ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትርጕም ዘለዎ ዕላማ ህይወት ምስዓብ

ትርጕም ዘለዎ ዕላማ ህይወት ምስዓብ

ትርጕም ዘለዎ ዕላማ ህይወት ምስዓብ

“ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ።”—መዝሙር 150:6

1. ሓደ መንእሰይ ኣብ ህይወቱ ዕላማ ንምርካብ ብዛዕባ ዝገበሮ ጻዕሪ ግለጽ።

 ሓደ ሰንግ ጂን ዝስሙ ኣብ ኮርያ ዝዓበየ ሰብኣይ ከምዚ በለ:- a “ህይወተይ ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ክጥቀመላ ስለ ዝደለኹ: ሕክምና ተመሃርኩ። እቲ ሓኪም ብምዃን ዝረኽቦ ዝናን ገንዘብን ሕጉስ ዚገብረኒ ዀይኑ ድማ ተሰምዓኒ። ሓደ ሓኪም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኪገብሮ ዚኽእል ነገር ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ምስ ተረዳእኩ ግን: ብዙሕ ጐሃኹ። ብድሕርዚ ስነ-ጥበብ ጀመርኩ፣ እቲ ስነ-ጥበባዊ ምህዞታተይ ግን ንኻልኦት ሰባት ብዙሕ ስለ ዘይጠቕሞም: ናይ ርእሰይ ሓጐስ ጥራይ ዝደሊ ዘለኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ነዚ ሓዲገ ድማ መምህር ኰንኩ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን: ሓበሬታታት ጥራይ እምበር: ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪመርሕ ዚኽእል መምርሒ ኽህብ ከም ዘይክእል ተረዳእኩ።” ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚገብርዎ: ሰንግ ጂን እውን ኣብ ህይወቱ ትርጕም ዘለዎ ዕላማ የናዲ ነበረ።

2. (ሀ) ኣብ ህይወትካ ዕላማ ምህላው ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ፈጣሪ ኣብ ምድሪ ኼንበረና ኸሎ ዕላማ ኸም ዝነበሮ ብኸመይ ንፈልጥ፧

2 ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ዕላማ ምህላው ኪበሃል ከሎ: ብህይወት እትነብረሉ ምኽንያት ምፍላጥ: ንጹር ሸቶ ምህላው: ከምኡውን ጻዕርታትካ ዜተኵረሉ ቐንዲ ነገር ምርዳእ ማለት እዩ። ሰባት ከምዚ ዝበለ ዕላማ ኺህልዎም ይኽእልዶ፧ እሂናይ ደኣ! እቲ ዘሎና ምስትውዓልን ሕልናን ናይ ምሕሳብ ክእለትን: ፈጣሪ ኣብዛ ምድሪ ብህይወት ንኽንነብር ብቑዕ ዕላማ ኸም ዝነበሮ ዚሕብር እዩ። ስለዚ: ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ክንረክብን ነዚ ዕላማ እዚ ኽንፍጽምን እንኽእል: ምስ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ዄንና ጥራይ እዩ።

3. እቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ ብዙሕ ነገራት ዜጠቓልል ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት: እታ ኣምላኽ ዘላቶ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ: ኣብቲ ድንቂ ዝዀነ ኣፈጣጥራና ተራእያ እያ። (መዝሙር 40:5፣ 139:14) ስለዚ: ብመሰረት ዕላማ ኣምላኽ ምንባር ኪበሃል ከሎ: ከምቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ንኻልኦት ብዘይ ስስዐ ምፍቃር ማለት እዩ። (1 ዮሃንስ 4:7-11) ነቲ ምስቲ ፍቕራዊ ዕላማኡ ተሰማሚዕና ንኽንነብር ኪሕግዘና ዚኽእል መምርሒታት ኣምላኽ ምሕላው እውን ዜጠቓልል እዩ።—መክብብ 12:13፣ 1 ዮሃንስ 5:3

4. (ሀ) ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ንኺህልወካ እንታይ የድሊ፧ (ለ) ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪስዕቦ ኻብ ዚኽእል ዕላማ እቲ ዝለዓለ እንታይ እዩ፧

