምልከት ሓደ ኣገዳሲ ጕዳይ ከም ዚለዓል ገበረ፣ እዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ ቀልጢፍካን ብቐሊሉን ዚፍታሕ ኣይነበረን። ነቲ ሽዑ ዘጋጠመ ነገር እስከ ንመርምሮ።

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ፍጹማት ገይሩ ብምፍጣር ኣብ ገነት ኣንበሮም። ካብ እንስሳታት ዚፈልዮም ሓደ ውህበት ድማ ሃቦም: እዚ ኸኣ ናይ ምምራጽ ናጽነት እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15, 19) ኣዳምን ሄዋንን ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም ከም ምዃኖም መጠን: ሕልናኦም ንፈጣሪኦም ንምፍቃር: ንምግልጋል: ከምኡውን ንዕኡ እዙዛት ንምዃን ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ ነበሩ። ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብርእሶም ኪናበሩን ደይመደይ ኢሎም ንዕኡ ዘይእዙዛት ኪዀኑን ይኽእሉ ነበሩ።

ኣዳምን ሄዋንን ነታ ንዕኡ ዘላቶም ፍቕሪ ኼርእዩ ዕድል ንምሃብ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ሓንቲ ቐይዲ ገበረ። ንኣዳም ድማ: “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ኣዘዞ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ነቲ ንርእሶምን ንናይ መጻኢ ስድራቤቶምን ዚጠቅም ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ: ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ፍረ እቲኣ ኺበልዑ ኣይነበሮምን። ከምዚ ድዮም ገይሮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዘጋጠመ ይነግረና እዩ። ሰይጣን ድያብሎስ ንተመን ከም መዛረቢ ገይሩ ብምጥቃም: ንሄዋን: “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዝ ነገረቶ: ንሱ ግን “ኣይፋልኩም: ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር: ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። ብሰንኪ እዚ ድማ እታ ኦም እትበሃግ ኰይና ስለ ተራእየታ: “ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት።” እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ: “ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ: ንሱውን በልዔ” ይብል። (ዘፍጥረት 3:1-6) ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብጌጋ ተጠቕሙሉ: ትእዛዝ ኣምላኽ ብዘይምሕላዎም ድማ ሓጥኡ።

ርዝነት እዚ ፍጻመ ተረዲኡካዶ፧ ድያብሎስ ምስቲ ኣምላኽ ንኣዳም ዝበሎ ነገር ዚጋጮ እዩ ተዛሪቡ። ቃላት ሰይጣን: ኣዳምን ሄዋንን ጽቡቕን ክፉእን ንምውሳን ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ኸም ዘየድልዮም ዚእምት እዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ: ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ንምግዛእ ዘለዎ መሰልን ብቕዓትን ኣብ ሕቶ ዜእቱ እዩ ነይሩ። እምበኣር: እቲ ሰይጣን ዘበገሶ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ጕዳይ: ንሕጋውነት ልዑላውነት የሆዋ ዚምልከት እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነዚ ሕቶ እዚ ብኸመይ መለሰሉ፧

እኹል ግዜ ዘድለየሉ ምኽንያት

የሆዋ ነቶም ሰለስተ ዓለወኛታት: ማለት ንሰይጣንን ንኣዳምን ንሄዋንን ኬጥፍኣሉ ዚኽእል ሓይሊ ነበሮ። ኣምላኽ ካብቲ ንሳቶም ዝነበሮም ዚዛይድ ሓይሊ ኸም ዝነበሮ ዜተሓታትት ኣይኰነን። ሰይጣን ግን ንሓይሊ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ነቲ ናይ ምግዛእ መሰሉ እዩ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ። እዚ ጕዳይ እዚ ንዅሎም እቶም ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም ፍጡራት ዚትንክፍ እዩ። ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ኣካላዊ: ስነ-ምግባራዊ: ከምኡውን መንፈሳዊ መምርሒ ኸይጠሓሱ: ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብግቡእ ኪጥቀሙሉ ኸም ዘለዎም ኪርድኡ ኣለዎም። ከምዚ እንተ ዘይገይሮም ግን: ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ንሕጊ ስሕበት ሸለል ብምባል ካብ ነዊሕ ህንጻ እንተ ዘሊሉ ኸቢድ ሓደጋ ዜስዕበሉ: ጕድኣት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። (ገላትያ 6:7, 8) ኵሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት: ነቲ ኻብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ብርእስኻ ምኻድ ዜምጽኦ ሕማቕ ፍረ ብምዕዛብ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ ግዜ ዚምልሶ እዩ።

ንሓደ ጕዳይ ንምድቃስ ግዜ ኸም ዚሓትት ዜርኢ ምሳሌ እስከ ንርአ:- ኣቦ ሓንቲ ስድራቤት ንኻልእ ኣቦ: ካብ ክልቲኦም መኖም ከም ዚሕይል ዜርኢ ውድድር ኪገብሩ ሕቶ ኣቕረበ ንበል። እዚ ጕዳይ እዚ ብኡንብኡ ኺፍታሕ ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብቲ ሓይሊ ዚምዘነሉ መገዲ: እምኒ ብምልዓል እዩ። እቲ ዝኸበደ እምኒ ዘልዓለ ኣቦ ድማ እቲ ዝሓየለ ይኸውን። ብኣንጻሩ ግን: እቲ ዝቐረበ ብድሆ: ካብ ክልቲኦም መኖም ንውሉዳቱ ብሓቂ ኸም ዜፍቅርን ብእኦም ከም ዚፍቀርን እዩ ንበል። ወይ ከኣ እቲ ብድሆ ኻብ ክልቲኦም መኖም ብዝበለጸ መገዲ ንስድራቤቱ ኸም ዜስተናብር እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ሓይልኻ ምርኣይን ቃላትን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ: እኹል ግዜ ምሃብ: ጽቡቕ ትዕዝብቲ ምግባር: ከምኡውን ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ምብጻሕ ኣገዳሲ እዩ።

