ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሲራኩሳ ጳውሎስ ኣብ ጕዕዞኡ ዘላገሰላ ኸተማ

ሲራኩሳ ጳውሎስ ኣብ ጕዕዞኡ ዘላገሰላ ኸተማ

ሲራኩሳ ጳውሎስ ኣብ ጕዕዞኡ ዘላገሰላ ኸተማ

ብ59 ድ.ክ. ኣቢሉ ይኸውን: ሓንቲ መርከብ ካብታ ኣብ መዲተራነያን እትርከብ ደሴት መሊጠ ናብ ኢጣልያ ትጐዓዝ ነበረት። እታ መርከብ ዕላማ ወይ ኣርማ “ድዮስቆሮስ” ዚበሃሉ ንባሕረኛታት ዜዕቍቡ ጌርካ ዚእመነሎም ዝነበረ ኣማልኽቲ ነበራ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሉቃስ: እታ መርከብ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ገማግም ሲስሊ እትርከብ ወደብ “ሲራኩሳ” ከም ዘዕረፈትን ኣብኡ “ሰለስተ መዓልቲ” ኸም ዝጸንሐትን ኣዘንትዩ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:11, 12) ኣብታ መርከብ ምስ ሉቃስ ናብ ሮሜ ንፍርዲ ዚኸዱ ዝነበሩ ኣርስጠርኮስን ሃዋርያ ጳውሎስን ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 27:2

ጳውሎስ ኣብ ሲራኩሳ ኻብታ መርከብ ኪወርድ እንተ ተፈቒዱሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ንሱን ምስኡ ዚጐዓዙ ዝነበሩ ብጾቱን ካብታ መርከብ እንተ ወሪዶም: እንታይ ርእዮም ኪዀኑ ይኽእሉ፧

ብግዜ ግሪኻውያንን ሮማውያንን: ሲራኩሳ ምስ ኣቴንስን ሮሜን ትወዳደር ነበረት። ብመሰረት ያታ: ሰብ ቈረንቶስ ንሲራኩሳ ብ734 ቅ.ክ. እዮም ደኲኖምዋ። እዛ ኸተማ ልዑል ክብሪ ዝረኸበትሉ እዋን ነይሩ እዩ: ከም እኒ ደራሲ ተዋስኦ ዝነበረ ኢፒካርምስን ክኢላ ሕሳብ ዝነበረ ኣርኪመድስን ዝኣመሰሉ ውሩያት ሰባት ኣብኣ እዮም ተወሊዶም። ብ212 ቅ.ክ. ሮማውያን ንሲራኩሳ ሰዓርዋ።

ናብዛ ሎሚ ዘላ ሲራኩሳ ምብጻሕ እንተ ጌርካ: ብዛዕባ እታ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበረት ከተማ እተወሰነ ነገር ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። እታ ኸተማ ኣብ ክልተ ኽፋላት እተመቕለት ነበረት፣ እዚ ኽፋላት እዚ ድማ ሓደ ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ ኣዕሪፋትሉ ኽትከውን እትኽእል ንእሽቶ ደሴት ኦርቲጂያ ኪኸውን ከሎ: ካልእ እቲ ኣብቲ ቐንዲ ምድሪ ዚርከብ ክፋላ እዩ።

ሎሚ ኣብታ ደሴት ዑናታት እቲ ብናይ ግሪኽ ኣገባብ እተሃንጸ ኣብ ሲስሊ ኻብ ዚርከብ ኣብያተ-መቕደስ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. እተሃንጸ ቤተ መቕድስ ኣፖሎ ይርከብ። ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. እተሃንጸ ንኣቴና እተወፈየ ኣዕኑድ ቤተ መቕደስ እውን ኣሎ: እዚ ግን ክፍሊ ናይ ሓደ ካቴድራል ኰይኑ ኣሎ።

እዛ ዘመናዊት ከተማ ኣብቲ ቐንዲ ምድሪ እትርከብ ኰይና: ኣብኣ ስነ-ጥንታዊ መናፈሻ ኒያፖሊስ ኣሎ። ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ናይ ግሪኽ ትያትር ኣሎ። እዚ ኸኣ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ስነ-ህንጻ ትያትር እዩ። ናብ ባሕሪ ገጹ ዝገበረ ብምዃኑ: ኣብኡ ዚቐርብ ምርኢታት ማራኺ ንኪኸውን ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ኣብ ደቡባዊ ጫፍ እቲ መናፈሻ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. እተሃንጸ ናይ ሮማ ኣምፊትያትር ኣሎ። እቲ እንቋቝሖ መሰል ዝቕርጹ ኣምፊትያትር: 140 ሜተር ዝምንዋሑ: 119 ሜተር ከኣ ዝምግፋሑ ዀይኑ ኣብ ኢጣልያ ብግዝፉ ሳልሳይ እዩ።

ናብ ሲራኩሳ ምብጻሕ ክትገብር ኣጋጣሚ እንተ ረኺብካ: ኣብ ኦርቲጂያ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኾፍ ኢልካ: መጽሓፍ ቅዱስካ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 28:12 ገንጺልካ: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መርከብ ኰይኑ ናብቲ ወደብ ኪመጽእ ከሎ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

መሊጠ

ሲስሊ

ሲራኩሳ

ኢጣልያ

ረግዩም

ጱተዮሉስ

ሮሜ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሲራኩሳ ዚርከብ ዑናታት ትያትር ግሪኽ