ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ዕላማ ኣምላኽ ምስዓብ

ሎሚ ዕላማ ኣምላኽ ምስዓብ

ሎሚ ዕላማ ኣምላኽ ምስዓብ

“እቶም ዘለዉ . . . ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: [ክርስቶስ] ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።”—2 ቈረንቶስ 5:15

1. ሓደ ሚስዮናዊ ኣብቲ እተመደበሉ ቦታ ዘጋጠሞ ተመክሮ ኣዘንቱ።

 ሓደ ኣሮን ዝስሙ ሚስዮናዊ “ድሕሪ ዂናት ሓድሕድ: ካብተን ናብቲ ግሉል ኣቝሻት ኣፍሪቃ ዝኣተዋ ናይ ብሕቲ መኪና ናትና ናይ መጀመርታ ነበረት” ብምባል ተዘክሮኡ ገለጸ። a ቀጺሉ ድማ ከምዚ በለ:- “ምስታ ኣብኡ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ዝነበረ ርክብ ተቛሪጹ ነበረ: ነቲ እቶም ኣሕዋት ዜድልዮም ነገራት ከነማልኣሎም ድማ ነበረና። ምግቢ: ክዳን: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት: እንተላይ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ዘ ኦርጋናይዘሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ዘርእስታ ቪድዮ ሒዝና ኸድና። b ብዙሓት ተገዳስነት ዝሓደሮም ሰባት ነዛ ቪድዮ ኺርእዩ ናብታ ናይቲ ቝሸት ‘ትያትር’ ዝዀነት ኣብ ውሽጣ ቪድዮ ሪኮርደርን ቲቪን ዝነበራ ዓባይ ኣጕዶ ይውሕዙ ስለ ዝነበሩ: ክልተ ሳዕ ከነርእዮም ነበረና። እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ እትረኣየሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን: ብዙሓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ዚድልዩ ረኸብና። ስለዚ: እቲ ዅሉ ጻዕርታትና ዋጋ ነበሮ።”

2. (ሀ) ክርስትያናት ንህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ኬውዕልዋ ቘራጽነት ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ኣሮንን ብጾቱን ከምዚ ዝበለ ኣሸጋሪ መዝነት ዝወሰዱ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ: ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ሞሳ ስለ ዘለዎም: ርእሶም ንኣምላኽ ወፍዮም እዮም፣ ነዚ ኸኣ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብዚቃዶ መገዲ እዮም ኪጥቀሙሉ ዚደልዩ። ልክዕ ከም ኣሮንን ብጾቱን: ኵሎም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት “ንርእሶም” ዘይኰነስ: “ምእንቲ ወንጌል” ዚከኣሎም ዘበለ ዅሉ ኺገብሩ ቘራጽነት ገይሮም እዮም። (2 ቈረንቶስ 5:15፣ 1 ቈረንቶስ 9:23) እዚ ስርዓት እዚ ኺዛዘም ከሎ: እቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ገንዘብን ዝናን ዋጋ ዘይብሉ ኸም ዚኸውን ይፈልጡ እዮም። ስለዚ: ነቲ ዘለዎም ህይወትን ጽቡቕ ጥዕናን ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብዚሳነ መገዲ ኺጥቀሙሉ እዮም ዚደልዩ። (መክብብ 12:1) ንሕናኸ ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምዚ ንምግባር ዜድልየና ትብዓትን ብርታዐን ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧ ከመይ ዝበለ መዳያት ኣገልግሎትከ እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ፧

ቀጻልን ግብራውን ስጕምቲ ምውሳድ

3. ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እንታይ መሰረታዊ ነገራት ዜጠቓልል እዩ፧

