ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዮናታን “ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ”

ዮናታን “ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ”

ዮናታን “ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ”

ወዲ እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ሃዲሙ ዝኸደ ሰብኣይ ኪበጽሖ ኸደ። ከምዚ ኸኣ በሎ:- “ኢድ ኣቦይ ሳኦል ኣይትረኽበካን እያ እሞ: ኣይትፍራህ: ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ: ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ።”—1 ሳሙኤል 23:17

እቲ በጻሒ ዮናታን ኪኸውን ከሎ: እቲ ዝሃደመ ኸኣ ዳዊት እዩ። ድሕሪኡ ቝሩብ ጸኒሑ ዮናታን እንተ ዘይመውት ነይሩ: የማናይ ኢድ ዳዊት ኪኸውን ምኸኣለ።

ዮናታን ምስ ዳዊት ዝነበሮ ዕርክነት ፍሉይ እዩ ነይሩ። አረ ዮናታን ንባዕሉ እውን ፍሉይ ሰብ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባኡ: “ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ” ምባሎም ፍሉይ ሰብ ገይሮም ይርእይዎ ኸም ዝነበሩ ይሕብር። (1 ሳሙኤል 14:45) ከምኡ ዝበሉ ስለምንታይ እዮም፧ ዮናታን ከመይ ዝበለ ባህርያት እዩ ነይርዎ፧ ታሪኽ ህይወቱኸ ብኸመይ እዩ ኺጸልወካ ዚኽእል፧

እስራኤላውያን ‘ጸቢብዎም’ ነበረ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዮናታን ዚገልጸልና: እስራኤላውያን ‘ጸቢብዎም’ ኣብ ዝነበረ ግዜ እዩ። ፍልስጥኤማውያን ንሃገሮም ወሪሮም: ንርእሶም እኳ ኺከላኸሉ ኸም ዘይክእሉ ገይሮምዎም ነበሩ።—1 ሳሙኤል 13:5, 6, 17-19

የሆዋ ግን ንህዝቡ ኸም ዘይሓድጎ ገሊጹ ነበረ: ዮናታን ከኣ ብዛዕባ እዚ ምሉእ ምትእምማን ነበሮ። ኣምላኽ ብዛዕባ ሳኦል ኣቦ ዮናታን: “ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕኖ እዩ” በለ። ዮናታን ኣብዚ ሓሳባት እዚ እምንቶ ገበረ። ንሱ ንባዕሉ እኳ 1,000 ዝዀኑ ጽቡቕ ዕጥቂ ዘይነበሮም እስራኤላውያን ሒዙ ንፍልስጥኤማውያን ኣቐዲሙ ስዒርዎም ነይሩ እዩ። ድሕርዚ ድማ ነቲ ፍልስጥኤማውያን ዜሕድርዎ ስግኣት ምሉእ ብምሉእ ኪኣልዮ ደለየ።—1 ሳሙኤል 9:16፣ 12:22፣ 13:2, 3, 22

ብድፍረት እተገብረ መጥቃዕቲ

ዮናታን ኣብ ጥቓ መሳገሪ ሚኽማሽ ሰፊሩ ንዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዕላማኡ ገበሮ። (1 ሳሙኤል 13:23) ኣብኡ ንኺበጽሕ ከኣ “በእዳዉን በእጋሩን እናተቛናጠጠ” ኺሓኵር ነበሮ። እዚ ግን ድሕር ከም ዚብል ኣይገበሮን። ምስ ጋሻ ዛግሬኡ ጥራይ ኰይኑ ኼጥቅዖም ወሰነ: ንዕኡ ድማ “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኰነ ወይ ብሒዶት ገይሩ ምድሓን ዚኽልክሎ የልቦን እሞ: ምናልባሽ እግዚኣብሄር ገለ ይገብረልና ይኸውን” በሎ።—1 ሳሙኤል 14:6, 13

