ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ምርጫታት

ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ምርጫታት

ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ምርጫታት

“ብኻ ኻልእ ምርጫ ገይረ!” ኢልካ እተዛረብካሉ እዋናት ክንደይ እዩ፧ እቲ እንገብሮ ምርጫታት: ብፍላይ ከኣ ንህይወትና ዚትንክፍ ዓይነት ምርጫ እንተ ዀይኑ: እንጠዓሰሉ ኪኸውን ኣይንደልን ኢና። ብኸመይ ኢና ግን ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ምርጫ ኽንገብር እንኽእል፧

ፈለማ: ናይ ብሓቂ ዜተኣማምን መለክዒታት ኪህልወና ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ መለክዒታት ኣሎዶ፧ ብዙሓት ሰባት ዘሎ ኣይመስሎምን እዩ። ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: ካብቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመት ቤት ትምህርቲ ዚርከቡ ተመሃሮ ኮለጅ እቶም 75 ሚእታዊት ዝዀኑ: ጽቡቕን ሕማቕን ዚበሃል ከም ዘየለ ኸምኡውን ከምዚ ዝበለ ኣምር ብመሰረት “ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ባህላዊ ፍልልያትን” ኪለዋወጥ ከም ዚኽእል እዮም ዚኣምኑ።

ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ኣብ ናይ ብሕቲ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ሓፋሽ ኣረኣእያ እተመርኰሰ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ርትዓዊ ድዩ፧ ኣይኰነን። ሰባት ዝደለይዎ ኺገብሩ ናጻ እንተ ዝዀኑ ነይሮም: ኵሉ ነገር ሕንፍሽፍሽ ምኣተዎ ነይሩ። ሕጊ: ቤት ፍርዲ: ከምኡውን ፖሊስ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኺነብር ዚደሊ መን ኣሎ፧ ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ብሕታዊ ኣረኣእያ ዜተኣማምን መምርሒ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ሓደ ቕኑዕ እዩ ኢልና ዝኣመንናሉ ነገር ንገብር ንኸውን: ጸኒሑ ግን ከም እተጋገና ንፈልጥ። እወ: ብምሉኡ ታሪኽ ደቅሰብ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ: “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ዚገልጽ ሓሳብ ሓቂ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። (ኤርምያስ 10:23) ነቲ ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ንኽንውስን ኪሕግዘና ዚኽእል መምርሒ ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧

እቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዝነበረ መንእሰይ መራሒ ናብ የሱስ ከደ። ከምቲ ዝረኣናዮ ድማ የሱስ መልሲ ኺህቦ ኸሎ: ንሕጊ ኣምላኽ ጠቐሰ። የሆዋ ኣምላኽ ዝለዓለ ምንጪ ፍልጠትን ጥበብን ምዃኑ ኸምኡውን ንፍጡራቱ ዚሓይሽ ከም ዚፈልጥ የሱስ ተገንዚቡ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን” ዝበለ። (ዮሃንስ 7:16) ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ጥበባዊ ምርጫ ንኽንገብር ኪሕግዘና ዚኽእል ምንጪ ዜተኣማምን መምርሒ እዩ። ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ ሓጐስ ኬምጽኣልና ዚኽእል ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሒደት መሰረታዊ ስርዓታት እስከ ንርአ።

ወርቃዊት ሕጊ

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከቱ: ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ጥበባዊ ውሳነ ንኽንገብር ዚሕግዘና መሰረታዊ ስርዓት ሂቡ ነበረ። “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ድማ በለ። (ማቴዎስ 7:12) እዚ ስርዓት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ: ወርቃዊ ሕጊ ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ።