3 ነቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣብ መላእ ህይወቶም ዚፍጽምዎ ሓላፍነት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ በቲ መሰረታዊ ዚበሃል ስጕምትታት እዩ ዚጅምር፣ እዚ ስጕምትታት እዚ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ምምዝጋብ: መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ: ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋል: ከምኡውን ናብ ጥምቀት ምብጻሕ እዩ። ዕቤት እናገበርና ምስ ከድና: ነተን ሃዋርያ ጳውሎስ “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ኢሉ እተዛረበን ቃላት ንዝክረን ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) ከምዚ ዝበለ ዕቤት ንርእስኻ ንምኽባር ኢልካ ዚግበር ዘይኰነስ: ፍቓድ ኣምላኽ ብዘይ ስስዐ ንምፍጻም ከም ዝቘረጽና ዜርኢ እዩ። ከምዚ ዝበለ መገዲ ብምስዓብ: ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ጕዳያት ህይወትና ንስጕምትታትና ንኺመርሖ ንፈቕደሉ፣ ንሱ ድማ ካብቲ ንሕና ኽንገብሮ እንኽእል ብዝያዳ ጽቡቕ ገይሩ ይመርሓና።—መዝሙር 32:8

4. ከመይ ጌርና ኢና ዘየድሊ ፍርሂ ኸነወግድ እንኽእል፧

4 ይኹን እምበር: ምጥርጣርን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ኣዚኻ ምጭናቕን: ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ዕቤት ንኸይንገብር ዕንቅፋት ኪዀነና ይኽእል እዩ። (መክብብ 11:4) ስለዚ: ንኣምላኽን ንኻልኦትን ብምግልጋል ናይ ሓቂ ሓጐስ ቅድሚ ምርካብና: ብቐዳምነት ነቲ ዘሎና ፍርሂ ኸነሰንፎ ኣሎና። ንኣብነት: ኤሪክ ኣብቲ ቛንቋ ወጻኢ ዚዝረበሉ ጉባኤ ኼገልግል ሓሰበ። ይኹን እምበር: ‘መርሓባ ኢሎም ይቕበሉኒዶ ይዀኑ፧ ነቶም ኣሕዋት እፈትዎም ደዀን እኸውን፧ ንሳቶምከ ይፈትዉኒ ደዀን ይዀኑ፧’ ኢሉ ተጨነቐ። ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ኣብ መወዳእታ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቶም ኣሕዋት ክሓስብ ከም ዘሎኒ ተረዳእኩ። ዳግማይ ከይጭነቕን ነቲ ኽገብሮ ዝኽእል ነገራት ብዘይ ስስዐ ኽገብሮን ወሰንኩ። ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምጽላይ ድማ ኣብ መደበይ ጸናዕኩ። ሕጂ ብኣገልግሎተይ ኣዝየ ሕጉስ እየ።” (ሮሜ 4:20) እወ: ንኣምላኽን ንኻልኦት ሰባትን ብዘይ ስስዐ እንተ ኣገልጊልናዮም: ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ኢና።

5. ንዕላማ ኣምላኽ ክንስዕብ ከለና: ብጥንቃቐ መደብ ምውጻእ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምሳሌ ሃብ።

5 ንዕላማ ኣምላኽ ብዕዉት መገዲ ንምስዓብ: ንስጕምትታትና ብጥንቃቐ መደብ ከነውጽኣሉ ኣሎና። ባርያ እዚ ስርዓት እዚ ኸም እንኸውን ካብ ዚገብረናን ዕዮ ኣምላኽ ንኸይንፍጽም ናጽነትና ኻብ ዚኽልክለናን ዕዳታት ምርሓቕና ጥበባዊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ” ኢሉ የዘኻኽረና። (ምሳሌ 22:7) ኣብ የሆዋ ምውካልን ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብን ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ብዚግባእ ንኸነተኵረሉ ይሕግዘና። ንኣብነት: ግዎሚንግን ክልተ ኣሓቱን ክራይ ገዛ ኽቡር ኣብ ዝዀነሉን ቀዋሚ ስራሕ ክትረክብ ኣብ ዜጸግመሉን ከባቢ ምስ ኣዲኦም እዮም ዚነብሩ። ኵሎም ስራሕ ዘይብሎም እኳ እንተ ዀኑ: ነታ ዚረኽብዋ ገንዘብ ብጥንቃቐ ብምጥቃምን ንወጻኢታቶም እናተሓጋገዙ ብምሽፋንን ይነብሩ። ግዎሚንግ: “ኵልና ኣታዊ ዘይንረኽበሉ ግዜ ኣሎ። ኰይኑ ግን: ፈለምቲ ዄንና እናኣገልገልና ንኣዴና ኽንከናኸና ንኽእል ኢና። ኣዴና ድማ ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ ንኽትነብር ኢላ ነቲ መንፈሳዊ ዕዮና ንኽንሓድጎ ስለ ዘይትደሊ: ኣዚና ኢና ነመስግና” በለ።—2 ቈረንቶስ 12:14፣ እብራውያን 13:5