4 ኣምላኽ: ሰባት ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ኵሎም ፍጥረታትን ብሓጐስን ብሰላምን ኪነብሩ ዕላማኡ ነበረ። (ዘፍጥረት 1:26፣ 2:15) ሓጐስን ሰላምን ቅሳነትን ንኽንረክብ ግን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ልክዕ ከምቲ ሓደ ቘልዓ ምስ ወለዱ ኪኸውን ከሎ ሓጐስን ቅሳነትን ዚስምዖ: ንሕና እውን ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ዕላማ ህይወት ኪህልወና እንተ ደሊና: ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ኣለዎ። (እብራውያን 12:9) ኣምላኽ ናብኡ ንኽንቀርብ ብምፍቃድን ንጸሎትና ብምስማዕን ከምዚ ዝበለ ርክብ ንኽንምስርት መገዲ ኸፊቱልና ኣሎ። (ያእቆብ 4:8፣ 1 ዮሃንስ 5:14, 15) ብእምነት ‘ምስ ኣምላኽ ብምምልላስ’ ኣዕሩኹ እንተ ዄንና: ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ሓጐስን ውዳሰን ከነምጽኣሉ ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 6:9፣ ምሳሌ 23:15, 16፣ ያእቆብ 2:23) እዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪስዕቦ ኻብ ዚኽእል ዕላማ እቲ ዝለዓለ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 150:6

ዕላማ ህይወትካ እንታይ እዩ፧

5. ንስጋዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ: ንርእስናን ንስድራቤትናን ክንከናኸን እዩ። እዚ ኸኣ ብኣካላውን ብመንፈሳውን ዜድሊ ምምላእ ዜጠቓልል እዩ። ከምዚ ኽንገብር ከለና ግን: ዓለማዊ ድሌትን ጕዳያትን ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ንኸይዕብልሎ ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና። (ማቴዎስ 4:4፣ 6:33) እቲ ዜሕዝን ግን: ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ስጋዊ ነገራት ኣብ ምጥራይ ዘተኰረ እዩ። ይኹን እምበር: ንዅሉ ዜድልየና ብስጋዊ ነገራት ጥራይ ከነዕግብ ምፍታን ጥበባዊ ኣይኰነን። ኣብዚ ቐረባ እዋን: ብዛዕባ እቶም ኣብ እስያ ዚርከቡ ሚልዮነራት ዚገልጽ መጽናዕቲ ተገይሩ ነበረ፣ እቲ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ: መብዛሕትኦም እዞም ሰባት እዚኣቶም “ደረጃ ናብራኦም ክብ ዝበለ ኸምኡውን ኣሳልጦ ምርካቦም ዜምጽኣሎም ስምዒት እኳ እንተሎ: ቅሳነት ዘይብሎምን ጭኑቓትን እዮም።”—መክብብ 5:11

6. የሱስ ሃብቲ ብዛዕባ ምድላብ እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

6 የሱስ ብዛዕባ “ምዕሻው ሃብቲ” ተዛሪቡ ነበረ። (ማርቆስ 4:19) ሃብቲ መዐሸዊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ሓጐስ ዘየምጽእ ክነሱ: ሓጐስ ዜምጽእ ኰይኑ ስለ ዚቐርብ እዩ። እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን “ገንዘብ ዚፈቱ ገንዘብ ኣይጸግብን” በለ። (መክብብ 5:10 ትርጕም 1990) ይኹን እምበር: ስጋዊ ሸቶታት እናሰዓብካ ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍሲ ኸተገልግሎ ይከኣል ድዩ፧ ፈጺምካ ኣይከኣልን እዩ። የሱስ: “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ: ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ: ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ” በለ። ንሰዓብቱ ድማ ኣብዛ ምድሪ ንዋይ ኪእክቡ ዘይኰነስ: “ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ” ኪገብሩ ተላበዎም፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ‘ኸይለመንናዮ ዜድልየና ዚፈልጥ’ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ኪህልወና የኽእለና።—ማቴዎስ 6:8, 19-25

