ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ዮኤልን ትንቢት ኣሞጽን ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ትንቢት ዮኤልን ትንቢት ኣሞጽን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ዮኤልን ትንቢት ኣሞጽን ዚጐልሕ ነጥብታት

ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “ዮኤል ወዲ ጴቱኤል” ኢሉ ጥራይ እዩ ገሊጹ። (ዮኤል 1:1) ዮኤል ኣብታ ብስሙ እተጻሕፈት መጽሓፍ: ካብቲ መልእኽቱ ሓሊፉ ብዙሕ ስለ ዘይገልጽ: እቲ ትንቢት እተዛረበሉ እዋን እውን ከይተረፈ ብግምት እዩ ኺፍለጥ ዚከኣል: እዚ ኸኣ ኡዝያ ኣብ ይሁዳ ንጉስ ካብ ዚኸውን ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ኣብ ከባቢ 820 ቅ.ክ. ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ብዙሕ ካብ ምግላጽ እተቘጠበ ግን ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ መልእኽተኛ ዘይኰነስ: ኣብቲ መልእኽቲ ኼተኵር ስለ ዝደለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብግዜ ኡዝያ ሓደ ኣሞጽ ዝስሙ ኣብ ይሁዳ ዚቕመጥ ዝነበረ “ጓሳ ኣሓን ኣራይ ዳዕሮን” እውን ነብዪ ኪኸውን ተመዚዙ ነበረ። (ኣሞጽ 7:14) ዮኤል ኣብ ይሁዳ ኺንበ ኸሎ: ኣሞጽ ድማ ናብታ ብሸነኽ ሰሜን ዝነበረት ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ተላእከ። ትንቢት ኣሞጽ ብ804 ቅ.ክ. እቲ ነብዪ ናብ ይሁዳ ምስ ተመልሰ እያ ተዛዚማ: ቀሊል ግን ከኣ መሳጢ ብዝዀነ መገዲ ድማ እያ ተጻሒፋ።

“ኣየ: እዛ መዓልቲ እዚኣ”—ስለምንታይ

(ዮኤል 1:1–3:21)

እቲ ዮኤል ዝረኣዮ ራእይ: ወረራ ዅብኵብታን ኣንበጣን ሓሰኻን እዩ ነይሩ። እቶም ወረርቲ ድማ “ዓብይን ሓያልን ህዝቢ” ኸምኡውን “ጀጋኑ” ተባሂሎም ኣለዉ። (ዮኤል 1:4፣ 2:2-7) ዮኤል “መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ: ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ: ኣየ: እዛ መዓልቲ እዚኣ” ኢሉ ጓሂኡ ገለጸ። (ዮኤል 1:15) የሆዋ ንተቐማጦ ጽዮን “ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ” ኢሉ መዓዶም። ከምዚ እንተ ገይሮም: ‘ንህዝቡ ኺርሕርሓሎም’ ከምኡውን ነቲ “ሰሜናዊ:” ማለት ንመጥቃዕቲ ሓሸራ ኻብኦም ኬርሕቖ እዩ። እታ ዓባይ መዓልቲ ቕድሚ ምምጻኣ ግን: የሆዋ ‘መንፈሱ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ኪኽዑ’ እዩ: “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት” ኪገብር እዩ።—ዮኤል 2:12, 18-20, 28-31

ኣህዛብ: “ማሕረሻኹም ሰይፊ: ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ” ዚብልን ንውግእ ኪዳለዉ ዚነግርን ሕቶ ቐረበሎም። ናብቲ ዚፍረዱሉን ዚጠፍኡሉን “ለሰ ዮሳፋጥ” ኪወጹ ድማ ተኣዘዙ። “ይሁዳ ግና ንዘለኣለም ትነብር።”—ዮኤል 3:10, 12, 20

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:15፣ 2:1, 11, 31፣ 3:14—“መዓልቲ እግዚኣብሄር” እንታይ እያ፧ እዛ መዓልቲ እዚኣ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ፍርዲ ብምፍጻም ዜጥፍኣላ: እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ድማ ድሕነት ዚረኽቡላ ግዜ እያ። ንኣብነት: ልክዕ ከምዚኣ ዝበለት መዓልቲ: ብ539 ቅ.ክ. ጥንታዊት ባቢሎን ብሜዶንን ፋርስን ኣብ እተሳዕረትሉ እዋን ወሪዳ ነበረት። (ኢሳይያስ 13:1, 6) ገና ግን ካልእ “መዓልቲ እግዚኣብሄር” ቀሪባ ኣላ: እዚኣ ኸኣ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ፍርዲ ምስ ኣውረደ ኽትፍጸም እያ።—ራእይ 18:1-4, 21

