ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ሆሴእ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ትንቢት ሆሴእ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ሆሴእ ዚጐልሕ ነጥብታት

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻብታ ኣብ ሰሜን ዝነበረት ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ዳርጋ ጠፊኡ ነበረ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሮብዓም ዳግማይ: ኣብ እስራኤል ስጋዊ ብልጽግና እኳ እንተ ነበረ: ድሕሪ ሙማቱ ግን እዚ እናጠፍአ ኸደ። ኣብ ክንዳኡ ዕግርግርን ፖለቲካዊ ህውከትን ሰዓበ። ካብቶም ብድሕሪኡ ዝነገሱ ሽዱሽተ ነገስታት: ኣርባዕተ ተቐትሉ። (2 ነገስት 14:29፣ 15:8-30፣ 17:1-6) እቲ ሆሴእ ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለሉ ብ804 ቅ.ክ. ዝጀመረ እሞ 59 ዓመት ንውሓት ዝነበሮ ግዜ: ነዚ እዋን ዕግርግር ዚሽፍን ነበረ።

የሆዋ ነቶም ነቓጻት ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ስምዒት: በቲ ኣብ ሓዳር ሆሴእ እተገብረ ነገር ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። መልእኽቲ ሆሴእ ንጌጋታት እስራኤልን ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኰነ መንግስቲ ይሁዳ እተኣወጀ ትንቢታዊ ፍርድታትን ዝሓቘፈ ነበረ። ብልዙብን ርሕራሐ ብዝመልኦን ቃላት ከምኡውን ብሓያልን ገላጽን ቃላት ገይሩ: ነዚ ዅሉ ኣብታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ጽሒፍዎ ኣሎ። መልእኽቱ ኽፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ህያውን መስለጥን እዩ።—እብራውያን 4:12

“ሰበይቲ ምንዝርና አእቱ”

(ሆሴእ 1:1–3:5)

የሆዋ ንሆሴእ: “ኪድ: . . . ሰበይቲ ምንዝርና አእቱ” በሎ። (ሆሴእ 1:2) ሆሴእ ከምቲ እተኣዘዞ ገይሩ ንጎሜር ኣእተዋ: ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደትሉ። እቶም ድሕሪኡ እተወልዱ ኽልተ ውሉዳት ደቓሉ ኸም ዝነበሩ ርዱእ እዩ። ትርጕም እቲ ሎሩሓማን ሎዓሚን ዚብል ስማቶም: የሆዋ ንእስራኤል ምሕረት ከም ዚነፍጎምን ጠለምቲ ብምዃኖም ከም ዚነጽጎምን ዚሕብር ነበረ።

የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዓለወኛ ህዝቡ ኸመይ ይስምዖ ነበረ፧ ንሆሴእ: “መሊስካ ኺድ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዚምለሱን ቅጫ ዘቢብ ዚፈትዉን ደቂ እስራኤል ዘፍቀሮም: ፈታዊኣ ዚፈትዋ ኣመንዝራ ሰበይቲ ፍቶ” ኢሉ ኣዘዞ።—ሆሴእ 3:1

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:1—ሆሴእ ኣብ ኣገልግሎቱ ንኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ ኺጠቅስ ከሎ: ሓደ ንጉስ እስራኤል ጥራይ ዝጠቐሰ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ነቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ኪገዝኡ መሰል ዝነበሮም: እቶም ካብ ወለዶ ዳዊት ዝመጹ ነገስታት ጥራይ እዮም ነይሮም። ነገስታት እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ኻብ ወለዶ ዳዊት ኣይነበሩን: እቶም ነገስታት ይሁዳ ግን ካብ ወለዶ ዳዊት እዮም ነይሮም።

1:2-9—ሆሴእ ብሓቅዶ ሰበይቲ ምንዝርና ኣእትዩ እዩ፧ እወ: ሆሴእ ደሓር ዝዘመወት ሰበይቲ ኣእትዩ እዩ። እቲ ነብዪ ብዛዕባ ኣብ ቤቱ ዝነበሮ ህይወት ዝተረኾ ነገራት ሕልሚ ወይ ራእይ ምዃኑ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይተዛረበን።

1:7—ቤት ይሁዳ እተማሕሩን ዝደሓኑን መዓስ እዮም፧ እዚ ብ732 ቅ.ክ. ብግዜ ንጉስ ህዝቅያስ እዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ መልኣኹ ልኢኹ: ካብቶም ንየሩሳሌም ኪጐብጡ ዝመጹ ሰራዊት ኣሶራውያን 185,000 ብሓንቲ ለይቲ ቐተለ። (2 ነገስት 19:34, 35) በዚ ኸምዚ የሆዋ ንሰብ ይሁዳ ‘ብቀስትን ሰይፍን ውግእን ኣፍራስን ፈረሰኛታትን’ ዘይኰነስ: ብመልኣኽ ኣድሓኖም።