7. ነቲ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ክንረክብ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኪጽሕፈሉ ኸሎ: ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ሓያል ምኽሪ ሃቦ። ከምዚ ድማ በሎ:- “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት . . . በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። . . . ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ: ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።”—1 ጢሞቴዎስ 6:17-19

“ናይ ሓቂ ህይወት” እንታይ እዩ፧

8. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ሃብትን ዝለዓለ ደረጃን ንኺረኽቡ ፋሕተርተር ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘየስተውዕልዎ ነገር እንታይ እዩ፧

8 መብዛሕትኦም ሰባት: ነታ “ናይ ሓቂ ህይወት” እትብል ሓረግ ኪሰምዑ ኸለዉ: ተድላን ሓጐስን እዩ ዚረኣዮም። ሓንቲ ኣብ እስያ እትሕተም መጽሔት: “እቶም ፊልም ወይ ቲቪ ዚርእዩ ሰባት: ነቲ ዚርእይዎ ነገራት ይብህጉ ኸምኡውን ነቲ ኺህልዎም ዚኽእል ነገራት ይምነዩ” በለት። ብዙሓት ሰባት ሃብቲ ምርካብን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጻሕን ዕላማ ህይወቶም ይገብርዎ እዮም። ነዚ ነገራት እዚ ኺረኽቡ ኢሎም: ንእስነቶም: ጥዕናኦም: ሓዳሮም: ከምኡውን መንፈሳዊ ነገራት መስዋእቲ ይገብሩ። ሒደት ሰባት ግን: ከምዚ ዝበለ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚቐርብ ነገራት: ነጸብራቕ “መንፈስ ዓለም” ምዃኑ ይፈልጡ እዮም፣ እዚ ኸኣ እቲ ንቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዚጸልዎምን ኣንጻር እቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚኸዱ ዚገብሮምን ዓብላሊ ኣተሓሳስባ እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:12፣ ኤፌሶን 2:2) ብዙሓት ሰባት ሓጐስ እንተ ዘይረኸቡ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ምሳሌ 18:11፣ 23:4, 5

9. ደቅሰብ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘይክእሉ፧ ስለምንታይከ፧

9 ብዛዕባ እቶም ንኻልኦት ሰባት ንምሕላይ ኢሎም ብዘይ ስስዐ ለፋዕ ዚብሉ: ጥሜትን ሕማምን ዘይፍትሓውነትን ንምጥፋእ ድማ ዚጽዕሩ ሰባት እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እቲ ኻብ ጽቡቕ ዕላማ ብምብጋስን ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእን ዚገብርዎ ጻዕሪ ንብዙሓት ሰባት ይጠቅም እዩ። ይኹን እምበር: ዝጸዓሩ እንተ ጸዓሩ: ነዚ ስርዓት እዚ ፍትሓውን ጽቡቕን ኪገብርዎ ኣይክእሉን እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ [ሰይጣን] ተትሒዛ” እያ ዘላ: ንሱ ኸኣ ክትቅየር ኣይደልን እዩ።—1 ዮሃንስ 5:19

10. እቶም እሙናት ሰባት “ናይ ሓቂ ህይወት” ዚረኽቡ መዓስ እዮም፧

10 ሓደ ሰብ ተስፋ ዘይብሉ እንተ ዀይኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሕዝን! ጳውሎስ “ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ: ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና” ኢሉ ጸሓፈ። እቶም ህይወት እዚ ጥራይ ከም ዝዀነ ዚኣምኑ: “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዚብል ኣረኣእያ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 15:19, 32) ኰይኑ ግን: መጻኢ ኣሎ፣ ከመይሲ: “ከምቲ ተስፋኡ [ተስፋ ኣምላኽ]: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።” (2 ጴጥሮስ 3:13) ኣብቲ ግዜ እቲ: ክርስትያናት ፍጹማት ኰይኖም: ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍቕራዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ “ናይ ሓቂ ህይወት:” ማለት “ህይወት ዘለኣለም” ኪረኽቡ እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 6:12

11. ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ምዕያይ ዕላማ ዘለዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ንጸገማት ደቅሰብ ኣብ ምፍታሕ ዕውትቲ ኽትከውን እትኽእል መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ። ስለዚ: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ምዕያይ: እቲ ዝበለጸ ዕላማ ዘለዎ ጻዕሪ እዩ። (ዮሃንስ 4:34) ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽንሳተፍ ከለና: ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና እተባረኸ ርክብ ይህልወና። ኣብ ጐድኒ እቶም ተመሳሳሊ ዕላማ ህይወት ዚስዕቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ኣሕዋትና አሓትናን ብምግልጋል ድማ ሓጐስ ንረክብ።

ቅኑዕ መስዋእቲ ምግባር

12. ነቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘሎ ህይወት ምስቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ኣነጻጽሮ።

12 ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ: እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም “ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ።” ዝዀነ ይኹን ክፋል እዛ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም: እንተላይ እቲ ዝናኣን ሃብታን ካብ ጥፍኣት ኣየምልጥን እዩ፣ “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃንስ 2:15-17) እቲ “ናይ ሓቂ ህይወት:” ማለት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ናይ ዘለኣለም ህይወት: ምስቲ ዘየተኣማምን ሃብቲ: ምስቲ ሓላፊ ኽብሪ: ከምኡውን ኣብዚ ስርዓት እዚ ዚርከብ ዕምቈት ዘይብሉ ሓጐስ ኪነጻጸር ከሎ: ነባርን ቅኑዕ መስዋእቲ ኽንከፍለሉ ዚግባእን እዩ።

13. ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ቅኑዕ መስዋእቲ ዝገበሩ ብኸመይ እዮም፧

13 ንሄንሪን ሱዛንን እሞ ኸም ኣብነት ንርአ። ኣብቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ህይወቶም ንመንግስቱ ዜቐድሙ ኸም ዚሕግዞም ዝኣተዎ መብጽዓ ምሉእ እምነት ኣለዎም። (ማቴዎስ 6:33) በዚ ምኽንያት እዚ: ኣብ ክንዲ ኽልቲኦም ዓለማዊ ስራሕ ዚሰርሑ: ምስተን ክልተ ደቆም ኰይኖም ንግዜኦም ዝያዳ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ምስዓብ ንኼሕልፍዎ: ኣብ ሓደ ኽቡር ዘይኰነ ቤት ኪነብሩ ጀመሩ። (እብራውያን 13:15, 16) ሓንቲ ብዙሕ ሃብቲ ዘለዋ ፈታዊቶም ነቲ ዝገበርዎ ምርጫ ኽትርድኦ ኣይከኣለትን። ንሱዛን ድማ “ኣንቲ ሱዛን: ኣብ ዝሓሸ ቤት ክትነብሪ እንተ ደሊኺ: ገለ ነገር መስዋእቲ ኽትገብሪ ኣሎኪ” በለታ። ሄንሪን ሱዛንን ግን: ንየሆዋ ቐዳምነት ምሃብ: “ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ” ኸም ዘለዎ ይፈልጡ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 4:8፣ ቲቶስ 2:12) እተን ውሉዳቶም ዓብየን ቀናኣት ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰና። ከም ስድራቤት መጠን ኣብ ህይወቶም ዘምለጦም ነገር ዘሎ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ምስዓብ ዕላማ ህይወቶም ብምግባሮም ብዙሕ እዮም ተጠቒሞም።—ፊልጲ 3:8፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:6-8

‘ነዛ ዓለም ኣይትጠቐመላ’

14. ነቲ ናይ ሓቂ ዕላማና ምርሳዕ ናብ ከመይ ዝበለ ዜሕዝን ኵነታት እዩ ዚመርሓና፧

14 ነቲ ናይ ሓቂ ዕላማና እንተ ረሲዕናዮን ነቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” እንተ ሓዲግናዮን: ከቢድ ሓደጋ ኼጋጥመና እዩ። ‘ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ክንሕነቕ’ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 8:14) ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ባህግን “ሓልዮት ሓዳርን” ኣብዚ ስርዓት እዚ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኸም እትእለኽ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 21:34) እቲ ዜሕዝን ድማ ገሊኦም ሰባት ኣብቲ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ቕጥዒ ዘይብሉ ሃብታም ናይ ምዃን ድሌት ጥሒሎም እዮም: ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ክቡር ርክብ ብምሕዳግ “ካብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።” እዚ ዅሉ ነታ ‘ህይወት ዘለኣለም ብዘይምሓዞም’ ዚመጽእ ሳዕቤን እዩ!—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10, 12፣ ምሳሌ 28:20