6. ንህይወትና ምስ ዕላማ ኣምላኽ ከነሰማምዓ ኸም እንኽእል ዚሕብር እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

6 ብቝጠባዊ ይኹን ብኻልእ ዓይነት ዓለማዊ ጕዳይ ትሑዝ እንተ ዄንካ: ንዕላማ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ዓብዪ ምትዕርራያት ክትገብር ኣሎካ። ከምዚ ዝበለ ለውጢ ብቕጽበት ኣይኰነን ዚግበር: ኣብቲ ብመጀመርታ እትገብሮ ፈተነ እንተ ተጋጊኻ ድማ ከም ውድቀት ጌርካ ኣይትቝጸሮ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ምዝንጋዕ ብዙሕ ግዜ ዜጥፍእ ዝነበረ ኮይቺ ንውሰድ። ኰተቴ ኸሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ገበረ: ንብዙሕ ዓመታት ግን ጸወታታት ቪድዮ ንህይወቱ ተቘጻጺርዎ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንርእሱ: ‘እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧ ሕጂ ኣብ 30ታት ዕድሜኻ በጺሕካ ኣለኻ: ኣብ ህይወተካ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ዕላማ ዘለዎ ነገር ኣይትገብርን ኢኻ ዘለኻ!’ በላ። ከም ብሓድሽ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ: ነቲ እታ ጉባኤ ዝገበረትሉ ሓገዝ ድማ ተቐበለ። እቲ ዝገበሮ ለውጥታት በብቝሩብ እኳ እንተ ነበረ: ፈጺሙ ግን ኣይተሓለለን። ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምጽላዩን ካብ ካልኦት ፍቕራዊ ሓገዝ ድሕሪ ምርካቡን: ካብቲ ዝነበሮ ወልፊ ናጻ ዀነ። (ሉቃስ 11:9) ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ብሓጐስ የገልግል ኣሎ።

ሚዛንካ ሓሉ

7. ዕዮ ኣምላኽ ኣብ ምዕያይ ሚዛንና ኽንሕሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ዕላማ ኣምላኽ ንምስዓብ: ብምሉእ ነፍስና ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ልግመኛታት ወይ ሃካያት ክንከውን የብልናን። (እብራውያን 6:11, 12) ኰይኑ ግን: የሆዋ ኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: ወይ ስምዒታዊ ሓይልና ኽሳዕ ዚጽንቀቕ ክንዓዪ ኣይደልየናን እዩ። ንዕዮ ኣምላኽ ብሓይልና ኽንፍጽሞ ኸም ዘይንኽእል ብትሕትና ኣፍልጦ ምሃብና: ንዕኡ ኽብሪ የምጽኣሉ ኸምኡውን ሚዛናውያን ምዃንና የርኢ። (1 ጴጥሮስ 4:11) የሆዋ ነቲ ፍቓዱ ኽንገብር ዜድልየና ብርታዐ ኸም ዚህበና መብጽዓ እኳ እንተ አተወ: ነቲ ኽንገብሮ ዘይጽበየና ነገራት ክንገብር ኢልና ግን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽጽዕር የብልናን። (2 ቈረንቶስ 4:7) ንገዛእ ርእስና ኸይወጻዕና ንኣምላኽ ንምግልጋል: ንሓይልና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣሎና።