ገሊኦም ሰባት ግን ምስዚ ዚመሳሰል ኣሉታዊ ኣገላልጻ እዮም ዚጥቀሙ፣ እዚ ኸኣ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩኹም ዘይትደልይዎ: ንኻልኦት ከምኡ ኣይትግበሩ” ዚብል እዩ። ኣብ መንጎ እታ ወርቃዊት ሕግን እዚ ኣሉታዊ ኣገላልጻን ዘሎ ፍልልይ ንምርኣይ: ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ እተዛረቦ ምሳሌ እስከ ንርአ። ሓደ ኣይሁዳዊ ተኸትኪቱን ዳርጋ ምውት ኰይኑን ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ። ሓደ ኻህንን ሓደ ሌዋውን ግን ርእዮምዎ ኽነሶም: ከም ዘይረኣዩ ዀይኖም ከዱ። ከምዚ ብምግባሮም ኣብ ልዕሊ ስቓይ እቲ ሰብኣይ ዋላ ሓንቲ ኣይወሰኹን፣ ስለዚ: ንኣሉታዊት ትርጕም እታ ወርቃዊት ሕጊ እዮም ስዒቦም ኪበሃል ይከኣል እዩ። ብኣንጻሩ ግን: ብእኡ ዚሓልፍ ዝነበረ ሳምራዊ ነቲ ሰብኣይ ንኺሕግዞ ኢሉ ደው በለ። ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ: ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ድማ ወሰዶ። ከምቲ ንዕኡ ኺግበረሉ ዚደልዮ: ነቲ ሰብኣይ ገበረሉ። ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ከኣ ቅኑዕ ምርጫ ገበረ።—ሉቃስ 10:30-37

ነዛ ሕጊ እዚኣ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዜሐጕስ ውጽኢት ክንረክብ እንኽእለሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ሓንቲ ስድራቤት ናብቲ ንሕና እንነብረሉ ኸባቢ ግዒዛ ንበል። ንኣባላት እታ ስድራቤት ንኽትላለዮምን መርሓባ ንኽትብሎምን ስለምንታይ ተበግሶ ዘይትወስድ፧ ምስቲ ኸባቢ ንኺፋለጡ ኽትሕግዞም ከምኡውን ንዚደልይዎ ነገራትን ሕቶታቶምን ክትምልሰሎም ትኽእል ኢኻ። ሕያውነት ንምርኣይ ተበግሶ ብምውሳድ: ምስቶም ሓደስቲ ጐረባብትኻ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወካ እዩ። ንኣምላኽ ዜሐጕስ ነገር ከም ዝገበርካ ብምፍላጥ እውን ዕግበት ክትረክብ ኢኻ። እዝስ ጥበባዊ ውሳነ ደይኰነን፧

ንኻልኦት ኣብ ምፍቃር እተመስረተ ምርጫታት

የሱስ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኣብ ርእሲ ምሃቡ: ጥበባዊ ምርጫ ንኽትገብር ኪሕግዘካ ዚኽእል ካልእ መምርሒ እውን ሂቡ ነበረ። ካብ ሕጊ ሙሴ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ምስ ተሓተተ: “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ” በለ።—ማቴዎስ 22:36-40

ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ “ሓድሽ ትእዛዝ” ሃቦም። (ዮሃንስ 13:34) ነዚ ትእዛዝ እዚ ሓድሽ ኢሉ ዝጠቐሶ ስለምንታይ እዩ፧ ንብጾቶም ምፍቃር ሓንቲ ኻብተን ብዘሎ ሕጊ እተሰቕለለን ሕግታት ምዃና ገሊጹዶ ኣይነበረን፧ እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ: “ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ተባሂሎም ተኣዚዞም ነበሩ። (ዘሌዋውያን 19:18) የሱስ ግን: ልዕሊ እዚ ንኺገብሩ እዩ ንደቀ መዛሙርቱ ዚእዝዞም ነይሩ። ኣብታ ምሸት እቲኣ: ህይወቱ ኣብ ክንዳኦም ከም ዚህብ ነገሮም። “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” ድማ በሎም። (ዮሃንስ 15:12, 13) እወ: እዚ ትእዛዝ እዚ ንጥቕሚ ኻልኦት ቀዳምነት ምሃብ ዚሓትት ብምዃኑ ሓድሽ እዩ ነይሩ።

ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእለሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ: እዚ ኸኣ ድሌትና ጥራይ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዚኸይድ እዩ። ንኣብነት: ኣብቲ እትነብረሉ ህንጻ ዘለዉ ጐረባብትኻ በቲ ንዓኻ ባህ ዜብለካ መጠን ድምጺ ሙዚቃ ይርበሹ ይዀኑ። እቶም ጐረባብትኻ ሰላም ምእንቲ ኺረኽቡ ነቲ ባህ ዜብለካ ነገር ክትሓድጎ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ብኻልእ ኣበሃህላ: ካብ ጥቕሚ ርእስኻ ንጥቕሚ ጐረባብትኻ ቐዳምነት ትህብ ዲኻ፧

ካልእ ኣብነት እስከ ርአ። ኣብ ሓደ ቘራርን ውርጪ ዝወርደሉን እዋን ክረምቲ: ኣብ ካናዳ ዚነብሩ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ በጽሕዎ። ኣብ መንጎ ዝርርቦም ድማ እቲ ሰብኣይ ብምኽንያት ሕማም ልቢ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛኡ ዘሎ ውርጪ ኺጸርጎ ኸም ዘይከኣለ ተዛረበ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ዚኸውን: እቲ ውርጪ ኺጽረግ ከሎ ሰምዐ። እቶም ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መገድን ነቲ ናብ ኣፍ ደገ ዚወስድ መደያይቦን ንኺጸርጉ ተመልሱ። እቲ ሰብኣይ ናብቲ ኣብ ካናዳ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሎሚ መዓልቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብግብሪ ርእየ። ነቲ ነዛ ዓለም ብዚምልከት ዝነበረኒ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ንኺመሓየሽን ንኺልወጥን ሓጊዙኒ። ብተወሳኺ እውን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም እትገብርዎ ዕዮ ዘሎኒ ዓብዪ ኣኽብሮት ኣደልዲሉለይ።” እወ: ኣዝዩ ንእሽቶ እውን እንተ ዀነ: ሓገዝ ምሃብ: ንኻልኦት ሰባት ብኣወንታዊ መገዲ ይጸልዎም እዩ። ጥቕሚ ርእስኻ ንምስዋእ ምርጫ ምግባር: ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽእ!

ንኣምላኽ ኣብ ምፍቃር እተመስረተ ምርጫታት

ነቲ የሱስ ዝዓበየ ትእዛዝ ኢሉ ዝጠቐሶ ንኣምላኽ ምፍቃር: ምርጫታት ክንገብር ከለና ኽንርስዖ ዘይብልና ኻልእ ረቛሒ እዩ። የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን: ነቶም ድሮ ኸም ህዝቢ መጠን ንየሆዋ እተወፈዩ ኣይሁድ እዩ ተዛሪብወን። ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሱን ብምሉእ ልቡን ብምፍቃር ንኼገልግሎ ወይ ንኸየገልግሎ ኺመርጽ ነበሮ።—ዘዳግም 30:15, 16

ብተመሳሳሊ: እቲ እትገብሮ ምርጫታት ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚስምዓካ ዜርኢ እዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ጥቕሚ ብዝያዳ እናተረድኣካ ብዝኸደ መጠን: ንስኻ እውን ምርጫ ኽትገብር ኣሎካ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ብምጽናዕ ሰዓቢ የሱስ ክትከውን ፍቓደኛ ዲኻ፧ የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” ኢሉ ስለ ዝነበረ: ከምዚ እንተ ጌርካ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።—ማቴዎስ 5:3 NW

