ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ሃብታም መራሒ ሕማቕ ምርጫ ገበረ

ሓደ ሃብታም መራሒ ሕማቕ ምርጫ ገበረ

ሓደ ሃብታም መራሒ ሕማቕ ምርጫ ገበረ

እቲ ሃብታም ዝነበረ መንእሰይ መራሒ: ቅኑዕን ሕጊ ዜኽብርን ሃይማኖታውን ሰብ ነበረ። ናብ የሱስ መጺኡ ድማ ብብርኩ ተምበርኪኹ “ኣታ ሄር መምህር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ: እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ።

የሱስ ነቲ ጐበዝ ህይወት ንኺረክብ ንትእዛዛት ኣምላኽ ኪሕሉ ኸም ዘለዎ ነገሮ። እቲ ሃብታም መራሒ ነዚ ትእዛዛት ፈልዩ ንኺነግሮ ንየሱስ ምስ ሓተቶ: “ኣይትቕተል: ኣይትዘሙ: ኣይትስረቕ: ብሓሶት ኣይትመስክር: ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ” በሎ። እዘን መሰረታውያን ትእዛዛት እዚኣተን ኣብቲ ንሙሴ እተዋህቦ ሕጊ እተጠቓለላ እየን ነይረን። ብድሕርዚ: እቲ ሰብኣይ: “እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ አሎኹ: እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ፧” በሎ።—ማቴዎስ 19:16-20

የሱስ ከኣ “ፈተዎ”: ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ: ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዐበኒ” በሎ።—ማርቆስ 10:17-21

እቲ ሃብታም መራሒ ኸቢድ ውሳነ ንኺገብር ዜገድዶ ሃንደበታዊ ሕቶ እዩ ነይሩ። እንታይ እንተ ገበረ ደኣ እሞ ይሓይሽ፧ ነቲ ስጋዊ መዝገብ ብምሕዳግ ሰዓቢ ክርስቶስ ድዩ ኪኸውን ወይስ ነቲ መዝገቡ እዩ ኺመርጽ፧ ኣብ ምድሪ ንዘሎ መዝገብ ድዩ ወይስ ኣብ ሰማይ ንዘሎ መዝገብ እዩ ኺስዕብ፧ ነየናይ ከም ዚመርጽ ሓርቢትዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንመንፈሳዊ ስርዓታት ተገዳስነት ነይርዎ እዩ፣ ከመይሲ: ነቲ ሕጊ ይሕሉ ነበረ: ስምረት ኣምላኽ ንኺረክብ እንታይ ተወሳኺ ኺገብር ከም ዘለዎ ድማ ሓተተ። እሞኸ እንታይ ውሳነ ገበረ፧ “ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ: እናጐሀየ ኸደ።”—ማርቆስ 10:22

እዚ መንእሰይ መራሒ ዝገበሮ ውሳነ ጥበባዊ ኣይነበረን። እሙን ሰዓቢ ክርስቶስ እንተ ዚኸውን ነይሩ: ነቲ ዜናድዮ ዝነበረ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምረኸበ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጠሞ ነገር ኣይንፈልጥን ኢና። ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት: ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌምን ንመብዛሕትኡ ይሁዳን ከም ዘባደምዎ ግን ንፈልጥ ኢና። ሓያሎ ኣይሁድ ሃብቶምን ህይወቶምን ስኢኖም እዮም።

ሃዋርያ ጴጥሮስን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ግን ከምቲ መንእሰይ መራሒ ዘይኰነስ: ጽቡቕ ምርጫ እዮም ገይሮም። ‘ንዅሉ ሓዲጎም’ ንየሱስ ሰዓብዎ። እዚ ውሳነ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ጠቒምዎም! የሱስ ካብቲ ዝሓደግዎ ነገር ብዕጽፍታት ዚዛይድ ከም ዚረኽቡ ነገሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪወርሱ እዮም። እቲ ዝገበርዎ ውሳነ ደሓር ፈጺሞም ዘይጠዓሱሉ እዩ ነይሩ!—ማቴዎስ 19:27-29

ኣብ ህይወትና ዓብዪ ወይ ንእሽቶ ውሳነ ኽንገብር ዜድልየሉ ዅነታት የጋጥመና እዩ። የሱስ ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ውሳነ እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧ ነዚ ምኽሪኸ ኽትቅበሎ ዲኻ፧ እንተ ተቐቢልካዮ: ብዙሕ ዓስቢ ኽትረክብ ኢኻ። ቀጺልና እስከ ንየሱስ ብኸመይ ከም እንስዕቦን ካብቲ ዝበሎ ብኸመይ ከም እንጥቀምን ንርአ።