እዞም ክልተ እስራኤላውያን እዚኣቶም ካብ የሆዋ ምልክት ደለዩ። መጀመርታ ነቶም ጭፍራ ኺረኣይዎም ወሰኑ። እቶም ፍልስጥኤማውያን “ክሳዕ እንመጸኩም ጽንሑ” እንተ ኢሎምዎም: ዮናታንን ጋሻ ዛግሬኡን ናባታቶም ኣይድይቡን። እቶም ጸላእቲ “ናባና ደይቡ” እንተ ኢሎምዎም ግን: የሆዋ ንዮናታንን ንጋሻ ዛግሬኡን ዓወት ከም ዚህቦም ዜመልክት እዩ ነይሩ። ዮናታን: ኣምላኽ ከም ዚሕግዞ ርግጸኛ ስለ ዝነበረ: ናብቲ ጭፍራ ኸይዱ ኺዋጋእ ወሰነ።—1 ሳሙኤል 14:8-10

ክልተ ሰባት ንጭፍራ ወተሃደራት እንታይ ኪገብርዎም ይኽእሉ፧ ኤሁድ ንእስራኤላውያን መሪሑ ንሞኣብ ኪዋጋእ ከሎ የሆዋ ኣይሓገዞን ድዩ፧ ሻምጋር ብስላዕ ብዕራይ ገይሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ፍልስጥኤማውያን ኪቐትል ከሎ ኣምላኽ ምስኡ ኣይነበረን ድዩ፧ ሲምሶን ንበይኑ ዀይኑ ንፍልስጥኤማውያን ኬጥቅዖም ከሎ የሆዋ ሓይሊ ኣይሃቦን ድዩ፧ ዮናታን: ኣምላኽ ንዕኡ እውን ከም ዚሕግዞ እምንቶ ገበረ።—መሳፍንቲ 3:12-31፣ 15:6-8, 15፣ 16:29, 30

ፍልስጥኤማውያን ነቶም ክልተ እስራኤላውያን ምስ ረኣይዎም ዓው ኢሎም: “ሓደ ነገር ከነፍልጠኩምሲ ናባና ደይቡ” በልዎም። ዮናታንን እቲ ጋሻ ዛግሬኡን ደየቡ። ብትብዓት ከይዶም ከኣ ኣጥቅዕዎም: 20 ወተሃደራት ጸላኢ ቐተሉ: ነቶም ጭፍራ ኸኣ ራዕዲ ኣእተዉሎም። ምናልባት ፍልስጥኤማውያን: ነቶም ክልተ ሰባት ብዙሓት እስራኤላውያን ተዋጋእቲ ይስዕብዎም ከም ዘለዉ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ: “እቶም ጭፍራ . . . ተሸበሩ። ካብ ኣምላኽ ፍርሃት ኰነ: እታ ሃገር ድማ ኣንቀጥቀጠት” ይብል። ብሰንኪ እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ህውከት ስለ ዝኣተዎም ከኣ “ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩ ዀነ።” ወተሃደራት እስራኤል እዚ ምስ ረኣዩ ተብዑ። እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ኸምኡውን እቶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ወጊኖም ዝነበሩ እስራኤላውያን ከኣ ሓበርዎም እሞ “ንፍልስጥኤማውያን ካብ ሚኽማሽ ክሳዕ ኣያሎን ሰዐርዎም።”—1 ሳሙኤል 14:11-23, 31

በቶም ህዝቢ ደሓነ

ንጉስ ሳኦል: እቲ ውግእ ብዓወት ቅድሚ ምዝዛሙ ኻብ ወተሃደራቱ ምግቢ ዝበልዐ እተረግመ ኸም ዝዀነ ዚእዝዝ ጥበባዊ ዘይኰነ ውሳነ ኣመሓላለፈ። ዮናታን ኣይፈለጠን ነበረ እሞ ብበትሩ ኻብ ጐጎ መዓር ጠሚዑ በልዐ። እዚ ነቲ ቓልሲ ኽሳዕ መወዳእታ ንኪቕጽሎ ሓይሉ ኸም ዘሐደሰሉ ርዱእ እዩ።—1 ሳሙኤል 14:24-27