እቲ መንእሰይ መራሒ ብዛዕባ እቲ ምርጫኡ ተጣዒሱ እንተ ዀይኑ ኣይንፈልጥን ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ ክርስቶስ ንብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምስዓቡ እንታይ ከም እተሰምዖ ግን ንፈልጥ ኢና። መወዳእታ ህይወቱ ይቐርበሉ ኣብ ዝነበረ ኣብ ከባቢ 64 ድ.ክ.: ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ” በሎም። (2 ጴጥሮስ 1:14፣ 3:14) ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ቕድሚ 30 ዓመት ዝገበሮ ምርጫ ኣይተጣዕሰን: ንኻልኦት ድማ ካብቲ ዝገበርዎ ምርጫ ፈልከት ከይብሉ ኣተባብዖም።

ንምኽሪ ጴጥሮስ ምስዓብ: ነቲ ወደ መዝሙር የሱስ ምስ ኰንካ ዚመጽእ ሓላፍነታት ምስካም ከምኡውን ንትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ማለት እዩ። (ሉቃስ 9:23፣ 1 ዮሃንስ 5:3) እዚ ኸቢድ ኪመስል ይኽእል እዩ: የሱስ ግን: “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ዚብል መብጽዓ ኣትዩ ኣሎ።—ማቴዎስ 11:28-30

ኣርተር ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ርአ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከሎ: ንሙዚቃ ሞያኡ ኺገብሮ ብምሕሳብ ትምህርቲ ቫዮሊን ኪመሃር ጀመረ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ: ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢታት ቫዮሊን ናይ ምህራም ብቕዓት ኣጥረየ። ኰይኑ ግን: ሕጉስ ኣይነበረን። ኣቦኡ ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ብዙሕ ሕቶታት ስለ ዝነበሮ: መምህራን ሃይማኖት ናብ ቤቱ ይዕድም ነበረ፣ ፈጺሙ ግን በቲ ዚህብዎ መልሲ ዓጊቡ ኣይፈልጥን ነበረ። ከም ስድራቤት ኰይኖም: ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽን ስለምንታይ እከይ ኪህሉ ኸም ዝፈቐደን ይዘራረቡ ነበሩ። ድሕርዚ: ኣቦ ኣርተር ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪመያየጥ ጀመረ። እቲ ዝገበሮ ምይይጥ ሰሓቦ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እታ ስድራቤት ብምልእታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።

ድሕሪ ግዜ: ኣርተር ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዕ ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ተረድአ: ዕላማ ህይወት ከኣ ብንጹር ፈለጠ። ምስቶም ሰለስተ ኣባላት ስድራቤቱ ድማ ፈጺሙ ዘይጠዓሰሉ ምርጫ ገበረ። ርእሱ ንየሆዋ ወፈየ። “የሆዋ ብዛዕባ ሓቂ ኸም ዝፈልጥ ብምግባርን ካብቲ ኣብ መንጎ ሰብ ሞያ ሙዚቃ ልሙድ ዝዀነ ሕማቕ ውድድር ብምንጋፍን ባሪኹኒ እዩ። ምኽንያቱ: ሰባት ዕዉታት ንኪዀኑ ዘይገብርዎ ነገር የልቦን” በለ።

ኣርተር ሕጂ እውን ንፈተውቱ ንምዝንጋዕ ቫዮሊን ይሃርም እዩ: ህይወቱ ግን ኣብዚ ዘተኰረት ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ: ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘተኰረት እያ። ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ የገልግል ኣሎ። ንስኻ እውን ከምቲ ሃብታም ዝነበረ መንእሰይ መራሒ ዘይኰነስ: ከምቲ ኣርተርን ካልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባትን ዝገበርዎ: ነቲ የሱስ ንኽትስዕቦ ዘቕረበልካ ዕድመ ብምቕባል ዓብዪ ሓጐስ ዜምጽኣልካ ምርጫ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

እትገብሮ ምርጫ ኣብ ህይወት ካልኦት ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ሰዓቢ ክርስቶስ ክትከውን ዲኻ፧