2:1-10, 28—እቲ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሓሸራታት ዚገልጽ ትንቢት እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ምድሪ ከነኣን ክንዲ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዮኤል ተገሊጹ ዘሎ ዚኸውን መጥቃዕቲ ሓሸራታት ከም ዘጋጠማ ዚገልጽ ጸብጻብ የልቦን። ስለዚ: እቲ ዮኤል ዝገለጾ መጥቃዕቲ: ነቲ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ብ33 ድ.ክ. መንፈስ የሆዋ ድሕሪ ምርካቦም ንመራሕቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዜሳቕዮም መልእኽቲ ዝነገሩሉ እዋን ዜመልክት ምሳልያዊ ትንቢት እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1, 14-21፣ 5:27-33) ኣብዚ ግዜና ኣብ ተመሳሳሊ ዕዮ ኽንካፈል ምኽኣልና ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ።

2:32—‘ስም የሆዋ ምጽዋዕ’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ስም ኣምላኽ ምጽዋዕ ኪበሃል ከሎ: ንስሙ ምፍላጥ: ነዚ ስም እዚ ዓሚቝ ኣኽብሮት ምርኣይ: ከምኡውን ኣብቲ በዚ ስም እዚ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ምትእምማንን ጸግዕኻ ምግባርን ማለት እዩ።—ሮሜ 10:13, 14

3:14—“ለሰ ምምዳብ” እንታይ እዩ፧ ፍርዲ ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ምሳልያዊ ቦታ እዩ። ብግዜ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ዮሳፋጥ—ትርጕም ስሙ “የሆዋ ፈራዲ እዩ” ዚብል እዩ—ኣምላኽ ንሰራዊት እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣህዛብ ሕንፍሽፍሽ ብምእታው ንይሁዳ ኣድሓና። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እያ እታ ቦታ “ለሰ ዮሳፋጥ” ተባሂላ። (ዮኤል 3:2, 12) ኣብዚ ግዜና ኸኣ ኣህዛብ ልክዕ ከም ወይኒ ተጸሚቖም ዚጠፍኡሉ ምሳልያዊ ቦታ እዩ ዜመልክት።—ራእይ 19:15

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:13, 14 ናይ ሓቂ ንስሓ ኸምኡውን የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ንምድሓን ኣገዳሲ እዩ።

2:12, 13 ናይ ሓቂ ንስሓ ልባዊ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንደጋዊ ‘ኽዳን ምቕዳድ’ ዘይኰነስ: ንውሽጢ ‘ልቢ ምቕዳድ’ ዜጠቓልል እዩ።

2:28-32 እታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ምስ መጸት: “ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ” ጥራይ እዩ ዚድሕን። የሆዋ ንመንፈሱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ብምፍሳስ: መንእሰያት ይኹኑ ዓበይቲ: ኣወዳት ይኹኑ ኣዋልድ: ኣብቲ ናይ ምንባይ ዕዮ ኸም ዚካፈሉ: ማለት “እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ከም ዚዛረቡ ምግባሩስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና! (ግብሪ ሃዋርያት 2:11) መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ኣብ እትመጸሉ ዘላ እዋን: “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ደይኰንናን ትሑዛት ክንከውን ዘሎና፧—2 ጴጥሮስ 3:10-12