8. ሓንቲ ክርስትያን መንእሰይ ንየሆዋን ነዛ ዓለምን እተኻእላ ኽትገብር ብምፍታና እንታይ ኣጋጠማ፧ እንታይ ምትዕርራያትከ ገበረት፧

8 ንኣብነት: እታ ኣብ ምብራቕ እስያ እትነብር ጂ ሀ: ከቢድ ዕዮ እናዓየየት ክነሳ: ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነበረት። “ንየሆዋን ነዛ ዓለምን እተኻእለኒ ዅሉ ኽገብር እጽዕር ነበርኩ፣ ይኹን እምበር: ሓሙሽተ ሰዓት ጥራይ እየ ዝድቅስ ነይረ። ኣብ መወዳእታ: ኵሉ እቲ ንሓቂ ዝነበረኒ ኣእምሮኣዊ ሓይሊ ተጸንቀቐ: መንፈሳዊ ነገራት ድማ ብዙሕ ኣየሐጕሰንን እዩ ነይሩ” በለት። ንየሆዋ ‘ብምሉእ ልባን ብዅሉ ነፍሳን ብዅሉ ሓሳባታን ብዅሉ ሓይላን’ ንኸተገልግሎ: ብዙሕ ጕልበት ዘይሓትት ስራሕ ከተናዲ ጀመረት። (ማርቆስ 12:30) ከምዚ በለት:- “ቤተሰበይ ብዙሕ ገንዘብ ንኽእክብ ጸቕጢ የውርዱለይ እኳ እንተ ነበሩ: ንዕላማ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ኽህብ እጽዕር ነበርኩ። ነቲ መሰረታዊ ዜድልየኒ ነገራት: ማለት ንኸም እኒ ኽዳን ዝኣመሰለ ዚኸውን ገንዘብ እረክብ እየ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እኹል ድቃስ ምርካበይ ባህ ይብለኒ እዩ! ብኣገልግሎተይ ሕጕስቲ እየ: ብመንፈሳዊ ድማ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ድልድልቲ እየ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት: ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዚስሕብን ከም እተስግል ዚገብርን ነገራት ግዜ ስለ ዘይብለይ እዩ።”—መክብብ 4:6፣ ማቴዎስ 6:24, 28-30

9. እቲ እንገብሮ ጻዕሪ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ዚጸልዎም ብኸመይ እዩ፧

9 ኵሉ ሰብ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ዀይኑ ንኣምላኽ ኬገልግል ኣይክእልን እዩ። ምስ ምድፋእ ዕድመ: ምስ ሕማም: ወይ ምስ ካልእ ዓይነት ዓቕምኻ ዚድርት ጸገማት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ ግን: የሆዋ ነቲ ተኣማንነትካ ኸምኡውን ነቲ ብምሉእ ልብኻ እትገብሮ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ዘክር። (ሉቃስ 21:2, 3) እቲ እንገብሮ ጻዕሪ ድሩት እውን እንተ ዀነ: ነቲ ኣብ ካልኦት ሰባት ዜሕድሮ ጽልዋ ኣትሒትና ኽንርእዮ የብልናን። ንኣብነት: ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ዃሕኲሕና ኽነስና: ንመልእኽትና ዚቕበል ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ግን ስኢንና ንበል። ድሕሪ ምኻድና: ዋላኳ ዝዀነ ይኹን ሰብ እንተ ዘይሰምዓና: እቶም ሰብ ቤት ግን ብዛዕባ እቲ ዝገበርናዮ ምብጻሕ ንሰዓታት ወይ ንመዓልትታት ይዛረቡ ይዀኑ! ኵሉ እቲ ነቲ ብስራት ዝሰምዐ ሰብ ብጽቡቕ ይቕበለና እዩ ማለት ኣይኰን: ገሊኦም ግን ይቕበሉና እዮም። (ማቴዎስ 13:19-23) ገሊኦም ድማ ኵነታት ዓለም ወይ ኵነታት ህይወቶም ድሕሪ ምቕያሩ ይሰምዑና ይዀኑ። በዚ ዀነ በቲ: ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዚከኣለና ኽንገብር ከለና: ዕዮ ኣምላኽ ኢና እንዓዪ። ከመይሲ: “መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና።”—1 ቈረንቶስ 3:9

10. ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም ሰባት ዚኸውን ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚታት እዩ ተኸፊቱ ዘሎ፧

10 ብተወሳኺ እውን: ኵልና ንኣባላት ስድራቤትናን ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። (ገላትያ 6:10) እቲ ኣብ ካልኦት እነሕድሮ ሰናይ ጽልዋ: ዓሚቝን ነባርን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መክብብ 11:1, 6) ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንሓላፍነቶም ብትግሃት እንተ ፈጺሞም: ኣብ መንፈሳዊ ጥዕናን ድልዳለን እታ ጉባኤ እጃሞም የበርክቱ: ክርስትያናዊ ንጥፈታት ድማ ይውስኽ። ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ እንተ ዄንና: ጻዕርና ‘ኸንቱ ኸም ዘይከውን’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 15:58

ዕላማ ኣምላኽ ከም ሞያኻ ጌርካ ምስዓብ

11. ምስታ ጉባኤና ኣብ ርእሲ ምግልጋልና: እንታይ ካልእ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧

11 ከም ክርስትያናት መጠን: ንህይወት ነፍቅራ ኢና: ዝዀነ ይኹን እንገብሮ ነገራት ድማ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብሮ ኢና እንደሊ። (1 ቈረንቶስ 10:31) ንርእስና ብተኣማንነት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ሰባት ንዅሉ ትእዛዛት የሱስ ንኺሕልዉ ኣብ ምምሃርን ምስ እንውፍያ: ብዙሕ በረኸት ዜምጽኣልና ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚታት ኪኽፈተልና እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ምስታ ጉባኤና ኣብ ርእሲ ምግልጋልና: ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ: ማለት ኣብ ካልእ ክሊ: እተፈልየ ቛንቋ ኣብ እትዛረብ ጉባኤ: ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚታት እውን ኣሎ። ብቕዓት ዘለዎም ንጽል ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ኺካፈሉ ይጽውዑ ይዀኑ፣ ብድሕሪኡ: ኣብተን ሓገዝ ብሱላት ክርስትያናት ዜድልየን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገራት ዚርከባ ጉባኤታት የገልግሉ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር እውን ብቑዓት እንተ ዀይኖም: ኣብ ጊልዓድ ሚስዮናውያን ንኪዀኑ ስልጠና ኺወስዱ ይኽእሉ እዮም: ኣብ ወጻኢ ሃገር ተመዲቦም ድማ የገልግሉ። ኣብ ርእሲ እዚ: ነቲ ኣብ ቤትኤል ዚዕየ ዕዮ ኸምኡውን ንቦታታት ኣምልኾን ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ንምህናጽን ንምጽጋንን ዚግበር እተፈላለየ ዕዮ ዚዓዩ ወለንተኛታት ብቐጻሊ ይድለዩ ኣለዉ።

12, 13. (ሀ) ኣበየናይ መዳይ ኣገልግሎት ከም እተገልግል ክትውስን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) ኣብ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ዚርከብ ተመክሮ: ኣብ ካልእ ብኸመይ ከም ዚጠቅም ዚገልጽ ኣብነት ሃብ።

