ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጆን ሚልተን ዝጸሓፎ ጠፊኡ ዝነበረ ድርሰት

ጆን ሚልተን ዝጸሓፎ ጠፊኡ ዝነበረ ድርሰት

ጆን ሚልተን ዝጸሓፎ ጠፊኡ ዝነበረ ድርሰት

ከምቲ ነታ ፓራዳይዝ ሎስት ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ ግጥሚ ዝደረሰ ጆን ሚልተን ገይሮም ኣብ ዓለም ሓያል ጦብላሕታ ዝሓደጉ ብዙሓት ሰባት ኣይርከቡን እዮም። ብመሰረት ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት: ሚልተን “ብብዙሓት ይፍቀር: ብገሊኦም ይጽላእ: ግን ከኣ ብብዙሓት ዕሽሽ ዘይበሃል” ሰብ እዩ ነይሩ። ንስነ-ጽሑፍን ባህልን እንግሊዝኛ ብዙሕ ኣበርኪቱ እዩ።

ጆን ሚልተን ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ኺህልዎ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እታ ኦን ክርስችያን ዶክትሪን (ኣብ ክርስትያናዊ ሰረተ-እምነት) ዘርእስታ ናይ መወዳእታ ዕዮኡ: ን150 ዓመት ከይተሓትመት ክሳዕ እትጸንሕ እተሰሓሕብ ዝገበራ እንታይ እዩ፧

ብግዜ ንእስነቱ

ጆን ሚልተን ብ1608 ካብ ሓንቲ ኣብ ለንደን እትርከብ ሃብታም ስድራቤት እዩ ተወሊዱ። ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ: “ኣቦይ ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ስነ-ጽሑፍ ንኸጽንዕ ኣዳለወኒ: ነዚ ጽቡቕ ሸውሃት ስለ ዝነበረኒ ኸኣ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ካብ ዝኸውን ኣትሒዘ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ: ፍርቂ ለይቲ ቕድሚ ምዃኑ መጽናዕተይ ኣቋሪጸ ደቂሰ ኣይፈልጥን” በለ። ብሉጽ ተመሃራይ ነበረ: ብ1632 ድማ ካብ ካምብሪጅ ናይ ማስተር ዲግሪ ረኸበ። ድሕሪኡ: ታሪኽን ስነ-ጽሑፍ ግሪኽን ሮማን ምንባብ ቀጸለ።

ሚልተን ገጣሚ ኪኸውን ደለየ: ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቅልውላው ሰውራ እያ ነይራ። ኦሊቨር ክሮምወል ዝመራሒኡ ባይቶ ዝሸሞ ቤት ፍርዲ: ብ1649 ንጉስ ቻርለስ ቀዳማይ ኪቕተል ኣዘዘ። ሚልተን ብዜእምን ተራ ንባብ ገይሩ: ነዚ ተግባር እዚ ተጣበቐሉ: ኣፈኛ መንግስቲ ክሮምወል ድማ ኰነ። ከም ገጣሚ መጠን ውሩይ ቅድሚ ምዃኑ: ብዛዕባ ፖለቲካን ስነ-ምግባርን ዚገልጽ ፓምፍለት ብምድላው ኣጸቢቑ ፍሉጥ ነበረ።

ብ1660 ቻርለስ ዳግማይ ዘውዲ ምስ ደፍአ: እቲ ንጉሳዊ ምምሕዳር እንደገና ብምቛሙ: እቲ ኣቐዲሙ ደጋፊ ክሮምወል ዝነበረ ሚልተን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣተወት። ሚልተን ተሓብአ: ብሓገዝ ጽልዋ ዘለዎም ፈተውቱ ጥራይ ከኣ እዩ ኻብ ሞት ኬምልጥ ዝኸኣለ። ኣብዚ ዅሉ ግዜ ንመንፈሳዊ ነገር ሓያል ተገዳስነት ነበሮ።

“መለክዒ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ”

ሚልተን ብዛዕባ እቲ ብንእስነቱ ዝነበሮ መንፈሳዊ ተገዳስነት ኪጽሕፍ ከሎ: “ንእሽቶ ኸለኹ ንብሉይን ሓድሽን ኪዳን በቲ በዅሪ ቛንቋታት ብትግሃት ንምጽናዕ: ገዛእ ርእሰይ ብምውፋይ እየ ጀሚረ” በለ። ኣብ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ጕዳያት ዜተኣማመን መምርሒ ዚኸውን: ቅዱሳት ጽሑፋት ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሩ ይኣምን ነበረ። ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ ስነ-ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ምስ መርመሮ ግን ብዙሕ ዜጕሂ ነገር ረኸበ። ጸኒሑ: “እምነተይ ወይ ተስፋ ምድሓነይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒታት እተመርኰሰ ኽገብሮ ኸም ዘይክእል ሓሰብኩ” ኢሉ ጸሓፈ። ንእምነታቱ “በቲ መለክዒ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ” ገይሩ ኺልክዖ ስለ ዝወሰነ: ንሓፈሻዊ ኣርእስትታት ዚምልከት ዝርዝር ጥቕስታት ኪምዝግብን ካብዚ ድማ ኪጠቅስን ጀመረ።