3:4-8, 19 ዮኤል እቶም ኣብ ከባቢ ይሁዳ ዝነበሩ ኣህዛብ ነቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ብምግፍዖም ተሓተትቲ ምዃኖም ተነብዩ ነበረ። ከም መፈጸምታ እዚ ትንቢት እዚ ድማ ጢሮስ በቲ ንጉስ ባቢሎን ዝነበረ ነቡካድነጻር ዓነወት። ድሕርዚ: እታ ደሴት ዝነበረት ከተማ ብኢድ ኣለክሳንደር ዓብዪ ምስ ወደቐት: ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰራዊትን ህቡባት ሰባትን ተቐትሉ: ካብቶም ነበርቲ ድማ 30,000 ዝዀኑ ንባርነት ተሸጡ። ፍልስጥኤማውያን እውን ብኣለክሳንደርን በቶም ዝተክእዎ መራሕትን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ወሪድዎም። ኤዶም ድማ ብራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ዓነወት። (ሚልክያስ 1:3) እዚ ትንቢታት እዚ ምፍጻሙ: ነቲ የሆዋ መብጽዓኡ ኸም ዚፍጽም ዘሎና እምነት የደልድሎ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: የሆዋ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መስጐጕቲ ዜውርዱ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሕዞም ዜርኢ እዩ።

3:16-21 ‘ሰማይን ምድርን ኬንቀጥቅጥ:’ ኣህዛብ ከኣ ከቢድ ፍርዲ የሆዋ ኺወርዶም እዩ። “ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቆቢ” ብምዃን ኣብ ገነት ንኺነብሩ ህይወት ኪህቦም እዩ። እቲ የሆዋ ነዛ እክይቲ ዓለም ፍርዱ ዚፍጽመሉ እዋን እናቐረበ ብዝኸደ መጠን: ናብኡ ንምቕራብ ቈራጽነት ክንገብርዶ ኣይግባእን፧

“ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ”

(ኣሞጽ 1:1–9:15)

ኣሞጽ ነቶም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበሩ ጸላእቲ ህዝብታትን ንይሁዳን ንእስራኤልን ዚኸውን መልእኽቲ ነበሮ። ሶርያ: ፍልስጥኤም: ጢሮስ: ኤዶም: ከምኡውን ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ጭካነ ዝመልኦ ግፍዒ ስለ ዘውረዳ: ጥፍኣት ይጽበየን ነበረ። ተቐማጦ ይሁዳ ድማ “ንሕጊ እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ” ስለ ዝነበሩ ጥፍኣት ይጽበዮም ነበረ። (ኣሞጽ 2:4) ብዛዕባ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤልከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እቲ ዝገበረቶ ሓጢኣት: ስስዕ ዝመልኦ ጭቈና ድኻታት: ዘይስነ-ምግባራውነት: ከምኡውን ንነብያት ኣምላኽ ምግፋዕ ዜጠቓልል ነበረ። ኣሞጽ: የሆዋ “ንመሰውኢታት ቤት-ኤልውን ክቐጽዖ” “ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ክወቕዔን” ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነበረ።—ኣሞጽ 3:14, 15

እቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ዝነበሩ እስራኤላውያን እተፈላለየ ዓይነት መቕጻዕቲ እኳ እንተ ወረዶም: ነቓጻት ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣሞጽ: “ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ” በሎም። (ኣሞጽ 4:12) መዓልቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን: ናብ ኣሶር: ማለት ‘ናብ ክንየው ደማስቆ ዚማረኹላ’ ግዜ እያ። (ኣሞጽ 5:27) ኣሞጽ ካብቲ ኣብ ቤትኤል ዝነበረ ኻህን ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ነቕ ኣይበለን። የሆዋ ንኣሞጽ “ንህዝበይ እስራኤል መወዳእታ መጾም: ደጊም ድሕርዚ ኣይክሐልፎምን እየ” በሎ። (ኣሞጽ 8:2) ሲኦል ከምኡውን ነዋሕቲ ኣኽራናት ካብ ፍርዲ የሆዋ ኺሓብኦም ኣይክእልን እዩ። (ኣሞጽ 9:2, 3) ይኹን እምበር: ናይ ምምላስ ተስፋ ነበሮም። የሆዋ ኸምዚ በለ:- “ኣነ ኸኣ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ: ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ወይኑ ኸኣ ኪሰትዩ: ኣታኽልቲ ኺገብሩ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።”—ኣሞጽ 9:14

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

4:1—እተን “ኣሓ ባሳን” ንመን እየን ዜመልክታ፧ እቲ ኻብ ባሕሪ ገሊላ ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከብ ከበሳ ባሳን: በቲ ብሉጽ መፍረ እንስሳታት: እንተላይ ብመፍረ ላም ይፍለጥ ነበረ። እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ልሙዕ መጋሃጫ ድማ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣሞጽ ነተን ተድላ ዝፈትዋ ዝነበራ ኣንስቲ ሰማርያ ምስተን ኣሓ ባሳን ኣመሳሲልወን ነበረ። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን: ሃብተን ምእንቲ ኽብ ኬብላ ኢለን: ‘ጐይተተን’ ወይ ሰብኡተን ንመሳኪን ንኼታልልዎም ጸቕጢ የውርዳሎም ከም ዝነበራ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