12 ኣበየናይ መዳይ ኣገልግሎት ኢኻ ኸተገልግል እትደሊ፧ ርእስኻ ዝወፈኻ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸም ምዃንካ መጠን: ኵሉ ሳዕ መምርሒ ንምርካብ ኣብኡን ኣብ ውድቡን ተወከል። እቲ ‘ጽቡቕ መንፈሱ’ ቕኑዕ ውሳነ ንኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ። (ነህምያ 9:20) መብዛሕትኡ ግዜ: ኣብ ሓደ ምደባ እንመሃሮ ነገር ኣብ ካልእ ምደባ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ: ኣብ ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ዚርከብ ተመክሮን ክእለትን ድማ ኣብ ካልእ ምደባ ኺጠቅም ይኽእል እዩ።

13 ንኣብነት: ደኒስን ጄኒ ሰበይቱን ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ እዮም ዚካፈሉ። እቲ ካትሪና ዚበሃል ህቦብላ ንደቡባዊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ኣዕነወ: ኣብ ዕዮ ረድኤት ኪሰርሑ ወለንተኛታት ኰኑ። ደኒስ ከምዚ በለ:- “ነቲ ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘጥረናዮ ኽእለት ተጠቒምና: ንኣሕዋትና ብምሕጋዝና ዓብዪ ሓጐስ ኣምጸኣልና። እቶም ዝሓገዝናዮም ሰባት ዘርኣይዎ ሞሳ: ብሓቂ ንልብና ተንኪፍዎ እዩ። ካልኦት ረድኤት ዚህቡ ጕጅለታት ኣብቲ ዳግመ-ህንጻ ብዙሕ ኣይተዓወቱን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ልዕሊ 5,300 ዚኸውን ኣባይትን ብዙሕ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ጸጊኖምን ሃኒጾምን ነበሩ። ሰባት ነዚ ምስ ረኣዩ: ኣብቲ መልእኽትና ዝያዳ ተገዳስነት ኣሕደሩ።”

14. ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትጅምር እንተ ደሊኻ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

14 እሞኸ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ሞያ ጌርካ ብምምራጽ ንዕላማ ኣምላኽ ክትስዕብ ትኽእል ዲኻ፧ ትኽእል እንተ ዄንካ: ብዙሕ በረኸት ከም እትረክብ ርግጸኛ ኹን። እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታትካ ኸምዚ ኽትገብር ዘይፈቕደልካ እንተ ዀይኑ: ምናልባት ምትዕርራያት ክትገብር የድልየካ ይኸውን። ከምቲ ነህምያ ኣዝዩ ረዚን ሓላፍነት ኪስከም ምስ ደለየ ዝገበሮ: “ዎ ጐይታይ: በጃኻ: . . . ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉ” ኢልካ ጸሊ። (ነህምያ 1:11) ብድሕሪኡ: ኣብቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ብምውካል: ምስቲ ጸሎትካ ዚሰማማዕ ስጕምቲ ውሰድ። (መዝሙር 65:2) የሆዋ ነቲ ንዕኡ ብዝያዳ ንኸተገልግሎ እትገብሮ ጻዕሪ ንኺባርኾ: ፈለማ እቲ ጻዕሪ ኻባኻ ኺጅምር ኣለዎ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽትጅምር ምስ ወሰንካ: ካብቲ ውሳነኻ ፈልከት ኣይትበል። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ተመክሮኻ ኺዓቢ እዩ: ሓጐስካ እውን ኪውስኽ እዩ።

ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ህይወት

15. (ሀ) ነቶም ንኣምላኽ ንነዊሕ ግዜ ዘገልገልዎ ሰባት ብምዝርራብን ብዛዕባኦም ዚገልጽ ጽሑፍ ብምንባብን ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ሓደ ብፍላይ ዘተባብዓካ ታሪኽ ህይወት ጥቐስ።