ሎሚ ጆን ሚልተን በታ ፓራዳይዝ ሎስት (ዝጠፍአት ገነት) ዘርእስታ ሰብ ካብ ፍጽምና ብኸመይ ከም ዝወደቐ እትገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሳ እተዘንቱ ግጥሚ እዩ ኣጸቢቑ ዚዝከር። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 3) እዛ ፈለማ ብ1667 እተሓትመት ግጥሚ እያ ንሚልተን ብፍላይ ኣብ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ስሙይ ከም ዚኸውን ዝገበረቶ። ጸኒሑ ፓራዳይዝ ሪገይንድ (እተመልሰት ገነት) ዘርእስታ መቐጸልታኣ ኣሕተመ። እዘን ግጥምታት እዚኣተን ነቲ ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ንሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ፍጹም ህይወት ኪህልዎ ዝነበሮ ዕላማ: ከምኡውን ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ገነት ኣብ ምድሪ ኸም ዚመልስ ይሕብራ። ንኣብነት: ኣብታ ፓራዳይዝ ሎስት ዘርእስታ ግጥሚ: ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዚገብሮ ኺገልጽ ከሎ: “ዓስቢ ይህብ ንእሙናቱ: ናብ ፍስሃ ይቕበሎም: ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ: ከመይሲ ሽዑ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ: ካብቲ ኣብ ኤድን ዝነበረ ዚዛይድ ሓጐስ ዘለዋ ቦታ: ዝያዳ ሓጐስ ዘለወን መዓልትታት” ይብል።

ኣብ ክርስትያናዊ ሰረተ-እምነት

ሚልተን ንብዙሕ ዓመታት ብዛዕባ ክርስትያናዊ ህይወትን ሰረተ-እምነትን ሰፊሕ መግለጺ ዝሓዘ መጽሓፍ ኪጽሕፍ ይደሊ ነበረ። ብ1652 ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዓወረ: ጸሓፍቱ እናሓገዝዎ ኽሳዕ እታ ዝሞተላ 1674 ኣብዚ ዕዮ እዚ ብትግሃት ይዓዪ ነበረ። ሚልተን ነታ ናይ መወዳእታ ድርሰቱ: አ ተሬቲስ ኦን ክርስችያን ዶክትሪን ኮምፓይልድ ፍሮም ዘ ሆሊ ስክሪፕቸርስ ኣሎን (ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥራይ እተጠርነፈ ኣብ ክርስትያናዊ ሰረተ-እምነት ዘተኰረ ድርሰት) ዚብል ኣርእስቲ ሃባ። ኣብ መቕድሙ ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መብዛሕትኦም ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ . . . ዝጸሓፉ ደረስቲ: ነቲ ትምህርቶም ምሉእ ብምሉእ ዚምርኰሰሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ጥቕስታት ብሓጺር መወከሲ ምዕራፍን ቍጽርን ገይሮም ኣብ ሕድጋት እዮም ዚውግንዎ። ኣነ ግን ንጽሑፈይ ካብ ኵሉ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብእተወስደ ጥቕስታት ክጥርንቖ: ሕሉፍ ሓሊፈ እውን ጀርበብ ከብሎ እየ ጽዒረ።” ከምቲ ቓሉ ኸኣ: ኣብታ ኦን ክርስችያን ዶክትሪን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ልዕሊ 9,000 ሳዕ ጠቒሱ ኣሎ።

ሚልተን ርእይቶታቱ ንምግላጽ ድሕር ኢሉ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: ነዚ ድርሰት እዚ ኻብ ምሕታም ግን ተቘጠበ። ስለምንታይ፧ ብቐዳምነት እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መግለጺታት ካብቲ ቤተ-ክርስትያን እትቕበሎ ኣጸቢቑ ኸም ዚፍለ ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ንጉሳዊ ምምሕዳር እንደገና ብምቛሙ: ካብ መንግስቲ ሞገስ ኣይነበሮን። ስለዚ: ህድእ ዝበለ ግዜ ይጽበ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ድሕሪ ሞቱ: ጸሓፊኡ ነቲ ብላቲን ንሕትመት እተዳለወ ጽሑፉ ናብ ሓደ ሓታሚ እኳ እንተ ወሰዶ: ንሱ ግን ኪሓትሞ ፍቓደኛ ኣይኰነን። ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዓዲ እንግሊዝ: ነቲ ጽሑፍ ብምግባት ኣብ መዝገብ ኣስፈሮ። ሚልተን ዝጸሓፎ ድርሰት ቅድሚ ምሕታሙ ሓደ ዘመንን ፈረቓን ሓለፈ።