4:6—እቲ “ጽሩይ ስኒ” ዚብል መግለጺ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ ቓላት እዚ “እንጌራ ኣስአንኩኹም” ምስ ዚብላ ቓላት ብሓደ ተጠቒሳ ስለ ዘላ: ነቲ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ: ስኒ ዚጸርየሉ እዋን ጥሜት ከተመልክት ትኽእል እያ።

5:5— እስራኤላውያን ‘ንቤት-ኤል ኪደልይዋ ዘይብሎም’ ስለምንታይ እዮም፧ የሮብዓም ኣብ ቤት-ኤል ናይ ምራኽ ኣምልኾ መስሪቱ ነበረ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ እታ ኸተማ ማእከል ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዀይና ነበረት። ጊልጋልን ብኤር ሸባዕን እውን ኣምልኾ ኽሕደት ዚካየደለን ቦታታት ነይረን ክዀና ይኽእላ እየን። ካብቲ ብትንቢት እተነግረ መዓት ንምምላጥ: ህዝቢ እስራኤል ንንግደት ኢሎም ናብዚ ቦታ እዚ ኻብ ምኻድ ኪቍጠቡን ንየሆዋ ኺደልይዎን ነበሮም።

7:1—“ዓጺድ ንጉስ” ንምንታይ የመልክት፧ ነቶም ፈረሰኛታትን እንስሳታትን ንምክንኻን ተባሂሉ በቲ ንጉስ ዚእከብ ዝነበረ ግብሪ ኼመልክት ይኽእል እዩ። እዚ ግብሪ እዚ “ኣብ መጀመርታ እቲ ዳሕራይ ምጥጣዕ” እዩ ዚኽፈል ነይሩ። ብድሕሪኡ: እቶም ህዝቢ ንእኽሎም ይዓጽዱ። ከምዚ ቕድሚ ምግባሮም እዩ ግን ኣንበጣ ንኣእካሎምን ንኻልእ ኣትክልቶምን ዘጥፈኦ።

8:1,2—እቲ “ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር” እንታይ የመልክት፧ መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝቐረበት የመልክት። ብሱል ፍረ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ዓጺድ: ማለት ኣብ መወዳእታ ናይ ሕርሻ ዓመት እዩ ዚእከብ። የሆዋ ንኣሞጽ “ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር” ኸም ዚርኢ ምግባሩ እምበኣር: መወዳእታ ህዝቢ እስራኤል ከም ዝቐረበ ዜመልክት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣምላኽ ንኣሞጽ “ንህዝበይ እስራኤል መወዳእታ መጾም: ደጊም ድሕርዚ ኣይክሐልፎምን እየ” ዝበሎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:3, 6, 9, 11, 13፣ 2:1, 4, 6 የሆዋ “መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ” ዝበለ: ኣብ ልዕሊ እስራኤል: ይሁዳ: ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ሽዱሽተ ዓድታት ስለ እተቘጥዐ እዩ። እቲ የሆዋ ዝህቦ ፍርዲ ኸተምልጠሉ ዘይከኣል እዩ።—ኣሞጽ 9:2-5

2:12 ነቶም ኣበርቲዖም ዚዓዩ ፈለምቲ: ገየሽቲ ሓለውቲ: ሚስዮናውያን: ወይ ኣባላት ስድራ ቤትኤል: ነቲ ንቡር ዚበሃል ናብራ ንኺስዕቡ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ዚሓድግዎ ብምግባር ተስፋ ኸነቝርጾም የብልናን። ብኣንጻሩስ: ነቲ ሰናይ ዕዮኦም ንኪቕጽልዎ ኸነተባብዖም ኣሎና።

3:8 ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ኣንበሳ ኺጓዝም ከሎ ዚፈርህ: ኣሞጽ እውን የሆዋ “ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ” ኪብል ምስ ሰምዖ ንኺሰብኽ ተደረኸ። (ኣሞጽ 7:15) ኣምላኻዊ ፍርሃት: ቀናኣት ሰበኽቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን ኪድርኸና ኣለዎ።