1:10, 11—እታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ብ740 ቅ.ክ. ስለ ዝወደቐት: ደቂ እስራኤል ምስ ደቂ ይሁዳ ‘ሓቢሮም እተኣከቡ’ ብኸመይ እዮም፧ ተቐማጦ ምድሪ ይሁዳ ብ607 ቅ.ክ. ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ቅድሚ ምኻዶም: ብዙሓት ካብታ ሰሜናዊት መንግስቲ ናብ ይሁዳ ግዒዞም ነበሩ። (2 ዜና መዋእል 11:13-17፣ 30:6-12, 18-20, 25) ብ537 ቅ.ክ. ኣይሁዳውያን ምሩኻት ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ: ዘርኢ እቶም ካብ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ዝኸዱ ምስቶም እተመልሱ ነበሩ።—እዝራ 2:70

2:21-23—“ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ [ንይዝሬኤል] ንኣይ ክዘርኦ እየ: ንሎሩሓማ ኸኣ ክምሕራ እየ” ብዚብል ቃላት የሆዋ ኣቢሉ እንታይ ትንቢት እዩ ተነጊሩ፧ እቲ ጎሜር ንሆሴእ ዝወለደትሉ በዅሪ ወዱ ይዝሬኤል ተባሂሉ ተሰምየ። (ሆሴእ 1:2-4) እቲ “ኣምላኽ ዘርኢ ኺዘርእ እዩ” ዚብል ትርጕም ስሙ: የሆዋ ነቶም እሙናት ተረፍ ብ537 ቅ.ክ. ከም ዚእክቦምን ኣብ ይሁዳ ኸም ዘርኢ ኸም ዚዘርኦምን ዚሕብር ትንቢት ነበረ። እታ ን70 ዓመት ዝባደመት ምድሪ: እኽልን ወይንን ዘይትን ከተፍሪ ነበራ። እቲ ትንቢት ብዚምስጥ ቃላት ገይሩ እዚ ፍርያት እዚ ንምድሪ ማዕድናታ ኽትህብ ከም ዚምሕጸና: ምድሪ ኸኣ ንሰማይ ዝናም ኪልእኽ ከም እትሓቶ ይሕብር። ሰማይ ብግዴኡ እውን ዝናም ዜዝንም ደበና ንኺህቦ ንኣምላኽ ይልምኖ። እዚ ዅሉ ነቶም እተመልሱ ተረፍ ዜድልዮም ነገራት ብግቡእ ንምምላእ ተባሂሉ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ንሆሴእ 2:23 ኣብቲ ምእካብ እቶም ተረፍ መንፈሳውያን እስራኤል ኣውዓልዋ።—ሮሜ 9:25, 26፣ 1 ጴጥሮስ 2:10

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:2-9፣ 3:1, 2 ሆሴእ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ሓዳሩ ኸየፍረሰ ብምቕጻል ዝኸፈሎ ብሕታዊ መስዋእቲ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ዝመጸ: ብሕታዊ ምርጫና ንምሕዳግ ክሳዕ ክንደይ ኢና ፍቓደኛታት እንኸውን፧

1:6-9 የሆዋ ኸምቲ ቓል ብቓሉ ዝሙት ዚጸልእ: መንፈሳዊ ዝሙት እውን ይጸልእ እዩ።

1:7, 10, 11፣ 2:14-23 እቲ የሆዋ ብዛዕባ እስራኤልን ይሁዳን እተነበዮ ነገር ተፈጺሙ እዩ። ቃል የሆዋ ወትሩ ይፍጸም እዩ።

2:16, 19, 21-23፣ 3:1-4 የሆዋ ነቶም ካብ ልቦም ዚንስሑ ይቕረ ኺብለሎም ድሉው እዩ። (ነህምያ 9:17) ንሕና እውን ከም የሆዋ: ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ደንገጽትን መሓርትን ክንከውን ኣሎና።

የሆዋ “ነገር አለዎ”

(ሆሴእ 4:1–13:16)

የሆዋ “ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለዉ ነገር አለዎ።” ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ሓቅን ሳህልን ፍልጠት ኣምላኽን ኣብታ ሃገር የልቦን።” (ሆሴእ 4:1) እቶም ከዳዓት ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምትላልን ምፍሳስ ደምን ተጸሚዶም: ቃል ብቓሉን ብመንፈሳውን ከኣ ምንዝር ፈጺሞም እዮም። ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ዚደልዩ: “ንሳቶም ንግብጺ ይጽውዑ: ናብ ኣሶር ይኸዱ።”—ሆሴእ 7:11