ሳኦል: ዮናታን ከም ዝበልዐ ምስ ፈለጠ ኺመውት ፈረዶ። ዮናታን ሞት ኣይፈርሀን። “እኔኹ እሙት” በለ። “እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል፤ ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ እሞ: እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኺመውት እዩ፧ ያእ የርሕቆ። ህያው እግዚኣብሄር እዩ: ካብ ጸጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን: በልዎ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንዮናታን ከይመውት ኣድሐንዎ።”—1 ሳሙኤል 14:38-45

ኣብዚ ግዜ እዚ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣብ ስጋዊ ውግእ ኣይካፈልን እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ናብራ ህይወትካ እምነትን ትብዓትን ከተርኢ ዚሓተካ ዅነታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ኵሉ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰብ ክፉእ እናገበረ ጽቡቕ ክትገብር ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኸበርትዓካን ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ንምሕላው ዘሎካ ባህጊ ኸኣ ኪባርኾን እዩ። ከም እኒ ኣገልግሎትካ ምስፋሕ: ሓድሽ ሓላፍነታት ምቕባል: ወይ ከኣ ናብቲ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ዜድልዩሉ ቦታ ምግዓዝ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ክትስከም ትብዓት ኬድልየካ ይኽእል እዩ። ነዚ ሓላፍነታት እዚ ዘይትበቕዖ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣብቲ የሆዋ ኣድላዪ ዝበሎ ዕዮ ንኸተገልግል ክጥቀመልካ ርእስኻ ምስ እተቕርብ: ጽቡቕ ትገብር ከም ዘለኻ ኣይትጠራጠር። ንዮናታን ዘክሮ! “ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ።”

ዮናታንን ዳዊትን

ድሕሪ 20 ዓመት ኣቢሉ: እቲ ጐብለል ዝነበረ ጐልያድ ዝስሙ ገዚፍ ፍልስጥኤማዊ ንሰራዊት እስራኤል ምስ ጸረፈ: ዳዊት ቀተሎ። ዮናታን ንዳዊት ብ30 ዓመት ይዓብዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ምስናይዚ ግን ክልቲኦም ተመሳሳሊ ባህርያት ነበሮም። a እቲ ዮናታን ኣብ ሚኽማሽ ዘርኣዮ ትብዓት: ኣብ ዳዊት እውን ተራእዩ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን: ዳዊት ልክዕ ከም ዮናታን ኣብቲ የሆዋ ንምድሓን ዚጥቀመሉ ሓይሊ እምነት ነበሮ። ስለዚ: ኵሎም እስራኤላውያን ብፍርሂ ተዋሒጦም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እዛ እምነት እዚኣ ንጐልያድ ብድፍረት ኪጋጠሞ ሓገዘቶ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት: ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ።”—1 ሳሙኤል 17:1-18:4

ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ብዘርኣዮ ጀግንነት ከም ተቐናቓኒኡ ገይሩ እኳ እንተ ረኣዮ: ዮናታን ግን ንዳዊት ኣይቀንኣሉን። ዮናታንን ዳዊትን ጥብቂ ዕርክነት መስረቱ። ስለዚ እምበኣር: ካብቲ ብምስጢር ዚገብርዎ ዝነበሩ ዝርርብ: ዳዊት እቲ ዚስዕብ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ከም እተቐብአ: ዮናታን ፈሊጡ ኪኸውን ኣለዎ። ዮናታን ንውሳነ ኣምላኽ ኣኽበሮ።

ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝደሊ ንወዱን ኣገልገልቱን ምስ ተዛረቦም: ዮናታን ንዳዊት ኣጠንቀቖ። ዮናታን ንሳኦል: ንዳዊት ዝፈርሃሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከም ዘይብሉ ኣእመኖ። ከመይሲ: ዳዊት ኣብ ልዕሊ ሳኦል ዝፈጸሞ ምንም ሓጢኣት ኣይነበረን! ዳዊት ምስ ጐልያድ ኪዋጋእ ኢሉ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣየእተወን ድዩ፧ ዮናታን ኣብ ክንዲ እቲ እተበደለ ዓርኩ ዝገበሮ ለመና ንሳኦል ኣህድኦ። ይኹን እምበር: እቲ ንጉስ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸም ቀደሙ ናይ ቅትለት ውዲት ኪኣልም ጀመረ እሞ ንዳዊት እንደገና ኪቐትሎ ፈተነ: ዳዊት ከኣ ኪሃድም ተገደደ።—1 ሳሙኤል 19:1-18

ዮናታን ኣብ ጐድኒ ዳዊት ኰነ። ክልቲኦም ኣዕሩኽ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም መደብ ኪገብሩ ተራኸቡ። ዮናታን ንዓርኩ እሙን ብምዃን: ብተወሳኺ ድማ ንኣቦኡ እሙን ኪኸውን ብምጽዓር ንዳዊት: “ያእ እዝስ የርሕቆ: ኣይትመውትን” በሎ። ዳዊት ግን ንዮናታን: “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።—1 ሳሙኤል 20:1-3

ዮናታንን ዳዊትን ሓሳብ ሳኦል እንታይ ምዃኑ ንምፍታን ዚሕግዞም ውጥን ገበሩ። ዳዊት ኣብቲ መኣዲ ንጉስ ዘይምምጻኡ ሳኦል እንተ ደኣ ኣስተብሂሉ: ዮናታን ንኣቦኡ: ዳዊት ኣብ ናይ ዓሌት መስዋእቲ ምእንቲ ኺካፈል ኢሉ ለሚኑ ኸም ዝኸደ ይነግሮ። ሳኦል ብቝጥዓ እንተ ደኣ መሊሱ: ንዳዊት ገና ይጸልኦ ኸም ዘሎ ምልክት ይኸውን። ዮናታን ንዳዊት መረቖ: “እግዚኣብሄር ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ: ምሳኻ ይኹን” ብምባል ከኣ እቲ ቐጺሉ ዝነግስ ንጉስ ምዃኑ ብተዘዋዋሪ ኣፍልጦ ሃበሉ። ክልቲኦም ንሓድሕዶም ማሕላ ተመሓሓሉ: ብዛዕባ ውጽኢት ፈተናኦም ከኣ ዮናታን ንዳዊት ብኸመይ ከም ዚነግሮ ወሰኑ።—1 ሳሙኤል 20:5-24

ሳኦል: ዳዊት ከም ዘየለ ምስ ረኣየ: ዮናታን: “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ: ምሉቝ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ በጃኻ ስደደኒ” ኢሉ ዳዊት ከም ዝለመኖ ገለጸሉ። ዮናታን: ዳዊት ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ከም ዝረኸበ ኺእመን ኣይፈርሀን። እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጥዐ! ንዮናታን ጸረፎ: ዳዊት መቐናቕንቲ ንግስነት ወዱ ኸም ዝዀነ ኸኣ ጨደረሉ። ምእንቲ ኪቕተል ንዳዊት ኬምጽኦ ነገሮ። ዮናታን ግን “ስለምንታይ እዩ ዚመውት፧ እንታይከ ገይሩ እዩ፧” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሳኦል ብቝጥዓ ተላዒሉ ንወዱ ዂናት ወርወረሉ። ዮናታን ከይተተንከፈ ኣምለጠ: ይኹን እምበር: ምእንቲ ዳዊት ካብ ልቡ ኣዝዩ ጕህዩ ነበረ።—1 ሳሙኤል 20:25-34

ዮናታንሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ተኣማንነት ኰን እዩ ዘርኣየ! ብሰብኣዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ: ዮናታን ምስ ዳዊት ዕርክነት ምምስራቱ ኻብ ጥቕሙ ኽሳራኡ እዩ ዚበዝሕ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንዳዊት ደድሕሪ ሳኦል ኪነግስ ኣቐዲሙ ቐቢእዎ እዩ: ዕላማ ኣምላኽ ከኣ ንዮናታን ይኹን ንኻልኦት ዚጠቅም እዩ።

ብንብዓት እተገብረ ስንብታ

ዮናታን ነቲ ነገር ከዘንትወሉ ብሕቡእ ምስ ዳዊት ተራኸበ። ዳዊት ድሕሪ ደጊም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሳኦል ተወር ኪብል ከም ዘይክእል ንጹር ነበረ። ክልቲኦም ተሓቛቚፎም በኸዩ። ድሕሪኡ ዳዊት ኪሕባእ ከደ።—1 ሳሙኤል 20:35-42

ዮናታን ድሕርዚ ንዳዊት ሓንሳእ ጥራይ እዩ ርእይዎ። እዚ ኸኣ “ኣብ በረኻ ዚፍ ኣብ ዱር” ካብ ሳኦል ተሓቢኡሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ። ሽዑ ዮናታን ንዳዊት: “ኢድ ኣቦይ ሳኦል ኣይትረኽበካን እያ እሞ: ኣይትፍራህ: ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ: ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ: ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ አሎ” ብምባል ኣጸናንዖ። (1 ሳሙኤል 23:15-18) ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ዮናታንን ሳኦልን ኣብቲ ምስ ፍልስጥኤማውያን እተገብረ ውግእ ሞቱ።—1 ሳሙኤል 31:1-4

ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ዘበሉ: ነቲ ዮናታን እተመላለሰሉ መገዲ ኼስተንትኑሉ ሰናይ እዩ። ንመን እሙን ክትከውን ከም ዘሎካ ፈታኒ ዅነታት የጋጥመካ ድዩ፧ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ: ሳኦል ንዮናታን ረብሓታት ገዛእ ርእሱ ኺደሊ ኸም እተማሕጸኖ ዘክር። ይኹን እምበር: ዮናታን ልባዊ ተገዛእነትን ኣኽብሮትን ብምርኣይ ንየሆዋ ኣኽበሮ: እቲ ቐጺሉ ንጉስ እስራኤል ዚኸውን እቲ ኣምላኽ ዝመረጾ ሰብ ከም ዝዀነ ብምፍላጡ እውን ሕጉስ ነበረ። እወ: ዮናታን ንዳዊት ደጊፍዎ እዩ: ንየሆዋ ኸኣ እሙን ነበረ።

ዮናታን ዜደንቕ ባህርያት ነበሮ። ነዚ ባህርያት እዚ ቕድሓዮ! ሽዑ ሰባት ከምቲ ብዛዕባ ዮናታን ዝበልዎ: ብዛዕባኻ እውን “ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ” ኺብሉ እዮም።—1 ሳሙኤል 14:45

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዮናታን ኣብ መጀመርታ እቲ 40 ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት ሳኦል ንፈለማ ኸም ኣዛዝ ሰራዊት ኣብ እተጠቕሰሉ እዋን እንተ ወሓደ: ወዲ 20 ዓመት ኣቢሉ እዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 1:3፣ 1 ሳሙኤል 13:2) ስለዚ: ብ1078 ቅ.ክ. ኣቢሉ ኺመውት ከሎ ናብ 60 ዓመት ገጹ ይቐርብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳዊት ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 30 ዓመት ስለ ዝነበረ: ዮናታን ንዳዊት ብ30 ዓመት ኣቢሉ ይዓብዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ሳሙኤል 31:2፣ 2 ሳሙኤል 5:4

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ዮናታን ንዳዊት ኣይቀንኣሉን