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ እተራእየ ነገራት

ሰይጣን ነቲ ኣምላኽ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ ኻብ ዜእትዎ: ኣስታት 6,000 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ታሪኽ ብዛዕባ እዚ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ክልተ መዳያት እቲ ሰይጣን ንኣምላኽ ዘቕረቦ ኽሲ እስከ ርአ። ብድፍረት ንሄዋን: “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። (ዘፍጥረት 3:4) ስለዚ: ኣዳምን ሄዋንን ካብታ እተኸልከለት ፍረ እንተ በሊዖም ኣይሞቱን እዮም ማለት እዩ፣ ከምዚ ኺብል ከሎ ንየሆዋ ሓሳዊ እዩ ዚብሎ ነይሩ። ከመይ ዝበለ ኸቢድ ክሲ ዀን እዩ! ኣምላኽ ኣብዚ መዳይ እዚ ሓቀኛ እንተ ዘይኰይኑ: ኣብ ካልእ እሞ መን ክኣምኖ ይኽእል፧ ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ዝሓለፈ ግዜ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

ኣዳምን ሄዋንን: ሕማም: ስቓይ: እርጋን ኣሕለፉ: ኣብ መወዳእታ ድማ ሞቱ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣዳም ዝነበሮ ዅሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ” ይብል። (ዘፍጥረት 3:19፣ 5:5) እዚ ዜሕዝን ውርሻ እዚ ድማ ናብ ኵሎም ደቅሰብ ሓለፈ። (ሮሜ 5:12) ስለዚ: እዚ ዝሓለፈ ግዜ: ሰይጣን ‘ሓሳዊ ንሓሶት እውን ኣቦኣ’ ምዃኑ ኺሕብር ከሎ: የሆዋ ድማ “ኣምላኽ ሓቂ” ምዃኑ ኣርኣየ።—ዮሃንስ 8:44፣ መዝሙር 31:5

ሰይጣን ንሄዋን: “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ [ካብታ እተኸልከለት ኦም] ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም [ኣዒንቲ ኣዳምን ሄዋንን] ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ” በላ። (ዘፍጥረት 3:5) ሰይጣን ነዘን ጕርሒ ዝመልአን ቃላት ተጠቒሙ: ደቅሰብ ንርእሶም ባዕሎም ኪመርሑ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ዜታልል ኣጋጣሚ ኣቕረበሎም። ንሰባት ንኼታልሎም ኢሉ: ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ኪነብሩ ዚሕሾም ምዃኑ ገለጸ። እዝስ ሓቂ ድዩ፧

ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ: ሃጸያዊ ግዝኣታት በብግዜኡ ይለዋወጥ ነይሩ እዩ። እተፈላለየ ሰብኣዊ ምምሕዳር ድማ ተፈቲኑ እዩ። ብተደጋጋሚ ግን: ደቅሰብ ሕማቕ ነገራት እዩ ኣጋጢምዎም። ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር: ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ: “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” ኺብል እምበኣር ሓቁ እዩ። (መክብብ 8:9) ነብዪ ኤርምያስ ከኣ: “እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ጸሓፈ። (ኤርምያስ 10:23) እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን እተረኽበ ስነ-ፍልጠታውን ተክኖሎጂያውን ዓወታት እውን እንተ ዀነ: ነዚ ሓቂ እዚ ዘይቅቡል ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ። እዚ ዝሓለፈ ግዜ: እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ነገራት ሓቂ ምዃኑ ጥራይ እዩ ዜረጋግጽ።

እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

ኣምላኽ እተወሰነ ግዜ ንኺሓልፍ ምፍቃዱ: ሰይጣን ንሕጋውነት ልዑላውነት የሆዋ ብዚምልከት ዘልዓሎ ጕዳይ ግጉይ ምንባሩ ዜርኢ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት እዩ። ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ናይ ምግዛእ መሰል ኣለዎ: እቲ ዚገዝኣሉ መገዲ ድማ ዝበለጸ እዩ። እቶም ንነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣምላኽ ዝነበሩ ሰማያውያን ፍጡራት: ነዚ ሓቂ እዚ ኣፍልጦ ብምሃብ: “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” በሉ።—ራእይ 4:11

ኣብቲ ንግዝኣት ኣምላኽ ብዚምልከት እተላዕለ ሕቶ: ኣብ ጐድኒ መን ኢኻ ደው ኢልካ ዘሎኻ፧ ኣምላኽ ኪገዝኣካ ብቑዕ ኰይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ንልዑላውነት የሆዋ ኣፍልጦ ኽትህበሉ ኣሎካ። ነቲ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜደንቕ ሓቅታትን ምኽርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ህይወትካ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ከምዚ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ:” እቲ ዚህቦ ሕግታትን ትእዛዛትን ድማ ኣብታ ንፍጡራቱ ዘላቶ ፍቕሪ እተመርኰሰ እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) የሆዋ ዚጠቕመና ነገራት ፈጺሙ ኣይክልክለናን እዩ። ስለዚ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ: “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ።—ምሳሌ 3:5, 6

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ነቲ ዚብሎ ነገራት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን: ንግዝኣት ኣምላኽ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Jeroen Oerlemans/Panos Pictures