የሆዋ: “እስራኤል ተዋሕጠ” ኢሉ ፍርዱ ኣወጀ። (ሆሴእ 8:8) መንግስቲ ይሁዳ ኻብቲ ገበን ሓራ ኣይኰነትን። ሆሴእ 12:2: የሆዋ “ምስ ይሁዳውን ነገር አለዎ: ንያእቆብ ከኣ ከም መጠን መገዱ ኪቐጽዖ: ከም መጠን ግብሩ ድማ ኪፈድዮ እዩ” ትብል። ኰይኑ ግን: ኣምላኽ: “ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም: ካብ ሞት እብጀዎም” ኢሉ ስለ እተመባጽዐ: ናብ ዓዶም ከም ዚምለሱ እተረጋገጸ እዩ ነይሩ።—ሆሴእ 13:14

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

6:1-3—“ንዑናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ” ዚብል ዝነበረ መን እዩ፧ ዘይእሙናት እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ንኺምለሱ ንሓድሕዶም ይተባብዑ ነይሮም ይዀኑ። ከምኡ እንተ ገይሮም: ከም እተነስሑ የምስሉ ጥራይ እዮም ነይሮም። ሰናዮም ወይ ሳህሎም “ከም ደበና ብጊሓት: ከምቲ ኣንጊሁ ዘጠፍአ ኣውሊ” ሓጺርን ሓላፍን እዩ ነይሩ። (ሆሴእ 6:4) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እቲ ነቶም ህዝቢ ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዚልምኖም ዝነበረ ሆሴእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ: እቶም ነቓጻት ነበርቲ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል: ናይ ሓቂ ንስሓ ኼርእዩን ብሓቂ ናብ የሆዋ ኺምለሱን ነበሮም።

7:4—እቶም ዘመውቲ እስራኤላውያን ከምቲ “ሰንካቲ ዘርሰኖ እቶን” ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ እዚ ምምስሳል እዚ: እቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ እኩይ ትምኒት ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምንባሩ ዜመልክት እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

4:1, 6 ሞገስ የሆዋ ምሳና ኪቕጽል እንተ ደሊና: ብዛዕባኡ ብቐጻሊ ፍልጠት ክንድልብን በቲ እተመሃርናዮ ኽንመላለስን ኣሎና።

4:9-13 የሆዋ ነቶም ጾታዊ ርኽሰት ዚፍጽሙን ብርኹስ ኣምልኾ ዚመላለሱን ኪጸባጸቦም እዩ።—ሆሴእ 1:4

5:1 እቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ መሪሕ ግደ ዘለዎም: ንኽሕደት ምሉእ ብምሉእ ኪነጽግዎ ኣለዎም። እንተ ዘይኰይኑ: ንገሊኦም ሰባት ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንኺጽመዱ ኼስድዕዎም ይኽእሉ እዮም: በዚ ኸምዚ ድማ ‘መፈንጠራን መርበብን’ ይዀንዎም።

6:1-4፣ 7:14, 16 ብቓላት ጥራይ ምንሳሕ: ግብዝናን ከንቱነትን እዩ። ሓደ ኣባሲ ምሕረት ኣምላኽ ንምርካብ: ልባዊ ንስሓ ኼርኢ: ናብ “ልዑል” ማለት ዝለዓለ ዓይነት ኣምልኾ ኸም እተመልሰ ኸኣ ብንጹር ኬርኢ ኣለዎ። ተግባራቱ ምስቲ ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።—ሆሴእ 7:16

6:6 ብሓጢኣት ምምልላስ ንኣምላኽ እሙን ፍቕሪ ኸም ዝጐደለካ የርኢ። ነዚ ጕድለት እዚ ኪኽሕሶ ዚኽእል መንፈሳዊ መስዋእትታት የልቦን።

8:7, 13፣ 10:13 “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት: ኣብቶም መምለኽቲ ጣኦት ዝነበሩ እስራኤላውያን ተፈጺሙ እዩ።—ገላትያ 6:7

8:8፣ 9:17፣ 13:16 ብዛዕባ እታ ሰሜናዊት መንግስቲ እተዘርበ ትንቢታት: እታ ርእሲ ኸተማኣ ዝነበረት ሰማርያ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣሶር ምስ ኣተወት ተፈጸመ። (2 ነገስት 17:3-6) ኣምላኽ ዝበሎ ኸም ዚገብሮን እተዛረቦ ኸም ዚፍጽሞን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ዘሁልቍ 23:19