ብ1823 ሓደ ጸሓፊ: ሓደ ፍሉጥ ገጣሚ ዝጸሓፎ ዘይተሓትመ ጽሑፍ ረኸበ። ሽዑ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚገዝእ ዝነበረ ንጉስ ጆርጅ ራብዓይ እቲ ጽሑፍ ካብ ላቲን ተተርጒሙ ንህዝቢ ኪቐርብ ኣዘዘ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ብእንግሊዝኛ ምስ ተሓትመ: ኣብ ስነ-ሃይማኖታውን ስነ-ጽሑፋውን ዓውዲ ዓብዪ ኽርክር ኣበገሰ። ሓደ ኣቡን እሞ ኸኣ እቲ ብብዙሓት ሰባት እንግሊዝ ዘፍረየቶ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ ገጣሚ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ሚልተን: ነቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ኣትሪሩ ኺነጽጎ ኣይክእልን እዩ ኻብ ዚብል ግምት ተላዒሉ: እቲ ጽሑፍ ናይ ሓሶት ምዃኑ ተዛረበ። እቲ ተርጓሚ ኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዚለዓል ብምግማትን ሚልተን ከም ዝደረሶ ንምርግጋጽን ኢሉ: ኣብ እግረ-ጽሑፍ እቲ ሕታም እቲ ኣብ መንጎ ኦን ክርስችያን ዶክትሪን ከምኡውን ፓራዳይዝ ሎስት ዚርከብ 500 ምምስሳላት ዘርዘረ። a

እምነታት ሚልተን

ሚልተን ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ዓዲ እንግሊዝ ንተሓድሶ ፕሮተስታንት ተቐቢላን ካብ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ተፈልያን ነበረት። ፕሮተስታንት ብሓፈሻ ንእምነትን ንስነ-ምግባርን ዚምልከት ስልጣን ዘለዎ ቕዱሳት ጽሑፋት ጥራይ ደኣ እምበር: እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘይኰነ ይኣምኑ ነበሩ። ሚልተን ግን ኣብታ ኦን ክርስችያን ዶክትሪን ዘርእስታ ግጥሙ: ሓያሎ ትምህርትታትን ልምድታትን ፕሮተስታንት እውን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይሰማማዕ ምዃኑ ሓበረ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርኳስ: ነቲ ካልቪናውያን ዚኣምኑሉ ሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ ነጺጉ: ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዘሎና ገለጸ። ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ብብዝሒ ኣብ ጽሑፋቱ ብምጥቃም: ብኣኽብሮት ክንጥቀመሉ ኣተባብዐ።

ሚልተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምምርኳስ: ነፍሲ ሰብ ከም እትመውት ተማጐተ። ብዛዕባ ዘፍጥረት 2:7 ሓሳብ ኪህብ ከሎ: “ሰብ ብኸምዚ ምስ ተፈጥረ: ኣብ መወዳእታ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ ተባህለ። . . . ክልተ ነገር ዝሓቘፈ ወይ ዚፈላለ ነገር ዘለዎ ኣይኰነን: ከምቲ ብብዝሒ ዚእመነሉ ኸኣ ነፍስን ስጋን ካብ ዚበሃል ክልተ እተፈላለየ ንጹር ነገራት ኣይኰነን ተፈጢሩን ቈይሙን። ብኣንጻሩ ግን: ሰብ ኵለንተናኡ ነፍሲ እዩ: ነፍሲ ኸኣ ሰብ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ሚልተን: “ሰብ ኵለንተናኡ ድዩ ዚመውት ወይስ ስጋኡ ጥራይ፧” ኢሉ ሕቶ ሓተተ። ሰብ ኵለንተናኡ ኸም ዚመውት ዚሕብር እተፈላለየ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕስታት ድሕሪ ምቕራቡ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነፍሲ ኸም እትመውት ዜእምን እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኽጠቕሶ ዝኽእል መግለጺ ግን ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ህዝ[ቅኤል 18:]20 ዚርከብ ከምዚ ኢሉ እተዛረቦ እዩ:- እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት ሚልተን ነቶም ዝሞቱ ደቅሰብ ዘለዎም ተስፋ ኣብቲ ኻብ ሞት ዚረኽብዎ ትንሳኤ ኸም ዚምርኰስ ንምሕባር: ከም ሉቃስ 20:37 ከምኡውን ዮሃንስ 11:25 ዝኣመሰለ ጥቕስታት እውን ጠቒሱ እዩ።

