ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ምስቲ ገንሸል ዓወት ብምርካብ’ ተሓጐሰ

‘ምስቲ ገንሸል ዓወት ብምርካብ’ ተሓጐሰ

‘ምስቲ ገንሸል ዓወት ብምርካብ’ ተሓጐሰ

ኣብቲ ብ1971 ዝጸሓፎ ደብዳበ: ካሪ ዎልተር ባርበር ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምግልጋል ብዛዕባ ዘሕለፎ 50 ዓመት ከምዚ በለ:- “እተን ንየሆዋ ብምግልጋል ዘሕለፍክወን ዓመታት: ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ባህ ዜብላ ነበራ። እቲ ምስ ህዝቢ የሆዋ ዘሕለፍክዎ ምሕዝነት፣ እቲ ኻብቶም ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘለዉ እኩያት ሰባት ዝረኸብክዎ ዕቝባ፣ እቲ ምስቲ ገንሸል ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዓወት ናይ ምርካብ ተስፋ፣ እቲ ንፍቕሪ የሆዋ ዜርኢ መርትዖ ተሓዋዊሱ ባህ ዜብል ሰላም ከምኡውን ነቲ ንልቢ ዚሕሉን ንናይ መወዳእታ ዓወት ብዚምልከት ርግጽ ተስፋ ዚህብን ውሽጣዊ ዕግበት ዜምጽእ እዩ።”

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት: ብመንፈስ እተቐብአ ክርስትያን ዝዀነ ሓው ባርበር ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ 30 ዓመታት ድማ ነቲ ‘ምስቲ ገንሸል ዚረኽቦ ዓወት’ ብህንጥዮት ይጽበ ነበረ። ሰንበት 8 ሚያዝያ 2007 ወዲ 101 ዓመት ኰይኑ ኽሳዕ ዚመውት ተኣማንነቱ ብምሕላዉ: ነቲ ብህንጥዮት ዚጽበዮ ዝነበረ ነገር ረኺብዎ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:57

ካሪ ባርበር ብ1905 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተወልደ: ብ1921 ድማ ኣብ ዊኒፐግ: ካናዳ ተጠምቀ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት: ንሱን ኖርማን ዝስሙ ማንታ ሓውን ኣብቲ ሓድሽ ፕሮጀክት ንኺሕግዙ ናብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ገዓዙ። እቲ ግዜ እቲ: ህዝቢ የሆዋ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ ብዘላ ዓለም” ንምዝርጋሕ ንጽሑፋቶም ባዕሎም ኪሓትሙ ዝጀመሩሉ እዋን እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:14) ሓደ ኻብቲ ሓው ባርበር እተዋህቦ ናይ መጀመርታ መዝነት: ኣብ ንእሽቶ ሓታሚት ማኪና ኺሰርሕ እዩ ነይሩ። ካብ መንጎ እቲ ዚሓትሞ ዝነበረ ነገራት ከኣ: ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚውሰድ ዝነበረ ምስ ሕጋዊ ጕዳያት ዚተሓሓዝ ነገር ይርከቦ። ድሕሪ ግዜ: ሓው ባርበር ኣብ ጕዳያት ጉባኤ ኸምኡውን ኣብታ ሃገር ይግበር ኣብ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ኣትኵሮ ብምግባር ምስ ክፍሊ ኣገልግሎት ኪዓዪ ጀመረ።

ሓው ባርበር ከምዚ ዝበለ ድሕረ-ባይታ ስለ ዝነበሮ: ብ1948 ገያሺ ኣገልጋሊ ዀይኑ ኺሽየም ከሎ ብቑዕ እዩ ነይሩ፣ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚግበር ዝነበረ ዓበይቲ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ድማ ይበጽሕ ነበረ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ዕዮ ህዝባዊ ስብከት ምክፋል ባህ የብሎ ኸም ዝነበረ ይዛረብ ነይሩ። እዚ ዕዮ እዚ: ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ሓው ባርበር ከም ዚራኸቡ ገበሮም። ብድሕርዚ: ኣብ መበል 26 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ኪካፈል ከሎ: እቲ በሊሕ ኣእምሮኡን ንኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣትን ጠቒምዎ እዩ። እናተማህረ ኸሎ: ምስታ ሲድኒ ሊ ብሪወር ዝስማ ኻብ ካናዳ ዝመጸት መማህርቱ ተፋለጠ። ድሕሪ ምምራቖም ተመርዓዉ: ሕጽኖቶም ከኣ ናብታ ኣብ ከባቢ ቺካጎ: ኢልዮንስ እትርከብ ጉባኤ ንኼገልግሉ ኪኸዱ ኸለዉ ገበርዎ። ሓብትና ሲድኒ ኣብቲ ንዕስራ ዓመት ዝገበርዎ ዕዮ መገሻ: ንብዓል ቤታ ንፍዕቲ ብጸይትን ምንጪ ቐጻሊ ደገፍን ምዃና ኣርእያ እያ።

እቶም ንሓው ባርበር ሓላው ኣውራጃ ወይ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ኣብ ዘገልገለሉ ዓመታት ወይ ከኣ ኣብቲ ን30 ዓመት ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዝዓየየሉን እተጓዕዘሉን እዋን ዚፈልጥዎ ሰባት: ንመደረኡን ነቲ ዚህቦ ህያው ሓሳባቱን ኣይርስዕዎን እዮም። እምበኣር: ‘ምስቲ ገንሸል ዓወት ብምርካቡ’ እንሕጐሰሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።