15. ሓንቲ ስድራቤት ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ምጥቃም’ እተረብሐት ብኸመይ አያ፧

15 ጳውሎስ: “እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ” ኢሉ መዓደ። (1 ቈረንቶስ 7:31) ኪትን ቦኒን ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎ እዮም። ኪት ከምዚ በለ:- “ትምህርቲ ሕክምና ስኒ ኣብ ዝወዳእኩሉ እዋን እየ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ። ኣማራጺ ነበረኒ። ሓያሎ ሕሙማት ብምሕካም ብዙሕ ገንዘብ ክረክብ እኽእል ነይረ: ከምዚ ምግባር ግን ምስቲ መንፈሳዊ ህይወትና ዚጋጮ ነበረ። ስለዚ: ንመንፈሳውን ስምዒታውን ጥዕና እታ ጸኒሓ ሓሙሽት ውሉዳት እተጠቓልል ስድራቤተይ ንምሕላው ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽረክብ: ነቲ ናይ ሕክምና ስርሐይ ደረት ገበርኩሉ። ዝያዳ ገንዘብ እንረኽበሉ እዋን ሳሕቲ እኳ እንተ ዀነ: ምቝጣብ ግን ተማሂርና ኢና፣ ኵሉ ግዜ ድማ ዜድልየና ነገራት ንረክብ ኢና። ስድራቤትና ንሓድሕዳ እትቀራረብ: ምውቕቲ: ከምኡውን ሓጐስ ዝመልኣ ነበረት። ኣብ መወዳእታ ዅልና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርና። ሕጂ ዅለን ውሉዳትና ተመርዕየንን ሰለስተ ኻባታትን ወሊደንን እየን። ንዕላማ የሆዋ ቐዳምነት ምሃብ ስለ ዘይቋረጻ ኸኣ: ምስ ስድራቤተን ሓጐስ ረኺበን ኣለዋ።”

ንዕላማ ኣምላኽ ቀዳምነት ምሃብ

16, 17. መጽሓፍ ቅዱስ ንመን ተውህቦ ዘለዎም ሰባት ይጠቅስ፧ ብኸመይ እዮምከ ዚዝከሩ፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብነት እቶም ብዕላማ ኣምላኽ እተመላለሱን ዘይተመላለሱን ሰባት ዝሓዘ እዩ። ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ዚርከብ ትምህርቲ ነቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕድመ: ባህሊ: ኵነታት ዘለዉ ሰባት ዚኸውን እዩ። (ሮሜ 15:4፣ 1 ቈረንቶስ 10:6, 11) ኒምሮድ ዓበይቲ ኸተማታት ሰርሐ: ነዚ ግን ንየሆዋ ንምጽራር እዩ ገይርዎ። (ዘፍጥረት 10:8, 9) ካልኦት ብዙሓት ሰናይ ኣብነት ዚዀኑ ሰባት ግን ኣለዉ። ንኣብነት: ዕላማ ህይወት ሙሴ: ነቲ ኸም ግብጻዊ ልዑል መጠን ዝነበሮ መዓርግ ምዕቃብ ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ሓላፍነታት ‘ካብቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ መዝገብ ንላዕሊ ኸም ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ረኣዮ።’ (እብራውያን 11:26) እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ ንጳውሎስን ንኻልኦት ሰባትን ካብ ሕማሞም ንኺሕሾም ሓጊዝዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ወንጌላውን ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስን ብምዃኑ እዩ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገበር። ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ: ከም ክኢላ ሕጊ ዘይኰነስ: ከም ሚስዮናውን ‘ሃዋርያ ኣህዛብን’ እዩ ዚፍለጥ።—ሮሜ 11:13