3:13-15፣ 5:11 እቲ ጓሳ ዝነበረ ኣሞጽ ነቶም ብሰንኪ ሃብቶም ኣዝዮም ቅሱናት ዝነበሩ ህዝቢ ብሓገዝ የሆዋ ‘ኺምስክረሎም’ ከኣለ። ብተመሳሳሊ: እቲ እንሰብከሉ ኽሊ ኣዝዩ በዳሂ ይኹን ብዘየገድስ: የሆዋ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንነግር ኬዕጥቐና ይኽእል እዩ።

4:6-11፣ 5:4, 6, 14 እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ‘ንኺምለሱ’ ብተደጋጋሚ እተገብረ ጻዕሪ ፈሺሉ እኳ እንተ ተረፈ: “ንእግዚኣብሄር ድለዩ: ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኹም” ዚብል ምሕጽንታ ግን ተዋሂብዎም ነበረ። የሆዋ ትዕግስቲ ብምግባር እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ንኪቕጽል ክሳዕ ዝፈቐደ: ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ናብ ኣምላኽ ንኺመጹ ኸነተባብዖም ኣሎና።

5:18, 19 ናይ ብሓቂ ኸይተዳለኻ ‘ንመዓልቲ የሆዋ ምድላይ’ ዕሽነት እዩ። ከምዚ ዚገብር ሰብኣይ: ምስቲ ኻብ ኣንበሳ ሃዲሙ ምስ ድቢ ዚጓነፍ: ድሕሪኡ ድማ ካብ ድቢ ሃዲሙ ብተመን ዚንከስ እዩ። ብመንፈሳዊ ‘ንቑሕ’ ምዃንን ድሉው ኴንካ ምንባርን ጥበባዊ እዩ።—ሉቃስ 21:36

7:12-17 ነቲ መልእኽቲ ኣምላኽ ክንነግር ከለና: ተባዓትን ደፋራትን ክንከውን ኣሎና።

9:7-10 እቶም እሙናት ዘይነበሩ እስራኤላውያን: ዘርኢ እቶም እሙናት ኣበው ከምኡውን ዘርኢ እቶም ካብ ግብጺ ሕሩያት ኣምላኽ ኰይኖም ዝወጹ ህዝቢ እኳ እንተ ነበሩ: እዚ ግን ልክዕ ከም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሕማቕ ከም ዘይረኣዩ ኣይገበረን። እምበኣር: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንኺህልዎም: ኣብ መስመር ወለዶ ዘይኰነስ: ‘ንኣምላኽ ኣብ ምፍራህን ቅንዕና ኣብ ምግባርን’ እተመርኰሰ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ሰይጣን ዓለም መለኮታዊ ፍርዲ ዚፍጸመሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ። ኣምላኽ: እቶም ዜምልኽዎ ሰባት ንደቅሰብ ብዛዕባ እታ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ንኼጠንቅቕዎም መንፈሱ ሂብዎም ኣሎ። ካልኦት ንየሆዋ ንኺፈልጥዎን ‘ስሙ ንኺጽውዑን’ ኣብ ምሕጋዝ ምሉእ ብምሉእ ክንካፈልዶ ኣይግባእን፧—ዮኤል 2:31, 32

ኣሞጽ “እከይ ጽልኡ: ሰናይ ከኣ አፍቅሩ: ኣብ ደገውን ፍርዲ ኣጽንዑ” ኢሉ ኣተባቢዑና ኣሎ። (ኣሞጽ 5:15) መዓልቲ የሆዋ ኽትቀርብ ከላ: ናብ የሆዋ ምቕራብ ከምኡውን ካብዛ እክይቲ ዓለምን ዜባላሹ ምሕዝነታን ምርሓቕ ጥበባዊ እዩ። ትንቢት ዮኤልን ትንቢት ኣሞጽን ከምዚ ንምግባር ዚሕግዘና ኸመይ ዝበለ እዋናዊ ትምህርቲ ዀን እየን ሒዘን ዘለዋ!—እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዮኤል “መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ” ኢሉ ተነበየ!

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም ኣሞጽ: ንመልእኽቲ ኣምላኽ ክንነግር ከለና ተባዓትን ደፋራትን ክንከውን ኣሎና