15 ዕላማ ኣምላኽ ብምስዓብ እንታይ ውጽኢት እትረክብ ይመስለካ፧ ምስቶም ንየሆዋ ንነዊሕ ግዜ ዘገልገልዎ: ብሕልፊ ድማ ምስቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ነዊሕ ግዜ ዘሕለፉ ሰባት ተዘራረብ። ከመይ ዝበለ ዜዕግብን ዕላማ ዘለዎን ህይወት ኰን እዮም ዚነብሩ! (ምሳሌ 10:22) ኣብቲ ኣጸጋሚ ዚበሃል ኵነታት እውን ከይተረፈ: የሆዋ ብኸመይ ነቲ ዜድልዮም ነገራትን ካብኡ ንላዕልን ከም ዝሃቦም ኪነግሩኻ እዮም። (ፊልጲ 4:11-13) መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ 1955 ክሳዕ 1961 ኣብ ዘሎ ግዜ: “ዕላማ ህይወተይ ምስዓብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ: ተኸታታሊ ታሪኽ ህይወት እሙናት ሰባት ሒዛ ወጺኣ ነበረት። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ብኣማእታት ዚቝጸር ታሪኽ ህይወት ተሓቲሙ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ታሪኽ ህይወት: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ቅንኣትን ሓጐስን ዜንጸባርቕ እዩ። ከምዚ ዝበለ ዜነቓቕሕ ታሪኽ ህይወት ምንባብ: ‘ኣነ እውን ከምዚ ዝበለ ህይወት እየ ኽነብር ዝደሊ’ ኸም እትብል ኪገብረካ እዩ።

16. ንህይወት ሓደ ክርስትያን ዕላማን ሓጐስን ከም ዚህልዎ ዚገብር እንታይ እዩ፧

16 እቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዝነበረ ኣሮን ከምዚ በለ:- “ኣብ ኣፍሪቃ ኸለኹ: ምስቶም ዕላማ ህይወት ደልዮም ኣብታ ዓዲ ዀለል ዚብሉ መንእሰያት ተራኺበ ነይረ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ህይወቶም ዕላማ ኣይረኸቡን። ንሕና ግን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምዝርጋሕ: ኣዝዩ ዜደንቕን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ንነብር ኣሎና። ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ኸም ዜሐጕስ ከኣ ብዓይንና ርኢናዮ ኢና።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

17. ሎሚ ዕላማ ኣምላኽ ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ንስኻኸ፧ እንታይ ዓይነት ሸቶ ኢኻ ትስዕብ ዘለኻ፧ ንጹር ዝዀነ መንፈሳዊ ሸቶ ዘይብልካ እንተ ዀይኑ: ካልእ ዓይነት ሸቶ ኽትስዕብ ክትጅምር ኢኻ። ስለምንታይ ግን ነዛ ኽብርቲ ህይወትካ ኣብዚ ዚጭበጥ ዘይብሉ ስርዓት ሰይጣን ተባኽና፧ ድሕሪ ቐረባ እዋን: እቲ ዓብዪ “መከራ” ምስ መጸ: ስጋዊ ሃብትን ዓለማዊ መዓርግን ዋጋ ኣይኪህልዎን እዩ። ሽዑ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እዩ ዜገድስ። ንኣምላኽን ንኻልኦት ሰባትን ምሉእ ብምሉእ ብምግልጋልና ኸምኡውን ኣብ ህይወትና ዕላማ ኣምላኽ ምስዓብና ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ሓጐስ ዜምጽኣልና!—ማቴዎስ 24:21፣ ራእይ 7:14, 15

[እግረ-ጽሑፋት]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሆዋ ብዛዕባ እቲ ናብኡ እነቕርቦ ኣገልግሎት እንታይ ይስምዖ፧

• ግብራዊ ምዃንን ሚዛንካ ምሕላውን ንኣምላኽን ንኻልኦትን ኣብ ምግልጋል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• ከመይ ዝበለ ንኣገልግሎት ዚኸውን ኣጋጣሚታት እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ፧

• ሎሚ ናይ ሓቂ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ክንመርሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሲ ምግልጋል ምእንቲ ኽንቅጽል ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

እተፈላለየ ዓይነት ቅዱስ ኣገልግሎት ኣሎ