8:14 ብ607 ቅ.ክ. የሆዋ ብኢድ ባቢሎናውያን ገይሩ ናብ ‘ከተማታት ይሁዳ ሓዊ’ ሰደደ: ነቲ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ የሩሳሌምን ይሁዳን ከም ዚባድማ ዚገልጽ ትንቢት ድማ ፈጸሞ። (2 ዜና መዋእል 36:19) ቃል ኣምላኽ ኣይወድቕን እዩ።—እያሱ 23:14

9:10 እስራኤላውያን ንናይ ሓቂ ኣምላኽ እተወፈዩ እኳ እንተ ነበሩ: “ናብ በዓል-ጲኦር አተዉ: ንነውሪ ኸኣ ተፈልዩ።” ካብቲ ሕማቕ ኣብነቶም መለበሚ እንተ ረኺብናን ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ከይነፍርስ ርእስና እንተ ሓሊናን ጥበባዊ እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:11

10:1, 2, 12 ንኣምላኽ ግብዝና ብዘይብሉ ልቢ ኸነምልኾ ኣሎና። ‘ንዓና ብጽድቂ እንተ ዘሪእና: ከም መጠን ምሕረት ኣምላኽ ክንዓጽድ ኢና።’

10:5 ቤት-ኣዌን (ማለት “ቤት ጕድኣት”) ንቤትኤል (ማለት “ቤት ኣምላኽ”) እተዋህበ ዜነኣእስ ስም እዩ። ኣብ ቤት-ኣዌን ዝነበረ ኣምልኾ ምራኽ ንምርኮ ምስ ተወስደ: ተቐማጦ ሰማርያ ሓዘኑ። ኣብቲ ንርእሱ እውን ኪከላኸል ዘይክእል ህይወት ዘይብሉ ጣኦት ምውካልሲ ኸመይ ዝበልዎ ዕሽነት ኰን እዩ!—መዝሙር 135:15-18፣ ኤርምያስ 10:3-5

11:1-4 የሆዋ ወትሩ ንህዝቡ ብፍቕሪ እዩ ዚሕዞም። ንኣምላኽ ዘሎና ተገዛእነት ዚጭቍን ኣይኰነን።

11:8-11፣ 13:14 የሆዋ ንህዝቡ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚመልሶም እተዛረቦ ቓል: ‘ብኸንቱ ናብኡ ኣይተመልሰን።’ (ኢሳይያስ 55:11) ብ537 ቅ.ክ. ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዚነብሩሉ ዝነበሩ እዋን ኣብቅዐ: ተረፎም ከኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። (እዝራ 2:1፣ 3:1-3) የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ ዚዛረቦ ዅሉ ነገራት ብርግጽ ይፍጸም እዩ።

12:6 ምሕረት ወይ ሳህሊ ንኸነርኢ: ፍርዲ ወይ ፍትሒ ንኽንሕሉ: ከምኡውን ኵሉ ሳዕ ብየሆዋ ተስፋ ንኽንገብር ቈራጽነት ኪህልወና ኣለዎ።

13:6 እስራኤላውያን ‘ጸገቡ እሞ ልቦም ተዐበየ: ስለዚ ንየሆዋ ረስዕዎ።’ ንሕና እውን ዝዀነ ይኹን ናይ ትዕቢት ዝንባለ ኸይነሕድር ክንጥንቀቕ ኣሎና።

‘መገዲ የሆዋ ቕኑዕ እዩ’

(ሆሴእ 14:1-9)

ሆሴእ: “ዎ እስራኤል: ብኣበሳኻ ወዲቕካ ኢኻ እሞ: ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ” ኢሉ ለመኖም። ነቶም ህዝቢ ድማ ንየሆዋ: “ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና: ሰናይ ከኣ ተቐበል: ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና” ኢሎም ንኺልምንዎ ተማሕጸኖም።—ሆሴእ 14:1, 2

ሓደ እተነስሐ ኣባሲ ናብ የሆዋ ኺምለስ: መገድታቱ ኪቕበል: መስዋእቲ ውዳሰ ኸኣ ኬቕርብ ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ጻድቃን ይመላለሱሉ።” (ሆሴእ 14:9) ገና ብሕጂ እውን እንተ ዀነ: ብዙሓት ሰባት “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ብፍርሃት ናብ እግዚኣብሄርን ናብ ሳህሉን ኪመጹ” ምዃኖም ዚገልጻ ቓላትሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እየን ዜሐጕሳና!—ሆሴእ 3:5

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናብራ ስድራቤት ሆሴእ ነቲ የሆዋ ምስ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ የብርህ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሰማርያ ብ740 ቅ.ክ. ምስ ወደቐት: እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ጠፍአት