17 ዳዊት ብቐዳምነት ከም ወተሃደራዊ ኣዛዚ: ከም ሙዚቀኛ: ወይ ከም ኣዳላዊ ሙዚቃ ዘይኰነስ: ን“እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ” ብምንባሩ ኢና እንዝክሮ። (1 ሳሙኤል 13:14) ዳንኤል ከም ኣብ መንግስቲ ባቢሎን ዝነበረ ብዓል-ስልጣን ዘይኰነስ: በቲ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘቕረቦ ኣገልግሎት፣ ኣስቴር ከም ንግስቲ ፋርስ ዘይኰነስ: ከም ኣብነት ትብዓትን እምነትን፣ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን እውን ከም ዕዉታት ገፈፍቲ ዓሳ ዘይኰነስ: ከም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኢና እንፈልጦም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ንየሱስ ከም “ጸራቢ” ዘይኰነስ: ከም “ክርስቶስ” ኢና እንርእዮ። (ማርቆስ 6:3፣ ማቴዎስ 16:16) ኵሎም እዞም ዝጠቐስናዮም ሰባት: ክእለት: ሃብቲ: ወይ መዓርግ ይሃልዎም ብዘየገድስ: ህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ደኣ እምበር: ኣብ ዓለማዊ ስርሖም ዘተኰረ ኪኸውን ከም ዘይብሉ ተረዲኦም ነበሩ። እቲ ዝበለጸን ዓስቢ ዘለዎን ዕላማ: ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ ኴንካ ምንባር ምዃኑ እውን ይፈልጡ ነበሩ።

18. ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ንህይወቱ ብኸመይ ኪጥቀመላ እዩ ወሲኑ፧ እንታይከ እዩ ተረዲኡ፧

18 እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስናዮ ሰንግ ጂን እውን እዚ ነገር እዚ ተረድኦ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንዅሉ ሓይለይ ኣብ ሕክምና: ኣብ ስነ-ጥበብ: ወይ ኣብ ትምህርቲ ኻብ ዝውፍዮ: ንህይወተይ ምስቲ ርእሰይ ንኣምላኽ ዝወፈኹሉ ምኽንያት ብዚሳነ መገዲ ኽጥቀመላ ወሰንኩ። ኣብዚ እዋን እዚ: ሰባት ነታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትወስድ መገዲ ምእንቲ ኺረኽብዋ: ኣብቲ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ዘድልዩሉ ቦታ አገልግል ኣለኹ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ምዃን ዜሰልኪ ኸም ዝዀነ ገይረ ዝሓሰብኩሉ እዋን ነይሩ። ሕጂ ግን ንባህርያተይን ምስቶም ፍሉይ ባህሊ ዘለዎም ሰባት ብሓደ ናይ ምስራሕ ክእለተይን ንምምሕያሽ እጽዕር ስለ ዘለኹ: ህይወተይ ብዝያዳ መሳጢት ኰይና ኣላ። ትርጕም ዘለዎ ህይወት: ንዕላማ የሆዋ ዕላማና ምግባር ጥራይ ምዃኑ ርእየዮ እየ።”

19. ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ከም ክርስትያናት መጠን: ህይወት ዜድሕን ፍልጠትን ተስፋ ምድሓንን ኣሎና። (ዮሃንስ 17:3) ይኹን እምበር: ‘ንጸጋ ኣምላኽ ብኸንቱ ኽንቅበሎ የብልናን።’ (2 ቈረንቶስ 6:1) ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ኽቡር መዓልትታትን ዓመታትን ህይወትና ንየሆዋ ንምውዳስ ንጠቐመሉ። ነቲ ሕጂ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽእን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕን ፍልጠት ንዘርግሕ። ከምዚ ብምግባር: ንሓቅነት እተን “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዚብላ ቓላት የሱስ ክንርኢ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ድማ ኪህልወና እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ኣብ ህይወትና ኺህልወና ኻብ ዚግባእ ዕላማ እቲ ዝለዓለ እንታይ እዩ፧

• ስጋዊ ነገራት ንምርካብ ምጽዓር ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

• እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ “ናይ ሓቂ ህይወት” እንታይ እዩ፧

• ህይወትና ንዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ ክንጥቀመላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ቅኑዕ መስዋእትታት ኪገብሩ ኣለዎም