ኣብቲ ኦን ክርስችያን ዶክትሪን ዘርእስቱ ጽሑፉ ሓያል ምስሕሓብ ዘበገሰ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ: ካብቲ ኣቦ ዝዀነ ኣምላኽ ዚትሕት ምዃኑ ዚሕብር ቀሊል ግን ከኣ ሓያል መጽሓፍ ቅዱሳዊ መርትዖ እዩ። ሚልተን ዮሃንስ 17:3 ኸምኡውን ዮሃንስ 20:17 ድሕሪ ምጥቃሱ: “ኣቦ ንክርስቶስ ኣምላኹን ንዓና ኣምላኽናን እንተ ዀይኑ: ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ከኣ እንተ ኣልዩ: ኣቦ እንተ ዘይኰይኑ መን እሞ እዩ ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል፧” በለ።

ብተወሳኺ: ሚልተን ከምዚ በለ:- “ወዲ ንባዕሉን ሃዋርያቱን ኣብ ኵሉ እቲ እተዛረብዎን ዝጸሓፍዎን: ኣቦ ብዅሉ ነገራት ካብ ወዲ ኸም ዚዓቢ ኣፍልጦ ሂቦም እዮም።” (ዮሃንስ 14:28) “እወ: ክርስቶስ እዩ ኣብ ማቴ. 26:39 ከምዚ ዝበለ:- ኣቦይ: ዚከአል እንተ ዀይኑስ: እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር: ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። . . . ንሱ ንባዕሉ ብሓቂ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ: ስለምንታይ እዩ ናብ ርእሱ ዘይኰነስ ናብ ኣቦ ጥራይ ዝጸለየ፧ ንሱ ንባዕሉ ሰብን ልዑል ኣምላኽን እንተ ዀይኑ: ነቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዘሎ ነገር ስለምንታይ እዩ ዝጸለየ፧ . . . ከምቲ ወዲ ኣብ ኵሉ ቦታ ንኣቦ ጥራይ ዘፍቀሮን ዘኽበሮን: ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር መሃረና።”

ሚልተን ዝነበሮ ድሩትነት

ጆን ሚልተን ሓቂ ይደሊ ነበረ። ይኹን እምበር: ዓቕሙ ድሩት ነበረ: ገለ ኻብቲ ኣረኣእያታቱ ኸኣ ብሕማቕ ተመክሮታት እተጸልወ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ድሕሪ ምምርዓዉ ነዊሕ ከይጸንሐ: እታ ንእሽቶ ጓል ጕልተኛ ዝነበረት መርዓቱ: ጠንጢናቶ ንሰለስተ ዓመት ናብ ስድራቤታ ተመልሰት። ኣብቲ ግዜ እቲ ሚልተን: ፍትሕ ከምቲ የሱስ ዝሰርዖ ብምኽንያት ዝሙት ጥራይ ዘይኰነስ: እንተ ዘይተሳኒኻ እውን ኪፍቀድ ከም ዘለዎ ዚጣበቕ ፓምፍለታት ጸሓፈ። (ማቴዎስ 19:9) ኣብታ ኦን ክርስችያን ዶክትሪን እውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ጠቐሰ።

ሚልተን ጕድለታት እኳ እንተ ነበሮ: ኦን ክርስችያን ዶክትሪን ግን ኣብ ሓያሎ ኣገዳሲ ትምህርትታት ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ እያ ብጽቡቕ እተንጸባርቕ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ: እቲ ድርሰቱ ንኣንበብቱ እምነቶም ምስቲ ዘይጋገ መለክዒ ዝዀነ ቕዱሳት ጽሑፋት ብምንጽጻር ኪልክዕዎ እዩ ዚድርኾም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ1973 ዩኒቨርሲቲ የል ዘሕተሞ ሓድሽ ትርጕም እቲ ኦን ክርስችያን ዶክትሪን ነቲ ሚልተን ኣብቲ በዅሪ ላቲን ጽሑፉ ዘዳለዎ ሓሳባት ብዝሓሸ መገዲ የነጽሮ እዩ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሚልተን ንፉዕ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ነበረ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of The Early Modern Web at Oxford

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እታ “ፓራዳይዝ ሎስት” ዘርእስታ ግጥሚ ንሚልተን ስሙይ ገበረቶ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of The Early Modern Web at Oxford

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሚልተን ዝጸሓፋ ናይ መወዳእታ ጽሕፍቲ ን150 ዓመት ጠፊኣ ነበረት

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Image courtesy of Rare Books and Special Collections, Thomas Cooper Library, University of South Carolina

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Image courtesy of Rare Books and Special Collections, Thomas Cooper Library, University of South Carolina